ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 22 ገጽ 58-ገጽ 59 ሕ.ጽ. 6
  • ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 22 ገጽ 58-ገጽ 59 ሕ.ጽ. 6
የሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ምስ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ይዛራረብ

ምዕራፍ 22

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ

ማቴዎስ 4:13-22 ማርቆስ 1:16-20 ሉቃስ 5:1-11

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብምሉእ ግዜኦም ኪስዕብዎ ጸውዖም

  • ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኰኑ

ሰብ ናዝሬት ንየሱስ ኪቐትልዎ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ንሱ ናብታ ጥቓ እቲ “ቐላይ ጌንሳሬጥ” እውን ዚብሃል ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቅፍርናሆም ከደ። (ሉቃስ 5:1) በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ ህዝቢ ገሊላ ዓብዪ ብርሃን ከም ዚርእዩ ዚገልጽ ትንቢት ተፈጸመ።—ኢሳይያስ 9:1, 2።

እወ፡ የሱስ ኣብ ገሊላ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” እናበለ ምስባኽ ቀጸለ። (ማቴዎስ 4:17) ነቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ረኸቦም። ንሳቶም ኣቐድም ኣቢሎም ምስኡ ተጓዒዞም ነይሮም እዮም፣ ምስ የሱስ ካብ ይሁዳ ድሕሪ ምምላሶም ግና፡ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ተመልሱ። (ዮሃንስ 1:35-42) ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ነቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኪቕጽልዎ፡ ወትሩ ምስኡ ዀይኖም ስልጠና ዚረኽቡሉ ግዜ ኣኸለ።

የሱስ ብገማግም ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ፡ ስምኦን ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ብጾቶምን መርበቦም ኬዐርዩ ረኣዮም። ኣብ ጃልባ ጴጥሮስ ደዪቡ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ቝሩብ ኬርሕቓ ሓተቶ። ቍሩብ ምስ ረሓቑ፡ የሱስ ኣብታ ጃልባ ኾፍ ኢሉ ነቶም ኣብቲ ገምገም ዝነበሩ ሰባት ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪምህሮም ጀመረ።

ድሕርዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ናብ ዓሚቝ ርሓቕ እሞ፡ ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ “መምህር፡ ምሉእ ለይቲ ጽዒርና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዝናን፣ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ ከውርዶ እየ” ኢሉ መለሰ።—ሉቃስ 5:4, 5።

እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን፡ መርበቦም ናብ ጃልባ ኺመልሱ ይቃለሱ፣ ጴጥሮስ ኣብ ብርኪ የሱስ ይድፋእ

ነቲ መርበብ ምስ ኣውረዶ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ብምሓዙ፡ እቲ መርበብ ተቐድደ። ቀልጢፎም ከኣ ነቶም ኣብታ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረት ጃልባ ዝነበሩ መሻርኽቶም መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎም። ክልቲአን ጃለቡ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ ብዓሳ መልእወን። ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ” እናበለ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፍአ። የሱስ ግና፡ “ደጊም ኣይትፍራህ። ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ” በሎ።—ሉቃስ 5:8, 10።

የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን፡ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” በሎም። (ማቴዎስ 4:19) ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስን ዚብሃሉ ደቂ ዘብዴዎስ እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ሰዓብዎ። ስለዚ፡ ኣርባዕቲኦም ምግፋፍ ዓሳ ሓዲጎም፡ ቀዳሞት ናይ ምሉእ ግዜ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰኑ።

  • የሱስ ንኸመይ ዝበሉ ሰባት እዩ ናይ ምሉእ ግዜ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዝጸውዖም፧ ንሳቶምከ መነመን እዮም ነይሮም፧

  • ንጴጥሮስ ዘፍረሆ ተኣምር እንታይ እዩ ነይሩ፧

  • እቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ምግፋፍ ዓሳ ሓዲጎም እንታይ ኪገፍፉ እዮም ዝጀመሩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ