ምዕራፍ 11
ብኢንተርነት ዚግበር ዕርክነትከ፧
ብኸመይ ሓሳብካ ኽትገልጽ ትመርጽ፧
□ ገጽ ንገጽ
□ ብተሌፎን
□ ብኮምፕዩተር
ምስ መን ክትዘራረብ ይቐለካ፧
□ ምስ ደቂ ኽፍልኻ
□ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ
□ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ
ከይተሰከፍካ ሓሳብካ ንምግላጽ ዚቐለካ ኣበይ እዩ፧
□ ኣብ ቤት ትምህርቲ
□ ኣብ ገዛ
□ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ
ነታ ቐዳመይቲ ሕቶ ዝሃብካዮ መልሲ እሞ ተመልከት። ገጽ ንገጽ ኣብ ክንዲ ምዝርራብ፡ ብኮምፕዩተር ምዝርራብ ከም ዚቐለካዶ ሓቢርካ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነዚ ምርጫ እዚ ዝገበርካ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን። ብዙሓት መንእሰያት ዕርክነት ንምጅማርን ንምዕቃብን ኢንተርነት ይጥቀሙ እዮም። ኢሌን እትበሃል መንእሰይ፡ “ብኻልእ መገዲ ኽትረኽቦም ዘይትኽእል ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ምስ ዚርከቡ ሰባት ምርኻብ፡ ሰሓቢ እዩ” በለት። ታሚ እትበሃል ጓል 19 ዓመት ጐርዞ እውን፡ ብኢንተርነት ምጥቃም ማራኺ ዚዀነሉ ኻልእ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “ነቲ ሰባት ብዛዕባኻ ዘለዎም ኣረኣእያ ኽትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ገጽ ንገጽ ክትራኸብ ከለኻ እንተ ዘይፈትዮምኻ፡ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢላ ገለጸት።
ሕጂ ኸኣ ነታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ሕቶ ዝሃብካዮ መልሲ ተመልከት። ምስቶም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እትረኽቦም ክርስትያናት ብጾትካ ኻብ ምዝርራብ፡ ምስ ደቂ ኽፍልኻ ምዝርራብ ዚቐለካ እንተ ዀይኑ በዚ ኣይትገረም። ጃዝሚን እትበሃል ጓል 18 ዓመት ጐርዞ፡ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸም ናትካ ዓይነት ኵነታት ዜሕልፉ ዘለዉ ሰባት ንኽትረክብ ሰፊሕ ዕድል ኣሎካ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኸተዘራርቦም ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለት።
ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ረቛሒታት ድሕሪ ምምርማርካ፡ ምስ መማህርትኻ ብኢንተርነት ክትዘራረብ ንቡር ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ታሚ ንእተወሰነ ግዜ ኸምዚ ምግባራ ተኣመነት። “ኵሎም መማህርተይ ብኢንተርነት ስለ ዚዘራረቡ፡ ካብኣቶም ክፍለ ኣይደለኹን” በለት።a ጓል 20 ዓመት ዝዀነት ናታሊ እውን ምስ ፈተውታ ንኽትራኸብ ወብ ሳይት ከፈተት። “ተክኖሎጂ ይምዕብል እዩ ዘሎ፡ ምስ ካልኦት እትራኸበሉ ሓድሽ መገድታት ድማ ይተኣታቶ ኣሎ። ብኢንተርነት ምርኻብ ሓደ ኻብኡ ብምዃኑ እፈትዎ እየ” በለት።
ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋታት ምምዛኑ
ንገሊኦም ሰባት ኣብ ኢንተርነት ዕርክነት ምምስራት ከም ዚቐሎም ዚከሓድ ኣይኰነን። ናታሊ፡ “ኢንተርነት፡ ገጽ ንገጽ ክትራኸብ ከለኻ ዘይህልወካ ዓይነት ምትእምማን ከም ዚህልወካ እዩ ዚገብረካ” በለት። ታሚ ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ “ሓፋር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኢንተርነት እትገብሮ ምዝርራብ፡ ብዛዕባ እቲ ኽትብሎ እትደሊ ኣቐዲምካ ንኽትሓስበሉ ዕድል ይህበካ እዩ” በለት።
ኰይኑ ግን፡ ብኢንተርነት ምዝርራብ ሓደጋታት ኣለዎ፡ ነዚ ሓደጋታት እዚ ሸለል ምባሉ ኸኣ ዕሽነት እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ዓይንኻ ብጨርቂ ሸፊንካ፡ ሓደገኛ ብዝዀነ ኸባቢ ምኸድካዶ፧ ስለምንታይ ደኣ እሞ እንታይ ሓደጋ ኸም ዜስዕበልካ ኸይፈለጥካ ኣብ ኢንተርነት ሃለዉ እትብል፧
ኣብ ኢንተርነት ዓርኪ ኽትረክብ ምፍታን ዜምጽኦ ሓደጋታት እሞ ርአ። ሓሓሊፋ ብኢንተርነት ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት እተዕልል ዝነበረት ኢሌን፡ “ብቐሊሉ ኢኻ ምስ ቀጠፍቲ ሰባት እትራኸብ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ደቓይቕ ከይጸንሐ ብዕሉግ ዘረባ ይጸሓፈልካ ወይ ከም ‘ድንግል ዲኺ፧ ብኣፍ ጾታዊ ርክብ ትገብሪ ዲኺ፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ይቐርበልካ። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ብኢንተርነት ጽዩፍ ዕላል ክትገብር ይሓቱኻ” በለት።
ምስ እትኣምኖ ዓርክኻ ተዕልል እንተ ኣሊኻኸ፧ ሽዑ እውን እንተ ዀነ ኽትጥንቀቕ ኣሎካ። ጆኣን ዝስማ መንእሰይ ከምዚ በለት፦ “ምስ ሓደ ‘ሕውነታዊ ዕርክነት ጥራይ እዩ ዘሎና’ እትብሎ ኣንጻር ጾታ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ሰብ እዚ ብብዝሒ መልእኽቲ ብዝሰደድካሉ መጠን፡ እናተቐራረብካ ትመጽእ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጕዳያት እውን ክትዘራረብ ትጅምር።”
“ኣምሰሉታት”
ንጉስ ዳዊት፡ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ምርሓቕ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጥ ነበረ። “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን” ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ።—መዝሙር 26:4
ኣብ ኢንተርነት ከምዞም ዳዊት እተዛረበሎም ዓይነት ሰባት ኣጋጢሞምኻዶ ይፈልጡ፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም “ኣምሰሉታት” ዝዀኑ፧ ․․․․․
በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ንስኻ ንባዕልኻ ኣብ ኢንተርነት ኣምሰሉ ደዀን ትኸውን፧ ብኢንተርነት እተዕልል ዝነበረት ኣቢጋይል፡ “ምስ ሰባት ዕላል እጅምር እሞ ምስቲ ዕላል ዚሰማማዕ ዓይነት ሰብ መሲለ እቐርብ” በለት።
ሊያን እትበሃል ጓል ከኣ ካልእ ዓይነት ምትላል እያ እትጥቀም ነይራ። ነቲ ተግባራ ኸምዚ ኢላ ትገልጾ፦ “ኣብ ጐረቤትና ጉባኤ ምስ ዚርከብ ወዲ ዅሉ ሳዕ ብኢንተርነት እጸሓሓፍ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕና ኸም ‘እተፋቐርና’ ኽንዛረብ ጀመርና። ወለደይ ብጥቓይ ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ነቲ ዝጽሕፎ ዘለኹ እሓብኦ፣ ስለዚ፡ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ጓል 13 ዓመት ጓሎም ንወዲ 14 ዓመት ወዲ ናይ ፍቕሪ ግጥምታት እትጽሕፍ ኣይመስሎምን እዩ ነይሩ። ፈጺሞም ኣይሓሰብዎን።”
ካብ ሓደጋ ምርሓቕ
ልክዕ እዩ፡ ብኢንተርነት ሓሳብ ምልውዋጥ ግቡእ ዝዀነሉ እዋናት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ዓበይቲ፡ ብኢንተርነት ተጠቒሞም ምስ ፈተውቶም ይጸሓሓፉ እዮም። ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ገለ ኽትገብሮ ዘሎካ ጥንቃቐታት ኣሎዶ፧ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ርአ።
● ነቲ ኣብ ኢንተርነት እተሕልፎ ግዜ ተቘጻጸሮ፡ ነቲ ዚሓይሽ ነገራት ዚኸውን ግዜ፡ እንተላይ ንድቃስ ዚኸውን እውን ከይወስደልካ ተጠንቀቕ። ብራያን ዚበሃል መንእሰይ፡ “ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣብ ኢንተርነት ተተኺሎም ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኸም ዝጸንሑ ይዛረቡ” በለ።—ኤፌሶን 5:15, 16
● ምስ እትፈልጦም ወይ መንነቶም ከተረጋግጾ ምስ እትኽእል ሰባት ጥራይ ሓሳባት ተለዋወጥ። ክፉኣት ሰባት ንገርህታት መንእሰያት ንኺምዝምዙ ኢሎም ኣብ ኢንተርነት የድብዩ እዮም።—ሮሜ 16:18
● ንግዳዊ ልውውጥ ክትገብር ከለኻ ተጠንቀቕ። ብሕታዊ ሓበሬታ ኸይትህብ ልዑል ጥንቃቐ ግበር። እንተ ዘይኰይኑ፡ ክትታለል ወይ ካብኡ ዝገደደ ጕድኣት ኪወርደካ እዩ።—ማቴዎስ 10:16
● ንኣዕሩኽካ ስእሊ ኽትሰደሎም ከለኻ፡ ንርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እዝስ ብሓቂዶ ንሓደ ንኣምላኽ አገልግል እየ ዚብል ዚበቅዕ እዩ፧’—ቲቶስ 2:7, 8
● ከምቲ ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ከለኻ እትገብሮ፡ ብኢንተርነት እትገብሮ ዝርርብ እውን መስመሩ ኺስሕት እንተ ጀሚሩ፡ ነቲ ዝርርብ ኣቋርጾ።—ኤፌሶን 5:3, 4
● ኣብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይትሓባብእ። ንወለድኻ “ኣምሰሉ” እንተ ዄንካ፡ ገለ ጸገም ኣሎካ። ካሪ እትበሃል ጐርዞ፡ “ንኣደይ ብግልጺ እየ ዝነግራ። ኣብ ኢንተርነት እንታይ እገብር ከም ዘለኹ አርእያ እየ” በለት።—እብራውያን 13:18 NW
“ምጽባይካ ኣየጣዕሰካን እዩ!”
ኣዕሩኽ ኪህልዉኻ ትደሊ ኢኻ። እዚ ኸኣ ንቡር እዩ። ሰባት ብብጾቶም ከም ዚሕጐሱ ዀይኖም እዮም ተፈጢሮም። (ዘፍጥረት 2:18) ስለዚ፡ ኣዕሩኽ ክትገብር ድፍኢት እንተ ሓዲሩካ፡ እዚ ምስ ኣፈጣጥራኻ ዚሰማማዕ እዩ። ብኸመይ ከም እትመርጾም ጥራይ ተጠንቀቕ።
ኣዕሩኽ ዚዀኑኻ ሰባት ብመሰረት ስርዓታት ቃል ኣምላኽ እንተ መሪጽካ፡ ብሉጻት ኣዕሩኽ ከም እትረክብ ኣይትጠራጠር። ሓንቲ ጓል 15 ዓመት መንእሰይ፡ “ንየሆዋን ንዓኻን ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ምስ ረኸብካዮም ግን፡ ምጽባይካ ኣየጣዕሰካን እዩ!” በለት።
ቃላት ጕድኣት ከም ዘይብሉ ዚዝረብ ዘረባ ሓቂ ድዩ፧ ሕሜት ከም ሰይፊ ኺወግእ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ክትዓግቶ ትኽእል፧
[እግረ-ጽሑፍ]
ቀንዲ ጥቕሲ
“ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን።”—መዝሙር 26:4
ምኽሪ
ኢንተርነት ክትጥቀም ከለኻ፡ ከይተፈለጠካ ግዜ ይበርር እዩ። ስለዚ፡ እንተ በዝሐ ኽንደይ ከም እትጸንሕ ደረት ግበረሉ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዝመደብካዮ ግዜ ኼብቅዕ ከሎ ዚሕብረካ ደወል ግበር።
ትፈልጥዶ፧
ሓደ ኽፉእ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ንኺረኽበካ፡ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ከም ስምካን ስም ቤት ትምህርትኻን ቍጽሪ ተሌፎንካን ዝኣመሰለ ሒደት ሓበሬታታት ጥራይ እዩ ዚኣኽሎ።
መደባተይ
ኣብ ኢንተርነት ዝጸንሖ ግዜ እንተ በዝሐ ኣብ ሰሙን ․․․․․ ኪኸውን እዩ፡ ነዚ መደብ እዚ ንምሕላው ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ኣብ ኢንተርነት ምስ ዘይፈልጦ ሰብ ክዘራረብ እንተ ጀሚረ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● ብኢንተርነት ዚግበር ዝርርብ ምስቲ ገጽ ንገጽ ዚግበር ዝርርብ ኪነጻጸር ከሎ፡ እንታይ ኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታት ኣለዎ፧
● ብኢንተርነት ከተዕልል ከለኻ፡ ብቐሊሉ ኻልእ መሲልካ ኽትቀርብ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
● ኣብ ኢንተርነት እተሕልፎ ግዜ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
● ኢንተርነት ብኸመይ ዝበለ ጠቓሚ መገድታት ክትጥቀመሉ ትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 103 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ምስ ዘይፈልጦም ወይ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ምስ ዘይቀርቦም ሰባት ብኢንተርነት ርክብ የብለይን።’’—ጆኣን
[ኣብ ገጽ 100, 101 ዘሎ ስእሊ]
ዓይንኻ ብጨርቂ ሸፊንካ፡ ሓደገኛ ብዝዀነ ኸባቢ ምኸድካዶ፧ ስለምንታይ ደኣ እሞ እንታይ ሓደጋ ኸም ዜስዕበልካ ኸይፈለጥካ ብኢንተርነት ሓሳብ እትለዋወጥ፧