መጽናዕቲ 19
ካልኦት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ምትብባዕ
ኵሉ ሰብ ናብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኬተኵር እዩ ባህግና። እዚ ቕዱስ መጽሓፍ እዚ: ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ መሰረት እዩ፣ እቲ እንብሎ ኻብ ርእስና ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ሰባት ኪፈልጡ ንደሊ ኢና። ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምትእምማን ኬሕድሩ ኣለዎም።
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ። ናብ ኣገልግሎት ክትወፍር ክትዳሎ ኸለኻ: ነቶም ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት እተካፍሎም ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕስታት ወትሩ ኣዳሉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ንምብርካት ሕጽር ዝበለ መእተዊ ኽትዳሎ እውን እንተ መዲብካ: መብዛሕትኡ ግዜ ንዕኡ ዚኸውን ጥቕሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጠቓሚ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንሕና ብብሕትና እንብሎ ንላዕሊ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንምምራሕ ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኣጋጣሚ: ብቓልካ ኽትጠቅስ ትደሊ ትኸውን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕላላት ብብዝሒ ኣይተዘርግሐን ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስን ሃዋርያቱን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ይጠቕሱ ነይሮም። ንሕናውን ጥቕስታት ንኽንሽምድድን ኣብ ኣገልግሎትና ሓድሓደ ግዜ ብቓልና ብምጥቃስ ንኽንጥቀመሉን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ኣብ እትኽእለሉ እዋን: እቲ ብዓል ቤት ከተንብቦ ኸለኻ ንኺከታተለካ ኸም ዚጥዕሞ ጌርካ ሓዞ። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ናይ ብሕቱ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ይከታተለካ እንተ ኣልዩ: ነቲ ዚንበብ ዘሎ ብዝያዳ ይቕበሎ ይኸውን።
እንተዀነ ግን: ገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቓል ኣምላኽ ከም ዝለወጥዎ ኣይትረስዕ። እቲ ትርጕማት ብዅሉ መዳዩ ምስቲ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓያሎ ዘመናዊ ትርጕማት ነቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣወጊዶምዎ: ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ኣብ በዅሪ ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ዓባቢጦምዎ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዚብሎ ድማ ሓቢኦምዎ እዮም። ንሓደ ሰብ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ጌጋ ኸም እተገብረ ምእንቲ ኸተርእዮ: ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ጥቕስታት እተፈላለየ መጽሓፍ ቅዱሳት ወይ ምስቲ ኣቐዲሙ እተሓትመ ትርጕማት ከተነጻጽር የድልየካ ይኸውን። ኣብ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ: እተፈላለየ ትርጕማት ነቲ ብዙሕ እንጥቀመሉ ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዝተርጐሞ ተገሊጹ ኣሎ። ሓቂ ዚፈቱ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ሓቅታት እዚ ምፍላጡ የማስወሉ እዩ።
ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚእከቡ ዅላቶም: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙሉ ምትብባዕ ኪወሃቦም ኣለዎ። እዚ ብብዙሕ መገድታት ጥቕሚ ኣለዎ። ገለ ኻብዚ ነቶም ሰማዕቲ ኣብቲ ትምህርቲ ንኬቕልቡ ይሕግዞም። ነቲ እቲ ተዛራባይ ብቓሉ ዚህቦ መምርሒ ብዓይኒ ዚርአ ጦብላሕታ ይውስኸሉ። ነቶም ሓደስቲ ተገደስቲ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ምንጪ እምነትና ምዃኑ ኸም ዚኣምኑሉ ይገብር።
እቶም ሰማዕትኻ ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተንብቦ ኣብ ናቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንኺስዕቡኻ ወይ ንኸይስዕቡኻ: ብዓብዪኡ ኣብቲ እትህቦም ምትብባዕ እዩ ዚምርኰስ። ቀጥታዊ ዕድመ ምቕራብ እቲ ዝበለጸ ሜላ እዩ።
እቲ ተዛራባይ እዩ ንሰማዕቲ ገሊኡ ጥቕስታት ከም ዚከታተልዎ ብምግባር ኬጕልሖ ዘለዎ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንኸተጨብጥ ዜኽእለካ ጥቕስታት እንተ ኣንበብካ ዝሓሸ እዩ። ድሕሪኡ: ግዜ ኸም ዘፍቅደልካ: ነቲ ሓሳባትካ ዚድግፍ ሒደት ጥቕስታት ወስኸሉ።
ልክዕ እዩ: እቲ ጥቕሲ ዚርከበሉ ቦታ ምሕባር ወይ ንሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ገንጺሎም ኪከታተሉኻ ምዕዳሞም ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ሰማዕትኻ ሓንቲ ጥቕሲ ቕድሚ ምርካቦም ነታ ጥቕሲ ኣንቢብካ ናብ ካልእ እንተ ሰጊርካ: ነዊሕ ከይጸንሑ ተስፋ ኪቘርጹን መጽሓፍ ቅዱሶም ገንጺሎም ምክትታል ኪሓድግዎን ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: መስተብሃሊ ኹን። መብዛሕትኦም ነታ ጥቕሲ ምስ ረኸብዋ ኣንብባ።
ኣቐዲምካ ሕሰብ። ነታ እተንብባ ጥቕሲ ኣበይ ከም እትርከብ ኣቐዲምካ ብዚግባእ ሓብሮም። እዚ ኸኣ ሰማዕቲ ነታ ጥቕሲ ንኺረኽብዋ ዜጥፍእዎ ግዜ ንኺንኪ ይሕግዝ እዩ። ሰማዕቲ ጥቕሲ ገንጺሎም ከም ዚከታተሉኻ እንተ ጌርካ: እትሽፍኖ ትምህርቲ ዝወሓደ ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ: እቲ ዜምጽኦ ረብሓታት ግን ዚኽሕስ እዩ።