ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 13 ገጽ 124-ገጽ 127 ሕ.ጽ. 1
  • ንሰማዕቲ ምጥማት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰማዕቲ ምጥማት
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንሰማዕትኻ ብምጥማት ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 13 ገጽ 124-ገጽ 127 ሕ.ጽ. 1

መጽናዕቲ 13

ንሰማዕቲ ምጥማት

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ኣብ ከባቢኻ ተቐባልነት እንተ ደኣ ኣልይዎ: ንሰማዕትኻ ሒደት ካልኢት ጠምቶም። ንውልቀ-ሰባት በብሓደ ደኣ እምበር: ንጕጅለ ሰባት ብሓፈሻ ኣይትጠምት።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ብዙሕ ባህልታት: ንሰማዒኻ እናጠመትካ ምዝራብ ትግደሰሉ ኸም ዘለኻ እዩ ዚሕብር። ነቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ኸም ዝኣመንካሉ ዚሕብር እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣዒንትና ንኣመለኻኽታናን ንስምዒትናን የመሓላልፍ እዩ። ክንግረም ወይ ክንፈርህ ከለና ኣብ ኣዒንትና ኺርአ ይኽእል እዩ። ኣዒንትና ድንጋጽ ወይ ፍቕሪ እውን ኬመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ጥርጣረ ኸም ዘሎና ወይ ከም ዝጐሃና ብኣዒንትና ኺገሃድ ይኽእል እዩ። ሓደ ብዕድመ ዝሸምገለ ሰብኣይ ብዛዕባ እቶም ብዙሕ ስቓይ ዜሕልፉ ዝነበሩ ደቂ ዓዱ “ብኣዒንትና ኢና እንዛረብ” በለ።

ገሊኦም ሰባት ኣብ ኣጠማምታና ተመርኲሶም ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ እተዛረብናዮን ኣብ ሓደ መደምደምታ ኺበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ብዙሕ ባህልታት: ሰባት ምቕልል ኢሉ ዓይኖም እናጠመተ ንዚዛረቦም ሰብ ዝያዳ እዮም ዚኣምንዎ። ብኣንጻሩ ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ናብቲ ዚዛረቦ ዘሎ ሰብ እናጠመተ: ድንን ኢሉ ወይ ናብ ካልእ ነገር እናጠመተ ዚዛረብ እንተ ደኣ ዀይኑ: ብዛዕባ ቕንዕናኡ ወይ ብዛዕባ ብቕዓቱ ኺጠራጠሩ ይጅምሩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት ግን ብፍላይ ንኣንጻር ጾታ ወይ ከኣ ንሓደ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትካ ምዝራብ ከም ስድነት ወይ ከም ድፍረት ኪቝጸር ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ድማ ሓደ ብዕድመ ንእስ ዝበለ ሰብ ብዕድመ ንዚዓብዮ ሰብ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ዚዛረቦ እንተ ደኣ ዀይኑ: ከም ንዕቐት እዩ ዚቝጸር።

ኣብቲ ኸም ነውሪ ዘይቍጸረሉ ቦታ ግን ሓደ ኣገዳሲ ሓሳብ ከተመሓላልፍ ከለኻ: ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሰብ ዓይኑ እናጠመትካ ምዝራብ ንመልእኽትኻ የትርሮ እዩ። ነቲ እተዛረበሉ ዘለኻ ኸም ዝኣመንካሉ ጌርካ እውን ኪውሰድ ይኽእል እዩ። የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ተገሪሞም “ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧” ምስ በሉ: ከመይ ገይሩ ኸም ዝመለሰሎም ኣስተብህል። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “የሱስ ጠመቶም፤ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን: ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ: በሎም።” (ማቴ. 19:25, 26) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ሰማዕቱ ንዚህብዎ ምላሽ ብትዅረት ይከታተል ከም ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ይነግረና እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ እቶም ጳውሎስ ዚዛረቦም ዝነበረ ሰባት ሓደ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝለመሰ ሰብኣይ ነበረ። ግብሪ ሃዋርያት 14:9, 10 ከምዚ ትብል:- “ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ እሞ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረአየ: ድምጹ ዓው ኣቢሉ፤ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል: በሎ።”

ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ርእይቶታት። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትጽመድ ከለኻ: ንሰባት ምቕልል ኢልካ ብምዉቕ ኣገባብ ቅረቦም። ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ: ብዛዕባ ሓደ ነቲ ሰብን ንዓኻን ዜገድሰኩም ጕዳይ ንምዝራብ መበገሲ ዚኸውን ዜተሓሳስብ ሕቶታት ተጠቐም። እዚ ኽትገብር ከለኻ ኣብ ዓይኑ ኽትጥምቶ ጻዕሪ ግበር: ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ብኣኽብሮታውን ብሕያውነታውን መገዲ ገጹ ጠምቶ። ሓጐስካ ኣብ ኣዒንትኻ እናተነበ ፍሽኽታ ኸተርኢ ኸለኻ ሰማዒኻ ይሰሓብ እዩ። እቲ ውልቀ-ሰብ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ገጽካ ዚንበብ መግለጺ ብምርኣይ: እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካ ይፈልጥ: ክትዛረብ ከለኻ ኸኣ ፍዅስ ኢልዎ ይሰምዓካ።

ኣብ ኣዒንቱ ዚንበብ መግለጺ ምዕዛብካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኺሕብረካ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ እንተ ሓሪቑ ወይ ተገዳስነት እንተ ዘይብሉ: ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ እንተ ዘይተረዲኡካ እውን ከተስተብህለሉ ኢኻ። ትዕግስቱ ይውዳእ እንተ ኣልዩ: ክትፈልጦ ኢኻ። ብሓቂ ዚግደስ እንተ ደኣ ዀይኑ: እዚ እውን ኪገሃድ እዩ። እቲ ኣብ ኣዒንቱ ዚንበብ መግለጺታት ቅልጣፈ ኣዘራርባኻ ኸተተዓራሪ: ኣብቲ ዝርርብ ንኽትጽንብሮ ተወሳኺ ጻዕሪ ኽትገብር: ነቲ ምይይጥ ከተቋርጾ: ወይ ከኣ ኣስዕብ ኣቢልካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚካየድ ከተርእዮ ኺሕብረካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ክትጽመድ ከለኻ ይኹን ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ: ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሰብ ብኣኽብሮታዊ መገዲ ዓይኒ ዓይኑ ኽትጥምቶ ጽዓር። ይኹን እምበር: ኪሓንኽ ስለ ዚኽእል ተኲርካ ኣይትጠምቶ። (2 ነገስት 8:11) ምስናይዚ ግን ምቕልል ኢልካ ብባህርያዊ መገዲ ደጋጊምካ ገጹ ጠምቶ። ከምዚ ምግባር ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብሓቂ ኸም እተገደስካሉ እዩ ዜንጸባርቕ። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካልእ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ ኣብቲ ጽሑፍ ከም እተተኵር ፍሉጥ እዩ። ነቲ ነጥቢ ንምጕላሕ ግን ንሓጺር ህሞት እውን ይኹን ትኽ ኢልካ ኣብቲ ሰብ ክትጥምት ትኽእል ኢኻ። ኣብ መንጎ ንባብካ ቝሊሕ እናበልካ ትጥምቶ እንተ ደኣ ዄንካ: ብዛዕባ እቲ ሓሳባት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ንኸተስተብህለሉ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንሰማዒኻ እናጠመትካ ምዝራብ ኣብ ፈለማ ዜሕፍረካ እንተ ደኣ ዀይኑ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድ ብባህርያዊ መገዲ ምጥማት ክትክእል ኢኻ: ምስ ካልኦት ሰባት ክትረዳዳእ ከለኻ ንእትገብሮ ርክብ እውን ከመሓይሸልካ እዩ።

መደረ ኽትህብ ከለኻ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ኰይኑ ዘቕረቦ ስብከት ቅድሚ ምጅማሩ ‘ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝጠመተ’ ይነግረና። (ሉቃ. 6:20) ንስኻውን ካብ ኣብነቱ ተምሃር። ንእኩባት ሰባት ክትዛረብ እንተ ደኣ ዄንካ: ዘረባ ቕድሚ ምጅማርካ ንሒደት ካልኢት ጠምቶም። እዚ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ንገለ ኻብቶም ሰማዕቲ ዓይኖም ምጥማት እውን ዜጠቓልል እዩ። እዚ ንሓጺር ህሞት እትገብሮ ምጥማት: ነቲ ኣብ መጀመርታ ዚስምዓካ ፍርሂ ኽትቈጻጸሮ የኽእለካ። ሰማዕትኻ ምስቲ ኣብ ገጽካ ዚንበብ ኣመላኻኽታ ወይ ስምዒት ንኺለማመዱ እውን ይሕግዞም። ብተወሳኺ: ሰማዕትኻ ጸጥ ኢሎም ብኣቓልቦ ንኺከታተሉኻ የዳልዎም።

መደረ ኽትህብ ከለኻ: ንሰማዕትኻ ጠምቶም። ስቕ ኢልካ ንዅሎም ብሓንሳእ ኣይትጠምቶም። ንገለ ኻብቶም ኣብኡ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት በብሓደ ኽትጥምቶም ፈትን። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ባህልታት: ሓደ ህዝባዊ ተዛራባይ ንሰማዕቱ እናጠመተ ኺዛረብ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ።

ንሰማዕትኻ ምጥማት ኪበሃል ከሎ: ካብ ሓደ ወገን ናብ ካልእ ወገን ቍሊሕምሊሕ እናበልካ ምጥማት ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ካብቶም ሰማዕትኻ ንሓደ ሰብ እናጠመትካ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ተዛረቦ። ካብኡ ቐጺልካ ናብ ካልእ ሕለፍ እሞ ንዕኡውን ሓደ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳባት ተዛረቦ። ይኹን እምበር: ንማንም ሰብ ክሳዕ ዚሓፍር ኣይትጠምቶ: ኣብ ሒደት ሰባት ጥራይ ከኣ ኣይተተኵር። ከምዚ እናገበርካ ንዅሎም ሰማዕትኻ ጠምቶም: እንተዀነ ግን ንሓደ ሰብ ክትጥምቶ ኸለኻ ምሉእ ብምሉእ ተዛረቦ: ናብ ካልእ ቅድሚ ምስጋርካ ኸኣ ነቲ ዚህቦ ምላሽ ኣስተብህለሉ።

ነቲ መደረ እተቕርበሉ ጽሑፍካ ዓይንኻ ብምንቅስቓስ ጥራይ ክትርእዮ ኸም እትኽእል ጌርካ ኣብቲ ኣትራኖስ ወይ ኣብ ኢድካ ወይ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣቐምጦ። ነቲ ጽሑፍካ ንምርኣይ ርእስኻ ምሉእ ብምሉእ ተድንን እንተ ደኣ ዄንካ: ንሰማዕትኻ ኸምቲ ዚድለ ጌርካ ኣይክትጥምቶምን ኢኻ። ናብ ጽሑፍካ ኽሳዕ ክንደይን መዓስን ክትጥምት ከም ዘሎካ ኽትሓስበሉ ይግባእ። ኣብቲ ኺጐልሕ ዘለዎ ነጥቢ ኽትበጽሕ ከለኻ ናብ ጽሑፍካ ትጥምት እንተ ደኣ ዄንካ: ሰማዕትኻ ንዚህብዎ ምላሽ ኣይክትርእዮን ኢኻ: መልእኽትኻ ዘለዎ ሓይሊ ድማ ብመጠኑ ኽንኪ ይኽእል እዩ። ከምኡውን ዓሰርተ ሳዕ ናብ ጽሑፍካ ትጥምት እንተ ደኣ ዄንካ: ንሰማዕትኻ ኸምቲ ዚድለ ጌርካ ኣይክትጥምቶምን ኢኻ።

ንሓደ ሰብ ኵዕሶ ኸተቐብሎ ኸለኻ: ምስ ሰንደኻያ ተቐቢልዋ እንተ ዀይኑ ትጥምቶ ኢኻ። ኣብ መደረኻ እውን ሓደ ሓሳብ ከተመሓላልፍ ከለኻ: ንሰማዕትኻ “ተቐብሎም” ኣለኻ ማለት እዩ። ከም “ዝቘለብዎ” ዚሕብረካ ኸኣ ርእሶም ብምንቕናቕ: ፍሽኽ ብምባል: ተጊሆም ብምክትታል ዜርእይዎ ምላሽ እዩ። ንሰማዕትኻ ብዚግባእ ትጥምቶም እንተ ደኣ ዄንካ: መልእኽትኻ ኸም “እተቘልበ” ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንጉባኤኻ ኸተንብበሎም እንተ ደኣ ተመዲብካ: እናንበብካ ንሰማዕትኻ ኽትጥምቶም ክትፍትን ይግባእዶ፧ ሰማዕትኻ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሎም ዚከታተሉኻ እንተ ደኣ ዀይኖም: መብዛሕትኦም ትጥምቶም እንተ ኣለኻን እንተ ዘየለኻን ኣይፈልጡን እዮም። ይኹን እምበር: እናንበብካውን እንተ ዀነ ምጥማቶም ነቲ ዚህብዎ ምላሽ ንኸተስተብህለሉ ስለ ዚሕግዘካ: ንንባብካ ህያው እዩ ዚገብሮ። መጽሓፍ ቅዱሶም ገንጺሎም ዘይከታተሉ ገለ ሰባት እንተ ደኣ ኣልዮም: ሓሳባቶም ኪገይሽ ስለ ዚኽእል: ምስ እትጥምቶም ናብቲ ዚንበብ ንኬቕልቡ ኺተባብዑ ይኽእሉ እዮም። እናንበብካ ኽትጥምቶም እትኽእል ግን ንሓጺር ህሞት ጥራይ ምዃኑ: ኣብ ንባብካ ኸም እትተዓናቐፍ ኪገብረካ ኸም ዘይብሉ እውን ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስካ ኽብ ኣቢልካ ኣብ ኢድካ ብምሓዝ መንከስካ ናብ ደረትካ ኸየጸጋዕካ ቕንዕ ትብል እንተ ደኣ ዄንካ: ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኻብ ሓደ ብንባብ ዚቐርብ ጽሑፍ መደረ ኺህቡ ይምዘዙ እዮም። ነዚ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንምቕራብ ተመክሮን ኣጸቢቕካ ምድላውን ብዙሕ ምልምማድን ይሓትት። ሓደ ተዛራባይ ብንባብ ዚቐርብ መደረ ኺህብ ከሎ: ንሰማዕቱ ኸምቲ ዚድለ ገይሩ ኺጥምቶም ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ጽቡቕ ገይሩ እንተ ደኣ ተዳልዩ ግን: ንባቡ ኸይሰሓተ ሓሓሊፉ ንሰማዕቱ ኺጥምት ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ኣቓልቦ ሰማዕቱ ብምስሓብ: ካብቲ ዚቐርብ ዘሎ ኣገዳሲ መንፈሳዊ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጥቀሙ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

ኪዝከር ዚግባእ ነጥብታት

  • ነቶም እትዛረቦም ዘለኻ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ብምርኣይ ምቕልል ኢልካ ብባህርያዊ መገዲ ተዛረቦም።

  • ከተንብብ ከለኻ: ኣዒንትኻ ጥራይ እምበር ርእስኻ ምእንቲ ኸይንቀሳቐስ: ነቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ኢድካ ሓፍ ኣቢልካ ሓዞ: መንከስካ እውን ቅንዕ ኣብሎ።

መላመዲ:- ምስ ስድራቤትን ምስ ኣዕሩኽትኻን ኣብ እትገብሮ መዓልታዊ ዝርርብ: ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ልምዲ ብዘይጋጮ መገዲ: እናጠመትካ ኽትዛረቦም ጻዕሪ ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ