ንስም የሆዋ ብግልጺ ኣውጁ
“ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ።”—እብራውያን 13:15
1. ነብዪ ሆሴእ ንብጾቱ እስራኤላውያን እንታይ ምሕጽንታ ኢዩ ዝሃቦም?
ናይ የሆዋ ነብዪ ሆሴእ ንብጾቱ እስራኤላውያን ዘብጽሓሎም ኣገዳሲ መልእኽቲ ነበሮ። ኣብ ሻሙናይ ክፍለ ዘበን ቅድሚ ኣቆጻጽራ ዘበንና ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክግዝኡ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ ሰባት ንኽንስሑ ህጹጽ መጠንቀቕታ ሃቦም። “ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ: ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ: ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና: ሰናይ ከኣ ተቐበል: ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕረብ ኢና: በልዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሆሴእ 14:2) ሆሴእ ብትንቢቱ ነቶም ህዝቢ ንየሆዋ ‘ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍሮም’ ከቕርቡሉ ክምሕጸኖም ከሎ: እስራኤላውያን ተናሲሖም ንአምላኽ ናይ ልባዊ ምስጋና መስዋእትታት ንኸቕርቡሉ ኢዩ ዘተባብዖም ነይሩ።
2. ሃዋርያ ጰውሎስ ንክርስትያናት እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ንኽውፍዩ ኢዩ ዘተባበዖም?
2 መሰኻኽር የሆዋ ሎሚ ‘ኣሩሕ መስዋእቲ ከናፍሮም’ የቕርቡ ኣለዉ። ከምኡውን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነተን ኣብ ትንቢት ሆሴእ ዘለዋ ቃላት ዘኪሩ ብምጽሓፍ ዝሃቦ ለበዋ ይስዕብዎ ኢዮም:- “እምብኣርሲ [ብየሱስ ክርስቶስ] ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ።” (እብራውያን 13:15) በዚ ኸኣ ኢዮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ ኣብ ናይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮኦም ዝገብርዎ ንየሆዋ ብሓጐስ ዘመስግንዎ። — ማቴዎስ 24:14
3. ንየሆዋ ብኸመይ ኢና “መስዋእቲ ምስጋና” ክንውፍየሉ እንኽእል? ናይ መን ንጥፈታትከ ኢና ብሕጂ ክንምርምር ዘሎና?
3 ንስም የሆዋ ብግልጺ ምእዋጅ: ዘይፍጹማት ደቅሰብ ዘይበቕዕዎ መሰል ኢዩ። ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንነግሮም ከሎና ብእኡ ኣቢልና ድማ ንየሆዋ “መስዋእቲ ምስጋና፣” ‘ኣሩሕ መስዋእቲ ከናፍርና’ ከነቕርበሉስ ኣየ ክንደይ ኢና ዘይንሕጐስ! ሎሚ ንህዝቢ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከሎና ንምትብባዕና ምእንቲ ክኾነና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነብያት ኣምላኽን ካልኦት ኣገልገልቲ የሆዋን እንታይ ከም ዝብለና ንመርምር። ካብቲ ኣነባብርኦም ከኣ ንስብከት ዕዮና ኽንሕጐሰሉ ዝሕግዘና ብዙሕ ነገራት ክንመሃር ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4
ናይቶም ነብያት ግደ
4, 5. (ሀ) ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቦኽሪ ቋንቋታት እተን “ነብዪ” ተተርጒመን ዘለዋ ቃላት መሰረታዊ ትርጉመን እንታይ ኢዩ? (ለ) እቶም ነብያት ኣብቲ መደብ ኣምላኽ ሓደ ጕሉሕ ግደ ከም ዝነበሮም ዘመልክተልና እንታይ ኢዩ?
4 ነብያት የሆዋ ነቲ መልእኽቱ ኣብ ህዝቢ ንኽእውጅዎ መሰል ረኺቦም ነበሩ። እታ “ነብዪ” (ናቪዪ) ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ብዛዕባ ምንጫን ኣመዓባብልኣን ዝገልጽ ጸብጻብን ታሪኽን ዘይተረጋገጸ እኳ እንተኾነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣወዓዕልኣ ከም ዘመልክቶ ሓቀኛታት ነብያት ናይ የሆዋ ኣፈኛታት ማለት መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ዝሓዙ ናይ ኣምላኽ ሰባት ምዃኖም ኢያ እትሕብር። እታ “ነብዪ” (ፕሮፌትስ) ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ ኣብ “ፊት ንፊት” ወይ ኣብ “ቅድሚ” ገለ ሰብ ገለ ነገር ንኽብል “ዝወጸ ተዛራባይ” ዝብል ትርጉም ኢዩ ዘለዋ። ሓደ ነብዪ መለኮታዊ ምንጪ ዘሎዎም መልእኽትታት ዝእውጅ ማለት ኢዩ። ኵሉ ግዜ እኳ እንተዘይኮነ መብዛሓትኡ ግዜ ሓቀኛታት ነብያት ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ፍጻሜታት ኣቐዲሞም ተነብዮም ኢዮም።
5 ኤም ክሊንቶክን ስትሮንግስን ዝሓተምዎ ኢንሳይክሎፐድያ ብዛዕባ እቲ ነብያት ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዝነበሮም ዓቢ ግደ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሓድ ሓደ ግዜ ምኽሪ ክህቡ ይሕተቱ ነይሮም ኢዮም . . . መብዛሕትኡ ግዜ ግን ምኽሮም ንኽህቡ ከይተሓቱ ነቲ ህዝቢ ንኽእውጅሉ ውሽጣዊ ድራኼ ይስምዖም ነበረ: ኣብቲ ምናልባት ምህላዎም ቍጥዓን ራዕድን ዘስዕበሉ ቦታታት ከይተረፈውን ጸኒዖም ንምዝራብ ኣይፈርሑን ኢዮም ነይሮም። (ጥራዝ 8 ገጽ 640) ነቶም ነብያት ከምዚ ዝኣመሰለ ተባዕ ኣቕዋም ንኽሕዙ ዘተባብዖም ገለ ኣብነታት እስከ ንመርምር።
ስምዒታትን ድራኼታትን
6, 7. የሆዋ ንህዝቅኤል ነብዪኡ እንታይ ጥቕላል ኢዩ ከም ዝበልዕ ዝገበሮ? እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ?
6 የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ ቅድሚ ምጥፍኣ: የሆዋ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ብህዝቅኤል ነብዪኡ ገይሩ ተዛረቦም። የሆዋ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “ኣታ ወዲ ሰብ: ዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያ: ኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም።” ህዝቅኤል ተኣዘዘ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሸዑ ኣፈይ ከፈትኩ: ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ። ንሱ ኸኣ: ኣታ ወዲ ሰብ: ከብድኻ ኣጽግብ: ንውሸጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ: በለኒ። ሸዑ በላዕክዋ: ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዐመት። — ህዝቅኤል 3:1-3
7 ኣካላትና ካብቲ እንበልዖ መግቢ ቀመማት ይስሕቡ: እዞም ቀመማት አዚኣቶም ድማ ከም ክፍሊ ኣካላትና ይኾኑ። ብተመሳሳሊ እታ ብህዝቅኤል እተበልዐት “ጥቕላል” ማለት እቲ ነብዪ ክእውጆ ዝነበሮ ናይ የሆዋ መልእኽቲ ንስምዒታቱ ብምትንካፍ ናቱ ክፍሊ ክኸውን ነበሮ። ቃላት ኣምላኽ ንውሸጣዊ ስምዒታት ናይ ህዝቅኤል ቀስቂሱ ንህዝቢ ከም ዝእውጆ ብምግባር ሓጐስ የምጽኣሉ ነበረ። ናይ የሆዋ ምስክር እንተድኣ ኾይንካ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ ብምእዋጅካ ሓጐስዶ ትረክብ ኢኻ?
8, 9. ኣሞጽ ንኽንበ ዝደረኾ እንታይ ኢዩ?
8 ብዛዕባ ነብዪ ኣሞጽ እውን ንመርምር። ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ ዝነብር ዝነበረ: ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ብሽሞም ዝጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ እብራውያን ነብያት ኢዩ ነይሩ። ኣሞጽ ልክዕ ከም ህዝቅኤል ንቃል የሆዋ ብቐጥታ ኢዩ ዝእውጅ ነይሩ። አረ እተን “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ” ዝብላ ቃላትሲ ኣብታ ብስሙ ተጸዊዓ ዘላ መጽሓፍ 11 ግዜ ኢየን ተደጋጊመን ዘለዋ! (ኣሞጽ 1:3, 6, 9, 11, 13፣ 2:1, 4, 6፣ 3:12፣ 5:4፣ 7:17) ኣሞጽ ንቃላት ኣምላኽ ምእዋጅ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ካብ ውሽጡ ተገንዚብዎ ነበረ።
9 ኣሞጽ ከም ነብዪ ኣምላኽ መጠን: ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ንመለኮታዊ ኣዋጅ መሊሹሉ ኢዩ። ብኣሞጽ ገይሩ ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ? እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ?” (ኣሞጽ 3:8) እቲ ነብዪ ንመልእኽቲ የሆዋ ንምእዋጅ ሓደ እኳ ክዓግቶ ዘይክእል ድራኼ ኢዩ ነይርዎ።
10. ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ስብከት ዕዮኦም ተጻራርነት ከጓንፎ ኸሎ ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝህብሉ?
10 የሆዋ ከምቲ ናይ ኣንበሳ ዝመስል ዓይነት ምጉዛም ተጠቒሙ: ነዚ እኩይ ዓለማዊ ኣገባብ እዚ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ይእውጀሉ ኢዩ ዘሎ። ከም ኣሞጽ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ንቃላት ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ ንኽእውጅዎ ውሽጣዊ ድራኼ ይስምዖም ኢዩ። ተጻረርቲ ከፈራርሕዎም ከለዉ እኳ ከይተረፈ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብነት ኢዮም ዝስዕቡ። ንሳቶም ብትብዓት “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ” በሉ። እቶም ሃዋርያት እውን ኣረጋጊጾም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” በሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:20፣ 5:29) ንሕናኸ ከመይ ኢና? ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ ምእዋጅ ዘሎና ስምዒታት ክንምርምሮ ሰናይ ኢዩ።
“ካብ ምልኣት ልቢ”
11. ንስም የሆዋ ኣብ ህዝቢ ክንእውጅ ከሎና ንኽንዕገስ ዘተባብዓና እንታይ ኢዩ?
11 ኣገልገልቲ የሆዋ በቲ ተዋሂብዎም ዝነበረ መሰላት መማሰውቲ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንሕናውን ኣብ የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ሞሳ ብምርኣይ ንስም የሆዋ ኣብ ህዝቢ ንምእዋጅ ክንድረኽ ይግብኣና። መዝሙር 145:1, 2 ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዎ ኣምላኸይ: ንጉሰይ: ልዕል ከብለካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ። ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ።” ኣረኣእያኻኸ ነዘን ቃላት እዚአን ድዩ ዘንጸባርቕ? ስርዓታዊ ዝኾነ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንገብር ነቲ የሆዋ ዝገበረልናን ዝገብረልና ዘሎን ብሕጂ ንዝገብረልናን እነርእዮ ሞሳ ንኸነዕምቖ ክሕግዘና ኢዩ። ከምኡውን ከም ስድራቤት ኮይንና ሓቢርና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከሎና ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ሂቡ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማታቱን ንኽንዛረብ ድልየት ከም ዘሕደረልናዶ ኣይተገንዘብናን ኢና? (እብራውያን 4:12) ንስም የሆዋ ኣብ ህዝቢ ክንእውጅ ከሎና መስለጥቲ ምእንቲ ክንከውን ነቲ የሆዋ ኣምላኽ በቲ ቅቡእ ‘እሙንን ኣስተውዓልን’ ባርያ ገይሩ ዘዳልወልና ዘሎ ክርስትያናዊ ጸሑፋት መሊእና ክንጥቀመሉ የድልየና።—ማቴዎስ 24:45-47
12. ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ምስትንታንን ክልቲኡ ከመይ ገይሩ ኢዩ ብግልጺ ንምእዋጅ ክሕግዘና ዝኽእል?
12 ንየሆዋ ካብቲ መማሰዊ ኣልባብና ተለዓዒልና ከነመስግኖ እንተድኣ ኾይንና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይንና ክንካፈል የድልየና። ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ነቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዕዶ ክስዕቡ ይግብኦም:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኰይንካዶ ትካፈል ኢኻ? ኵሉ ግዜኸ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባታት ህዝቢ ኣምላኽ ዝሰማዕካዮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታትን ሰናይ ተሞክሮታትን ከምኡውን እቲ ዘነቓቕሕ ዜና ናይ ቲኦክራቲካዊ ምስፍሕፋሕን ትዛረብ ኢኻ? ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ንምግላጽ ተዕጠይጥይ እንተድኣ ኰይንካ ሓሳባቱ ኣብ ልብኻ ኣዕሚቑ ምእንቲ ክሰርጽ ንቃላቱ እተስተንትነሉ ግዜ ይሃሉኻ። (መዝሙር 77:12፣ 143:5) እወ: ክልቲኡ: ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ናይ ቃል ኣምላኽ ስርዓታዊ ምስትንታንን ነቲ ስም የሆዋ ብግልጺ ንምእዋጅ ተዋሂቡካ ዘሎ ግሩም መሰል ንኸተማስወሉ ከም ዝሕግዘካ ፍሉጥ ኢዩ።
13. ከመይ ጌርና ኢና ካብ ኣልባብና ‘ጽቡቕ ከነውጽእ’ እንኽእል?
13 ኣልባብና በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ሞሳ እንተድኣ መሊኡ: ጽቡቕ ነገራት ኢና እነውጽእ። የሱስ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” ዝበሎ ርትዓዊ ኢዩ። (ሉቃስ 6:45) እሞኸ ደኣ ንስም ኣምላኽ ብግልጺ ካብ ምእዋጅን ብዛዕባ ዕላማታቱ ድማ ንጐራባብትናን ነዝማድናን ኰታ ንኹሎም እንረኽቦም ሰባት ካብ ምዝራብ ሓሊፍና ነቲ ‘ጽቡቕ እነውጽኣሉ’ ካልእ ዝሓሸ መገዲ እንታይ ክህሉ ይኽእል?
ብግልጺ ምእዋጅ ዘስዕቦ ፍረ
14. (ሀ) እቲ ኣዋጂ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን እቲ ሰማዕን እንታይ ተሞክሮ ኢዮም ከሕልፉ ዝኽእሉ? (ለ) ብዕዮ ሰብከት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ?
14 ነብያት ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎቶም ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም: እቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ድማ ነቶም ተቐበልቲ ሰማዕቲ ጠቒምዎም ኢዩ። ምስ እዚ ብምንጽጻር ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ ምእዋጅ ነቶም ኣወጅቱ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ነቶም መማሰውቲ ሰማዕቲ ድማ ኣየ ክንደይ ኢዩ ዝጠቕሞም! ሰባት ነቲ ብስራት ምቕባሎም ንመንፈስ ጭንቀት ከሰንፉ ወይ ድማ ነቲ ግድላት ክዋጽእሉ ሓጊዝዎም ኢዩ። ሓዘንተኛታት ብተስፋ ትንሳኤ ተሓጒሶም ኢዮም። ውሉፋት ናይ ኒኮቲን: ሄሮይን ከምኡውን ብኻልእ ወልፊ ዘትሕዙ ንጥረ ነገራት ባሮት ካብ ምዃን ኣምሊጦም ኢዮም። ብዙሓት ብስነ ምግባር ተመሓይሾም ኢዮም: ኵሎም እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝተቐበሉ ድማ መንፈሳዊ ሓርነት ረኺቦም ኢዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ 8:32) ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም እንኮ ተስፋ ወድሰብ ገይርካ ምእዋጅ ኣብቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሕጉስ ምላሽ ከፍሪ ኸሎ: ነቶም እኩያት ድማ ንመጠንቀቕታ ይኾኖም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብዛ እክይቲ ዓለም መለኮታዊ ፍርዲ ክወርድ ከሎ ‘ናይ ዘለኣለም ምቍራጽ’ ወይ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ዝረኽቡ ሰባት ሕጂ ይፈላለዩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14፣ 25:31-46፣ ህዝቅኤል 33:1-9፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ናይ ስብከት ዕዮና: ብዝዓበየን ብዝሰፍሐን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክፍጸም ዘለዎ መመዛዝንቲ ዘይብሉ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ኢዩ!
15. ኣብቲ ናይ ምስክርነት ዞባና ነቶም ብቑዓት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ኢልና እንጽበዮም ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ክግበር ምተኻእለ?
15 ከም ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሳኻኽር መጠን ንሰማያዊ ኣቦና ብሓጐስን ብተኣዛዝነትን ኢና እንግዝኦ። (ሮሜ 12:11) በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብቲ ኣብ ህዝባውን ካብ ቤት ናብ ቤትን እናኸድካ ዝግበር ዕዮ ስብከት ስርዓታውያን ኰይንና እንጽመደሉ ግዜ ክንምድብ ሕጉሳት ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20) ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ኸኣ ኣብ ዞባታትና ገለ ብቑዓት ሰባት ኣለዉ። ኵነታት ዓለም ክለዋወጥ ከሎ ሰባት ብዝተፈላለየ መገድታት ኢዮም ዝትንከፉ። ብዙሓት ብሃንደበታዊ ኵነታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ስደተኛታትን ኣጋይሽን ይኾኑ ኣለዉ። ምናልባት ገለ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ምስክርነት ዞባና ይህልዉ ይኾኑ። እንተድኣ ኣልዮም ኰይኖም: በቲ “ቅዱስ ዕዮ ናይቲ ብስራት” ብመንፈስ ንኽንሕግዞም ዝከኣለና ዘበለ ንግበር። (ሮሜ 15:16 ትሓዓ) ገለ ክርስትያናት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምእንቲ ክእውጁሎም ኢሎም ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም ኢዮም።
16. ንስም የሆዋ ክንእውጅ ከሎና ንኽንዕገስ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ?
16 ብዙሓት ካብ ነብያት ኣምላኽ ኣዝዩ ጽንኩር ዕዮታት ነበሮም። ንዘይቅበሉ ሰባት መለኮታዊ መልእኽትታት ክእውጁሎም ቀሊል ኣይነበረን። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ዝወፈየ ንስም የሆዋ ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብሓፈሻ ዘይትንኳሕ ዞባታት ክእውጅ ቀሊል ኰይኑ ኣይረኽቦን ኢዩ። ይኹን እምበር ካብቲ ብጸሎት ቀሪብና እንገብሮ መጽናዕቲ ናይ ቃል ኣምላኽን ካብቲ የሆዋ ዝህበና ሓይልን እንረኽቦ ምትእምማን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከሎና ክንዕገስ ከኽእለና ኢዩ። (ፊልጲ 4:13፣ ራእይ 14:6) በዚ ዝመጸ ካብ ነብያት ኣምላኽን ካብቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ካልኦት ኣገልገልቱን እንታይ ካልእ ነገር ኢና ክንመሃር እንኽእል?
ሕብረት ኣብ ግራት ኣገልገሎት
17. ብዛዕባ ጠቓሚ ዝኾነ አብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝግበር ሕብረት እንታይ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኣሎ?
17 እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሙሴ መዝነቱ ንኸካይድ መጀመርታ ብኣሮን ዓቢ ሓዉ ይሕገዝ ነበረ። የሆዋ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ:- “ኪኸውን ከኣ እዩ: [ኣሮን] ኣፍ ይኾነካ . . . ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ።” (ዘጸኣት 4:16) ከምኡውን ነተን “እቶም ደቂ ነብያት” ሰሲኖምለን ዝነበሩ መዓልትታት ነብዪ ኤልያስን ነብዪ ኤልሳእን ንመርምረን። እዚኣቶም ሓቢሮም ዝዓዩ ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጉጅለታት ኢዮም ነይሮም: ኣብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረ ሕብረት ይሕጐሱ ከም ዝነበሩ ድማ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (2 ነገስት 2:3-5፣ 4:38፣ ምስ 1 ሳሙኤል 10:5, 10 ኣነጻጽሮ።) ሙሴን ኣሮንን “እቶም ደቂ ነብያትን” ኣብ ምእዋጅ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚዶም ከም ዘይነበሩ ርጉጽ ኢዩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ምሕዝነቶም ንኹሎም ጠቓሚኦም ኢዩ ነይሩ። ዘበናት ምስ ሓለፈ ድማ የሱስ ክርስቶስ ን70 ደቀ መዛሙርቲ “በብኽልተ ገይሩ” ናብ ኣገልግሎት ለኣኾም። እዚኣቶም ብዘይጥርጥር ካብቲ እተሰርዓሎም ምጽማድ ተጠቒሞም ኢዮም።—ሉቃስ 10:1-16፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11፣ 20:20
18. ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ሕብረት ምግባር ረብሓ ዘለዎ ዕላማ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ?
18 ኣብ ዓመት ናይ 1953 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቢሮም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝዓዩሉ ፕሮግራም ተተሓሓዝዎ። እዚ ንሕብረት ወይ ንምሕዝነት ኢልካ ጥራይ ከም ዘይተገብረ ርጉጽ ኢዩ። እዚ ናይ ምልምማድ ፕሮግራም እዚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝያዳ ብቑዓት መማህራንን ሰበኽትን ናይቲ ብስራት ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ እተገብረ ኢዩ። እዚ ዕላማ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምግባር ዝያዳ ተሞክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓደስቲ ሰባት ኰይኖም ኣብ ኣገልግሎት ተኻፊሎም ኢዮም። እዚ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ዝግበር ናይ ምልምማድ ፕሮግራም እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ: ንህዝቢ የሆዋ ድማ ንስሙ ኣብ ህዝቢ ክእወጁ ከለዉ ንኸመሓይሹ ሓጊዝዎም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ሎሚ ብፍላይኳ ኣብ ገለ ቦታታት ክርስትያናት “በብኽልተ” ኰይኖም ኣብ ኣገልግሎት ክጽመዱ ጥበባዊ ዝኾነሉ ካልእ ረቋሒ ካብ ሓደጋ ምእንቲ ክድሕኑ ኢዩ።
19. ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ብሕታዊ ሸቶታት ምግባር ዝምልከት ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ?
19 ኣብ ኣገልግሎት ምስ ሓደ ኣማኒ ብጻይ ኰይንካ ክትዓዪ ከሎኻ ወይ ድማ በይንኻ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከሎኻ ገለ ብሕታዊ ሸቶ ወይ ዕላማ ንምብጻሕ ጻዕሪ ግበር። ተግባራውን ዝብጻሕን ይኹን። ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ተገዳስነቶም ምእንቲ ከተለዓዕልሲ ኣብ ኣቀራረባ ናይ መእተዊኻ ንኸተመሓይሽ ሓገዝ የደልየካ ድዩ? ዘድልየካ እንተድኣ ኰይኑ: ምናልባት ንሓደ ብፍላይ ጽቡቕ ኣተኣታትዋ ብምጥቃም ክኢላ ዝኾነ ፓይነር ወይ ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣስፋሒ ከተሰንዮ ትኽእል ትኸውን። እቲ ብጻይካ ነቲ ኣብ ናይ መንግስትና ኣግልግሎት ወይ ከኣ ኣብታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ መእተዊታት ከመይ ገይርካ ከም እትዳልወሉን ከም እትጥቀሙሉን ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። ኣብቲ ብሓንሳእ ኮይንኩም ካብ ቤት ናብ ቤት እትኸዱሉ ኣጋጣሚታት ነቲ ብጻይካ ዝጥቀመሉ ኣቀራርባ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። ድሕርዚ ንስኻ ድማ በዚ መዳይ ናይ ኣገልግሎት እዚ ክኢላ ክሳዕ እትኸውን ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ገይርካ ክትጥቀም ፈትን።
20, 21. ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝግበር ሕብረት ብፍላይ ሓጋዚ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ኢዩ?
20 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዝድግፍ ስሉጥ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ሓገዝ ዘድልየካ እንተድኣ ኰይኑኸ? ምናልባት በቲ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍካ ምስ ሓደ ኣብ ጽንዓት ኣጀማምራ ኣዝዩ ስሉጥ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሒ ኰይንካ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትዓዪ መደባት ክገብረልካ ይከኣል ኢዩ። ሓቢርኩም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ከሎኹም ስቕ በሃላይ ኣይትኹን። ኣብ ክንድኡ እቲ ብጻይካ ኣብ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ነቲ ነገር ከም ዝዓየሉ ምስ ርኤኻ: ንስኻ ድማ ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ከሎኹም ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ክትገብር ጠቓሚ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብጻይካ ምሳኻ ኰይኑ ክሕግዘካ ኢዩ: ምስ ወዳእኩም ድማ ምኽሩ ክልግሰልካ ኢዩ። — ምስ ገላትያ 6:6 አነጻጽሮ።
21 ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ሕብረት ዝርከብ ፍቕራዊ ደገፍ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ዕላማታት ንኽትበጽሕ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ሓገዝ እዚ ከምኡ ድማ የሆዋ ኣብዚ ናይ መሰል ዕዮ እዚ ንኽትዓዪ ስለ ዘፍቀደልካ ኣብ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘሎካ ዓሚቍ ሞሳን ኣብቲ ናይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንጥፈታትካ ዝያዳ መስለጢ ክትከውን ከኽእለካ ኢዩ። ከምኡውን ኵሉ ግዜ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ብምዝራብን ስርዓታዊ ኰይንካ ንስሙ ኣብ ህዝቢ ክትእውጅ ብምኽኣልን ንየሆዋ ኽትባርኽ ተዋሂቡካ ዘሎ መሰል ሓብሒብካ እትሕዞ ይግበርካ። — መዝሙር 145:1, 2, 9-13
22. እቲ ዝቕጽል መጽናዕትና ንኸመይ ዝበሉ ሕቶታት ንኽንምልሽ ኢዩ ዝሕግዘና?
22 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎትና ዝተደጋገመ ተመላሊሰካ ምብጻሕ ንገብር ኢና። ብዙሓት ዓሚቍ ሞሳ ብምግላጽ ነቲ ብስራት ጽን ኢሎም ይሰምዕዎ ኣለዉ። ይኹን ድኣ እምበር ገሊኦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይሰምዑ የድሓርሕሩ ይኾኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና? ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝመደበሎም ዕዮ ብኸመይ ኢና ክንዕገስ እንኽእል? እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኢዩ ክሕግዘና ወይ ክመርሓና ዝኽእል? እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ዓንቀጽ ክምለሻልና ኢየን።
ነዞም ነጥብታት ተረዲእኹምዎምዶ?
◻ ሆሴእን ሃዋርያ ጳውሎስን ክልቲኦም ብዛዕባ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ መስዋእትታት እንታይ ኢዮም ዝበሉ?
◻ ንህዝቅኤልን ንኣሞጽን ኽንበዩ ዝደረኾም እንታይ ኢዩ?
◻ ነቲ ናይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮና ብኸመይ ኢና ከንጥምቶ ዘሎና?
◻ ካብቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝግበር ሕብረት እንታይ ረብሓታት ኢዩ ክርከብ ዝኽእል?
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ዕላማ ዘለዎ ሕብረት ኣብ ኣገልገሎት ንምምሕያሸ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ