ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 15 ገጽ 131-ገጽ 134 ሕ.ጽ. 4
  • ጽቡቕ ኣካላዊ ትርኢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽቡቕ ኣካላዊ ትርኢት
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ግቡእ ኣከዳድና ንኣምላኽ ከም እተኽብሮ የርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንኣኼባታትና ጽቡቕ እንኽደን ስለምንታይ ኢና፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 15 ገጽ 131-ገጽ 134 ሕ.ጽ. 4

መጽናዕቲ 15

ጽቡቕ ኣካላዊ ትርኢት

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ኣብ ኣከዳድናኻ ጽፉፍን ጽሩይን ትሑትን ክትከውን ኣሎካ። ጸጕርኻ ብዚግባእ እተመሸጠ ኪኸውን ኣለዎ። ቁመናኻ ንቑሕ ምዃንካ ኼንጸባርቕ ኣለዎ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣካላዊ ትርኢትካ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነታትካ ዘለዎም ኣረኣእያን ኣነባብራኻን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ።

ኣካላዊ ትርኢትካ ብዛዕባኻ ብዙሕ እዩ ዚገልጽ። የሆዋ ልቢ እዩ ዚርኢ: ሰብ ግን ብሓፈሻኡ ነቲ “ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ” ብምርኣይ እዩ ኣብ መደምደምታ ዚበጽሕ። (1 ሳሙ. 16:7) ጽሩይን ጽቡቕ ትርኢትን ዘሎካ እንተ ዄንካ: ሰባት ብዛዕባ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዘሎካ ይድምድሙ: ንኺሰምዑኻ ድማ ብዝያዳ ኣእምሮኦም ይኸፍቱ። ብዚግባእ ምኽዳንካ እውን: ነቲ እትውክሎ ውድብ ጽቡቕ ስም የውህቦ: ሰማዕትኻ ድማ ነቲ እተምልኾ ኣምላኽ ጽቡቕ ኣረኣእያ የሕድሩ።

ክትዓየሉ ዚግባእ መምርሒታት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣካላዊ ትርኢት ብዙሕ ሕግታት የብሉን። እንተዀነ ግን: ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ዜኽእለና ሚዛናዊ ስርዓታት ይህበና እዩ። ነዚ ዅሉ ስርዓታት መሰረት ዝዀኖ ነገር: “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል እዩ። (1 ቈረ. 10:31) ምስ ኣካላዊ ትርኢትና ዚተሓሓዝ እንታይ መሰረታዊ ስርዓታት እዩ ኣብዚ ዚጠቓለል፧

ቀዳማይ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣካላትና ዀነ ኽዳውንትና ጽሩይ ኪኸውን ከም ዘለዎ የተባብዓና። የሆዋ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ኣብ ዝሃቦ ሕጊ: ብዛዕባ ጽሬት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ሂብዎም እዩ። ንኣብነት: ካህናት ኣብ ዜገልግሉሉ እዋን: ኣካላቶምን ክዳውንቶምን ኪሓጽቡ ነበሮም። (ዘሌ. 16:4, 24, 26, 28) ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ: እቲ ኣብኡ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ግን ሕጂውን ይዓዪ እዩ። (ዮሃ. 13:10፣ ራእ. 19:8) ብፍላይ ናብ ናይ ኣምልኾ ቦታ ኽንከይድ ወይ ናብ ኣገልግሎት ክንወፍር ከለና: ሰባት ቅር ምእንቲ ኸይብሎም: ኣካላትናን ኣፍናን ክዳውንትናን ጽሩይ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ኣብ ጉባኤ መደረ ዚህቡ ወይ መርኣያ ዜቕርቡ ኣብዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ይግባእ። ንኣካላዊ ትርኢትና ቘላሕታ ምሃብ ንየሆዋን ንውድቡን ኣኽብሮት ከም ዘሎና የርኢ።

ካልኣይ: መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትናን ነፍስና ምቕጻዕን ከነማዕብል ይምዕደና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣንስቲ “ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: . . . ብሕንክን [“ትሕትና ዜርእን:” ትርጕም 1990] ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ” ኢሉ ተማሕጸነን። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ትሕትናን ነፍስኻ ምቕጻዕን ኣብ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ሰብኡት እውን ኪንጸባረቕ የድሊ እዩ።

ትሑት ሰብ ንኻልኦት ሰባት ብዘይረብሕ ነገር ኬቐይሞም ኰነ ናብ ርእሱ ዘይግባእ ኣቓልቦ ኺስሕብ ኣይደልን እዩ። እታ ምቕጻዕ ነፍሲ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ነቲ ምስትውዓል ወይ ምምዝዛን ዜፍሪ ጥዑይ ኣእምሮ ተመልክት እያ። ነዘን ባህርያት እዚኣተን ዜንጸባርቕ ሰብ: ንስርዓታት ኣምላኽ ካብ ምኽባር ዝመነጨ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣለዎ። ነዚ ባህርያት እዚ ምንጽብራቕ ኪበሃል ከሎ: ጽቡቕ ኣከዳድና ኺህልወና የብሉን ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ: ኣብ ትርኢትና ውርዙዋት ንኽንከውንን ቅጥዒ ዘይብሉ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ንኸነወግድን ይሕግዘና። (1 ዮሃ. 2:16) ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኣብ ቦታ ኣምልኾ ዀነ: ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዀነ: ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ክንዓየሉ ንደሊ ኢና። ኣብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንኽደኖ ኽዳንና እውን ከይተረፈ ትሕትናን ምቕጻዕ ነፍስን ኪንጸባረቕ ኣለዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ: ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንኽንህብ ኣጋጣሚታት ይኽፈተልና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ከምቲ ንሰሙናዊ ዀነ ንዓበይቲ ኣኼባታት እንኽደኖ እኳ እንተ ዘይተኸደንና: ኣከዳድናና ግን ጽፉፍን ጽሩይን ትሕትና ዜርእን ኪኸውን ኣለዎ።

ልክዕ እዩ: ኵላትና ሓደ ዓይነት ኣይኰንናን እንኽደን። ከምኡ ኽንገብር እውን ትጽቢት ኣይግበረልናን እዩ። ሰባት እተፈላለየ ምርጫ ኣለዎም: እዚ ኸኣ ግቡእ እዩ። መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ወትሩ ኺዕየየሉ ኣለዎ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ስሩሕ ርእስን ደጋዊ ኽዳውንትን ንላዕሊ ዜገድስ: “እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:3, 4) ልብና እቲ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ሕያውነት: እምነት ምስ ዚመልኦ: እዚ ንኣምላኽ ብሓቂ ዜኽብሮ መንፈሳዊ ኽዳን እዩ ዚኸውን።

ሳልሳይ: መጽሓፍ ቅዱስ ትርኢትና ግቡእ እንተ ዀይኑ ንኽንሓስበሉ ይምሕጸነና። ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9 ‘ግቡእ ክዳውንቲ’ ዚብል ሓሳብ ተጠቒሱ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኽዳውንቲ ኣንስቲ እኳ ይዛረብ እንተ ነበረ: እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንሰብኡት እውን ዚምልከት እዩ። ግቡእ ዚበሃል ነገር ጽፉፍን ስርዓቱ ዝሓለወን እዩ። ብዙሕ ገንዘብ ይሃልወና ወይ ኣይሃልወና ብዘየግድስ: ጽፉፋት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ሓደ ኻብቲ ሰባት ኣብ ኣካላዊ ትርኢትና መጀመርታ ዜተኵሩሉ ነገር ጸጕርና እዩ። ጽፉፍ: ግቡእ: ወይ ስርዓት ዘለዎ ኪኸውን ይግባእ። ባህልን ተፈጥሮን ኣብቲ ሰባት ንጸጕሮም ዚምሸጡሉ ወይ ዚቕመቀሙሉ ኣገባብ ጽልዋ ይገብር እዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:14, 15 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ጸጕሪ ዝሃቦ ማዕዳ ንረክብ ኢና፣ ኣብኡ ድማ ንኽልቲኡ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ይኹን እምበር: ብጸጕሩ ኣቢሉ ኣንጻር ጾታ ኺመስል እንተ ጽዒሩ ግን: እዚ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ።—ዘዳ. 22:5

ጽፉፍ ኣካላዊ ትርኢት: ንሰብኡት ጭሕሞም ምልጻይ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣብ ላዕላይ ከንፈር ጭሕሚ ምብቋል ኣኽቢርካ ኣብ ዚርኣየሉ ቦታታት: ከምዚ ዓይነት ጭሕሚ ዜብቍል ሰብኣይ ብስርዓት ኪቕምቀም ኣለዎ።

ራብዓይ: ትርኢትና ነዛ ዓለም እዚኣን ንመገድታታን ከም እነፍቅር ኬርኢ የብሉን። ሃዋርያ ዮሃንስ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) እዛ ዓለም እዚኣ ብብዙሕ ሓጥእ ትምኒታት እያ እትፍለጥ። ገለ ኻብዚ ድማ: ፍትወት ሓጥእ ስጋን ንብረት ትዕቢትን ምዃኑ ዮሃንስ ጠቒሱ ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንናይ ዕልወት መንፈስ: ወይ ንስልጣን ዘይምእዛዝ እውን የተኵረሉ እዩ። (ምሳ. 17:11፣ ኤፌ. 2:2) እዚ ትምኒትን ኣረኣእያን እዚ ኣብቲ ሰባት ዚኽደኑሉን ዚመላኽዑሉን ኣገባብ ይንጸባረቕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ኣከዳድናኦም ትሕትና ዘይብሉ: ስምዒት ዜለዓዕል: መብለጭለጪ: ወዛል: ግዲ ዘይብሉ: ወይ ጀልገድገድ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሕና ግን ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና: ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይክርስትያናዊ መገድታት ዜንጸባርቕ ነገር ኣይንስዕብን ኢና።

ንዓለም ኣብ ክንዲ እትመስላ: ብኣከዳድናን ብትርኢትን እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ክንጽሎስ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! እቶም ኣብ መጻኢ ህዝባዊ ተዛረብቲ ኪዀኑ ዚደልዩ መንእሰያት: ንኣከዳድና እቶም ህዝባዊ መደረ ዚህቡ ሰባት ኪዕዘቡ ይኽእሉ እዮም። ኵላትና ኻብ ኣብነት እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት እተጸምዱ ውልቀ-ሰባት ክንመሃር ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 4:12፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3

ሓምሻይ: ኣየናይ ግቡእ ከም ዝዀነ ኽንውስን ከለና: “ክርስቶስ” እውን እንተ ዀነ “ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን” ዚብል ሓሳባት ክንዝክር ኣሎና። (ሮሜ 15:3) የሱስ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ዝነበረ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዩ ነይሩ። ንኻልኦት ምሕጋዝ እውን ካብ ናይ ብሕቱ ምሾት ንላዕሊ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ገሊኡ ዓይነት ኣከዳድናን ትርኢትን ኣብ መንጎናን ኣብቶም እነገልግሎም ሰባትን ዕንቅፋት ዚፈጥር እንተ ዀይኑ: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ነቲ ክርስቶስ ዘርኣዮ ትሕትና ምቕዳሑ: ብጥበብ ንኽንውስን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና” ብምባል መሰረታዊ ስርዓት ኣንቢሩልና ኣሎ። (2 ቈረ. 6:3) በዚ ምኽንያት እዚ: ነቶም እንምስከረሎም ሰባት ኣእምሮኦም ከም ዚዓጽዉ ዚገብሮም ገሊኡ ኣመሻሽጣ ጸጕሪ ወይ ክዳውንቲ ኽንገድፎ ንኽእል ኢና።

ቁመና። ጽቡቕ ኣካላዊ ትርኢት ኪበሃል ከሎ ግቡእ ቁመና እውን የጠቓልል እዩ። ልክዕ እዩ: ኵላትና ሓደ ዓይነት ኣይኰንናን: ሓደ ዓይነት ኣብነት ክንስዕብ እውን ኣይንጽዕርን ኢና። ይኹን እምበር: ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ግን: ትኽ ኢልካ ደው ምባል ንርእስኻ ኣኽብሮት ከም ዘሎካን ብሩህ ተስፋ ኸም እትጽበን የመልክት። (ዘሌ. 26:13፣ ሉቃ. 21:28) እንተዀነ ግን: ሓደ ሓው (ወይ ሓንቲ ሓብቲ) ንነዊሕ እዋን ተጐምቢሑ ብምዕያዩ: ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ: ወይ ብሰንኪ ኣካላዊ ድኽመት ቅንዕ ምባል ኬሸግሮ ወይ ኪድግፎ ኣብ ዚኽእል ነገራት ኪምርኰስ የድልዮ ይኸውን። እቶም ትኽ ኢሎም ደው ኪብሉ ዚኽእሉ ግን: ንኻልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ ቕንዕ ምባሎም ኣገዳሲ እዩ፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን: ግዲ ዘይብሎምን በቲ ዘረባኦም ዚሓፍሩን ኪመስሉ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊውን: ሓደ ተዛራባይ ኣብቲ መደረ ዚህበሉ ኣትራኖስ ኣእዳዉ ኼዕርፍ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣብኡ እንተ ዘይተመርኰሰ ግን ዝሓሸ እዩ።

ጽፉፍ ናውቲ። ጽሩይን ጽፉፍን ስርዓቱ ዝሓለወን ኪኸውን ዘለዎ ኣካላዊ ትርኢትና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ናውቲ እውን እዩ።

ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስካ እስከ ርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስና ምስ ኣረገ: ብሓድሽ ምቕያሩ ንዅላትና ቐሊል ኣይከውንን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ንመጽሓፍ ቅዱስና እተጠቐምናሉ ንውሓት ብዘየገድስ: ብጥንቃቐ ኸም ዝሓዝናዮ መርትዖ ኺህሉ ኣለዎ።

ጽሑፋትና ኣብቲ ንምስክርነት እንጥቀመሉ ቦርሳና እነቐምጠሉ ሓያሎ መገድታት እኳ እንተሎ: ብጽፈት ግን ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ብዓል ቤት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኼንብበሉ ወይ ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤ መደረ እናኣቕረበ ኸሎ ወረቓቕቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱሱ ኺወድቕ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እዝስ ንሓሳባትካ ዚሰርቕዶ ኸይኰነ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተቐምጦ ወረቓቕቲ: ሓሳባት ዚሰርቕ እንተ ዀይኑ: ንዋትካ ስርዓቱ ዝሓለወ ምእንቲ ኪኸውን ኣብ ካልእ ከተቐምጦ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ኣብ ባይታ ምቕማጥ: ኣብ ገሊኡ ባህልታት ኣኽብሮት ከም ዘይብልካ ጌርካ ኸም ዚርአ እውን ኣይትረስዕ።

ጽቡቕ ኣካላዊ ትርኢት ንዓና ኣገዳሲ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኻልኦት ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ እውን ይጸልዎ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን: ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ኽንስልሞ’ ስለ እንደሊ: ዝያዳ ቘላሕታ ኢና እንገብረሉ።—ቲቶ. 2:10

ትርኢትካ መርምር

  • ኵሉ ነገር ጽሩይ ድዩ፧

  • ትርኢትካ ትሕትናን ምምዝዛንን ዜንጸባርቕ ድዩ፧

  • ኵሉ ስርዓቱ ዝሓለወ ድዩ፧

  • ጸጕርኻ ጽፉፍ ድዩ፧

  • ኣብ ትርኢትካ ፍቕሪ እዛ ዓለም እዚኣ ዜንጸባርቕ ነገር ኣሎዶ፧

  • ትርኢትካ ንሰብ ኪዕንቅፍ ዚኽእለሉ እኹል ምኽንያት ኣሎዶ፧

መላመዲ:- ንጥፈታትካ ብዘየገድስ ንሓደ ሰሙን ዚኸውን መዓልታዊ በቲ ኣብ ገጽ 132 ዚርከብ “ትርኢትካ መርምር” ዚብል ሳጹን ጌርካ ርእስኻ መርምር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ