ኣምላኽሲ ንዕድሎትና ኣቐዲሙዶ ይውስኖ ኢዩ?
“ሰባት ነታ ብጌጋ ምርዳእ እትውሰድ: ጽሕፍቶ እትብል ስያመ: እንተዘይጥቀሙላ ነይሮም: ኣዝዩ ብዙሕ ሓሳባዊ ግድላት ኣይምሃለወን ነይሩ።” ነታ “ጽሕፍቶ” እትብል ቃል ተጠቒምካላ: ወይ ድማ ክጥቀሙላ ሰሚዕካ እንተ ኾይንካ ስለምንታይ ኢልካ ትግረም ትኸውን።
ብመሰረት እቲ ናይ ቀረባ እዋን ቴኦ እተባህለ ናይ ፈረንሳይ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ዝህቦ መግለጺ ነታ “ጽሕፍቶ” እትብል ቃል ዘይምጥቃምና ጽቡቕ ንገብር ኣሎና። ካልእ መጽሓፍ ድማ “ሎሚ: ንመብዛሕትኦም ፕሮቴስታንት እውን ከይተረፈ ጽሕፍቶ ኣብቲ ስነ–ሃይማኖታዊ ክትዓት እቲ ቐንዲ መዛረቢ ኣይኰነን ዝመስል ዘሎ” ይብል።
ይኹን እምበር: እዚ ናይ ጽሕፍቶ ሕቶ ኣብ ዛንታ ንብዙሓት ዝሃወኸ ኢዩ። ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ንተሃድሶ ዘለዓዓለ ክርክራት ነበረ: ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን እውን ከይተረፈ ንዘበናት ዝኣክል ኣርእስቲ ናይ ርሱን ክትዓት ኢዩ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ሎሚ ብዙሕ ክትዕ እንተ ዘይተገብረሉ: ገና ግድል ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ዕድሎቱ ኣቐዲሙ ተወሲኑ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክፈልጥ ዘይደሊ መን ኣሎ?
ጽሕፍቶ—ትርጕም ናይታ ቃል
እታ “ጽሕፍቶ” እትብል ቃል ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት እንታይ ማለት ኢያ? እቲ ዴክስዮናር ደ ቴዮሎዢ ካቶሊክ እተባህለ መጽሓፍ “ንገለ ሰባት: ብስሞም እተረቑሑ: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽመጹ ዝግበር መለኮታዊ መደብ” ኢሉ ይገልጻ። ብሓፈሻኡ: እቶም ሕሩያት: “ብስሞም እተረቑሑ” እቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ዝስዕብ ናብ ሮሜ ዝለኣኾ ደብዳበ ጠቒሱዎም ዘሎ ኢዮም ተባሂሉ ኢዩ ዝሕሰብ:- “ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ: ከም ዕላማኡ እውን እተጸውዑ ኵሉ ንሰናዮም ይድግፎም። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም: ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። . . . ነቶም ቀደም ዝመደቦም: ንኣታቶም ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም: ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።”—ሮሜ 8:28–30 ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርዥን
ገለ ሰባት: ኣብ ሰማያት ነቲ ናይ ክርስቶስ ግርማ ክካፈልዎ ብዝብል ተስፋ ቅድሚ ምውላዶም እውን እንተኾነ ብኣምላኽ እተሓርዩ ኢዮም ኢልካ ይሕሰብ። እዚ ናብቲ ንነዊሕ እዋን ክትዕ እተገብረሉ ሕቶ ይመርሕ። ኣምላኽ ነቶም ከድሕኖም ዝደሊ ብምርጫኡ ጥራይ ድዩ ዝሓርዮም: ወይስ ሰባት ስምረት ኣምላኽ ኣብ ምርካብን ምዕቃብን: ናጻ ድሌትን ግደን ኣሎዎም ኢዩ?
ኣውጕስቲን: መስራቲ ናይ ጽሕፍቶ
ሽሕ’ኳ ካልኦት ናይ ቤተ–ክርስትያን ጸሓፍቲ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ጽሕፍቶ ጽሒፎም እንተ ነበሩ: ብሓፈሻኡ ኣውጕስቲን (354–430 ከ.ኣ.ዘ.) ኢዩ ነቲ ናይ ክልቲኦም: ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ሰረተ–እምነት: መሰረት ኣንቢሩሉ ዝበሃል። ከም ኣበሃህላ ናይ ኣውጕስቲን: ጻድቃን ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዘለኣለማዊ በረኸታት ክቕበሉ ብኣምላኽ እተመደቡ ኢዮም። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ: ሓጥኣን ከምቲ ልክዕ ትርጕም ናይታ ቃል ብኣምላኽ ዘይተመደቡ እኳ ክነሶም ንሓጢኣቶም ዝግባእ መቕጻዕቲ: ኵነኔ ክቕበሉ ኢዮም። ናይ ኣውጕስቲን መግለጺ: ነቲ ንብዙሕ ክርክራት መገዲ ዝኸፈተ ናጻ ድሌት ሒደት ቦታ ጥራይ ኢዩ ሓዲጉ።
ወረስቲ ናይ ኣውጕስቲን
እቲ ንጽሕፍቶን ናጻ ድሌትን ዝምልከት ክትዕ ኣብ እዋን ማእከላይ ዘበን እንደገና ልሙድ ኰይኑ ነበረ። ኣብ እዋን ተሃድሶ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ነበረ። ሉተር ናይ ውልቀ ሰባት ጽሕፍቶ: ንዝምስገን ተግባራት ወይ ሰናይ ግብርታት ናይቶም ሕሩያት ኣቐዲምካ ከይረኣኻ: ብወገን ኣምላኽ ዝግበር ምርጫ ገይሩ ኢዩ ዝርድኦ ነይሩ። ካልቪን ምስቲ ብዛዕባ ክልተ ገጽ ዘለዎ ጽሕፍቶ: ማለት ገለ ሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ኣቐዲሞም እተመደቡ: ካልኦት ከኣ ናብ ዘለኣለማዊ ኩነኔ: ዝብል ምርዳኡ ናብ ኣዝዩ እተፈልየ መደምደምታ በጽሐ። ይኹን እምበር: ካልቪን እውን እንተኾነ ነቲ ምርጫ ኣምላኽ: ብሃውሪ ዝግበር አረ ክትርድኦ እውን ዘይከኣል: ገይሩ ኢዩ ወሲድዎ።
እቲ ክርክር ናይ ጽሕፍቶ ከምኡውን ምስኡ ዝዛመድ ሕቶ ናይ “ጸጋ”—ነቲ ኣምላኽ ንሰባት ዘድሕነሉን ዘጽድቐሉን ተግባር ንምምልካት ብኣብያተ ክርስትያናት እትዝውተር ቃል—ኣዝዩ ገኒኑ ብምንባሩ ብ1611 እቲ ሰበኻ ናይ ካቶሊክ ብዘይ ፍቓዱ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እቲ ዝኾነ ይኹን ከይሕተም ክሳዕ ዝእግድ ኮነ። ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን: እቲ ናይ ኣውጕስቲን ትምህርትታት ካብቶም ናይ መበል 17ን 18ን ክፍለ ዘበን ናይ ፈረንሳይ ጃንሰኒስትስ ብርቱዕ ደገፍ ረኸበ። ንሳቶም ጥብቅን ምኩሕን ዝኾነ ዓይነት ክርስትና ክህሉ ኢዮም ዝጣበቑ ነይሮም: ካብቶም ምልከ–ልዑላን እውን ከይተረፈ ሰዓብቲ ነበርዎም። ገና ግን ብዛዕበ እቲ ጉዳይ ዝነበረ ክርክር ኣይዘሓለን። መበል 14 ንጉስ ሎዩስ ነቲ መበቆል ቦታ ናይ ጃንሰኒስት ሓሳብ ዝኾነ: ገዳም ናይ ፖርት–ሮያል ክዓኑ ኣዘዘ።
እቲ ክርክር ኣብ ውሽጢ እተን ናይ ፕሮቴስታንት ተሃድሶ ኣብያት ክርስትያናት: ገና ኣይተወድአን ኢዩ ነይሩ። እቶም ንጃኮቡስ ኣርሚኒዩስ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ተቓወምቲ: ምስ ካልኦት ብምዃን: ሰብ ንድሕነቱ ግደ ኣለዎ: ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ናይ ፕሮቴስታንት ናይ ዶርድረችት ሲኖድ (1618–19): ነቲ ጽኑዕ ዓይነት ናይ ካልቪን ትምህርቲ ምስ ተቐበሎ ነቲ ሕቶ ንግዚኡ ኣደቂስዎ ነበረ። ብመሰረት እቲ ላቫንቱር ደ ላ ረፎርም–– ለ ሞንድ ደ ዣን ካልቪን ዝበሃል መጽሓፍ: ዝህቦ ሓሳብ ኣብ ጀርመን እዚ ባእሲ ናይ ጽሕፍቶን ናጻ ድሌትን: ንነዊሕ እዋን “ንምትዕራቕ እተገብረ ፈተነ ከም ዝፈሽልን: ከምኡውን ዓመጻታት: ማእሰርትን ማሕዩርን ናይ ስነ–ሃይማኖተኛታት” ከም ዘኸተለ ይገልጽ።
ጽሕፍቶዶ ወይስ ናጻ ድሌት?
ካብ መጀመርታ: እዚ ክልቲኡ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር: ጽሕፍቶን ናጻ ድሌትን ዝብል ሓሳባት: ብዙሕ ርሱን ግርጭታት ኣልዒሉ ኢዩ። ኣውጕስቲን ብወገኑ ነዚ ኣንጻርነት እዚ ክገልጾ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ካልቪን እውን እንተኾነ ነዚ ከም ናይ ኣምላኽ ሉዓላዊ ድሌት መግለጽን ከምኡ ብምዃኑ ድማ ክርዳእ ዘይከኣልን ገይሩ ኢዩ ዝሓስቦ ነይሩ።
ይኹን እምበር: ብዛዕባ ባህርያትን እንታይነትን ኣምላኽ ነዚ ሕቶታት እዚ ዝያዳ ብንጹር ምእንቲ ክንርድኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ: ክሕግዘናዶ ይኽእል ኢዩ? እዚ ዝስዕብ ዓንቀጽ ነዞም ነጥብታት እዚኣቶም ብዝርዝር ክምርምሮም ኢዩ።