ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 14 ገጽ 17
  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ፍረ ነገር ምንጻር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቀንዲ ነጥብታት ከልስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 14 ገጽ 17

መጽናዕቲ 14

ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እብራውያን 8:1

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሰማዕትኻ ንመደረኻ ኺከታተልዎ ሓግዞም፣ ኵሉ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ምስቲ ዕላማኻን ፍረ ነገርካን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ከኣ ኣነጽር።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ዕላማ ይሃሉኻ። መደረኻ ንሰማዕትኻ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ንምእማን፡ ወይ ንምልዕዓል እንተ ዀይኑ ፈሊጥካ፡ ብእኡ መሰረት ኣማዕብሎ። ኵሉ ቐንዲ ነጥብታት ነቲ ዕላማ እቲ ንምውቃዕ ኪሕግዘካ ኣለዎ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ‘ሰማዕተይ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ሕቶታት ወይ ተቓውሞታት ኪህልዎም ይኽእል፧ ነዚ ሕቶታት ወይ ተቓውሞታትከ ብምንታይ መስርዕ መቕረብዎ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ድሕሪኡ፡ ሰማዕትኻ ንእተቕርበሎም ሓበሬታ ምእንቲ ኺከታተልዎን ኪርድእዎን ኪቕበልዎን፡ ንነጥብታትካ በቲ መስርዕ እቲ ስርዓዮ።

  • ፍረ ነገር መደረኻ ኣጕልሕ። ኣብ ብምሉኡ መደረኻ ቐንዲ ቓላት እቲ ፍረ ነገር ወይ ተመሳሳሊ ቓላት ብምድግጋም፡ ነቲ ፍረ ነገር ደጋጊምካ ጥቐሶ።

  • ቀንዲ ነጥብታትካ ንጹርን ቀሊልን ግበሮ። ምስ ፍረ ነገርካ ዚዛመድን ኣብቲ እተመደበልካ ግዜ ብግቡእ ክትምህሮ እትኽእልን ቀንዲ ነጥብታት ጥራይ ሕረ። ብዝሒ ቐንዲ ነጥብታት ደረት ግበረሉ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት በብሓደ ብንጹር ጥቐሶ፡ ኣብ መንጎ እቲ ነጥብታት ኣዕርፍ፡ ካብ ሓደ ነጥቢ ናብ ካልእ ከኣ ብዘይ ዕንቅፋት ስገር።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ሰማዕትኻ ምእንቲ ኺከታተሉኻ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ መእተዊኻ ኽትጠቕሰሎም ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ሰማዕትኻ ምእንቲ ኺዝክርዎ፡ ኣብ መደምደምታኻ ዳግም ክትጠቕሰሎም ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ