ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • T-36 ገጽ 1-4
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
    ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
  • ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
    ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
    ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
    መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
T-36 ገጽ 1-4
እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽትመጽእ ይጽልዩ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • ኣብ ልብኻ ዘላ ነገር

  • ኣብ ሰማይ እትነብረሉ ቦታ

  • ኣብ ሰማይ ዘላ መንግስቲ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።”​—ዳንኤል 2:44፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

“ወዲ ተዋሂቡና፣ መንግስቲ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ።”​—ኢሳይያስ 9:6፣ እግረ ጽሑፍ።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

  • ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪጠቕመካ ዚኽእል ቅኑዕ መንግስቲ ትረክብ።​—ኢሳይያስ 48:17, 18።

  • ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ፍጹም ጥዕናን ሓጐስን ዘለዎ ህይወት ይህልወካ።​—ራእይ 21:3, 4።

ሰባት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትህሉ ምድራዊት ገነት፡ ኣታኽልቲ እናተኸናኸኑ ብሓጐስ ይነብሩ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትዓምም ኣርእዩ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እቲ ጸሎት ብኸመይ ከም ዚምለስ ድማ ብመርኣያ ኣርእዩ እዩ።

    የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጥሙያት መጊቡ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ከኣ ኣተንሲኡ እዩ። (ማቴዎስ 15:29-38፣ ዮሃንስ 11:38-44) ከም መጻኢ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ እታ መንግስቲ ንተገዛእታ እንታይ ከም እትገብረሎም ዜርኢ ባህ ዜብል መርኣዪ ሂቡ እዩ።​—ራእይ 11:15።

  • ኵነታት ዓለም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም እትመጽእ የረጋግጽ። የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ሰላም ቅድሚ ምምጻኣ፡ ኣብ ዓለምና ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።​—ማቴዎስ 24:3, 7።

    ሎሚ እዚ ዅነታት እዚ ኺፍጸም ንርኢ ኣለና። ስለዚ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት መወዳእታ ኸም እትገብረሉ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ብመንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ውቅብቲ ምድሪ

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ህይወት እንታይ ክትመስል እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 65:21-23 ይምልሳ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ