ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 51 ገጽ 263-ገጽ 264 ሕ.ጽ. 4
  • ግዜ ምሕላውን ብግቡእ ምክፍፋልን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግዜ ምሕላውን ብግቡእ ምክፍፋልን
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንጉባኤ ዚኸውን መደረታት ምድላው
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚወሃብ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ምድላው
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ብናትካ ቓላት ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 51 ገጽ 263-ገጽ 264 ሕ.ጽ. 4

መጽናዕቲ 51

ግዜ ምሕላውን ብግቡእ ምክፍፋልን

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

መደረኻ ኣብቲ እተመደበልካ ግዜ ኣቕርብ: ንነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ መደረ ኸኣ ግቡእ ክፋል ግዜ ተጠቐም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዚቐርብ ቀንዲ ነጥብታት እኹል ግዜ ምምዳብ የድሊ። ነቲ ኣኼባ ኣብ ግዜኡ ምውዳእ ኣገዳሲ እዩ።

መደረ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ብቐዳምነት ኣብ ትሕዝቶ ትምህርትኻ ኸተተኵር እኳ እንተ ኣሎካ: ግዜ እውን ቈላሕታ ኺግበረሉ ኣለዎ። ኣኼባታትና ኣብ እተወሰነ ሰዓት ኪጅምርን ኪውዳእን እዩ መደብ ዚግበር። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ: ኵሉ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ኽፍሊ ዘለዎ ሰብ ኪተሓባበር ኣለዎ።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ግዜ ዝነበሮም ኣረኣእያ: ካብዞም ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ዚርከቡ ሰባት እተፈልየ እዩ። ግዜ ኺሕብሩ ኸለዉ: “ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ” ወይ “ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ” ብምባል ብምጽግጋዕ እዮም ዚጠቕሱ ነይሮም። (ማቴ. 20:3-6፣ ዮሃ. 1:39) ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ብልክዕ ግዜ ምሕላው ብዙሕ ዜተሓሳስብ ጕዳይ ኣይነበረን። ሎሚ እውን ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ።

ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ልምዲ ወይ ብብሕታዊ ምርጫኦም ተደሪኾም ብዛዕባ ግዜ ዘይዓጅቦም እኳ እንተ ዀኑ: ግዜ ብምሕላው ዝመጸ ግቡእ ቈላሕታ ብምሃብና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደ ኣኼባ እተፈላለዩ ሰባት ክፍልታት ምስ ዚወሃቦም: ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እተመደበ ግዜ ኺሰዓብ ኣለዎ። “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት: ኣብ ኣኼባ ኽፍሊ ኸነቕርብ ከለና ሰዓትና ምስ ምሕላው ኪተሓሓዝ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 14:40

እተመደበልካ ግዜ ምሕላው። ኣብዚ ምድላው ወሳኒ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ሰዓቶም ምሕላው ዜሸግሮም ተዛረብቲ: እኹል ምድላው ኣይገብሩን እዮም። ምናልባት ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ይህልዎም ይኸውን። ወይ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ይዳለዉ ይዀኑ። ግዜኻ ምሕላው ካብቲ ንኽፍልኻ ዘሎካ ኣኽብሮትን ብዚግባእ ንኽትዳለዎ ዘሎካ ፍቓደኛነትን እዩ ዚብገስ።

እተዋህበካ ኽፍሊ ንባብ ድዩ፧ ፈለማ: ነቲ ኻብ መጽናዕቲ 4 ኽሳዕ 7 ዚርከብ: ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ: ምዕራፍ: ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን ምጕላሕ: ከምኡውን ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ ዝኣመሰለ ባህርያት ዘረባ እንደገና ርኣዮ። ድሕሪኡ ነቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ: ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ክንደይ ግዜ ኸም ዝወድኣልካ ተኸታተል። ኣብቲ እተመደበልካ ግዜ ንምውዳእ ብቕልጡፍ ከተንብብ የድልየካዶ ይኸውን፧ ኣብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ኽፋላት ፍጥነትካ ወስኽ: ነቲ ኣገዳሲ ሓሳባት ንምጕላሕ ግን ኣዕርፍ እናኣበልካን ህድእ እናበልካን ምንባብ ቀጽል። ብተደጋጋሚ ተለማመድ። ሰጋእ ከይበልካ ኸተንብብ ምስ ጀመርካ: ግዜኻ ንኽትቈጻጸሮ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልካ።

ካብ መዘኻኸሪታት ዲኻ እትዛረብ፧ ግዜኻ ንምሕላው: መዘኻኸሪኻ ኣዝዩ ሰፊሕ: ማለት ዳርጋ ብንባብ ዚቐርብ ጽሑፍ ምግባሩ ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብ መጽናዕቲ 25 ክትዓዪ ኸለኻ: ዝሓሸ መገድታት ተማሂርካ ኢኻ። ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ነጥብታት ኣብ ግምት ኣእቱ:- (1) ጽቡቕ ጽሑፍ ኣዳሉ: ግን ከኣ እምብዛ ኣይተብዝሓዮ። (2) እቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ኣስፍሮ: ምሉእ ሓሳባት ግን ኣይትሸምድድ። (3) ንነፍሲ ወከፍ ክፋል መደረኻ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዚብጽሖ ወይ ኣብ እተወሰነ ነጥብታት ክትበጽሕ ከለኻ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኺሓልፍ ከም ዘለዎ ኣብ ኣስተዋጽኦኻ ኣመልክት። (4) ክትዳሎ ኸለኻ: ምናልባት ነቲ ኽፍሊ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ግዜ ኺሓጽረካ ኸሎ ኽትገድፎ እትኽእል ዝርዝር ነጥብታት ሕሰበሉ። (5) ንኣቀራርባኻ ተለማመድ።

ልምምድ ኣገዳሲ እዩ። ክትለማመድ ከለኻ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል መደረኻ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ተሕልፍ ከም ዘለኻ ተመልከት። ብምሉኡ መደረኻ ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ ኽሳዕ ዚውዳእ: ብተደጋጋሚ ተለማመድ። ኣብቲ መደረኻ ኣመና ብዙሕ ትምህርቲ ኸተእቱ ኣይትጽዓር። ኣብ ቅድሚ ሰማዕቲ መደረ ምቕራብ: ካብቲ ብውልቅኻ ኽትለማመድ ከለኻ ቝሩብ ዚነውሕ ግዜ ኺወስድ ስለ ዚኽእል: እተወሰነ መሐለውታ ግዜ ሕደግ።

ነቲ ኽፋላት ዜድልዮ ግዜ ምክፍፋሉ። ግዜኻ ምሕላው: ምስቲ ኣብ መደረኻ ንዚርከብ ክፋላት ዜድልዮ ግዜ ብዚግባእ ምክፍፋል ዚተሓሓዝ እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ግዜ ነቲ ቐንዲ ኣካል እቲ ጽሑፍ ኣብ ምቕራብ ኪሓልፍ ኣለዎ። እቲ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ቐንዲ ነጥብታት ኣብኡ እዩ ዚርከብ። እቲ መእተዊ ዚህልዎ ንውሓት: ነቲ ኣብ መጽናዕቲ 38 ተጠቒሱ ዘሎ ሰለስተ ዕላማታት ንምውቃዕ ዜኽእል ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ። ምስቲ ኣብ መጽናዕቲ 39 ዘሎ ብምስምማዕ ከኣ: እቲ ቐንዲ ኣካል እቲ ጽሑፍ እምብዛ ኻብ ምንዋሑ እተላዕለ: ንውጽኢታዊ መደምደምታ ዚኸውን ግዜ ኺሓጽር የብሉን።

ግዜኻ ንምሕላው እትገብሮ ጻዕሪ ዝሓሸ መደረ ኸም እተቕርብ ይገብረካ: ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ኽፍልታት ዘለዎም ካልኦትን ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤን ከኣ ኣኽብሮት ከም ዘሎካ የርኢ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ብግቡእ ተዳሎ: ነዚ ድማ ኣቐዲምካ ጀምሮ።

  • ንነፍሲ ወከፍ ክፋል መደረኻ ግቡእ ግዜ መድበሉ: ድሕሪኡ ነዚ ስዓቦ።

  • ንኣቀራርባኻ ተለማመድ።

መላመዲ:- ንስኻ ዀነ ስድራቤትካ ኻብቲ ኣኼባታት ጉባኤ ዚጅመረሉ ኻብ 15 ኽሳዕ 20 ደቂቕ ኣቐዲምኩም ንኽትበጽሑ መደብ ግበር። ነቲ ናብ ኣኼባ ንኽትከዱ ንምድላው ዜድልየኩም እዋን እውን ግዜ መድበሉ። ንጕዕዞ ዚኸውን ግዜ መድብ። ኬደንጕየካ ዚኽእል ልሙድ ጸገማት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ሕሰበሉ። ዘውጻእካዮ መደብ ደጋጊምካ ፈትኖ: ዜድሊ ምትዕርራይ ድማ ግበረሉ። መደረታት ንምቕራብ እውን ተመሳሳሊ ስርዓታት ይዓዪ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ