ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • T-35 ገጽ 1-4
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
    ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
    መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
  • ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
    ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
ዝያዳ ርአ
ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
T-35 ገጽ 1-4
ወለዲ ስእሊ ምውትቲ ጓሎም ይርእዩ

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ትንሳኤ ኪኸውን . . . ተስፋ ኣሎኒ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 24:15፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት የጸናንዓካ።​—2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

ካብ ፍርሂ ሞት ናጻ ይገብረካ።​—እብራውያን 2:15።

ምስቶም ዝሞቱ ሰብካ እንደገና ኽትራኸብ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህበካ።​—ዮሃንስ 5:28, 29።

ሓንቲ ስድራ ቤትን ሓንቲ መበለትን ብተስፋ ትንሳኤ ኪጸናንዑ ኸለዉ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብሰለስተ ምኽንያት።

  • ህይወት ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። “ምንጪ ህይወት፡” የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) እቲ ንዅሎም ህያዋን ህይወት ዝሃበ ኣምላኽ፡ ንዝሞተ ሰብ ብርግጽ ኬተንስኦ ይኽእል እዩ።

  • ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ምዉታት ኣተንሲኡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሞት ተንሲኦም ኣብ ምድሪ ብህይወት ብዛዕባ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት ይገልጽ እዩ። እዚኣቶም ዓበይትን ንኣሽቱን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም ነይሮም። ገለ ኻባታቶም ንሓጺር ግዜ ጥራይ እዮም ሞይቶም ነይሮም፣ ሓደ ኻባታቶም ግና ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ መቓብር ገይሩ ነበረ።—ዮሃንስ 11:39-44።

  • ኣምላኽ ብሕጂ እውን ንምዉታት ኬተንስኦም ይናፍቕ እዩ። የሆዋ ንሞት ከም ጸላኢ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ነዚ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪስዕሮ፡ ማለት ብትንሳኤ ገይሩ ኼጥፍኦ ድማ ይናፍቕ እዩ። ነቶም ኣብ ተዘክሮኡ ዘለዉ ሰባት ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ እንደገና ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ኺርእዮም ሃረር ይብል እዩ።—እዮብ 14:14, 15።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ቈልዓ ዝነበረ ኺኣርግ ከሎ

እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12 ይምልሳ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ