ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/9 ገጽ 27-32
  • ነቶም ነብያት ኣምላኽ ከም ኣርኣያ ግበርዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ነብያት ኣምላኽ ከም ኣርኣያ ግበርዎም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓሳረ መከራ ረኸቡ
  • ተዓጊሶም ኢዮም
  • “ከምኡ ገበሩ”
  • ኣወንታዊ ኣረኣእያ ነበሮም
  • ንምትብባዕ ዝኾኑ ምንጭታት
  • ቅንእን ትጽቢታዊ ኣመለኻኽታን
  • ሎሚ ትዕግስቲ ምግባር
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንስም የሆዋ ብግልጺ ኣውጁ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ኣሞጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/9 ገጽ 27-32

ነቶም ነብያት ኣምላኽ ከም ኣርኣያ ግበርዎም

“ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራ ግበርዎም።” — ያእቆብ 5:​10

1. ኣገልገልቲ የሆዋ ስደት ክበጽሖም ከሎ እውን ከይተረፈ ሕጉሳት ክኾኑ ዝሕግዞም እንታይ ኢዩ?

ኣገልገልቲ የሆዋ: ዋላ እኳ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ተስፋ ዘቑርጽ ሃዋህው ኣስፋሕፊሑ እንተሎ ሓጐስ ኢዮም ዘንጸባርቑ። ምኽንያቱ ኸኣ ንኣምላኽ የሐጕሱ ከም ዘለዉ ስለ ዝፈልጡ ኢዩ። መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ትሕቲ ስደትን ተጻራርነትን ክኾኑ ከለዉ እውን ምእንቲ ጽድቂ ኢሎም ይስደዱ ከም ዘለዉ ስለ ዝፈልጡ ነቲ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ጸኒዖም ኢዮም ዝድግፍዎ። የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጐምዎም እዮም እሞ: ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።” (ማቴዎስ 5:​10-12) እወ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ እምነት ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎ ኵሉ ግዜ ከም ሓጐስ ኢዮም ዝወስድዎ።​—⁠ያእቆብ 1:​2, 3

2. ብመሰረት ያእቆብ 5:​10: ትዕግስቲ ከነርኢ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ?

2 ወዲ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ክብል ጸሓፈ:- “ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም።” (ያእቆብ 5:10) ዳቭልዩ ኤፍ ኣርነት ከምኡውን ኤፍ ዳቭልዩ ጊንግሪች ነታ ኣብዚ “ኣርኣያ” (ሃይፖዴይግማ ) ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ከም “ኣብነት፣ ሞዴል፣ ኣርኣያ ብሰናይ መገዲ ንኽትቀድሖ ዘለዓዕለካ ወይ ከለዓዕለካ ዝግባእ ነገር ኢዩ” ኢሉ ይገልጻ። ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 13 : 15 ተመልኪቱ ዘሎ “እዚ ካብ ኣብነት ንላዕሊ ኢዩ። ሓደ ፍሉይ ቅድመ–መርኣያ ኢዩ።” (ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት) ስለዚ እምበኣር ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ “ሓሳረ መከራን” ብዛዕባ “ትዕግስትን” ዝምልከት ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ከም ኣርኣያ ክገብርዎም ይኽእሉ ኢዮም። ንናብራኦም ክንምርምሮ ከሎና እንታይ ካልእ ኢና ከነስተውዕሎ እንኽእል? እዚኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብቲ ናይ ሰብከት ንጥፈትና ክሕግዘና ዝኽእል?

ሓሳረ መከራ ረኸቡ

3, 4. ነብዪ ኣሞጽ ነቲ ካብ ኣማስያ ዝመጾ ዝነበረ ተጻራርነት ብኸመይ ኢዩ መሊሽሉ?

3 ነብያት ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊኦም ሓሳረ መከራ ወይ ጭከና ይፍጸም ነበረ። ንኣብነት ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘበን ቅድሚ ኣቆጻጽራ ዘበንና: እቲ ንምራኽ ዘምልኽ ዝነበረ ካህን ኣማስያ ንነብዪ ኣሞጽ ብረሲእነት ተጻረሮ። ኣማስያ ብሓሶት ተላዒሉ ኣሞጽስ ያኢ ንጉስ ብሴፍ ክቕተል ዮሩሳሌም ድማ ክትማረኽ ኢያ ኢሉ ብምንባይ ንዳግማዊ የሮብዓም ከም እተመሓሓለሉ ገይሩ ተዛረበ። ኣማስያ ንኣሞጽ ብምቍንጻብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ:- “ኣታ ነብዪ: ኪድ: ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም: ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ብላዕ: ኣብኣውን ተነበ: ቤት–ኤል ግና መቕደስ ንጉሰን ቤት መንግስትን እያ እሞ: ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ።” በዚ ናይ ዘለፋ ቃላት እዚ ዕጅብ ከይበሎ ኣሞጽ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር: ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይኰንኩን። መጓሰ ኣባጊዕ ክኽብክብ ከሎኹ: እግዚኣብሄር ወሰደኒ: እግዚኣብሄርውን: ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ: በለኒ።”​—⁠ኣሞጽ 7:​10-15

4 መንፈስ የሆዋ ንኣሞጽ ብትብዓት ንኽንበ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። ኣሞጽ ከምዚ ዝስዕብ ክብሎ ኸሎ ኣማስያ ዝተሰምዖ እሞ ገምቶ:- “ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ: ንስኻ: ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ: ኣንጻር ቤት ይስሃቅውን ኣይተንጠብጥብ: ትብል አሎኻ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፤ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ: ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም: ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ: ንስኻውን ኣብ ርኽስቲ ሃገር ክትመውት ኢኻ: እስራኤል ከኣ ብርግጽ ካብ ሃገሩ ኺማረኽ እዩ።” እቲ ትንቢት እቲ ተፈጺሙ ኢዩ። (ኣሞጽ 7:​16, 17) እቲ ዓለወኛ ኣማስያ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣንቀጥቂጡ ይኸውን!

5. እዞም ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኵነታት ምስቲ ነብዪ ኣሞጽ ዘሕለፎ ኵነታት እንታይ ተመሳሳልነት ኢዩ ክህሉ ዝኽእል?

5 እዚ ምስ ኵነታት ናይዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዝመሳሰል ኢዩ። ከምቶም ንመልእኽትታት ኣምላኽ ዝእውጁ ዝነበሩ ዝረኸብዎ ሓሳረ መከራ ንረክብ ኢና: ብዙሓት ሰባት ከኣ ብዛዕባ ናይ ስብከት ንጥፈትና ብምቍንጻብ ኢዮም ዝዛረቡሉ። ሓቂ ኢዩ ናይ ስብከት መዝነትና ካብ ናይ ቲኦሎጂ ትምህርቲ ተመሪቕና ዘምጽኣናዮ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንኽንእውጅ ዝድርኸና። ንመልእኽቲ ኣምላኽ ኣይንልውጦን ኢና: ነቲ ሓይሉውን አይነፍኩሶን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ሰማዕትና ዝህብዎ ምላሽ ከየገደሰ ከም ኣሞጽ ብተኣዛዝነት ኢና እንእውጆ። — ⁠2 ቈረንቶስ 2:⁠15-17

ተዓጊሶም ኢዮም

6, 7. (ሀ) ናይ ኢሳይያስ ምንባይ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ? (ለ) ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋኸ ከመይ ገይሮም ኢዮም ከምቲ ኢሳይያስ ዝገበሮ ዝገብሩ?

6 ነብያት ኣምላኽ ተዓጊሶም ኢዮም። ንኣብነት ትዕግስቲ በቲ ኣብ ሻምናይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ ከም ነብዪ የሆዋ ኮይኑ ዘገለገለ ኢሳይያስ ተራእያ ኢያ። ኣምላኽ ከምዚ በሎ:- “ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ: ምስማዕሲ ስምዑ: ግናኸ ኣይተስተውዕሉ: ምርኣይሲ ርአዩ: ግናኸ ኣይተለልዩ: ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ: በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ: ብልቦምውን ከየስተውዕሉ: ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ: ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ: ነእዛኖም ኣጽምመን: ነዒንቶምውን ዐምተን።” (ኢሳይያስ 6:​9, 10) እቶም ህዝቢ ድማ ልክዕ በቲ መገዲ እቲ ምላሽ ሃቡ። እዚ ግን ንኢሳይያስ ጠጠውዶ ኣቢልዎ ኢዩ? ኣይፋሉን። ኣብ ክንድኡስ ብትዕግስትን ብቕንኣትን ነቲ ናይ የሆዋ ናይ መጠንቀቐታ መልእኽቲ ኣዊጅዎ ኢዩ። እቲ እተጠቕሰ ናይ እብራይስጢ ኣሰራርዓ ቃላት ኣምላኽ: ነቲ ሰባት “ብተደጋጋሚ” ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ናይ ነብያት ኣምላኽ ኣዋጅ “ነዊሕ ቀጻልነት” ኢዩ ዝድግፍ።​—⁠ጀዘንዮ’ስ ሄብሪው ግራመር

7 ሎሚ ሰባት ልክዕ ከምቶም ነቲ ብኢሳይያስ እተዘርበ ቃላት የሆዋ ዝመለሽሉ ሰባት ገይሮም ኢዮም ነቲ ብስራት ዝምልሽሉ ዘለዉ። ይኹን እምበር ንሕናውን ልክዕ ከምቲ እሙን ነብዪ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ “ብተደጋጋሚ” ኢና እነብጽሖ። እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብቕንእን ዓቕልን ምጽማምን ኢና እንፍጽሞ።

“ከምኡ ገበሩ”

8, 9. ሙሴ ነብዪ የሆዋ: በየናይ መገዲ ኢዩ ሰናይ ኣብነት ዝኸውን?

8 ነብዪ ሙሴ ብትዕግስትን ብተኣዛዝነትን ኣርኣያ ኢዩ ነይሩ። ብኣቕዋሙ ምስቶም ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን ክኸውን መረጸ ። ይኹን እምበር ንመዓልቲ ድሕነቶም ብትዕግስቲ ክጽበ ነበሮ ። ድሕሪኡ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ካብ ባርነት ንኸውጽኦም ክሳዕ ዝጥቀመሉ ን40 ዓመታት ኣብ ሚድያን ተቐሚጡ ኢዩ። ሙሴን ሓዉ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ግብጺ ከለዉ ብተኣዛዝነት ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞም ተዛሪቦምን ገይሮሞን ኢዮም። አረ ልክዕ “ከምኡ ገበሩ።” — ዘጸኣት 7:​1-6፣ እብራውያን 11:​24-29

9 ሙሴ ነተን እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዘሕለፍወን 40 መረርቲ ዓመታት ተጸሚምወን ኢዩ። ከምኡውን ብዛዕባ ኣተሃናንጻ ታቦት እስራኤልን ኣሰራርሓ ናይቶም ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዝውዕሉ ካልኦት ነገራትን ንዝተዋህቦ መለኮታዊ መምርሒ ብተኣዛዝነት ስዒብዎ ኢዩ። እቲ ነብዪ ንመምርሒታት ኣምላኽ ጠቢቑ ከም ዝሰዓቦ እዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ገበረ: ከምኡ ገበረ።” (ዘጸኣት 40:16) ምስ ማሕበር የሆዋ ሓቢርና ኣገልግሎትና ክንፍጽም ከሎና: ነቲ ናይ ሙሴ ተኣዛዝነት ንዘክሮ: ነቲ ሃዋርያ ጳወሎስ ‘ንመራሕትና ክንእዘዞም’ ዝሃበና ምኽሪ ኸኣ አብ ግብሪ ነውዕሎ።​—⁠እብራውያን 13:⁠17

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ነበሮም

10, 11. (ሀ) ነብዪ ሆሴእ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ዘመልክተልና እንታይ ኢዩ? (ለ) ነቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ክንቀርቦም ከሎና ከመይ ገይርና ኢና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክንኵስኵስ እንኽእል?

10 እቶም ነብያት: ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ክእውጁ ከለዉን ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ እስራኤል ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ዘርኢ ፍቕራዊ ተገዳስነት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ትንቢታት ክህቡ ኸለዉ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም የድሊ ነበረ። እቲ ካብ 59 ዓመታት ንዘይውሕድ ነብዪ ኮይኑ ዘገልገለ ሆሴእ ከምኡ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። ብኣወንታዊ መገዲ ብቐጻሊ ንመልእኽትታት የሆዋ የብጽሕ ነበረ: ነታ ትንቢታዊት መጽሓፉ ድማ በዘን ዝስዕባ ቃላት ገይሩ ደምደማ:- “መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ጻድቃን ይመላለሱሉ: መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ: ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ? ዚፈለጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ?” (ሆሴእ 14:⁠9) የሆዋ ምስክርነት ክንህብ ኣፍቂዱልና ክሳዕ ዘሎ ግዜ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃልወና: ነቶም ብምስትውዓል ነቲ ዘይግብኣና ሕያውነት ኣምላኽ ዝቕበሉ ድማ ብቐጻሊ ሃሰስ ንበሎም።

11 ‘ነቶም ብቑዓት ንኽንደልዮም’ ክንዕገስን ንነገራት ድማ ብኣወንታዊ መገዲ ክንምልከቶም የድልየና። (ማቴዎስ 10:11) ንኣብነት: መፋትሕ እንተድኣ ጠፊኡና: ኣበይ ኣበይ ከም ዝነበርና ንዝክር እሞ ደሓር ኣብ ኵሉ እቲ ዝነበርናዮ ቦታታት ሃለው ንብል ንኸውን። ክንረኽቦ እንኽእል ከምዚ ገይርና ብተደጋጋሚ ምስ ደለናዮ ጥራይ ኢዩ። እምበኣር ነቶም ኣባጊዕ መሰል ክንደልዮም ከሎናውን ከምኡ ገይርና ንተዓገስ። ኣብቲ ብዙሕ ግዜ እተዓዮ ዞባታት ነቲ ብስራት ክምልሽሉ ከለዉሲ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝስምዓና! ኣብቲ ቅድም ብምኽንያት እገዳ ኣገልግሎትና ደረት ተገይሩሉ ዝነበረ ቦታታት ኣምላኽ ንዕዮና ይባርኾ ስለ ዘሎ በዚውን ኣየ ክንደይ ሕጉሳት ኢና!​—⁠ገላትያ 6:⁠10

ንምትብባዕ ዝኾኑ ምንጭታት

12. ኣየናይ ትንቢት ዮኤል ኢዩ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበንና ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ? ብኸመይከ?

12 እተን ቃላት ነብያት ኣምላኽ: ኣብ ኣገልግሎትና ዓቢ መተባብዒ ክኾናና ይኽእላ ኢየን። ንኣብነት ንትንቢት ዮኤል እሞ ንመርምራ። ነቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያንን ንኻልኦት ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ ዝነበሩን እተጠለቐሎም ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ሒዛ ኣላ። ይኹን ደኣ እምበር ዮኤል ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽንበውን ብመንፈስ ተመሪሑ ኢዩ:- “ኪኸውን ኢዩ: [ኣነ የሆዋ] መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ኹሉ ስጋ ክኽዑ እየ: ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ: ኣረገውትኹም ሕልሚ ኺሐልሙ: ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክኹዑ እየ።” (ዮኤል 2:​28, 29) ሓቅነት ናይዚ ድማ ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ ንነጀው ኣብ ሰዓብቲ የሱስ ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበንናውን ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ኰን ኢና እንርኢ ዘሎና! ሎሚ ብዛዕባ መልእኽቲ የሆዋ “ዝንበዩ” ወይ ድማ ዝእውጁ ሚልዮናት ኣለዉና: ኣብ ማእከሎም ከኣ ልዕሊ 600, 000 ዝኾኑ ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነር ኣገልገልቲ ኣለዉዎም።

13, 14. መንእሰያት ክርስትያናት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓጐስ ንኽረኽቡ ክሕግዞም ዝኽእል እንታይ ኢዩ?

13 ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ መንእሰያት ኢዮም። ኵሉ ግዜ ምስ ዓበይቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዘራረቡ ቀሊል ኣይኰነን። ሓደ ሓደ ግዜ መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሎም ኢዮም:- ‘ግዜኹም ብኸንቱ ኣብ ሰብከት ተባኽኑ ኣሎኹም: ካልእ ስራሕ ክትሰርሑ ምተገብኣኩም።’ መንእሰያት መሰኻኽር የሆዋ ድማ ብሜላ ገይሮም እቲ ሰብ ከምኡ ዝበለ ስምዒት ብምሕዳሩ ከም ዘደንግጾም ይምልሽሉ። ሓደ ብስራት ዝሰብኽ መንእሰይ ብተወሳኺ ከምዚ ዝስዕብ ምባል ሓጋዚ ኰይኑ ረኺብዎ:- “ምስ ከማኹም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰባት ክዘራረብ ከሎኹ ብርግጽ ከም ዝጥቀም ይርድኣኒ ኢዩ: የሐጕሰኒ ኸኣ ኢዩ።” ብስራት ምስባኽ ፈጺሙ ግዜ ምብኻን ኣይኮነን። ህይወት ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። ኣምላኽ ብዮኤል ገይሩ ከምዚ ብምባል ኣወጀ:- “ኪኸውን ከኣ ኢዩ . . . ስም እግዚኣብሄር [የሆዋ ትሓዓ ] ዝጽውዕ ዘበለ ኵሉ ኺድሕን እዩ።”​—⁠ዮኤል 2:⁠32

14 እቶም ንወለዶም ኣብ ንጥፈት ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሰንይዎም ቆልዑ ኣብ ዝገብርዎ ብሕታዊ ሸቶታት ካብ ወለዶም ሓገዝ ይቕበሉ ኢዮም። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ጥቕሲ ብምንባብ ይጅምሩ እሞ ቀጺሎም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተሰፋኦም ብምግላጽን ንተገደስቲ ሰባት ዝትንክፎም መጽሔት ብምዕዳልን በብስጕሚ እናማዕበሉ ኢዮም ዝኸዱ። መንእሰያት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ምዕብልናን በረኸት የሆዋን ክርእዩ ኸለዉ: ብስራት ብምስባኾም ዓቢ ሓጐስ ኢዮም ዝረኽቡ።​—⁠መዝሙር 110:3፣ 148:​12, 13

ቅንእን ትጽቢታዊ ኣመለኻኽታን

15. እቲ ኣብነት ናይ ህዝቅኤል ነቲ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ቅንኢ እንደገና ከነቃጽሎ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ?

15 ነብያት ኣምላኽ ንቅንእን ንትጽቢታዊ ኣመላኻኽታን ንኽልቲአን ባህርያት ብምንጽብራቖም እውን ኣርኣያ ዝኾኑ ኢዮም። እዘን ባህርያት አዚኣተን ሎሚ ኣብ ኣገልግሎትና ዘድልያና ኢየን። መጀመርታ ካብ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምስ ተምሃርና: ብቕንኢ ተቓጺልና ብትብዓት ንዛረብ ነይርና ንኸውን። እንተኾነ ግን ካብቲ መጀመርታ ሓቂ ዝተምሃርናሉ ግዜ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ ይኸውን: ነቲ ናይ ምስክርነት ዞባናውን ብዙሕ ግዜ በጺሕናዮ ንኸውን። ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይቅበሉን ይኾኑ። እዝስ ነቲ ዝነበረና ቅንኢ ኣቕሂምዎዶ ኢዩ? ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ “ኣምላኽ የጽንዕ” ዝብል ትርጉም ስም ዘለዎ ህዝቅኤል ንዘክሮ። ሽሕኳ ህዝቅኤል ምስቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ተረርቲ ልቢ ዝኾኑ ሰባት ይጋጠም እንተነበረ: ኣምላኽ ኣጽኒዕዎ ኢዩ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ድማ ንግምባሩ ካብ ኣስሒት ዝተርር ገበሮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ህዝቅኤል እቶም ህዝቢ ይስምዕዎ ኣይስምዕዎ ብዘየገድስ ኣገልግሎቱ ክፍጽም ክኢሉ ኢዩ። እቲ ናቱ ኣብነት ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ከም እንኽእል ዘርእየና ኢዩ: ነቲ ኣብ ዕዮ ስበከት ዘሎና ቅንኢ እንደገና ከም ዝቃጸል ክንገብሮ ኸኣ ክሕግዘና ይኽአል ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 3:​8, 9፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠5

16. እንታይ ናይ ሚክያስ ኣመለኻኽታ ኢና ክንኵስኵስ ዝግብኣና?

16 እቲ ኣብ ሻሙናይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ ዝንበ ዝነበረ ሚክያስ ብትዕግስቱ ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። “ኣነ ግና” ኢሉ ይጽሕፍ: “ናብ እግዚኣብሄር እጥምት: ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ: ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።” (ሚክያስ 7:⁠7) ናይ ሚክያስ ተኣማንነት ኣብቲ ጽኑዕ እምነቱ እተሰረተ ኢዩ ነይሩ። ሚክያስ ልክዕ ከም ነብዪ ኢሳይያስ: የሆዋ ዕላምኡ ዘበለ ኹሉ ብርግጽ ከም ዝፍጽሞ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንሕናውን እዚ ንፈልጥ ኢና። (ኢሳይያስ 55:11) እምበኣር ኣብቲ መፈጸምታ ትንቢታት ኣምላኽ ትጽቢታዊ ኣመላኻኽታ ንኾስኩስ። ከምኡውን ዋላ ኣብቲ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘየርእይሉ ቦታታት እውን ከይተረፈ ነቲ ብስራት ብቕንኢ ንስበኮ። — ቲቶስ 2:14፣ ያእቆብ 5:​7-10

ሎሚ ትዕግስቲ ምግባር

17, 18. እንታይ ጥንታውን ዘመናውን ኣብነታት ኢዩ ትዕግስቲ ከነርኢ ክሕገዘና ዝኽእል?

17 ገለ ካብ ነብያት ኣምላኽ ኣብቲ መዝታቶም ብትዕግስቲ እኳ እንተተጸመሙ ነቲ መፈጸምታ ናይ ትንቢታቶም ኣይርኣይዎን። ይኹን እምበር እቲ ምጽማሞም ንሕናውን ሓሳረ መከራ ክወርደና ከሎ ኣገልግሎትና ክንፍጽም ከም እንኽእል ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ከምኡውን ካብ ኣብነት ናይቶም ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበንና ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሩ እሙናት ቅቡኣት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ሰማያዊ ተስፋኦም ከምቲ እተጸበይዎ ብቕልጡፍ እንተዘይተፈጸመ: ኣብቲ እተደናጐየ ዝመስለሉ ኵነታት: ከምቲ ዝገለጸሎም ገይሮም ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝነበሮም ቅንኢ ክቕህም ኣየፈቐድሉን።

18 ንዓመታት ዝኣክል ብዙሓት ካብዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ንግምቢ ዘብዐኛን ነታ ብጸይታ ዝኾነት ንቕሑ! እትበሃል (ቅድም ወርቃዊ መዋእል ድሕሪኡ ድማ መጸናንዒ እትጽዋዕ ዝነበረት) መጽሔትን ስርዓታውያን ኰይኖም ዘርጊሖምወን ኢዮም። ነዘን ክቡራት መጽሔታት እዚኣተን ብቕንኢ ተለዓዒሎም ከምቲ ሎሚ ወፈራ ምዕዳል መጽሔት ኢልና እንጽውዖ ዘሎና ኣገባብ ብምጥቃም ኣብ ጐደናታትን ኣብ ኣባይትን እናኸዱ ኣብ ኢድ ሰባት ከም ዝበጽሓ ገይሮምወን ኢዮም። ሓንቲ ሽምግል ዝበለት ሓብቲ: ሓለፍቲ መገዲ ኵሉ ግዜ ኣብ መገዲ ክትምስክር ይርእይዋ ስለ ዝነበሩ ምድራዊ ዕዮኣ ምስ ወድአት ብኡንብኡ ኣበይ ድኣ ከይዳ እዛ ዓባይ ሰበይቲ ክሳዕ ዝብሉ ኾኑ። እቶም ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታ ዝተዓዘብዋ ሰባት ብዝሃብዎ ሞሳዊ ርእይቶ መሰረትሲ ኣብተን ሓያለይ ዓመታት ናይ እሙን ኣገልግሎታ ኣየ ከመይ ዝበለ ምስክርነት ኢያ ሂባ! ንሰኻኸ ከም ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ መጠንሲ ስርዓታዊ ኰይንካዶ ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ኣእዳው እቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባት ከም ዝበጽሓ ትገብር ኢኻ?

19. እብራውያን 6:​10–12 እንታይ መተባብዒ ኢዩ ዝህበና?

19 ከምኡውን እቶም ከም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኮይኖም ዘገልገሉ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ዘርኣይዎ ትዕግስትን ተኣማንነትን ንመርምሮ። ሕጂ ብዙሓት ካባታቶም ኣብ ተስዓ ወይ ኣብ ሚእቲ ዕድመ በጺሖም እኳ እንተለዉ: ነቲ እተመደብሉ ዕዮ ብቕንኢ ዝሓልዩ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ጌና ይቕጽሉ ኣለዉ። (እብራውያን 13:⁠7) እቶም ካልኦት ብዕደመ ዝሸምገሉ ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎምን ከምኡ ኸኣ ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝኾኑ እሞ እናሸምገሉ ዝኸዱ ዘለዉኸ? (ዮሃንስ 10:16) ኣምላኽ ንዕዮኦምን ነቲ ንስሙ ዘርኣይዎ ፍቕርን ዝርስዕ ገፋዒ ከም ዘይኮነ ርግጸኛታት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ መሰኻኽር የሆዋ ምስቶም መንእሰያት ኣመንቲ ብጾቶም ኰይኖም: ዝከኣሎም ዘበለ ክገብሩ ኸለዉ ዝጽመሙ: ኣብ ኣገልግሎቶም ድማ እምነትን ትዕግስትን ዘርእዩ ይግበሮም ። (እብራውያን 6:​10-12) ድሕርዚ: እንተ ብትንሳኤ ምስቶም ናይ ጥንቲ ነብያት ወይ ድማ ካብቲ ‘ዓቢ ጸበባ’ ብምድሓን ነቲ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክዓጽዱ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠21

20. (ሀ) ካብቲ ነብያት ዝገደፉልና “ኣርኣያ” እንታይ ኢኻ ተማሂርካ? (ለ) ከም ናይ ነብዪ መሰል ትዕግስቲ ብኸመይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል?

20 ነብያት ኣምላኽሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣርኣያ ኢዮም ገዲፎምልና ዘለዉ! ሓሳረ መከራ ስለ ዝተዓገሱ: ትዕግስቲ ስለ ዘርኣዩ: ዝተፈላለየ ኣምላኻዊ ባህርያት ስለ ዝገለጹ: ብስም የሆዋ ንምዝራብ መሰል ረኺቦም ኢዮም። ንሕናውን ከም ዘመናውያን መሰኻኽሩ መጠን ንዓታቶም ንምሰል: ከም ነብዪ ኣንባቆም ድማ ጽኑዓት ንኹን። ንሱ ከምዚ በለ:- “[ኣምላኽ] እንታይ ከም ዚዛረበንን  . . . ተጠንቂቐ ኽርእስ: ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል: ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ።” (ኣንባቆም 2:​1) ትዕግስቲ ከነርኢ ከሎና ኰነ ተሓጒስና ነቲ ክቡር ስም ናይቲ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ኣብ ህዝቢ ብቐጻሊ ክንእውጅ ከሎና: ከምኡ ዝበለ ቖራጸነት ይሃልወና! — ነህምያ 8:​10፣ ሮሜ 10:​10

ነዞም ነጥብታት ተረዲእኹምዎምዶ?

◻ ነብዪ ኣሞጽ እንታይ ዘተባብዕ ኣብነት ኢዩ ሰሪዑልና ዘሎ?

◻ ነብዪ ሙሴ በየናይ መገድታት ኢዩ ኣርኣያ ዝኸውን?

◻ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ከመይ ገይሮም ኢዮም ከምቲ ኣሞጽን ኢሳይያስን ዝገበርዎ ክገብሩ ዝኽእሉ?

◻ ክርስትያን ኣገልገልቲ ካብ ናይ ሆሴእን ዮኤልን ጠባይ እንታይ ኢዮም ክመሃሩ ዝኽእሉ?

◻ ካብ ናይ ህዝቅኤልን ሚክያስን ኣብነታት ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል?

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሽሕኳ ካብ ኣማስያ ዕቡድ ተጻራርነት ይመጽኦ እንተ ነበረ : መንፈስ የሆዋ ንኣሞጽ ብትብዓት ንኽንበ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

እሙናት ቅቡኣት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትዕግስቲ ብምርኣይ ሰናይ ኣብነት ሰሪዖምልና ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ