ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 1
  • ተገዳስነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተገዳስነት
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ባህርያዊ
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ምስክርነት ናብ ምሃብ ኪመርሓካ ብዚኽእል ዝርርባት ጀምር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 1

ዝርርብ ምጅማር

የሱስ ኣብ ጥቓ ዒላ ምስ ዝረኸባ ሰበይቲ ይዛራረብ።

ዮሃ. 4:6-9

ትምህርቲ 1

ተገዳስነት

ስርዓት፦ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።”—1 ቈረ. 13:4, 5።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ኣብ ጥቓ ዒላ ምስ ዝረኸባ ሰበይቲ ይዛራረብ።

ቪድዮ፦ የሱስን እታ ሰበይትን ኣብ ጥቓ እታ ዒላ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 4:6-9 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. የሱስ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ እንታይ እዩ ተዓዚቡ፧

  2. ለ. የሱስ፡ “ኣስትይኒ” ኢሉ እዩ ተዛሪብዋ። እዚ ዝበሎ ነገር፡ ዝርርብ ንምጅማር ውጽኢታዊ መገዲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. በቲ ንኻልኦት ዜገድሶም ርእሰ ነገራት ዘረባ እንተ ጀሚርና፡ ጽቡቕ ክንዛራረብ ንኽእል ኢና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ተዓጻጻፊ ኹን። በቲ ንዓኻ ዜተሓሳስበካ ጕዳይ ዝርርብ ከተጀምር ኣይትሃቅን። የግዳስ፡ በቲ ንኻልኦት ዜተሓሳስቦም ዘሎ ጕዳይ ዝርርብ ኣጀምር። ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1. ሀ. ‘ኣብ ዜና እንታይ ኣሎ፧’

  2. ለ. ‘ጐረባብተይ፡ መሳርሕተይ፡ ወይ መማህርተይ ብዛዕባ እንታይ ይዛራረቡ ኣለዉ፧’

4. ኣስተብሃሊ ኹን። ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1. ሀ. ‘እዚ ሰብ እዚ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሓስብ ዘሎ፧’

  2. ለ. ‘ናይዚ ሰብ ኣከዳድና፡ ትርኢት፡ ወይ ቤት ብዛዕባ እምነቱ ወይ ባህሉ እንታይ ይነግረኒ፧’

  3. ሐ. ‘ነዚ ሰብ እዚ ሕጂ እንተ ተዛረብክዎዶ ይሓይሽ ወይስ ካልእ ግዜ፧’

5. ስማዕ።

  1. ሀ. ዘረባ ኣይተብዝሕ።

  2. ለ. ነቲ ሰብ ሓሳቡ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ መዳይ፡ ሕቶታት ሕተቶ።

ኣብዚ እውን ርአ

ማቴ. 7:12፣ 1 ቈረ. 9:20-23፣ ፊል. 2:4፣ ያእ. 1:19

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ