ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 18 ገጽ 21
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 18 ገጽ 21

መጽናዕቲ 18

ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

1 ቈረንቶስ 9:19-23

ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ግበሮም፡ ዚረብሕ ነገር ከም እተማህሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ግበር።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ነቲ ሰማዕትኻ ድሮ ዚፈልጥዎ ኣብ ግምት ኣእቱ። ነቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ነገር ኣብ ክንዲ ምድጋም፡ ነቲ ጕዳይ ብሓድሽ ኣንፈት ኣርእዮም።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ዚፈልጥዎ ነጥብታት ብፍጥነት ተዛረብ፡ ሓድሽ ሓሳባት ከተቕርብ ከለኻ ግና ህድእ ኢልካ ተዛረብ።

  • ምርምር ግበርን ኣስተንትንን። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣገዳሲ ሓሳባት ንምግላጽ፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ሓቅታት ወይ ህሉው ፍጻመታት ተጠቐም። ብዛዕባ እቲ እተቕርቦ መልእኽትን እዚ ምስቲ ኽትጠቕሶ ዝሓሰብካ ሓቅታት ብዛዕባ ዘለዎ ምትእስሳርን ብዕምቈት ሕሰብ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ነቲ እተቕርቦ መልእኽቲ ኽትምርምሮ ኸለኻ፡ ‘እንታይ፡ ስለምንታይ፡ መዓስ፡ ኣበይ፡ መን፡ ብኸመይ’ ብዚብሉ ሕቶታት ጌርካ ሕሰብ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ነቲ ትምህርቲ እተቕርበሉ እዋን፡ ሕቶታት ብምሕታትን መልሲ ብምምላስን፡ ንትምህርትኻ ህያው ግበሮ።

  • መልእኽትኻ ዘለዎ ጥቕሚ ኣርኢ። ሰማዕትኻ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ግለጽ። ብዛዕባ እቲ ንሰማዕትኻ ዚምልከቶም ዝርዝር ኵነታትን ኣረኣእያን ተግባራትን ግለጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ