መጽናዕቲ 17
ንኻልኦት ዚርድኦም
1 ቈረንቶስ 14:9
ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሰማዕትኻ ትርጉም መልእኽትኻ ኣረድኣዮም።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ንመልእኽትኻ ኣጸቢቕካ ኣጽንዓዮ። ነቲ ጕዳይ ብቐሊልን ብናትካ ቓላትን ምእንቲ ኽትገልጾ፡ ብንጹር ተረድኣዮ።
ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ቀለልቲ ሓረጋትን ተጠቐም። ነዋሕቲ ምሉእ ሓሳባት ቅቡል እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ ነጥብታት ግና ብሓጸርቲ ሓረጋትን ብሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ጌርካ ግለጽ።
ዘይፍሉጥ ቃላት ግለጽ። እንተ ተኻኢሉ፡ ሰማዕትኻ ዘይፈልጥዎ ቓላት ኣይትጠቐም። ዘይፍሉጥ ቃላት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ ወይ ጥንታዊ መለክዒታትን ባህልን ክትጥቀም እንተ ኣልዩካ፡ ግለጾ።