ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 46 ገጽ 116-ገጽ 117 ሕ.ጽ. 9
  • ክዳን የሱስ ተንክያ ሓወየት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክዳን የሱስ ተንክያ ሓወየት
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክዳኑ ተንከፈት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሱስ ምዉታት የተንስእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 46 ገጽ 116-ገጽ 117 ሕ.ጽ. 9
ሓንቲ ሰበይቲ ንየሱስ ክዳኑ ምስ ተንከየቶ፡ ሰብ ከም ዝተንከዮ ይፍለጦ

ምዕራፍ 46

ክዳን የሱስ ተንክያ ሓወየት

ማቴዎስ 9:18-22 ማርቆስ 5:21-34 ሉቃስ 8:40-48

  • ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክዳን የሱስ ተንክያ ሓወየት

የሱስ ካብ ደካጶሊስ ናብ ቅፍርናሆም ከም እተመልሰ፡ ኣብቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ዝነበሩ ኣይሁድ ተሰምዐ። እተወሰነ ግዜ ኣቐዲሙ ማዕበል ምስ ተላዕለ፡ የሱስ ነቲ ንፋስን ነቲ ማያትን ከም ዘህድኦ ሰሚዖም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ገሊኦም ድማ ነቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከም ዘሕወዮም ሰሚዖም ይዀኑ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ከባቢ ቅፍርናሆም እዩ ዚኸውን፡ “ብዙሕ ህዝቢ” ንየሱስ ኪቕበሎ ተኣከበ። (ማርቆስ 5:21) ናብ ገምገም ኪመጽእ ከሎ፡ ብሃረርታን ብህንጥዮትን ይጽበይዎ ነበሩ።

ሓደ ኻብቶም ንየሱስ ኪርእዩ ሃረር ኢሎም ዝነበሩ፡ ያኢሮስ እቲ መራሕ ምኵራብ እዩ ነይሩ፣ እታ ምኵራብ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ዝነበረት ክትከውን ትኽእል እያ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ኸኣ፡ “ጓለይ ተወጺዓ ኣላ። ምእንቲ ኽትሓውን ብህይወት ክትነብርንሲ፡ በጃኻ መጺእካ ኣእዳውካ ኣንብረላ” ኢሉ ደጋጊሙ ለመኖ። (ማርቆስ 5:23) ያኢሮስ ኣዝዩ ዚፈትዋ ሓንቲ ጓል ጥራይ ነበረቶ፣ ንሳ ኸኣ ጓል 12 ዓመት ነበረት። እሞኸ የሱስ ነቲ ያኢሮስ ዘቕረበሉ ልማኖ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧—ሉቃስ 8:42።

የሱስ ናብ ቤት ያኢሮስ ኪኸይድ ከሎ፡ ካልእ ውሽጥኻ ዚትንኪ ነገር ኣጓነፎ። ብዙሓት ህዝቢ ኻልእ ተኣምር ኺገብር ከሎ ኺርእዩ ተሃንጥዮም ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ግና፡ ሓንቲ ኣብቲ ዘጋጥማ ኸቢድ ጸገም ጥዕና ዘተኰረት ሰበይቲ ነበረት።

እታ ሰበይቲ ን12 ዓመት ደም ይፈስሳ ነበረ። ሓገዝ ክትረክብ ኢላ ኻብ ሓደ ሓኪም ናብ ካልእ እናኸደት ኵሉ ገንዘባ ኣብ ሕክምና ኣጥፍአት። ግናኸ፡ “ገደዳ” እምበር፡ ኣይሓሻን።—ማርቆስ 5:26።

እቲ ሕማማ ዜድክም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዜሕፍርን ዜዋርድን እውን ከም ዝዀነ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ብግህዶ ኣይዛረብን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ደም ምስ ዚፈስሳ፡ ርኽስቲ እያ እትኸውን። ንዓኣ ወይ ነቲ ደም እተጸየቐ ክዳውንታ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ፡ ይሕጸብን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኸውንን ነበረ።—ዘሌዋውያን 15:25-27።

እታ ሰበይቲ “ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐት፡” ክትረኽቦ ደለየት። “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንክየ፡ ክሓዊ እየ” ኢላ ስለ ዝሓሰበት ከኣ፡ ንርኽሰታ ኣብ ግምት ብምእታው ብእተኻእላ መጠን ብመንጎ እቶም ህዝቢ ከይተራእየት ሰላሕ ኢላ ናብኡ ቐረበት። ዘፈር ክዳኑ ምስ ተንከየት፡ ምፍሳስ ደማ ደው ከም ዝበለ ተፈለጣ! እወ፡ ‘ካብቲ ዜቐንዙ ሕማማ ሓወየት።’—ማርቆስ 5:27-29።

የሱስ ድማ፡ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” በለ። እታ ሰበይቲ ነዘን ቃላት እዚአን ምስ ሰምዐት ከመይ እተሰምዓ ይመስለካ፧ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ህዝቢ ይጸቓቕጠካን ይደፋፍኣካን ኣሎ” ኢሉ ሓውሲ መግናሕቲ ዝዀነ ምላሽ ሃቦ። ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” ኢሉ ዝሓተተ፧ የሱስ፡ “ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ተፈሊጡኒ እዩ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። (ሉቃስ 8:45, 46) እወ፡ ንሳ ኽትሓዊ ኸላ፡ ካብ የሱስ ሓይሊ ወጺኡ እዩ።

እታ ሰበይቲ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረኣየት፡ እናፈርሀትን ራዕራዕ እናበለትን ከይዳ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፍአት። ኣብ ቅድሚ ዅሉ እውን፡ ብዛዕባ ሕማማን ከመይ ኢላ ኸም ዝሓወየትን ነገረቶ። የሱስ ድማ፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” ኢሉ ብለውሃት ኣጸናንዓ።—ማርቆስ 5:34።

ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺገዝእ ዝሓረዮ ንጉስ፡ ፈቃርን ርሕሩሕን ብሰባት ዚግደስን ንምሕጋዞም እውን ሓይሊ ዘለዎን እዩ።

  • የሱስ ናብ ከባቢ ቅፍርናሆም ምስ ተመልሰ፡ ህዝቢ ኪቕበሎ እተኣከበ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሓንቲ ሰበይቲ እንታይ ጸገም እዩ ዝነበራ፧ ካብ የሱስ ሓገዝ ዝደለየትከ ስለምንታይ እያ፧

  • እታ ሰበይቲ ብኸመይ ሓውያ፧ የሱስከ እንታይ ኢሉ እዩ ዘጸናንዓ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ