ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 36 ገጽ 209-ገጽ 210 ሕ.ጽ. 6
  • ፍረ ነገር ምንጻር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍረ ነገር ምንጻር
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንኣእምሮኹም ሓልውዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 36 ገጽ 209-ገጽ 210 ሕ.ጽ. 6

መጽናዕቲ 36

ፍረ ነገር ምንጻር

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ነቲ ፍረ ነገርካ ጥቐስ: ኣብ ብምሉኡ እቲ መደረኻ ብእተፈላለየ መገድታት ጌርካ ኣጕልሓዮ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ብሓደ ይጠምሮ: እቶም ሰማዕቲ ነቲ ዝበልካዮ ነገራት ንኺርድእዎን ንኺዝክርዎን ይሕግዞም።

ምኩራት ተዛረብቲ ኣብ መደረኦም ፍረ ነገር ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጥዎ እዮም። ንመደረ ኺዳለዉ ኸለዉ: እቲ ፍረ ነገር ኣብ እተወሰነ ሓበሬታ ንኼተኵሩን ብዛዕባኡ ኣዕሚቖም ንኺሓስቡን ይድርኾም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ንሓያሎ ነጥብታት ላዕለ ላዕሉ ኣብ ክንዲ ምትንካፍ: ነቲ ትምህርቲ ንሰማዕቶም ብዝያዳ ኸም ዚጠቅም ገይሮም የቕርብዎ። ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ምስቲ ፍረ ነገር ብቐጥታ ምስ ዚተሓሓዝን ንዕኡ ንምብራህ ምስ ዚሕግዝን: እቶም ሰማዕቲ እውን ነዚ ነጥብታት እዚ ንኺዝክርዎ ይቐለሎም: ኣገዳስነቱ ድማ ይግንዘብዎ።

እቲ እተቕርቦ ፍረ ነገር: እቲ ርእሰ ነገር እዩ ኺበሃል ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ: እቲ ፍረ ነገር ነቲ ርእሰ ነገር መሰረት ዝዀነ ፍሉይ ኣረኣእያ ጌርካ እንተ ወሲድካዮ መደረኻ ዝሓሸ እዩ ዚኸውን። መንግስቲ ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ትንሳኤ ሰፊሕ ርእሰ ነገር እዩ። ኣብዚ ርእሰ ነገር እተመርኰሰ እተፈላለየ ፍረ ነገር ኪወጽእ ይከኣል እዩ። ገለ ኣብነታት እንሆ:- “መንግስቲ ኣምላኽ: ብሓቂ ዘላ መንግስቲ እያ:” “መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ:” “መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ:” “መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና ግብራዊ መምርሒ እዩ:” “ትንሳኤ ነቶም ዚሓዝኑ ዘለዉ ተስፋ ይህቦም:” ከምኡውን “ተስፋ ትንሳኤ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ ንኽንጸንዕ ይሕግዘና።” እዚ ዅሉ ፍረ ነገራት እዚ ብእተፈላለየ መስመራት ኪግለጽ የድልዮ።

እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዘጐለሖ ፍረ ነገር: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር ዚሰማማዕ ኰይኑ: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ዚብል እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:17) እቲ ፍረ ነገር ብኸመይ እዩ እናነጸረ ኸይዱ፧ ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ልዕሊ 110 ሳዕ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ። እንተዀነ ግን: የሱስ ነታ “መንግስቲ” እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ኻብ ምጥቃም ንላዕሊ እዩ ገይሩ። በቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዀነ በቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት ኣቢሉ: ንሱ እቲ የሆዋ ነታ መንግስቲ ዚህቦ ወዲ ኣምላኽን መሲህን ምዃኑ ንጹር ገበሮ። የሱስ ካልኦት ብእኡ ኣቢሎም ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺኣትዉ መገዲ ኸም እተኸፍተሎም እውን ንጹር ገበረ። እቶም ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ዚወሃቦም ኬርእይዎ ዘለዎም ባህርያት ገለጸ። ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ኣቢሉ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሰባት እንታይ ከም እትገብር ከምኡውን ብመንፈስ ኣምላኽ ኣቢሉ ኣጋንንቲ ምውጻኡ ኸኣ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብ ሰማዕቱ ኸም ‘ዝበጽሐት’ ኣነጸረ። (ሉቃ. 11:20) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እዩ ኺምስክሩ ዝመዘዞም።—ማቴ. 10:7፣ 24:14

ግቡእ ፍረ ነገር ምጥቃም። ማዕረ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ፍረ ነገር ዚገልጸሉ መገዲ ጌርካ ኽትገልጽ ኣይኰነን ትጽቢት ዚግበረልካ: ኰይኑ ግን ግቡእ ፍረ ነገር ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ።

ፍረ ነገር ምሕራይ ናባኻ እንተ ተገዲፉ: ፈለማ ዕላማ እቲ እተቕርቦ መልእኽቲ ኣብ ግምት ኣእቱ። ድሕሪኡ ነቲ ኣስተዋጽኦኻ ዚኸውን ቀንዲ ነጥብታት ክትመርጽ ከለኻ: እዚ ነጥብታት እዚ ነቲ ዝሓረኻዮ ፍረ ነገር ከም ዚድግፎ ኣረጋግጽ።

ፍረ ነገር እንተ ተዋሂቡካ: ብዛዕባ እቲ ንእተቕርቦ ትምህርቲ ኣብ እትገልጸሉ መገዲ እንታይ ከም ዚሕብረካ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ኣገዳስነትን ስፍሓትን እቲ ፍረ ነገር ንኽትግንዘብ: እተወሰነ ጻዕሪ የድሊ እዩ። ኣብቲ እተመደበልካ ፍረ ነገር ተመርኲስካ እተቕርቦ ትምህርቲ ኽትሓሪ እንተ ዄንካ: እቲ ፍረ ነገር ምእንቲ ኺትኰረሉ ተጠንቂቕካ ምረጽ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ብምሉኡ እንተ ተዋሂቡካ: ምስቲ ፍረ ነገር ብምስምማዕ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ምትንታን የድልየካ እዩ። እቲ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንዕኡ እተቕርበሉ ዕላማን እውን ክትሓስበሉ ኣሎካ። እዚ ኣብቲ እተቕርበሉ ኣገባብ እንታይ ከም እተጕልሕ ንምውሳን ኪሕግዘካ እዩ።

ነቲ ፍረ ነገር ኣጕልሕ። ነቲ ፍረ ነገር ብዚግባእ ንምጕላሕ: ነቲ ኣብ ትምህርትኻ እትጥቀመሉ ነጥብታት ክትሓርን ክትጥርንፍን ከለኻ መሰረት ከተንብር ኣሎካ። ነቲ ፍረ ነገር ዚድግፍ ነገራት ጥራይ እንተ ተጠቒምካን ኣብቲ ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ብዛዕባ ምድላው ተገሊጹ ዘሎ ስርዓታት እንተ ስዒብካን: ነቲ ፍረ ነገር ምጕላሕካ ዘይተርፍ እዩ።

ምድግጋም እውን ነቲ ፍረ ነገር ኬጕልሖ ይኽእል እዩ። ኣብ ክላሲካዊ ሙዚቃ: እቲ ፍረ ነገር ነቲ ብምሉኡ ድርሰት መለለዪኡ ዚኸውን ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ዜማ እዩ። እቲ ዜማ ዅሉ ሳዕ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ኣይኰነን ዚደጋገም። ሓድሓደ ግዜ ሓደ ወይ ክልተ ሓረግ እዩ ዚድገም: ሓሓሊፉ ኸኣ እቲ ዜማ ብእተፈላለየ መልክዑ ይቐርብ፣ ኰይኑ ግን እንተ በዚ እንተ በቲ እቲ ኣዳላዊ ነቲ ዜማኡ ንብምሉኡ እቲ ድርሰት ክሳዕ ዚጸልዎ ብሜላ የእትዎ እዩ። ናይ መደረ ፍረ ነገር እውን ከምኡ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ዚደጋገም ኣገደስቲ ቓላት: ከምቲ ኣብ ሙዚቃዊ ድርሰት ዚህሉ ዜማ እዩ። ነቲ ቓላት ብዚመሳሰል ካልእ ቃላት ምትካኡ ወይ ነቲ ፍረ ነገር ብኻልእ መልክዕ ምድጋሙ: ብእተፈላለየ መልክዕ ነቲ ፍረ ነገር ንኽትደጋግሞ ይሕግዝ። ከምዚ ምግባር እቶም ሰማዕቲ ነቲ ፍረ ነገር ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞምዎ ዚኸዱ ቐንዲ ሓሳብ ንኪኸውን ይሕግዝ።

እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ነቲ ኻብ መድረኽ ዚቐርብ መደረ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበር ምይይጥ እውን ይዓዪ እዩ። ፍረ ነገር እንተ ነጺሩ: ሓደ ሕጽር ዝበለ ዝርርብ ብቐሊሉ እዩ ዚዝከር። ፍረ ነገር እንተ ጐሊሑ: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚወሃብ ትምህርቲ ብቐሊሉ እዩ ትዝ ዚብል። ግቡእ ፍረ ነገር ንምሕራይን ንምንጻርን እትገብሮ ጻዕሪ: ከም ተዛራባይን መምህርን ቃል ኣምላኽ መጠን ውጽኢታዊ ንኽትከውን ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

ናይ ሓደ ዓብዪ መጽሓፍ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር

ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ፍረ ነገር ንምርዳእ: ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ብሰብኣውያን ጸሓፍቲ ገይሩ ኣብቲ 66 መጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር ብኸመይ ከም እተጠቕመ ምጽናዕ ሓጋዚ እዩ። እቲ ፍረ ነገር ብዛዕባ ምርግጋጽ እቲ የሆዋ ንደቅሰብ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብመንግስቱ ኣቢሉ ዚፍጽሞ ፍቕራዊ ዕላማኡ እዩ።

እዚ ፍረ ነገር እዚ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ምዕራፋት ዘፍጥረት እዩ ኺግለጽ ተጀሚሩ: ድሕሪኡ ኸኣ እተፈላለየ መዳያቱ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ መለኮታዊ ስም ልዕሊ 7,000 ሳዕ ብምጥቃስ ኣቓልቦ ተገይሩሉ ኣሎ። እቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ከኣ: ኣብቲ ጸብጻብ ዘፍጥረት ተገሊጹ ይርከብ። ንግዝኣቱ ዘጋጠሞ ብድሆ ዀነ ዘይምእዛዝ ዘምጸኦ ሕማቕ ሳዕቤናት እውን ተጸብጺቡ ኣሎ። እታ ብልጽቲ ፍቕሪ የሆዋ: ጥበቡ: ፍትሑ: ከምኡውን እቲ ዅሉ ዚኽእል ሓይሉ በቲ ምስ ፍጡራቱ ዘለዎ ርክብ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ዜምጽኦ ረብሓታትን ዘይምእዛዝ ዜምጽኦ መዓትን ብታእላው ዘይብሉ ኣብነታት ተሓቢሩ ይርከብ። የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ሓጢኣትን ሞትን ንኺድምስስ ዝገበሮ መሰናድዎ ተገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እታ ንእኩያት መናፍስትን ነቶም ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ምቕባል ዚኣብዩ ሰባትን እተጥፍእ ሰማያዊት መንግስቲ ብዝርዝር ተተንቲኑ ኣሎ። እታ መንግስቲ እቲኣ ዕላማ የሆዋ ኸም እትፍጽም: ማለት ምድሪ ገነት ከም እትኸውን: በቶም ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜፍቅሩን ዜምልኹን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ሰባት ከኣ ከም እትመልእ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ንመደረኻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ነቲ ፍረ ነገር ብሓቂ ኣበርክቶ ዚገብር ቀንዲ ነጥብታትን ነዚ ዚድግፍ ዝርዝር ነጥብታትን ሕረ።

  • ኣቀራርባኻ ኽትለማመድ ከለኻ: ነቲ ፍረ ነገር ኣበይን ብኸመይን ከም እተጕልሖ ሕሰበሉ። ኣብቲ ኣብ ኣስተዋጽኦኻ ኸምዚ ኽትገብረሉ እትደሊ ነጥብታት ምልክት ክትገብር ትደሊ ትኸውን።

  • መደረ ኣብ እተቕርበሉ እዋን: ሓሓሊፍካ ኣብቲ ፍረ ነገር ዚርከብ ቀንዲ ቓላትን ሓሳባትን ድገም።

መላመዲ:- ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚዀነካ ምስ ሓንቲ ኣብ ቀረባ ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ዚሰማማዕ ፍረ ነገር ምረጽ። ኣብ መእተዊኻ ብዛዕባ እቲ ፍረ ነገር ተገዳስነት ከተለዓዕል: ኣብ ምይይጥካ ብሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ጌርካ ኸተነጽሮ: ከምኡውን ኣብ መደምደምታኻ ኣገዳስነቱ ኸተጕልሕ ጽዓር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ