መጽናዕቲ 18
ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
1 ቈረንቶስ 9:19-23
ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ግበሮም፡ ዚረብሕ ነገር ከም እተማህሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ግበር።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ነቲ ሰማዕትኻ ድሮ ዚፈልጥዎ ኣብ ግምት ኣእቱ። ነቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ነገር ኣብ ክንዲ ምድጋም፡ ነቲ ጕዳይ ብሓድሽ ኣንፈት ኣርእዮም።
ምርምር ግበርን ኣስተንትንን። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣገዳሲ ሓሳባት ንምግላጽ፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ሓቅታት ወይ ህሉው ፍጻመታት ተጠቐም። ብዛዕባ እቲ እተቕርቦ መልእኽትን እዚ ምስቲ ኽትጠቕሶ ዝሓሰብካ ሓቅታት ብዛዕባ ዘለዎ ምትእስሳርን ብዕምቈት ሕሰብ።
መልእኽትኻ ዘለዎ ጥቕሚ ኣርኢ። ሰማዕትኻ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ግለጽ። ብዛዕባ እቲ ንሰማዕትኻ ዚምልከቶም ዝርዝር ኵነታትን ኣረኣእያን ተግባራትን ግለጽ።