ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/4 ገጽ 19-24
  • ብኣምላኽ ዝተምሃርኩም ኴንኩም ተመላለሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኣምላኽ ዝተምሃርኩም ኴንኩም ተመላለሱ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝተምሃርካን ዝተጠቐምካን ምዃን
  • ንኣባላት ስድራቤት ዝጠቅም ትምህርቲ
  • ኣወንታዊ ትምህርቲ
  • 23 ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምከ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ነዚ ጽንኩር ግዜና ዝሕግዝ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/4 ገጽ 19-24

ብኣምላኽ ዝተምሃርኩም ኴንኩም ተመላለሱ

“ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] . . .  ንደይብ: ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ: ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና። ” — ሚክያስ 4:2።

1. ብመሰረት እቲ ሚክያስ ዝበሎ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣምላኸ ንህዝቡ እንታይ ኢዩ ዝገብረሎም?

ሚክያስ እቲ ናይ ኣምላኽ ነቢ “በተን ዳሕሮት መዓልትታት” ማለት ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ መታን ከምልኽዎ: ክደልይዎ ምዃኖም ተነብዩ ኣሎ። እዚኣቶም “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] . . . ንደይብ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ: ንሕናውን ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና” እናበሉ ንሓድሕዶም ዝተባብዑ ኢዮም። — ሚክያስ 4:1, 2።

2, 3. ብኸመይ ኢዩ እቲ ሰባት ፈተውቲ ገንዘብ ክኾኑ ኢዮም ዝብል ትንቢት ናይ ጳውሎስ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ?

2 ን 2 ጢሞቴዎስ 3:1–5 እንተደኣ ኣጽኒዕናዮ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት:” ብኣምላኽ ዝተምሃርካ ኴንካ ምምልላስ ፍሪኡ እንታይ ከም ዝኾነ ንምርኣይ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እቶም “ፈተውቲ ርእሶም” ከይኰኑ ኢሎም ነቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ዘቕልብሉ እንታይ ጥቕሚ ከም ዝረኽቡ ብምምልካት ጀሚርናዮ ኣሎና። ጳውሎስ ቀጺሉ ሰባት ኣብዚ ግዜና “ፈተውቲ ገንዘብ” ከም ዝኾኑውን ገሊጹ ኣሎ።

3 እዘን ቃላት እዚኣተን ልክዕ ነዚ ግዜና ዝኾና መግለጺ ምዃነን ንከተስተውዕል: ብትምህርቲ ናይ ዘመናዊ ታሪኽ ግድን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዲግሪ ዝተመረቕካ ክትከውን ዘድሊ ኣይኰነን። ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት መኽሰብ ዘእትዉ እሞ ብእኡ ድማ ዘይዓግቡ ርእሰ ማላውያንን ሓለፍቲ ናይ ዓበይቲ ትካላት ከም ዘለዉዶ ኣየንበብካን ኢኻ? እዞም ፈተውቲ ገንዘብ እዚኣቶም ጌና ብዙሕ ኢዮም ዝደልዩ: ዋላ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክእክቡ ኣይጸልኡን ኢዮም። እዘን ናይ ጳውሎስ ቃላት እውን ዋላ ኣብቶም ሃብታማት ዘይኰኑ ክነሶም: ኩሉ ግዜ ግና ህሩፋትን ዘይዓግቡን ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዝውዕላ እየን። ኣብ ከባቢኻ ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሓት ሰባት ትፈልጦም ይህልዉ ይኾኑ ኢዩም።

4-6. ክርስትያናት ፈተውቲ ገንዘብ መታን ከይኮኑ: ብኸመይ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዞም?

4 እዚ ጳውሎስ አብዚ ጠቒስዎ ዘሎ ሓደ ከትውግዶ ዘይከኣል ናይ ሰብ ተፈጥሮ ድዩ? እቲ ደራሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ነዊሕ ግዜ ይገብር “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኩሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ካብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” ኢሉ ዘስፈሮ ሓቂ መሰረት ብምግባር: መልሱ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ኣብዚ: ኣምላኽ “ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት እዩ” ድኣ ኢዩ ዝበለ እምበር “ገንዘብ ሱር ኩሉ ከፍኣት እዩ” ከም ዘይበለ ኣስተብህል።

5 እቲ ዘገርም: ኣብዛ ጳውሎስ ዝዛረበላ ዘሎ ምዕራፍ ገለ ብሉጻት ክርስትያናት ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ብውርሻ ወይ ሰሪሖም ብዘጥረይዎ: ሃብታማት ከም ዝነበሩ ኣፍልጦ ሂቡሉ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) ስለዚ እምበኣር ሓደ ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ነገር: እቲ ዘሎና ገንዘብ በዘየገድስ መጽሓፍ ቅዱስ ፈተውቲ ገንዘብ ምዃን ዘስዕቦ ሓደጋ ኢዩ ዘጠንቅቐና ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ብዛዕባ እዚ ዘጒህን ኣብ ኩሉ ዝርከብ ጉድለትን ዝህቦ ተወሳኺ ምኽሪዶ ኾን ይህልዎ? እወ: ብሓቂ ኣለዎ: ገለ ካብኡ እኳ እቲ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስበከቱ ዝሃቦ ኢዩ። እቲ እዚ ሓሳብ እዚ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝተፈልጠ ኢዩ። እስከ ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:26–33 ዝበሎ ኣስተብህለሉ።

6 ኣብ ሉቃስ 12:15–21 ተመዝጊቡ ከም ዘሎ: የሱስ ብዛዕባ ሓደ ብዙሕ ሃብቲ ክእክብ ዝጸዓረ ደሓር ግና ብሃንደበት ህይወቱ ዘጥፍኤ ሰብኣይ ይዛረብ። አብዚ እቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይ የሱስ እንታይ ኢዩ? ንሱ ከምዚ በለ:- “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሓልው።” ኣብ ርእሲ እዚ ከምዚ ዝበለ ምኽሪ: መጽሓፍ ቅዱስ ንትህኪት ክኹንኖ ከሎ ንክብረት ናይ ቅኑዕ ስራሕ ድማ ይጸቕጠሉ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:11, 12) ገለ ሰባት ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ግዜና ኣይሰርሕን ኢዩ ኢሎም ይኸራኸሩ ይኾኑ: እንተኾነ ግና ይሰርሕ ኢዩ ተዓዊቱ ድማ ኢዩ።

ዝተምሃርካን ዝተጠቐምካን ምዃን

7. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሃብቲ ዝህበና ምኽሪ: ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ከም እንኽእል እንታይ መተኣማመኒ ምኽንያት እዩ ዘሎና?

7 ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ካብ ኩሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽፍሒ ዝመጹ ነዚ ብዛዕባ ገንዘብ ዝመልከት መለኮታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ናይ ሓቂ ህያው ተመክሮ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። በዚ ድማ ንገዛእ ርእሶምን ንቤተሰቦምን ብዙሕ ተጠቒሞም ኢዮም: ነዚ ዋላ እቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ተዓዚቦሞ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብታ ረሊጀስ ሙቭመንት ኢን ኮንተምፖራሪ ኣመሪካ ዘርእስታ መጽሐፍ ኣብቲ ካብ ደረስቲ ናይ ፕሪንስተን ዩኒቨርስቲ ሓደ ናይ ሰብ ኩነታት ዝመራመር ምሁር (ኣንትሮፖሎጂስት) ከምዚ ይብል:- “መሰኻኽር ኣብቲ ጽሑፋቶምን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታቶምን ኵሉ ግዜ እምንቶኦም ብሓዳስ መኪና: ኣዝዩ ክቡር ክዳውንቲ ወይ ንደረጃኻ ዘንጸባርቕ ኣዝዩ ፈዳሕዳሕ ዝበዝሖ ህይወት ከይገብሩ ይመዓዱ ኢዮም። ኣብ ርእሲኡ ድማ ሓደ ምስክር ነቲ ናይ ስራሕ ሓላፊኡ እተን ዝግብእኦ ስዓታት ናይ ስራሕ ይህቦ ኢዩ: እዚ ድማ ተጠንቂቑ ብቕንዕና ኢዩ ዝገብሮ: . . . ከምዚ ዝበለ ሰራሕተኛ ዋላ እኳ ብዙሕ ክእለት እንተዘይብሉ ተደላዪ ሰራሕተኛ ኢዩ: ገለ መሰኻኽር ኣብቲ ዞባ ድኻታት ዝበሃል ሰሜን ፊላደልፍያ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ እውን ከይተረፈ ናብቲ ዝለዓለ ቦታ ሓላፍነት ክበጽሑ ዝኽኣሉ ኣለዉ።” ብግልጺ እምበኣር እቶም ንትምህርቲ ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተቐበሉ ሰባት ነቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ንክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ገይርዎ ዘሎ ኣመለኻኽታ ነቒሖምሉ ኢዮም። እቲ ተሞክሮኦም ድማ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓሸን ሕጉስን ህይወት ንኽህልወካ ዝመርሕ ምዃኑ ሓበል ዘይበሃሎ መረጋገጺ ኢዩ ዝህብ።

8. እተን “ተጀሃርቲ” “ዕቡያት” ከምኡውን “ተጻረፍቲ” ዝብላ ቃላት ከነተሓሕዘን እንኽእል ስለምንታይ ኢና? እዘን ሰለስተ ቃላትከ ትርጉመን እንታይ ኢዩ?

8 ነተን ቀጺሉ ጳውሎስ ዘርዚሩወን ዘሎ ሰለስተ ነገራት ከነተሓሕዘን ንኽእል ኢና። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት “ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ” ክኾኑ ኢዮም። እዘን ሰለስተ ጠባያት እዚኣተን ሓደ ኣይኰናን: እንተኾነ ግና ኵለን ምስ ትዕቢት ዝተተሓሓዛ ኢየን። እታ ቀዳመይቲ “ተጀሃርቲ” ኢያ እትብል። ሓደ መዝገበ ቃላት ነታ መሰረታዊት ቃል ናይ ግሪኽ ክትርጉማ ከሎ:- “ሓደ ንርእሱ ካብቲ ናይ ሓቂ ኰይንዎ ዘሎ ንላዕሊ ዝቖጽራ ሰብ” ወይ “ካብቲ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ዝመባጻዕ ሰብ” ይብል። ገለ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ተጀሃርቲ” ዝበልሉ ምኽንያት እምበኣር በዚ ኢዩ። እታ ቀጺላ ዘላ ድማ “ዕቡያት” ወይ ቃል ብቓላ “በሊጾም ዝርኣዩ” ትብል እያ። እታ ናይ መጨረሻ ድማ “ተጻረፍቲ” እትብል እያ። ገለ ሰባት ተጻረፍቲ ክብል ከሎ ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ብዘይ ኣኽብሮት ዝዛረቡ ጥራይ ዝውዕል ገይሮም ይሓስቡ ይኾኑ: እንተኾነ ግና እታ ቃል ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘውጽኡዎም ሕሱምን መነወርን ወይ ሃሰይቲ ቃላት ትውዕል እያ። ስለዚ ጳውሎስ ኣብዚ ተጻረፍቲ ክብል ከሎ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ሰብን ዝጻረፉ ማለቱ እዩ።

9. ኣንጻር ናይቲ ጐዳኢ ዝኾነ ገኒኑ ዘሎ ኣመለኻኽታ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ከማዕብሉ ኢዩ ዘተባብዖም?

9 ኣብ ማእከል እዞም ጳውሎስ እተዛረበሎም ዓይነት ሰባት ከም መሳርሕትኻ: መማህርትኻ ወይ ኣዝማድካ ክትህሉስ ከመይ ይስምዓካ? እዝስ ንህይወትካ ቀሊልዶ ይገብሮ ኢዩ? ወይስ እዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ንህይወትካ ሓላሊኾም ነዚ ግዜና ንክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ከም ዝኸብደካ ኢዮም ዝገብሩኻ? ቃል ኣምላኽ ግና በቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 4:7። ቈሎሴ 3:12, 13 ከምኡውን ኤፌሶን 4:29 ዘሎ መምርሒ ብምሃብ ንኸምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ከነወግዶ ኢዩ ዝምህረና።

10. ህዝቢ የሆዋ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብምቕባሎም ከም ዝተጠቕሙ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ?

10 ሽሕኳ ክርስትያናት ፍጹማት እንተዘይኮኑ: ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ብምስዓቦም ኣብዚ ጽንኩር ግዜዚ ብዙሕ ተሓጊዞም ኢዮም። እታ ላ ቺቪልታ ካቶሊካ ዝተባህለት መጽሔት ንሓደ ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሰኽ ዘርእይሉ ዘለዉ ምኽንያታት ክትገልጽ ከላ:- “እታ ማሕበር ነቶም ኣባላታ ንጹርን ሓያልን መንነት እያ እትህቦም።” ግና እዚ “ሓያል መንነት” ክብል ከሎስ እቲ ጸሓፊ “ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ” ማለቱ ድዩ? ኣይኰነን: ብኣንጻሩስ እታ ናይ ጀስዊት መጽሔት ትዕዝብታ ክትገልጽ ከላ: እታ ማሕበር “ንኣባላታ ንጹርን ሓያልን መንነት እትህቦምን ብፍቕርን ሕያውነታዊ ስምዒት ተቐባልነት ዝረኽቡላን ከምኡውን ሓድነት ዝርእዩላ ናይ ሓቂ ቦታኦም እያ” ትብል። እቲ መሰኻኽር ዝረኽቡዎ ዘለዉ ትምህርቲ ብሓቂ ይሕግዞም ከም ዘሎስ ግልጺዶ ኣይኰነን?

ንኣባላት ስድራቤት ዝጠቅም ትምህርቲ

11, 12. ብኸመይ ኢዩ ጳውሎስ ነቲ ኣብ መብዛሕትአን ስድራቤታት ዝርአ ኩነታት ብልክዕ ገሊጽዎ ዘሎ?

11 እተን ቀጺለን ዘለዋ ኣርባዕተ ነገራት ዝተተሓሓዛ ስለ ዝኾናስ ብሓደ ክንገብረን ኢና። ጳውሎስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት “ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዜብሎም” ክኾኑ ኢዮም ኢሉ ተነበየ። እዘን “ዘየማስዉ: ርኹሳት [ጠላማት ት.ሓ.ዓ.]” ዝብላ ክልተ ጉድለታት ክሳዕ ክንደይ ተዘርጊሐን ከም ዘለዋ ትፈልጥ ኢኻ። ጌና ጳውሎስ ስለምንታይ ነዘን ነገራት እዚኣተን ኣብ ማእከል “ንወለዶም ዘይእዘዙ:” “ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዘይብሎም” [ባህሪያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም ት.ሓ.ዓ.] ዝብላ ከም ዘእተወን ንከተስተውዕሎ ቀሊል ኢዩ። እዘን ኣርባዕተ ነገራት እዚአን ንሓድሕደን ዝተተሓሓዛ እየን።

12 ዳርጋ ዝኾነ ተዓዛባይ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ: ንወለድኻ ዘይምእዛዝ ኣዝዩ ገኒኑ: እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ዝእመነሉ ነገር ኢዩ። ብዙሓት ወለዲ: መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ኹሉ ዝገበረናሎም ኣየማስውን ኢዮም ዘለዉ እናበሉ የጉረምርሙ ኣለዉ። ብዙሓት መንእሰያት ድማ ወለዶም ንዕኦምን ብጠቕላላ ነታ ስድራቤትን ጠሊሞም ኣብ ስርሖምን ሓጐሶምን ወይ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ጥራይ ኢዮም ጥሒሎም ዘለዉ እናበሉ ተቓውምኦም የስምዑ። ሕጂ ኣብ ክንዲ በደለኛ መን ምዃኑ እነጻሪ: እስከ ናብቲ ኣፍሪዩዎ ዘሎ ፍረ ንርአ። እዚ ኣብ መንጐ ዓበይትን መንእሰያትን ዘሎ ተነጽሎ: መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ስነ ምግባር ወይ ዘይስነምግባራዊ ስርዓት ከም ዘውጽኡ ኢዩ መሪሑዎም ዘሎ። እዚኸ እንታይ ወለደ? እዚስ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መንእሰያት ጥንሲ: ምውጋር: ከምኡውን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም: ኢዩ ኣፍርዩ ዘሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤት ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይምህላው ድማ ኢዩ ናብ ባእሲ ዘምርሕ። እዚ ባህርያዊ ፍቕሪ ጠፊኡ ምህላዉ መርትዖ ዝኸውን ምናልባት ካብቶም ኣብ ኣከባቢኻ ዘለዉ ገለ ኣብነታት ትጠቅስ ትኸውን።

13, 14. (ሀ) ኣብዚ ብዙሓት ስድራቤታት እናዓነዋ ዝኸዳሉ ዘለዋ ግዜ ስለምንታይ ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነቕልበሉ ዘሎና? (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ ስድራቤታት ከመይ ዝበለ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ኢዩ ዝህብ?

13 ምናልባት እውን በዚ ምኽንያት እዚ ይኾኑ እቶም ቀደም ከም ሓደ ቤተሰብ ኾይኖም ዝመላለሱ ዝነበሩ ካብ ሓደ ማይ ቤት: ዓሌት ወይ ዓዲ ዝኾኑ ሰባት: ሕጂ ግና ዝፈላለዩ ዘለዉ። እዚ ክንብል ከሎና ግን: ነቲ ኣሉታዊ ጎድኒ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት ከነጋንን ስለ ዝደለና ከም ዘይኰነ ከተስተውዕል ሰናይ ኢዩ። እተን ክልተ ቀንዲ ዘገድሳና ነጥቢ:- ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብቲ ጳወሎስ ዝዘርዘሮ ጉድለታት ዝመጽእ ስቓይ ክንርሕቕሲ ይሕግዘና ድዩ? ንትምህርትታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራ ህይወትና እንተኣውዒልናዮስ ብሓቂዶ ንጥቀም ኢና? ዝብላ እየን። ከምቲ ኣብተን ዝርዝር ናይ ጳውሎስ ዘለዋ: ቀዳሞት ኣርባዕተ ነጥብታት ዘረጋገጽናዮ ስለ ዝኾነ: መልሰን እወ ዝብል ኢዩ።

14 ምዉቕን ዕዉትን ስድራቤት ከፍሪ ዝኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበልጽ ትምህርቲ ፈጺሙ የልቦን ኢልካ ክትድምድም ብሓቂ ምኽኑይ ኢዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓደ ኣብነት ከኣ: ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣባላት ስድራቤት ዕንቅፋታት ከወግዱ ጥራይ ዘይኰነስ ዕዉታት ንኽኾኑውን ይሕግዞም ኢዩ። ብቐጥታ ንሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ምኽሪ ዝህቡ ኣዝዮም ብሉጻትን ተግባራዊ ሓሳባት ዝሓዙ ብዙሓት ጥቕስታት እንተለዉኳ: ቈሎሴ 3:18–21 ግና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብሓቂ እያ ትሰማማዕ: እዚ መምርሒ እዚ ኣብ ግዜና ብሓቂ ይዓዪ ኢዩ። ሓቂ’ ዩ ኣብተን ስድራቤታት ናይቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ጸገማትን ግድላትን የጋጥም ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ሓፈሻዊ ውጽኢቱ ክርአ ከሎ ግና: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ትምህርቲ ንስድራቤታት ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ የረጋግጽ።

15, 16. እታ ኣብቶም ኣብ ዛምቢያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መመሰኻኽር መጽናዕቲ ዝገበረት ተማራማሪት ነቲ ኩነታቶም ከመይ ረኸበቶ?

15 ካብ ለዝብሪጅ ዝተባህለ ናይ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ዝተላእከት ተመራማሪት: ኣብ ዛምብያ ንዓመትን ፈረቓን ብዛዕባ ማሕበራዊ ናብራ መጽናዕቲ ኣካይዳ ነይራ። ንሳ ከምዚ ዝበለ መደምደምታ ሃበት:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዘለዉ ብዝበለጸ ርጉእ ሓዳር ንምምስራት ተዓዊቶም ኢዮም። . . . እዚ ዓወት እዚ ክርከብ ዝኸኣለ ድማ: ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ምምሕያሻት ስለ ዝተገብረሉ ማለት ኣብዚ ሓድሽ እምነቶም ዘይጓድኡን ንሓድሕዶም ክደጋገፉን ከም ዘለዎም በቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ርክብ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራሒኦም ኣምላኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ብምፍላጦም ኢዩ። . . . ሓደ ናይ የሆዋ ምስኽር ሰብኣይ ንሰበይቱን ንደቁን መታን ክሓልየሎም ኢሉ ሓላፍነት ክሽከም ከም ዘለዎ ይመሃር ኢዩ። . . . ሰብኡትን ኣንስትን ንጽህናኦም ዝሕልዉ እሙናት ክኾኑ ከም ዝግብኦም ይተባብዑ ኢዮም። . . . እዚ ከምዚ ዝበለ እሙናት ንኽኾኑ ዘሎ ጸቕጢ ኸኣ ኢዩ: ነቲ መርዓኦም ድልዱል ዝገብሮ ዘሎ።”

16 እዚ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓቂ ተሞክሮታት ዝተመስረተ ኢዩ። ንኣብነት እዛ ተመራማሪት እዚኣ ኣንጻር እቲ ባህሊ ናይቲ ዓዲ ዝኾነ ነገር ትዕዝብታ ክትገልጽ ከላ: “ሰብኡት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነንስቶም ኣብቲ ነቲ ገደና ንሕርሻ ክኸውን ተባሂሉ ካብ ምድላው ጀሚሮም ክሳዕ ኣብ ምትካልን ምኹዓትን ይሕግዝወን ኢዮም።” ስለዚ እምበኣር እዚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝርአ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ተሞክሮታት: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ዝትንክፍ ምዃኑ ግልጺ ይገብረልና ኢዩ።

17, 18. ኣብቲ ሃይማኖታዊ ውርሻን ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብን ዝብል ዝተገብረ መጽናዕቲ ከመይ ዝበለ ዘገርም ውጽኢት ኢዩ ዝተረኽበ?

17 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ: ኣብቲ ጆርናል ፎር ዘ ሳይንቲፊክ ስታድዪ ኦቭ ረሊጅን ዝበሃል ሓደ ዝተረኽበ ነገር ከም ዘሎ ተጠቒሱ ነይሩ። ኣብ 1991 “ሃይማኖታዊ ውርሻን ቅድሚ መርዓ ዘሎ ጾታዊ ርክብን: ካብ እኹላት መንእሰያት ናይ ውሽጢ ሃገር ብዝተረኽበ መረጋገጺ” ዝብል ዓንቀጽ ሒዙ ወጺኡ ነበረ። ቅድሚ መርዓ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ገኒኑ ምህላዉ ትፈልጥ ትኸውን። ብዙሓት ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኦም ብስምዒት ይነዱ: ከምኡውን ብዙሓት ኰተቴ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ናይ ጾታዊ ርክብ ብጾት ኣለዋኦም ወይ ኣለዉወን። ነዚ ዝውቱር ኰይኑ ዘሎ ነገር ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክልውጦዶ ምኸኣለ?

18 ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዘጽንዑ ሰለስተ ሓቢሮም ዝዓዩ ፕሮፈሰራት: ኣብቶም በቲ ክርስትያናዊ ባህሊ: ዓቃባውያን ዝኾኑ ስድራቤታት ዝዓብዩ መንእሰያት: እዚ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዝበሃል ፈጹሙ የለን ዝብል ትጽቢት ነበሮም። ነቲ መጽናዕቲ ምስ ኣካየድዎኸ እንታይ ረኸቡ? ካብ 70 ክሳዕ 82 ካብ ሚእቲ ካብቶም ናእሽቱን ዓበይትን መንእሰያት: ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙ ኰይኖም ተረኺቦም። ኣብ ገለ ካብቶም “ንኹሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ውርሻ ዘለዎም ግና እዚ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝወሓደ ኢዩ: ኣብ ናይ ኰተቴ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ግና ከምኡ ኣይኰነን።” እቶም ተመራመርቲ ብዛዕባ ገለ ካብ ሃይማኖታውያን ስድራቤታት ዝመጹ ዝመስሉ መንእሰያት ክዛረቡ ከለዉ ከምዚ በሉ:- “እዚኣቶም ምስቶም ናይ ጥንቲ ባህሊ ናይ ፕሮተስታንት ሒዞም ዝጓዓዙ ከተዋዳድሮም ከሎኻ ኣብዚኣቶም ዝበዝሐ ቍጸሪ ናይ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ኢዩ ተራእዩ።” — እቲ ብፍሉይ ተጻሒፉ ዘሎ ባዕልና ኢና ከምኡ ገይርናዮ።

19, 20. ትምህርቲ ናይ ኣምላኽ ነቶም ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከቡ መንእሰያት ሓጊዝዎምን ኣዕቊቡዎምን ዘሎ ብኸመይ ኢዩ?

19 እዞም ፕሮፈሰራት ንመንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብቶም “ካብ ካልኦት ኣዝዮም ዝተፈልዩ ጉጅለ” ዝበልዎም ስለ ዝኾኑ: እቲ ብዛዕብኦም ዝረኸብዎ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣንጻር ኰይኖም ኢዮም ረኺቦምዎ። ስለምንታይ ኢዩ እዚ ዝኾነ? “እቲ ደረጃ ናይ ተወፋይነትን ማሕባራዊ ምትሕቑቋፍን ብተሞክሮን ብተስፋን ከምኡውን ኣብቲ ሃይማኖታዊ ዕዮ ብዘለዎም ተሳታፍነትን ዝተወልደ ስለ ዝኾነ . . . ብሓፈሻ እቲ ብኸምዚ ዝመጽእ ምጥባቕ ናብቲ መሰረታዊ ስርዓታት ናይቲ እምነት እቲ ዝልዓለ ኢዩ ዝኸውን።” ወሲኾም ድማ ከምዚ ይብሉ:- “ኣብ መሰኻኽር ኰተቴታትን ዝዓበዩ መንእሰያትን ወንጌል ከስፍሑ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ።”

20 ስለዚ እምበኣር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንርኽሰት ክውግዱ ስለ ዘኽኣሎም ብዙሕ ጠቒምዎም ኢዩ። በዚ ድማ ካብቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ገሊኣቶም ክሓውዩ ዘይክእሉ ገሊኦም ድማ ቀዘፍቲ ዝኾኑ ሕማማት ተዓቊቦም ኣለዉ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅትለት ኢዩ እናበለ ዝምህረሉ ጥንሲ ምስዳድ ክፍጽሙ ኣይግደዱን ኢዮም። ብተወሳኺ እቶም ዕድሚኦም ዝኣኸሉ መንእሰያት ክምርዓዉ ከለዉ ንመርዓ ብንጹህ ሕልና ይኣትውዎ ማለት ኢዩ። በዚ ኸኣ መረዓኦም ኣብ ድልዱል መሰረት ይስረት። እዚ ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ኢዩ ነዚ ግዜና ክንዋጽኣሉን: ጥዑያት ክንከውንን ከምኡውን ሕጉሳት ክንከውን ዝሕግዘና።

ኣወንታዊ ትምህርቲ

21. ከመይ ዝበሉ ነገራት ኢዩ ጳውሎስ ብዛዕባ ግዜና ብልክዕ ዝተነበየ?

21 ሕጂ ናብ 2 ጢሞቴዎስ 3:3, 4 እሞ ተመለስ: እቲ ንኹሉ እኳ እንተዘይኰነስ ንብዙሓት ነዚ ግዜና ንኽዋጽእሉ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝገብሮም ጳውሎስ ዘርዚሩዎ ዘሎ ነገራት እሞ ኣስተብህለሎም። “[ሽዑ ሰባት] ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኸ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: [ክኾኑ እዮም]።” እዚስ ኣየ ክንደይ ሓቂ ኢዩ! ይኹን እምበር ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከዕቁበናን ከም እንዋጽኣሉን እንዕወትን ገይሩ ከዕጥቐናን ይኽእል ኢዩ።

22, 23. ጳውሎስ ነቲ ዝርዝር ሓሳቡ ብኸመይ ዝበለ ኣወንታዊ ምዕዶ ኢዩ ዛዚሙዎ? እቲ ቀንዲ መልእኽቱኸ እንታይ ኢዩ?

22 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዝርዝር ሓሳቡምዕዶ ብምሃብ ኢዩ ዝዛዝሞ። ነታ ናይ መጨረሻ ነገር እዚ ዘይብሃል ጥቕሚ ከምጽኣልና ናብ ዝኽእል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ኢዩ ዝለወጣ። ጳውሎስ ካብቶም “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ . . . ካብ እዚኣቶምውን ርሓቕ ” እናበለ ጠቒሱዎም ኣሎ። ኣብ ገለ ቤተ ክርስትያናት ዘለዉ መንእሰያት ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ንላዕሊ ነዚ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ከም ዘለዉ ኣይትረስዕ። እቶም ቤተ ክርስትያን ዝመላለሱ እቲ ርኽሰት ምፍጻሞም ማእከላይ ገምጋም ቍጽሪ እንተዝነብርውን እቲ ኣምልኾኦም ሓይሊ ዘይብሉ ምዃኑዶ ከይኮነ ዘረጋግጽ ዘሎ? ብተወሳኺ እቲ ሃይማኖታዊ ትምህርትታቶም ኣብ ንግዲ ብኸመይ ከም ዝመላለሱ: ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ብኸመይ ከም ዝሕዝዎም ወይ ነዝማዶም ብኸመይ ከም ዝርእይዎምዶ ለዊጥዎም ኢዩ?

23 እዘን ናይ ጳውሎስ ቃላት ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝተማሃርናዮ: ነቲ ናይ ሓቂ ሓይሊ ክርስትና ዘንጸባርቕ ዓይነት ኣምልኾ ብምሓዝ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ከም ዝግብኣና እየን ዘርእያና። ብዛዕባ እቶም ሓይሊ ዘይብሉ ዓይነት ኣምልኾ ዘለዎም ሰባት: ጳውሎስ “ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ” ኢዩ ዝብለና። እዚኣ ንጹር ጥቕሚ እተምጽኣልና ግልጺ ዝኾነት ትእዛዝ ኢያ።

24. እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 18 ዘሎ ምዕዶ ብኸመይ ኢዩ ምስቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ዝሰማማዕ?

24 እዛ ትእዛዝ እዚኣ: ብኸመይ ኢያ እትጠቕመና? እታ ናይ መጨረሻ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ሰበይቲ: ዓባይ ባቢሎን እናበለ ትጽውዓ። እቲ መረጋገጺታት ከም ዝሕብሮ እዛ ዓባይ ባቢሎን እዚኣ ንኹለን እተን የሆዋ ርእዩ ዝነጸገን ኣብ ኩሉ ዓለም ዝርከባ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እትምሰል እያ። እንተኾነ ግና: ንሕና ምስኣ ክንጽብጸብ ኣይግብኣናን ኢዩ። ራእይ 18:4 ከምዚ እናበለ ይምዕደና:- “ኣቱም ህዝበይ: . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽንበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ።” ጳውሎስ “ካብ እዚኣቶምውን ርሓቕ” ክብል ከሎስ ተማሳሳሊ ሓሳብ ደይኰነን ዝህብ ዘሎ? ነዚ ተኣዚዝና ምስ እንኸይድውን ካብ ትምህርቲ ናይ ኣምላኸ ካልእ ተወሳኺ ጥቕሚ ረኺብና ማለት ኢዩ።

25, 26. ነቶም ካብ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጽእ ትምህርቲ ዝቕበሉን ዝዓይሉን ከመይ ዝበለ መጻኢ ግዜ ኢዩ ተዓቊሩሎም ዘሎ?

25 ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ: ኣምላኽ ኢዱ ኣብ ጉዳያት ናይ ሰብ ከእቱ ኢዩ። ንኹሉ እዚ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይዚ እኩይ ኣገባብን ክድምስሶ ኢዩ። ከምቲ ራእይ 19:1, 2 ዝብሎ እዚ ምኽንያት ናይ ሓጎስ ክኸውን ኢዩ። እቶም ንትምህርቲ ናይ ኣምላኽ ዝቕበሉን ዝስዕብዎን: እዚ ኹሉ ዕንቅፋት ናይዚ ጽንኩር ግዜ ምስ ተኣልየ ኣብዛ ምድሪ ንትምህርትታቱ እናሰዓቡ ክቕጽሉ ክፍቀደሎም ኢዩ። — ራእይ 21:3, 4።

26 ኣብታ ዝተሓደሰት ምድራዊት ገነት ምንባርስ: ብሓቂ ካብቲ ክንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ባህ ዘብል ኢዩ። ኣምላኽ ክንረኽቦ ከም እንኽእል ተማባጺዑልና ስለ ዝኾነ: ብምሉእ ልብና ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። በዚ ድማ ኢዩ ነዚ ሓጋዚ ትምህርቱ ክንቅበሎን ክንስዕቦን ብቑዕ ምኽንያት ዝህበና ዘሎ። ነዚ መዓስ ኢና እንገብሮ? ሃየ እምብኣር ኩልና ብሓበራ: ኣብዚ ጽንኩር ግዜናን ኣብታ ተማባጺዑልና ዘሎ ገነትን: ነቲ ትምህርትታቱ ንስዓቦ። — ሚክያስ 4:3, 4።

ክንሓስበሎም ዘሎና ነጥብታት

◻ ህዝቢ የሆዋ ካብቲ ብዛዕባ ሃብቲ ዝተዋህቦም ምኽሪ ብኸመይ ተጠቒሞም?

◻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንቓሉ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓልዎ: ከመይ ዝበለ ሰናይ ፍረ ከም ዘምጽኣሎም ኢያ እታ ናይ ጀስዊት መጽሔት ዝመስከረት?

◻ እተን ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ዘውዓልኦ ስድራቤታት ከመይ ዝበለ ጥቕሚ ከም ዝረኸባ ኢዩ እቲ ኣብ ዛምቢያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝሕብሮ?

◻ መለኮታዊ ትምህርቲ ንመንእሰያት ከመይ ዝበለ ዑቕባ ኢዩ ዝገብረሎም?

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

ኣየ ክንደይ ከቢድ ዋጋ ኢዩ ዝትኸፍል!

“መንእሰያት ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ናይ ኤይድስ ዘጋጥሞም ዘሎስ ንጾታዊ ርክብን ሓሽሽን ክፍትንዎ ብምድላዮምን ብዘይ ሓላፍነታዊ ስምዒትን ንሳዕቤኑ ከየገደሶም ንግዚኡ ጥራይ ክሕጐሱ ስለ ዝደልዩን ከምኡውን ዘይሞቱ ስለ ዝመስሎምን ንስልጣናት ዘይሰምዑ ብምዃኖም ኢዩ” ይብል እቲ ኣብቲ ብዛዕባ ኤይድስን መንእሰያትን ዝተገብረ ኣኼባ ዝቐረበ ጸብጻብ። — ኒው ዮርክ ደይሊ ኒውስ ሰንበት 7 መጋቢት: 1993

“እቲ ኣብ ኣውሮፓን ኣፍሪቃን ደቡብ ምብራቕ ኤስያን ዝተገብረ መጽናዕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ ሎሚ ካብቶም ግዳይ ናይ ኤይድስ ብኻልኣይ ደረጃ መሪሕ እናኾና ዝመጻ ዘለዋ እተን ኣብ ጾታዊ ርክብ ንጡፋት ዝኾና መንእሰያት ኣዋልድ እየን።” — ዘኒው ዮርክ ታይምስ ዓርቢ 30 ሓምለ: 1993

[ኣብ ገጽ 22, 23 ዘሎ ስእሊ]

ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጉባኤን ኣብ ቤቶምን ብዙሕ ጠቒሙዎም ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ