መጽናዕቲ 36
ፍረ ነገር ምንጻር
ምኩራት ተዛረብቲ ኣብ መደረኦም ፍረ ነገር ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጥዎ እዮም። ንመደረ ኺዳለዉ ኸለዉ: እቲ ፍረ ነገር ኣብ እተወሰነ ሓበሬታ ንኼተኵሩን ብዛዕባኡ ኣዕሚቖም ንኺሓስቡን ይድርኾም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ንሓያሎ ነጥብታት ላዕለ ላዕሉ ኣብ ክንዲ ምትንካፍ: ነቲ ትምህርቲ ንሰማዕቶም ብዝያዳ ኸም ዚጠቅም ገይሮም የቕርብዎ። ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ምስቲ ፍረ ነገር ብቐጥታ ምስ ዚተሓሓዝን ንዕኡ ንምብራህ ምስ ዚሕግዝን: እቶም ሰማዕቲ እውን ነዚ ነጥብታት እዚ ንኺዝክርዎ ይቐለሎም: ኣገዳስነቱ ድማ ይግንዘብዎ።
እቲ እተቕርቦ ፍረ ነገር: እቲ ርእሰ ነገር እዩ ኺበሃል ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ: እቲ ፍረ ነገር ነቲ ርእሰ ነገር መሰረት ዝዀነ ፍሉይ ኣረኣእያ ጌርካ እንተ ወሲድካዮ መደረኻ ዝሓሸ እዩ ዚኸውን። መንግስቲ ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ትንሳኤ ሰፊሕ ርእሰ ነገር እዩ። ኣብዚ ርእሰ ነገር እተመርኰሰ እተፈላለየ ፍረ ነገር ኪወጽእ ይከኣል እዩ። ገለ ኣብነታት እንሆ:- “መንግስቲ ኣምላኽ: ብሓቂ ዘላ መንግስቲ እያ:” “መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ:” “መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ:” “መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና ግብራዊ መምርሒ እዩ:” “ትንሳኤ ነቶም ዚሓዝኑ ዘለዉ ተስፋ ይህቦም:” ከምኡውን “ተስፋ ትንሳኤ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ ንኽንጸንዕ ይሕግዘና።” እዚ ዅሉ ፍረ ነገራት እዚ ብእተፈላለየ መስመራት ኪግለጽ የድልዮ።
እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዘጐለሖ ፍረ ነገር: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር ዚሰማማዕ ኰይኑ: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ዚብል እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:17) እቲ ፍረ ነገር ብኸመይ እዩ እናነጸረ ኸይዱ፧ ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ልዕሊ 110 ሳዕ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ። እንተዀነ ግን: የሱስ ነታ “መንግስቲ” እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ኻብ ምጥቃም ንላዕሊ እዩ ገይሩ። በቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዀነ በቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት ኣቢሉ: ንሱ እቲ የሆዋ ነታ መንግስቲ ዚህቦ ወዲ ኣምላኽን መሲህን ምዃኑ ንጹር ገበሮ። የሱስ ካልኦት ብእኡ ኣቢሎም ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺኣትዉ መገዲ ኸም እተኸፍተሎም እውን ንጹር ገበረ። እቶም ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ዚወሃቦም ኬርእይዎ ዘለዎም ባህርያት ገለጸ። ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ኣቢሉ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሰባት እንታይ ከም እትገብር ከምኡውን ብመንፈስ ኣምላኽ ኣቢሉ ኣጋንንቲ ምውጻኡ ኸኣ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብ ሰማዕቱ ኸም ‘ዝበጽሐት’ ኣነጸረ። (ሉቃ. 11:20) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እዩ ኺምስክሩ ዝመዘዞም።—ማቴ. 10:7፣ 24:14
ግቡእ ፍረ ነገር ምጥቃም። ማዕረ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ፍረ ነገር ዚገልጸሉ መገዲ ጌርካ ኽትገልጽ ኣይኰነን ትጽቢት ዚግበረልካ: ኰይኑ ግን ግቡእ ፍረ ነገር ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ።
ፍረ ነገር ምሕራይ ናባኻ እንተ ተገዲፉ: ፈለማ ዕላማ እቲ እተቕርቦ መልእኽቲ ኣብ ግምት ኣእቱ። ድሕሪኡ ነቲ ኣስተዋጽኦኻ ዚኸውን ቀንዲ ነጥብታት ክትመርጽ ከለኻ: እዚ ነጥብታት እዚ ነቲ ዝሓረኻዮ ፍረ ነገር ከም ዚድግፎ ኣረጋግጽ።
ፍረ ነገር እንተ ተዋሂቡካ: ብዛዕባ እቲ ንእተቕርቦ ትምህርቲ ኣብ እትገልጸሉ መገዲ እንታይ ከም ዚሕብረካ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ኣገዳስነትን ስፍሓትን እቲ ፍረ ነገር ንኽትግንዘብ: እተወሰነ ጻዕሪ የድሊ እዩ። ኣብቲ እተመደበልካ ፍረ ነገር ተመርኲስካ እተቕርቦ ትምህርቲ ኽትሓሪ እንተ ዄንካ: እቲ ፍረ ነገር ምእንቲ ኺትኰረሉ ተጠንቂቕካ ምረጽ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ብምሉኡ እንተ ተዋሂቡካ: ምስቲ ፍረ ነገር ብምስምማዕ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ምትንታን የድልየካ እዩ። እቲ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንዕኡ እተቕርበሉ ዕላማን እውን ክትሓስበሉ ኣሎካ። እዚ ኣብቲ እተቕርበሉ ኣገባብ እንታይ ከም እተጕልሕ ንምውሳን ኪሕግዘካ እዩ።
ነቲ ፍረ ነገር ኣጕልሕ። ነቲ ፍረ ነገር ብዚግባእ ንምጕላሕ: ነቲ ኣብ ትምህርትኻ እትጥቀመሉ ነጥብታት ክትሓርን ክትጥርንፍን ከለኻ መሰረት ከተንብር ኣሎካ። ነቲ ፍረ ነገር ዚድግፍ ነገራት ጥራይ እንተ ተጠቒምካን ኣብቲ ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ብዛዕባ ምድላው ተገሊጹ ዘሎ ስርዓታት እንተ ስዒብካን: ነቲ ፍረ ነገር ምጕላሕካ ዘይተርፍ እዩ።
ምድግጋም እውን ነቲ ፍረ ነገር ኬጕልሖ ይኽእል እዩ። ኣብ ክላሲካዊ ሙዚቃ: እቲ ፍረ ነገር ነቲ ብምሉኡ ድርሰት መለለዪኡ ዚኸውን ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ዜማ እዩ። እቲ ዜማ ዅሉ ሳዕ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ኣይኰነን ዚደጋገም። ሓድሓደ ግዜ ሓደ ወይ ክልተ ሓረግ እዩ ዚድገም: ሓሓሊፉ ኸኣ እቲ ዜማ ብእተፈላለየ መልክዑ ይቐርብ፣ ኰይኑ ግን እንተ በዚ እንተ በቲ እቲ ኣዳላዊ ነቲ ዜማኡ ንብምሉኡ እቲ ድርሰት ክሳዕ ዚጸልዎ ብሜላ የእትዎ እዩ። ናይ መደረ ፍረ ነገር እውን ከምኡ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ዚደጋገም ኣገደስቲ ቓላት: ከምቲ ኣብ ሙዚቃዊ ድርሰት ዚህሉ ዜማ እዩ። ነቲ ቓላት ብዚመሳሰል ካልእ ቃላት ምትካኡ ወይ ነቲ ፍረ ነገር ብኻልእ መልክዕ ምድጋሙ: ብእተፈላለየ መልክዕ ነቲ ፍረ ነገር ንኽትደጋግሞ ይሕግዝ። ከምዚ ምግባር እቶም ሰማዕቲ ነቲ ፍረ ነገር ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞምዎ ዚኸዱ ቐንዲ ሓሳብ ንኪኸውን ይሕግዝ።
እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ነቲ ኻብ መድረኽ ዚቐርብ መደረ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበር ምይይጥ እውን ይዓዪ እዩ። ፍረ ነገር እንተ ነጺሩ: ሓደ ሕጽር ዝበለ ዝርርብ ብቐሊሉ እዩ ዚዝከር። ፍረ ነገር እንተ ጐሊሑ: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚወሃብ ትምህርቲ ብቐሊሉ እዩ ትዝ ዚብል። ግቡእ ፍረ ነገር ንምሕራይን ንምንጻርን እትገብሮ ጻዕሪ: ከም ተዛራባይን መምህርን ቃል ኣምላኽ መጠን ውጽኢታዊ ንኽትከውን ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።