መጽናዕቲ 20
ውጽኢታዊ መደምደምታ
መክብብ 12:13, 14
ጽማቝ ሓሳባት፦ ኣብ መደምደምታ ዘረባኻ፡ ሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ኪቕበልዎን ኪትግብርዎን ተማሕጸኖም።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ንመደምደምታኻ ምስቲ ሓፈሻዊ ርእሰ ነገር ኣተሓሕዞ። ንቐንዲ ነጥብታትካን ንፍረ ነገርካን ዳግም ጥቐሶ ወይ ብኻልእ ቃላት ለዊጥካ ጥቐሶ።
ንሰማዕትኻ ኣለዓዕሎም። ንሰማዕትኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣርእዮም፡ ከምኡ ንምግባር ዜድሊ ጽቡቕ ምኽንያታት ድማ ሃቦም። ነቲ እትብሎ ኸም እትኣምነሉ ብዜርኢ መገዲ ብዕቱብ ተዛረብ።
ንመደምደምታኻ ቐሊልን ሓጺርን ግበሮ። ሓድሽ ቀንዲ ነጥቢ ኣይተእቱ። ኣብ ተግባር ምእንቲ ኼውዕልዎ፡ ብሒደት ቃላት ጌርካ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ ኣቕርብ።