ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 16 ገጽ 135-ገጽ 138 ሕ.ጽ. 3
  • ርግኣት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ርግኣት
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰማዕቲ ምጥማት
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 16 ገጽ 135-ገጽ 138 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 16

ርግኣት

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ደው ክትብልን ክትንቀሳቕስን ክትዛረብን ከለኻ: ኣቃውማኻ ዀነ ኣዘራርባኻ ኸም ዘይተረበሽካ ዜርኢ ህዱእን ምዕሩግን ኪኸውን ኣለዎ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ርግኣት እንተ ኣልዩካ: ሰማዕትኻ ኣባኻ ዘይኰነስ ኣብቲ እትብሎ እዮም ብዝያዳ ዜተኵሩ።

ሓደ ተዛራባይ: ብፍላይ ብዙሕ መደረ ዘይህብ እንተ ዀይኑ: ንኺዛረብ ኪትንስእ ከሎ: ምጭናቑ ልሙድ ነገር እዩ። ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ኪዓዪ ምስ ጀመረ: ኪጭነቕ ይኽእል እዩ። ኤርምያስ ነብዪ ኪኸውን ምስ ተመዘዘ: “ገና ቘልዓ እየ እሞ: እንሆ: ክዛረብ ኣይክእልን እየ” በለ። (ኤር. 1:5, 6) የሆዋ ንኤርምያስ ሓጊዝዎ እዩ: ንዓኻውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ምስ ግዜ ኽትረጋጋእ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ርጉእ ተዛራባይ: ህዱእ እዩ። ህድኣቱ ኣብ ኣካላቱ ይርአ እዩ። ቁመናኡ ባህርያውን ነቲ ኣጋጣሚ ዚምሽእን ይኸውን። ናይ ኣእዳዉ ምንቅስቓስ ትርጕም ዘለዎ እዩ። ንድምጹ ብምቍጽጻር: ከምቲ ዚድለ ገይሩ ሓሳባቱ ኺገልጽ ይኽእል እዩ።

ንስኻ ኸምዚ ኣብዚ እተገልጸ ርጉእ ሰብ ዘይኰንካ ዀይኑ ዋላ እውን እንተ ተሰሚዑካ: ክትመሓየሽ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ሓደ ሰብ ስለምንታይ ከም ዚጭነቕን ከም ዚርበሽን እስከ ንርአ። እቲ ሽግር ኣካላዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብድሆ ኼጋጥመካ ኸሎ እሞ ብጽቡቕ ክትሰግሮ ምስ እትደሊ: ግን ከኣ ከምዚ ኸም እትገብር ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ትጭነቕ ኢኻ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ሓንጎል ንኣካላት ኣድረናሊን ዚበሃል ሆርሞን ንኼመንጩ ይእዝዞ። እዚ ኸኣ ዝያዳ ህርመት ልቢ: ለውጢ ኣተነፋፍሳ: ተወሳኺ ረሃጽ: ኣእዳውን ኣብራኽን ረድረድ ምባል: ከምኡውን ምንቅጥቃጥ ድምጺ ኼስዕብ ይኽእል እዩ። ኣካላትካ ነቲ ሓይልኻ ብምውሳኽ ኪሕግዘካ እዩ ዚጽዕር ዘሎ። እቲ ኣጸጋሚ ዀይኑ ዘሎ: ነቲ ዋሕዚ ሓይሊ ናብ ሃናጺ ኣተሓሳስባን ውዕዉዕ ኣቀራርባን ምቕያሩ እዩ።

ብኸመይ ጭንቀት ከም እትንኪ። እተወሰነ ጭንቀት ኪስምዓካ ንቡር ምዃኑ ኣይትረስዕ። ርግኣት ንኺህልወካ ግን ንጭንቀትካ ኽትንክዮን ብህድኣትን ብምዕሩግን ኣገባብ ነቲ ዅነታት ክትዋጽኣሉን ኣሎካ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧

ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። ነቲ ኽፍልኻ ንምድላው ዚኸውን ግዜ መድብ። ነቲ እትዛረበሉ ርእሰ ነገር ብንጹር ተረድኣዮ። ኣብቲ ኽፍልኻ እትሽፍኖ ነጥብታት ባዕልኻ ትመርጾ እንተ ደኣ ዀይኑ: ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዚፈልጥዎ ነገራት እንታይ ምዃኑን እንታይ ከተመሓላልፍ ከም እትደልን ኣብ ግምት ኣእቱ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝያዳ ጥቕሚ ዘለዎ ሓሳባት ንኽትመርጽ ኪሕግዘካ እዩ። ፈለማ: እዚ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ: ምስ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ተዛራባይ ተመያየጠሉ። ብዛዕባ እቲ እተቕርቦ ሓሳባትን ሰማዕትኻን ሃናጺ ትንተና ንኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንሰማዕትኻ ዚጠቕሞም ትምህርቲ ኸም ዝሓዝካ ርግጸኛ ምስ ኰንካን ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ምስ ኣስፈርካዮን: እቲ ነዚ ንኸተካፍል ዘሎካ ባህጊ ነቲ ብዛዕባ ኣቀራርባኻ ዘሎካ ጭንቀት ኪዕብልሎ ይጅምር እዩ።

ብሕልፊ ንመእተዊኻ ኣተኵረሉ። ብኸመይ ከም እትጅምር ፍለጥ። ሓንሳእ ክፍልኻ ምስ ጀመርካ: ጭንቀትካ ኺንኪ እዩ።

እዚ መሰረታዊ ስጕምትታት እዚ ንኣገልግሎት ክትዳሎ ኸለኻ እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኽትመያየጠሉ ዝመደብካ ርእሰ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ንኸመይ ዝኣመሰሉ ሰባት ከም እትምስክረሎም እውን ሕሰበሉ። ንመእተዊኻ ተጠንቂቕካ ተዳለወሉ። ካብ ተመክሮ እቶም ብሱላት ኣስፋሕቲ ተጠቐም።

ኣብ ቅድሚ ሰባት መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ንዅሉ እትብሎ ጽሒፍካ ብንባብ እንተ ኣቕሪብካዮ ዝሓሸ ርግኣት ዚህልወካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከም ሓቂ ግን: እዚ ነገር እዚ ወትሩ መደረ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ተወሳኺ ጭንቀት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ተዛረብቲ ብዙሕ መዘኻኸሪ ኼድልዮም ከሎ: ገሊኦም ግን ሒደት ከም ዜድልዮም ዚከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ንኣትኵሮኻ ዚቕይሮን ንጭንቀትካ ዚንክዮን እቲ ኣብ ወረቐት እተጻሕፈ ቓላት ዘይኰነስ: እቲ ንሰማዕትኻ ዘዳለኻሎም ነገር ብሓቂ ጠቓሚ ምዃኑ ምእማንካ እዩ።

ነቲ እተቕርቦ ሓሳባት ዓው ኢልካ ተለማመደሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምልምማድ: ሓሳባትካ ብቓላት ክትገልጾ ኸም እትኽእል ምትእምማን ይህበካ እዩ። ክትለማመደሉ ኸለኻ: ኣብ ኣእምሮኻ ስለ ዚቕረጽ: ክፍሊ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ብቐሊሉ ትዝ ኪብለካ እዩ። ነቲ ልምምድካ ህያው ግበሮ። ንሰማዕትኻ ብኣእምሮኻ ስኣሎም። ከምቲ ኽፍልኻ ኽትህብ ከለኻ እትገብሮ: ኮፍ በል ወይ ደው በል።

የሆዋ ንኺሕግዘካ ጸሊ። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት መልሲ ይህበሉ ድዩ፧ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ: እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።” (1 ዮሃ. 5:14) ንኣምላኽ ከተኽብሮን ንሰባት ካብ ቃሉ ኺጥቀሙ ኽትሕግዞምን እንተ ደሊኻ: ብርግጽ ንጸሎትካ ኺምልሶ እዩ። እዚ መረጋገጺ እዚ እተመደበልካ ንኽትፍጽም ብዙሕ ብርታዐ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚውን: ከም እኒ ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ህድኣት: ርእስኻ ምግታእ ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ከተማዕብል ከለኻ: ርጉእ ንኽትከውን ዜኽእለካ ኣረኣእያ ኺህልወካ እዩ።—ገላ. 5:22, 23

ተመክሮ ኣጥሪ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝያዳ ብእተሳተፍካ መጠን: ጭንቀትካ እናነከየ እዩ ዚኸይድ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዝያዳ ሓሳብ ብዝሃብካ መጠን: ኣብ ቅድሚ ሰባት ንኽትዛረብ ብዝያዳ እዩ ዚቐለካ። ኣብ ጉባኤ እተቕርቦ ኽፍልታት እናበዝሐ ምስ ከደ ኸኣ: እቲ ቐቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዚስምዓካ ጭንቀት ኪንኪ ይኽእል እዩ። ክፍሊ ንኸተቕርብ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ትደሊዶ፧ ካልኦት ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ተኪእካ ንኸተቕርብ ፍቓደኛ ኹን።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ስጕምትታት ድሕሪ ምውሳድካ: ነቲ ህድኣት ከም ዘይስምዓካ ዚገብር ምልክታት ምምርማሩ ጠቓሚ እዩ። ነቲ ምልክታት ምልላይካን ነዚ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ምፍላጥካን ብርግኣት ንኽትዛረብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ምልክታት ኣብ ኣካላት ወይ ኣብ ድምጺ ዚንጸባረቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣካላት ዚርአ ምልክታት። ረጊእካ ወይ ተረቢሽካ ምህላውካ: ብኣካላትካን ብኣእዳውካን ይርአ እዩ። ፈለማ እስኪ ንኣእዳውካ ንመልከት። ኣእዳውካ ንድሕሪት ጌርካ ምጥማር: ኣእዳውካ ቐጥ ኣቢልካ ደው ምባል: ወይ ነቲ ኣትራኖስ ቀጠው ኣቢልካ ምሓዝ፣ ኣእዳውካ ደጋጊምካ ኣብ ጁባኻ ምእታውን ምውጻእን: መላጕም ናይ ጁባ ምእሳርን ምፍታሕን: ብዘይ ዕላማ ምዕጉርቲ: ኣፍንጫ: መነጸር ምሓዝ፣ ሰዓት: ርሳስ: ቀለቤት: ወይ መዘኻኸሪ ወረቓቕቲ ምትንኻፍ፣ ዘይባህርያዊ ናይ ኢድ ምንቅስቓስ ምግባር፣ እዚ ዅሉ ኸም እተረበሽካ ዜርኢ እዩ።

ብቐጻሊ ኣእጋርካ ምንቅስቓስ: ዓሰርተ ሳዕ ናብ የማነ ጸጋም ምዝዛው: ከም ዓንዲ ተገቲርካ ደው ምባል: ኣካላትካ ምድርባይ: ንኸናፍርካ እናሳዕ ምትርካስ: ብተደጋጋሚ ምውሓጥ: ከምኡውን ቅልጡፍን ዕምቈት ዘይብሉን ምስትንፋስ እውን ምትእምማን ከም ዝጐደለካ ዜመልክት ነገራት እዩ።

እዚ ዅሉ ኸም እተረበሽካ ዜርኢ ምልክታት እዚ: ስርሐይ ኢልካ ጻዕሪ ብምግባር ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። በብሓደ ኸተመሓይሾ ጽዓር። ነቲ ሽግር ኣለልዮ: ንኸተወግዶ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ድማ ኣቐዲምካ ሕሰብ። ጻዕሪ እንተ ጌርካ: ከም እተረጋጋእካ ኣብ ኣካላትካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ድምጺ ዚንጸባረቕ ምልክታት። እንተ ተጨኒቕካ: ድምጽኻ ኣመና ኪቐጥን ወይ ኪንቅጥቀጥ ይኽእል እዩ። ምናልባትውን ደጋጊምካ እሕሕ ትብል ወይ ኣመና ብፍጥነት ትዛረብ። እዚ ጸገማትን ኣመላትን እዚ ንድምጽኻ ንምቍጽጻር ብትግሃት ጻዕሪ ብምግባር ከተወግዶ ትኽእል ኢኻ።

እንተ ተጨኒቕካ: ናብቲ መድረኽ ቅድሚ ምኻድካ ኣዕሚቝካ ኣስተንፍስ። ንብምሉኡ ኣካላትካ ኸተዛንዮ ጽዓር። ኣብ ጭንቀትካ ኣብ ክንዲ እተተኵር: እቲ እተዳለኻሉ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ኸተመሓላልፎ ዝደለኻሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ሕሰብ። መደረ ቕድሚ ምጅማርካ: ሓንሳእ ንሰማዕትኻ ጠምቶም: ፍሽሑውን ፍሽኽታ ዝመልኦን ገጽ ምረጽ። ኣብ መእተዊ ህድእ ኢልካ ጀምር: ድሕሪኡ በቲ ኽፍልኻ ተመሰጥ።

እንታይ ክትጽበ ኸም ዘሎካ። ኵሉ እቲ ጭንቀትካ ኺጠፍእ ኣይትጸበ። ሓያሎ ኣብ መድረኽ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎም ተዛረብቲ: ኣብ ቅድሚ ሰማዕቶም ደው ቅድሚ ምባሎም ይጭነቑ እዮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ጭንቀቶም ይቈጻጸርዎ እዮም። ሓደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተዛራባይ: “ገና እጭነቕ እኳ እንተ ዀንኩ: ሕጂ ግን እቈጻጸሮ እየ” በለ።

ነቲ ደጋዊ ምልክት ጭንቀት ንምውጋድ ናይ ሓቂ ጻዕሪ እንተ ደኣ ጌርካ: ሰማዕትኻ ኸም ሓደ ርጉእ ተዛራባይ ገይሮም ኪርእዩኻ እዮም። እተወሰነ ጭንቀት እኳ እንተ ኣሎካ: ንዓታቶም ግን ፈጺሙ ኣይፍለጦምን ይኸውን።

እቲ ጭንቀት ዜምጽእ ዋሕዚ ኣድረናሊን: ሓይሊ እውን ከም ዚውስኸልካ ኣይትረስዕ። ነዚ ኸኣ ስምዒት ብዜንጸባርቕ መገዲ ንምዝራብ ተጠቐመሉ።

ነዚ ዅሉ ንኽትዓየሉ ኣብ መድረኽ ክሳዕ እትወጽእ ክትጸንሕ የብልካን። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ እተረጋጋእካን ዘረባኻ እትቈጻጸርን ኩን: ስምዒትካ ብዚግባእ ብዜንጸባርቕ መገዲ ድማ ተዛረብ። ከምዚ ምግባርካ ኣብ መድረኽን ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣገልግሎት ወፍርን ብምትእምማን ንኽትዛረብ ኪሕግዘካ እዩ።

ርግኣት ብኸመይ ከም እተጥሪ

  • ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ።

  • ነቲ እተቕርቦ ሓሳባት ዓው ኢልካ ተለማመደሉ።

  • ብጸሎት “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ።”—መዝ. 55:22

  • ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዘውቲርካ ተሳተፍ: ኣብ ኣኼባታት ብተደጋጋሚ ሓሳብ ሃብ: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝያዳ ኽፍልታት ንኺወሃበካ ፍቓደኛ ኹን።

  • ከም እተረበሽካ ዜርኢ ምልክታት ኣለሊ: ነዚ ብኸመይ ከም እተወግዶ ወይ ከም እትቈጻጸሮ ድማ ፍለጥ።

መላመዲ:- ንሓደ ወርሒ ኣብቲ ኣብ ሰሰሙን ዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤን ካብ ሓደ ንላዕሊ ሓሳብ ንምሃብ ጽዓር። ኣብ ሓደ ኣኼባ ንኻልኣይ ወይ ንሳልሳይ ሳዕ ሓሳብ ክትህብ ክትጅምር ከለኻ: ጭንቀትካ ኺንኪ ኸም ዚጅምር ኣስተብህል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ