ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 መጋቢት ገጽ 9
  • ናይ ኢንተርነት ኣዕሩኽካ መን እዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኢንተርነት ኣዕሩኽካ መን እዮም፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኢንተርነት ዚግበር ዕርክነትከ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ካብ መፈንጠራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቕ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 መጋቢት ገጽ 9

ክርስትያናዊ ህይወት

ናይ ኢንተርነት ኣዕሩኽካ መን እዮም፧

ፈታዊ ኺብሃል ከሎ፡ “ሓደ ምስ ካልእ ብምፍታው ወይ ብምክብባር እተጣበቐ ሰብ እዩ።” ንኣብነት፡ ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ፡ ዮናታንን ዳዊትን ዘይብተኽ ዕርክነት መስሪቶም እዮም። (1ሳሙ 18:1) ክልቲኦም ንሓድሕዶም ከም ዚፋተዉ ዝገበሮም ባህርያት ነበሮም። ስለዚ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ እዩ። ብሓፈሻ፡ ንሓደ ሰብ ክትፈልጦ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐሊሉ ‘ይተዓራረኹ’ እዮም። ከመይሲ፡ ኣብ ኢንተርነት እንረኽቦም ሰባት፡ ኪብልዎ ዝደለዩ ኣቐዲሞም ኪሓስቡ፡ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባኦም ዘለዎም ርእይቶ ድማ ብእተወሰነ ኪቘጻጸሩ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ናይ ሓቂ መንነቶም ኪሓብኡ ቐሊል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኢንተርነት “ዓርኪ” ኽትመርጽ ከለኻ፡ ተጠንቂቕካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጦ ሰብ ዓርኩ ኽትከውን ምስ ዚዕድመካ፡ ስምዒቱ ኸይጕዳእ ብዚብል ፍርሂ ዕሽሽ ምባል ወይ ምንጻግ ኣይትሰከፍ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይኣትዉ ኢሎም፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ፈጺሞም ከይጥቀሙ ወሲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጥቀም እንተ ወሲንካ፡ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ እንታይ እዩ፧

ነታ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ጓል ናይ ገዛእ ርእሳ ስእልታት ኣብ ተሌቪዥን ምስ ረኣየት ትስምብድ።

    ሓሳባትካን ስእልታትካን ቅድሚ ምልጣፍካ፡ ክትሓስቦ ዘሎካ ነገር እንታይ እዩ፧

  • “ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ብሓደ ሸነኽ ዚማርኽ ስእሊ ናይ ሓንቲ ጓል በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እተጸፍጸፈ ሰልዲ ዝሓዘ ሚዛን። እቲ ስእሊ ድማ ልዕሊ እቲ ሰልዲ ይምዘን።

    ኣብ ኢንተርነት እትረኽቦም ኣዕሩኽ ተጠንቂቕካ ኽትመርጽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ‘ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ’ ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ክልተ ኽፉእ ዝትርኢቶም ሰብኡት ንሓደ ቘልዓ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ እተለጠፈ ነገር የርእይዎ፡ ንሱ ግና ኣዒንቱ ይሽፍን።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንእተሕልፎ ግዜ ደረት ክትገብረሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧—ኤፌ 5:15, 16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ