ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/9 ገጽ 10-15
  • ካብ ሓመድ እኳ እንተኾንና ንቕድሚት ንገስገስ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ሓመድ እኳ እንተኾንና ንቕድሚት ንገስገስ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ኵነታት ለውጢ
  • ንሳቶምውን ካብ ሓመድ ኢዮም ነይሮም
  • ካብ ሓመድ ምዃን ንዓና በብብሕትና እንታይ ትርጕም ኣለዎ?
  • ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መናፍስቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ይከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተስፋ ምቝራጽ—ብኸመይ ክትቃለሶ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/9 ገጽ 10-15

ካብ ሓመድ እኳ እንተኾንና ንቕድሚት ንገስገስ!

“ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ”​—⁠መዝሙር 103:​14

1. መጽሓፍ ቅዱስ ደቂ ሰብ ካብ ሓመድ ኢዩም ተፈጢሮም ክብል ከሎስ ብሳይንሳዊ መገዲ ቅኑዕ ደዩ? ግለጾ።

ብኣካላዊ መገዲ ዝመጸ: ሓመድ ኢና። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኾነ።” (ዘፍጥረት 2:​7) እዚ ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ኣፈጣጥራ ቅልል ዝበለ መገለጺ ምስ ሳይንሳዊ ሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኵሎም እቶም ንናይ ወዲ ሰብ ኣካላት ዘቖሙ ካብ 90 ንላዕሊ ዝኾኑ ቀመማት ኣብ “ሓመድ ምድሪ” ይርከቡ ኢዮም። ገለ ግዜያት ይገብር ሓደ ቀማሚ (ከሚሰት) ከምዚ በለ:- ‘ናይ ሓደ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲሰብ ኣካላቱ 65 ካብ ሚእቲ ኦክስጅን: 18 ካብ ሚእቲ ካርቦን: 10 ካብ ሚእቲ ሃይድሮጅን: 3 ካብ ሚእቲ ናይትሮጅን: 1. 5 ካብ ሚእቲ ካልስየም: 1 ካብ ሚእቲ ኸኣ ፎስፈረስ ክኸወን ከሎ እቲ ዝተረፈ ኸኣ ብኻልእ ቀመማት ዝቖመ ኢዩ።’ እዚ ግምት እዚ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ኣየገድስን ኢዩ። ምኽንያቱ “ሓመድ ምዃንና” ዘይተርፍ ኢዩ!

2. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ኣገባብ እንታይ ምላሽ ንኽትህብ ኢዩ ዝገብረካ? ስለምንታይከ?

2 ብጀካ የሆዋሲ መን ኢዩ ነዞም ነገራት አዚኣቶም ካብ ተራ ነገር ማለት ካብ ሓመድ ክፈጥሮም ዝኽእል? ተግባራት ኣምላኽ ፍጹምን ብዘይጉድለትን ስለዝኾነ ንሰብ በዚ መገዲ እዚ ክፈጥሮ ምምራጹ ብርግጽ እተጕረምረመሉ ኣይኮነን። እቲ ዓቢ ፈጣሪ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ብዘደንቕን ግሩምን መገዲ ክፈጥሮ ብምኽኣሉኳ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉን ክእለቱን ጥበቡን ዝያዳ ከም እነማስዎ ኢዩ ዝገብረና።​—⁠ዘዳግም 32:​4 ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ እግሪ ዘሎ ጽሑፍ፣ መዝሙር 139:14

ናይ ኵነታት ለውጢ

3, 4. (ሀ) ኣምላኽ ንሰብ ካብ ሓመድ ክፈጥሮ ኸሎ እንታይ ሃቐና ኢዩ ዘይነበሮ? (ለ) ዳዊት ኣብ መዝሙር 103:​14 ዝጠቐሶ ሓሳብ ንምንታይ ከመልክት ኢሉ ኢዩ? እቲ ኣብ ከባቢ ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳብከ ብኸመይ ኢዩ ናብዚ መደምደምታ እዚ ንኽንበጽሕ ዝድግፈና?

3 ናይ ሓመድ ፍጥረታት ደረት ኣለዎም። ይኹን እምበር ኣምላኽ ነዚ ደረት እዚ: ተጽዕኖ ክኸውን ወይ ድማ ብዘይመጠን ውሱን ክኸውን ኢሉ ፈጺሙ ኣይሃቀኖን። እዚ ደረት እዚ: ተስፋ ምቍራጽ ንኸምጽእ ወይ ድማ ፍሪኡ ጓሂ ክኸውን ኢሉ ኣይተገብረን። ይኹን እምበር: ከምቲ ትሕዝቶ ናይ መዝሙር 103:​14: ቃላት ዳዊት ዝሕብሮ: እቲ ንደቂ ሰብ እተዋህቦም ደረት ጠንቂ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ክኾኖምን ጓሂ ድማ ከፍርየሎምን ይኽእል ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ምእዛዝ ምስ ኣበዩ: ንመጻኢ ስድራ ቤቶም እተለወጠ ኵነታት ኣምጽኡሎም። ድሕርዚ እቲ ካብ ሓመድ ምፍጣርና ሓዲሽ ትርጉም ሓዘ።a

4 ስለዚ እምበኣር ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ኣብ ደቂ ሰብ ዘሎ ድኽመታት ደኣ እምበር ብዛዕባ እቶም ካብ ሓመድ እተገብሩ ፍጹማት ደቂ ሰብ እውን ክህልዎም ዘነበሮ ናይ ተፈጥሮ ደረት ኣይኰነን ዝዛረብ ዝነበረ። ብዛዕባኦም ነይሩ እንተ ዝኸውን ብዛዕባ የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ኣይምበለን ነይሩ:- “ንሱ ንኹሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ: ንኹሉ ሕማምኪ ዚፍውስ: ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ: ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን ኢዩ።” (መዝሙር 103:​2–4, 10) ፍጹማት ደቂ ሰብ ምንም እኳ ካብ መሬት እንተተፈጥሩ: እሙናት ኮይኖም እንተ ዝቕጽሉ ነይሮም ሕድገት ዘድልዮ ጉድለትን ሓጢኣትን ፈጺሞም ኣምፈጸሙን ነይሮም። ከምኡውን ምፍዋስ ዘድልዮ ሕማማት ፈጺሙ ኣይምሃለዎምን። ልዕሊ ኹሉ ድማ ናብቲ ብትንሳኤ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ክምለስሉ ዘይክእሉ ናይ ሞት ጉድጓድ ክወርዱ ፈጺሙ ኣይመድለዮምን ነይሩ።

5. ንቓላት ዳዊት ንምርድኡ ዘይጽግመና ስለምንታይ ኢዩ?

5 ኵልና ዘይፍጹማት ብምዃንና መጠን ነቲ ዳዊት እተዛረቦ ነገራት ተሞኪርናዮ ኢና። ብምኽንያት ዘይፍጽምና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ኵሉ ግዜ ኢና እንግንዘቦ። እዚ ውሱን ዓቕሚ እዚ ገለ ግዜያት ነቲ ምስ የሆዋ ወይ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትና ዘሎና ርክብ ዘበላሽወልና መሲሉ ክርአ ኸሎ የሕዝነና ኢዩ። ዘይፍጽምናን እቲ ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝመጽእ ጸቕጥታትን ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ዘሐልል ኵነታት ክደፋፍኣና ከሎ የሕዝነና ኢዩ። ግዝኣት ሰይጣን ናብ መደምደምታኡ ገጹ ይጐዪ ስለ ዘሎ: እዛ ብእኡ እትግዛእ ዘላ ዓለም ኣብ ኵሎም ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ክርስትያናት ዓቢ ጸቕጢ ኢያ ትገብር ዘላ።​—⁠ራእይ 12:​12

6. ገለ ክርስትያናት ተስፋ ምቍራጽ ክስምዖም ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ? ሰይጣንከ ካብዚ ዓይነት ስምዒት እዚ ብኸመይ ኢዩ ክጥቀም ዝኽእል?

6 ብክርስትያናዊ ህይወት ምምልላስሲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ? ገለ ክርስትያናት ‘ኣብ ሓቂ ነዊሕ ብዝጸናሕና መጠን ብእኡ መጠን ድማ ዝያዳ ዘይፍጹማት ከም ዝኾንና ይስምዓና’ ዝብል ርእይቶ ክህቡ ይስምዑ። ይኹን እምበር እዚ ዝኾነሉ ምኽንያትሲ: ብዛዕባ’ቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይፍጽምናን ከምኡ ድማ ከምቲ ዝደልይዎ ገይሮም ምስቲ ፍጹም ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ክኸዱ ከም ዘይክእሉ ብቐጻሊ ይርድኦም ስለ ዘሎ ኢዩ። እዚ ግን ብዛዕባ እቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ብፍልጠትን ሞሳን እናዓበኻ ብዝኸድካ መጠን ዝመጽእ ስምዒት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት : ተስፋ ኣቍሪጹ ነቲ ሰይጣን ክንገብሮ ዝደልየና ንኽንገብር ኣብ ኢዱ ከውድቐና ፈጺምና ከይነፍቅደሉ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘበናት ብምሉኡ : ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምእንቲ ከርሕቖም ኢሉ ንተስፋ ምቍራጽ ከም መሳረሒ ተጠቒሙ ክረብሓላ ፈቲኑ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕርን ከምኡ ድማ ንድያብሎስ ዘለዎም “ምሉእ ጽልእን” ንመብዛሕትኦም ኣብዚ ተስፋ ምቍራጽ እዚ ከይወድቁ ተኸላኺሉሎም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 139:​21, 22፣ ምሳሌ 27:⁠11

7. ኣብ ገለ ግዜያት በየናይ መገዲ ኢና ከም ኢዮብ ክንከውን እንኽእል?

7 ይኹን ድኣ እምበር ኣገልገልቲ የሆዋ: ብሓደ እዋን ወይ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ተስፋ ምቍራጽ ይስምዖም ኢዩ። በቲ ዝገበርናዮ ፍጻሜታት ዘይምዕጋብናውን ምኽንያት ክኾነና ይኽእል ኢዩ። እቲ ምስ ኣባላት ስድራቤት ምስ ኣዕሩኽ ወይ ምስ መሳርሕትኻ ዘጋጥመካ ዘሰሓሕብ ርክብ ወይ ባህርያዊ ረቋሒታት ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። እቲ እሙን እዮብ ኣዝዩ ስለ ዝተሓለለ ከምዚ ብምባል ንኣምላኽ ለመኖ:- “ኣየ: ቍጠዓኻ ኽሳዕ ዚሓልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል እንተ ትሓብኣኒ: መዓልቲ ቈጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።” ሕጂ እምበኣር እዮብ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዝርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” ክነሱ እኳ እቲ ዘጋጠሞ ዘሸግር ኩነታት: ናይ ተስፋ ምቁራጽ ሓሳባት ንኸውጽእ ክደፋፍኦ ካብ ከኣለ: ንዓናውን ከምኡ ዝበለ ነገር ከበጽሓና ከም ዝኽእል ከገርመና የብሉን።​—⁠እዮብ 1:​8, 13​-⁠19፣ 2:7​-⁠9, 11​-⁠13፣ 14:13

8. እቲ ሓደ ሓደ ገዜ ዘጋጥም ተሰፋ ምቍራጽ ኣወንታዊ ምልክት ክህልዎ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ?

8 የሆዋ ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ከም ዝጥምትን ንጽቡቕ ድራኼ ድማ ሸለል ከም ዘይብልን ምፍላጥሲ ኣየ ክንደይ ዘጸናንዕ ኢዩ! ነቶም ምሉእ ብምሉእ ብቕንዕና ተላዒሎም ከሐጕስዎ ዝጽዕሩ ፈጺሙ ኣይድርብዮምን ኢዩ። እቲ ሓደ ሓደ ግዜ ዘጋጥም ተስፋ ምቍራጽ: ነቲ ናብ የሆዋ እንገብሮ ኣገልግሎት ኣፍኲስና ከም ዘይርኣናዮ ብምሕባር ኣወንታዊ ምልክት እውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ኣመለኻኽታ እዚ ተሞርኵስና ክንርአዮ እንተድኣ ኾይንና ሓደ ምስ ተስፋ ምቍራጽ ዘይቃለስ ሰብ ከምቶም ካልኦት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዝፈልጥዎ ገይሩ ብዛዕባ ድኻሙ ንምልላይ መንፈሳዊ ንቕሓት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 10:12፣ 1 ሳሙኤል 16:7፣ 1 ነገስት 8:39፣ 1 ዜና መዋእል 28:⁠9

ንሳቶምውን ካብ ሓመድ ኢዮም ነይሮም

9, 10. (ሀ) ክርስትያናት ናይ መን እምነት ኢዮም ክቐድሑ ዘለዎም? (ለ) ሙሴ ነቲ እተመዘዘሉ ዕዮ ብኸመይ መለሸሉ?

9 እብራውያን ምዕራፍ 11 ብዙሓት ናይቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ጽኑዕ እምነት ዘርኣዩ መሰኻኽር የሆዋ ዝርዝር ሒዛትልና ኣላ። እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበሩ ኮነ እዞም ኣብዚ ዘበንና ዘለዉ ክርስትያናት ተመሳሳሊ እምነት ኢዮም ኣርእዮም። እቲ ካብኣቶም እንረኽቦ ትምህርቲ ብዋጋ ዘይሽነን ኢዩ። (ምስ እብራውያን 13:​7 ኣነጻጽርዎ።) ንኣብነት ክርስትያናት ካብ ናይ ሙሴ ዝበልጽ እምነት ሓሊፎም ናይ መን ክቐድሑ ምኸኣሉ? ንሱ ንፈርኦን: ገዛኢ ናይታ በቲ ግዜቲ ዝሓየለት ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ግብጺ: ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ክእውጀሉ ኢዩ ተጸዊዑ። ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ነታ ቈይማ ዘላ ናይ ክርስቶስ መንግስቲ ዝቃወሙዋ ካልኦት ማሕበራትን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ተመሳሳሊ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ክእውጁሎም ኣለዎም።​—⁠ራእይ 16:​1-15

10 ከምቲ ሙሴ ዘመለከቶ: ነዚ ተልእኾ እዚ ምፍጻም ቀሊል ዕዮ ኣይኮነን። ንሱ ከምዚ ክብል ሓተተ:- “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ: ኣነ መን እየ?” ነቲ ኣይብቑዕን ኢየ ዝብል ስምዒታቱ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ከምኡውን ብዛዕባ እቶም እስራኤላውያን ብጾቱ ዝህብዎ ምላሽ የጨንቖ ነይሩ ኢዩ: “ኣይኣምኑንን: ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም” ከኣ በለ። ድሕርዚ የሆዋ ንስልጣኑ ከመይ ገይሩ ከረጋግጸሎም ከም ዝኽእል ገለጸሉ። ሙሴ ግን ካልእ ግድል እውን ነይርዎ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣየ ጐይታይ: ኣነ ኣፈይ ወታእ: ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ: ትማሊ ኾነ: ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን: ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን።”​—⁠ዘጸኣት 3:11፣ 4:​1, 10

11. ንሕናኸ ከም ሙሴ ንቲኦክራቲካዊ ግዴታታት ብኸመይ ንምልሸሉ ንኸውን ?

11 ሓደ ሓደ ግዜ ከምቲ ንሙሴ እተሰምዖ ይስምዓና ይኸውን ኢዩ። ሽሕኳ ነቲ ቲኦክራቲካዊ ግዴታና ንግንዘቦ እንተኾንና: ከመይ ጌርና ከም እንፍጽሞ ግን ንጭነቕ ንኸውን ኢና። ‘ገሊኣቶም ብማሕበራዊ: ቍጠባዊ: ወይ ብትምህርታዊ ደረጃ ልዕለይ ዝኾኑ ሰባት ቀሪበ ብመገድታት ኣምላኽ ክምህሮም ኢለ ከዘራርቦምሲ ኣነ መን ኢየ? ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መልሲ ክህብ ከሎኹ ወይ ኣብ መድረኽ ወጺአ ኣብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዋስኦ ከቕርብሲ መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ብኸመይ ይርኡኒ ይኾኑ? ነቲ ድኽመታተይ ዶኾን ይጥምትዎ ይኾኑ?’ ግናኸ: ሙሴ እምነት ስለዘርኣየ የሆዋ ምስኡ ከም ዝነበረን ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ክፍጽም ድማ ከም ዘዕጠቖን ዘክር። (ዘጸኣት 3:12፣ 4:2-5, 11, 12) ንሕናውን ንናይ ሙሴ እምነት እንተድኣ ቀዲሕናዩ: የሆዋ ምሳና ክኸውን ኢዩ: ዕዮና ክንፍጽም ድማ ከዕጥቐና ኢዩ።

12. ብምኽንያት ዝፈጸምናዮ ሓጢኣትን ጉድለታትን ተስፋ ምቍራጽ ከጋጠመና ከሎ ናይ ዳዊት እምነት ብኸመይ ከተባብዓና ምኸኣለ?

12 ዝኾነ ይኹን ብምኽንያት ሓጢኣቱ ወይ ጉድለታቱ ዝበሳጮ ወይ ተስፋ ዝቖርጽ ሰብ ንስምዒቱ ምስ ናይ ዳዊት ከዛምዶ ይኽእል ኢዩ። ንሱ ከምዚ በለ:- “ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ: ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።” ዳዊት ንየሆዋ ክልምኖ ከሎ እውን ከምዚ በለ:- “ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ: ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ።” ይኹን ደኣ እምበር እዚ ተስፋ ምቍራጽ እዚ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘለዎ ባህጊ ክዝርፎ ፈጺሙ ኣየፍቀደሉን። “ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።” ዳዊት ብሓቂ “ሓመድ” ኢዩ ነይሩ: እንተኾነ ግን የሆዋ ካብኡ ኣይረሓቐን ከመይሲ ዳዊት ኣብቲ የሆዋ “ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ከም ዘይንዕቖ ዝኣተዎ ተሰፋ እምነት ኣርእዩ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 38:​1-9፣ 51:​3, 9, 11, 17

13, 14. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ሰዓብቲ ሰባት ክንከውን ዘይግብኣና? (ለ) እቲ ኣብነት ናይ ጳውሎስን ጴጥሮስን ንሳቶምውን ካብ ሓመድ ምዃኖም ዘርእየና ብኸመይ ኢዩ?

13 ይኹን ድኣ እምበር ነዞም ‘ኽንድዚ ዝኣኽሉ ደበና መሰኻኽር’ ‘በቲ ተሐነጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ንኽንጐዪ’ መተባብዒ ከም ዝኾኑና ጌርና ንጥምቶም እኳ እንተኾንና ሰዓብቶም ክንከውን ግን ኣይተነግረናን። ኣስኣሰር እቲ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ” ክንስዕብ ድኣ እምበር: ኣስኣሰር ዘይፍጹማት ሰባት ዋላውን ኣስኣሰር ናይቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበሩ እሙናት ሃዋርያት ክንስዕብ ኣይተነገርናን።​—⁠እብራውያን 12:​1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21

14 እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዕኑድ ዝነበሩ: ሃዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ኣብ ገለ እዋናት ተዓንቂፎም ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ  . . . ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 7:​19, 24) ጴጥሮስ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምትእምማን ንየሱስ ከምዚ በሎ:- “ኵሎም እኳ እንተ ተዓንቀፉ: ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ።” የሱስ ንጴጥሮስ ‘ሰለስተ ግዜ ክትክሕደኒ ኢኻ’ ኢሉ ከጠንቅቖ ከሎ: ጴጥሮስ ብዓሻ ድፍረት ተላዒሉ እናተጀሃረ ከምዚ ብምባል ተቓወሞ:- “ምሳኻ ንሙማት እንተ ኾነውን: ከቶ ኣይክሕደካን እየ።” እንተኾነ ግና ንየሱስ ከሓዶ ደኣ። እዚ ዘፈጸሞ ጌጋ ድማ ኣምሪሩ ከም ዝበኪ ገበሮ። እወ: ጳወሎስን ጴጥሮስን ካብ መሬት ኢዮም ተገይሮም።​—⁠ማቴዎስ 26:​33-35

15. ሽሕኳ ካብ ሓመድ እንተኾንና: ንቕድሚት ንኸንግስግስ እንታይ መተባበዒ ኢዩ ዘሎና?

15 ይኹን ድኣ እምበር ሙሴን ዳዊትን ጳውሎስን ጴጥሮስን ካልኦት ንዕኦም ዝመስሉን ድኽመታት እኳ እንተነበሮም: ብዓወት ስዒሮሞ ኢዮም። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ዋላ እኳ ዕንቅፋታት እንተነበሮም ኣብ የሆዋ ጽኑዕ እምነት ብምግባርን ምሉእ ብምሉእ ብእኡ ብምእማንን ናብኡ ጠቢቖም ስለ ዝነበሩ ኢዮም። ነቲ “ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ” ምእንቲ ክህቦም ድማ ናብኡ ተወኪሎም ኢዮም። ክፍወስሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ክወድቁ ፈጺሙ ኣይገደፎምን። ብቐጻሊ እምነት ነርኢ እንተደኣ ኴንና ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ ፍርዲ ክንሓስብ ከሎና ምስቲ “ኣምላኽ ነቲ  . . . ግብርኹም: ንስሙውን ዝገበረኩምዎ ፍቕረኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ዝብል ቃላት ዝሰማማዕ ኰይኑ ከም ዝርከብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ሓሳብ እዝስ ሸሕኳ ካብ ሓመድ እንተኾንና ንቕድሚት ንኽንግስግስ ክንደይ ዘነቓቕሓና ኮን ኢዩ!​—⁠2 ቈረንቶስ 4:​7፣ እብራውያን 6:⁠10

ካብ ሓመድ ምዃን ንዓና በብብሕትና እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

16, 17. ብዛዕባ ፍርዲ ዝመጸ: የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ነቲ ኣብ ገላትያ 6:​4 ዘሎ መምርሒ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ?

16 ብዙሓት ወለድን መምህራንን: ንውሉዳትን ንተምሃሮን ብመሰረት ብሕታዊ ክእለቶም ድኣ እምበር ምስ ኣሕዋቶም ወይ ምስ ደቂ ቤት ትምህርቶም ብምንጽጻር ክትፈርዶምሲ ጥበባዊ ከም ዘይኮነ ኢዮም ተማሂሮም። እዚ ድማ ምስቲ ክርስትያናት ንኽስዕብዎ እተነገሮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ይሰማማዕ:- “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ ኢዩ።”​—⁠ገላትያ 6:⁠4

17 ሽሕኳ የሆዋ ንህዝቡ ከም እተመሓደሩ ጉጅለ መጠን ዝርእዮም እንተኾነ: ምስ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መምርሒ ብምስምማዕ በብብሕቶም ኢዩ ዝፈርዶም። ሮሜ 14:​12 “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ይብለና። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ካብ ኣገልገልቱ ነቲ ብውርሻ ዘጥረይዎ ኣሰራርሓኦም ኣጸቢቑ ይፈለጦ ኢዩ። ነቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ኣሰራርሓኦም: ክእለታቶም: ነቲ ዝወረስዎ ሓይልን ድኻማትን: ነቲ ዘለዎም ኣጋጣሚታት: ከምኡውን ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ክርስትያናዊ ፍረ ንምፍራይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጥቀሙሉ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብ ሳጹን ቤት መቅደስ ክልተ ለብጦን ዘውደቐት መበለት ዝሃቦ ሓሳባትን እቲ ብዛዕባ ጽቡቕ ዘርኢ ዝሃቦ ምስላን: ነቶም ብዘይጥበብ ንገዛእ ርእሶም ምስ ካልኦት ብምንጽጻር መንፈስ ጭንቀት ዝስምዖም ሰባት ዘተባብዕ ኣብነታት ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 4:​20፣ 12:​42-44

18. (ሀ) ካብ ሓመድ ምዃን ማለት ንበብሕትና እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ክንውስን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና? (ለ) ጋህዲ ኴንካ ርእስኻ ምምርማር ተስፋ ከም እንቈርጽ ክገብረና ዘይብሉስ ስለምንታይ ኢዩ?

18 ኣብ ብሕታዊ ጉዳይና ሓመድ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ክንወስን ኣድላዪ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ብምሉእ ዓቕምና ከነገልግል ክንክእል ኢና። (ምሳሌ 10:4፣ 12:24፣ 18:⁠9፣ ሮሜ 12:​1) ነቲ ብሕታዊ ተነቃፍነትናን ድኻማትናን ነቒሕና ምስ እንፈልጦ ጥራይ ኢና ነቲ ናይ ምምሕያሽ ተደላይነትን ኣጋጣሚታትን ነቒሕና ክንጽበዮ እንኽእል። ንርእስና ክንምርምራ ከሎና: ነቲ ንምምሕያሽ ዝሕግዘና ሓይሊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ፈጺምና ሸለል ኣይንበሎ። ኣድማስ እተፈጥረ: መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ: ከምኡውን ኣብ ማአከል እዛ ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ዘሎ ዓለም ሓንቲ ሰላማዊት ማሕበር ሓዳስ ዓለም ኣብ ህላዌ ክትመጽእ ዝኸኣለት ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ንኽወሃቦም ብዛዕባኡ ዝልምኑ ንጽህናኦም ንምሕላው ዝሕግዞም ጥበብን ሓይልን ንኽህቦም እኹል ሓይሊ ከም ዘሎዎ ርጉጽ ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 3:8፣ ሮሜ 15:13፣ ኤፌሶን 3:⁠16

19. እቲ ካብ ሓመድ ምዃንናሲ ናይ ምንታይ መመኽነይታ ኢዩ ዘይከውን?

19 የሆዋ ሓመድ ምዃንና ከም ዝዝክር ምፍላጥናሲ ኣየ ክንደይ ዘጸናነዕ ኢዩ! ይኹን ድኣ’ምበር ነዚ ከም ቅቡል መመኽነይታ ጌርና ኣእዳውና ከነሰልኪ ምናልባትውን ጌጋ ንኽንፍጽም ኢልና ከነመኽንየሉ ፈጺሙ ኣይግብኣናን ኢዩ። ከምዚ ምግባርሲ ካባና የርሕቆ! የሆዋ ሓመድ ምዃንና ምዝካሩ: መግለጺ ናይቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ኢዩ። እንተኾነ ግና ከምቶም “ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም: ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ: ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ” ክንከውን ኣይንደልን ኢና። (ይሁዳ 4) ካብ ሓመድ ምዃን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብልካ ንምዃን መመኽነይታ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ‘ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ከየጕህዮ’ ኢሉ: ንኣካላቱ ብምቅጥቃጥን ከም ባርያ ገይሩ ብምቍጻሩን ንግጉይ ዝንባሌታት ክቃለሶ ኢዩ ዝጽዕር።​—⁠ኤፌሶን 4:​30፣ 1 ቈረንቶስ 9:27

20. (ሀ) በየኖት ክልተ መዳያት ኢና ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ክንከውን ዘሎና? (ለ) ብተስፋ ንኽንጽበ ብቑዕ ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ?

20 ሕጂ: ኣብዘን ናይ ሰይጣን ኣገባብ ናይ መደምደምታ ዓመታት እዚአን: ብዛዕባ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመጸ ድሕር እንብለሉ ግዜ ኣይኮነን: ብዛዕባቲ ብዝበለጸ መሊእካ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምምዕባል ዝመጸ እውን እንተኾነ ድሕር እንብለሉ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ ክልቲኡ “ብዙሕ ዝዕየ” ኢዩ ዘሎና። ‘ጻዕርና ከንቱ ከም ዘይኮነ’ ስለ እንፈልጥ ሕጂ ንቕድሚት እንግስግሰሉ ግዜ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:​58 ትሓዓ) የሆዋ ከዐንግለና ኢዩ: ከመይሲ ዳዊት ብዛዕባኡ “ንጻድቕ ሰንከልከል ክብል ከቶ ኣይሓድጎን” ኢሉ ኣሎ። (መዝሙር 55:22) የሆዋ በብብሕትና ሸሕኳ ካብ ሓመድ እንተኾንና ኣብቲ ዘይፍጹማት ሰባት ንኽዓይዎ እተመዘዙሉ ዝዓበየ ዕዩ ንኽንጽመድ ከም ዘፍቀደልና ምፍላጥሲ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዝገልጽ ሄርደርስ ባይብል ኮመንታሪ ብዛዕባ መዝሙር 103:​14 ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይገልጽ:- “ንደቂ ሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ከም ዝፈጠሮም ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ: ከምኡውን ካብቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዝተፈጸመሉ ግዜ ሒዙ ከቢድ ተጽዕኖ ኮይንዎም ዘሎ ነቲ ድኽመታትን ሓጺር ናብራ ህይወቶምን ይፈልጦ ኢዩ።”​—⁠ብፍሉይ ተጻሒፉ ዘሎ ባዕልና ከምኡ ጌርናዮ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ?

◻ ዘፍጥረት 2:​7 ከምኡውን መዝሙር 103:​14 ደቂሰብ ካብ ሓመድ ምዃኖም ኣብ ዘመልክታኦ ሓሳብ ብኸመይ ኢየን ዝፈላለያ?

◻ እብራውያን ምዕራፍ 11 ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ምንጪ ናይ ምትብባዕ እትኾኖም ስለምንታይ ኢያ?

◻ ነቲ ኣብ ገላትያ 6:​4  ተሰሪዑ ዘሎ መምርሒ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ልቦና ዝኸውንሲ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ እብራውያን 6:​10 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 15:​58 ንተስፋ ምቍራጽ ንኽንከላኸሎ ብኸመይ ክድግፋና ይኽእላ?

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንእምነት ናይቶም ምስኦም ዘምልኹ ብጾቶም ይቐደሕዎ: ነቲ ፈጻም እምነቶም ዝኾነ የሱስ ግን ይስዕብዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ