ጽሕፍቶ ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሰማማዕ ይኽእልዶ?
“ንሕና ንጽሕፍቶ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዝደለዮ ዝውስነሉ ዘለኣለማዊ ንድፊ ኢልና ኢና እንገልጾ። ከመይሲ ንኹላቶም ብሓደ ዓይነት ኵነታት ኣይኮነን ፈጢርዎም: ኣብ ክንዳኡ ግን ገሊኦም ንናይ ዘለኣለም ህይወት ካልኦት ከኣ ንናይ ዘለኣለም ኩነኔ ኣቐዲሙ ተወሲኑሎም ኢዩ።”
እዚ እቲ ናይ ፕሮቴስታንት ጸጋኒ ጆን ካልቪን ኣብታ ኢንስቲትዩት ኦቭ ዘ ክርስችያን ረሊጅን እትበሃል መጽሓፍ ዝገለጾ ናይ ጽሕፍቶ ዝብል ኣምር ኢዩ። ከምቲ ንሱ ገሊጽዎ ዘሎ: እዚ ኣምር እዚ ኣብቲ ኣምላኽ ፈሊጠ–ኵሉ ኢዩ: ተግባራት ናይ ፍጡራቱ ድማ ንዕላማታቱ ኣብ ጥርጠራ ከእትውዎ ኣይክእሉን ወይ ለውጢ ክገብር ኣየገድድዎን ኢዮም ዝብል ሓሳብ እተመስረተ ኢዩ።
ይኹን እምበር: እዚ ብሓቂ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣመልኪቱ ዝብሎ ድዩ? ዝያዳ ዘገድስ ድማ: እዚ ከምዚ ዝበለ መግለጺ ምስቲ ባህርያት ኣምላኽ: ብፍላይ ከኣ ምስታ ኣገዳሲት ባህርይ: ፍቕሪ: ዝሰማማዕ ድዩ?
ናይ መጻኢ ግዜ ኣቐዲሙ ክነግር ዝኽእል ኣምላኽ
ኣምላኽ ናይ ዝመጽእ ኣቐዲሙ ክነግር ዝኽእል ኢዩ። ንገዛእ ርእሱ “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ: ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ: ዝበልኩ ኣነ እየ” ብምባል ይገልጻ። (ኢሳይያስ 46:10) ኣብ ኩሉ እዚ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ታሪኽ: ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብምጥቃም ፍጻመታት ኸይኰኑ ኸለዉ ኣቐዲሙ ክዛረብ ይኽእል ምዃኑ ምእንቲ ከርኢ ንትንቢታቱ ከም ዝምዝገብ ገይሩ ኢዩ።
እዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ ኢዩ: ኣብ መዓልትታት ቤልሻጽር: ንጉስ ባቢሎን: ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ክትክእ ከሎ ዝረኣዮ ናይ ክልተ ኣራዊት ሕልሚ: የሆዋ ትርጓሜኡ ዝሃቦ:- “እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም። እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ።” (ዳንኤል 8:20, 21) ብርግጽ: ኣምላኽ: ነቲ ተኸታታሊ ምምጻእ ናይተን ሓይሊ ዓለማት ንኽገልጽ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ተጠቒምሉ ኢዩ። እታ ናይ ሽዑ ዝለዓለት ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ቀጺሉ ድማ ብግሪኽ ክትትካእ ነበራ።
ትንቢታት ንሓደ ውልቀሰብ ዘመልክቱ ክኾኑ እውን ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ነብዪ ሚክያስ እቲ መሲህ ኣብ ቤተ–ልሄም ክውለድ ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። (ሚክያስ 5:2) ሕጂውን: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኢዩ እተጠቕመ። ይኹን እምበር: እዚ ፍጻመ እዚ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ—ንምልላይ እቲ መሲህ—ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣብነት እዚ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ እውን ዘጠቓልል ሰረተ–እምነት ናይ ጽሕፍቶ ቅቡል ንክኸውን ኣይድምድምን ኢዩ።
ብኣንጻሩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣምላኽ ነቲ ውጽኢት ኣቐዲሙ ክፈልጦ ዘይመረጸሉ ኩነታት ከም ዘሎ ይገልጽ። ቀቅድሚ ጥፍኣት ሰዶምን ጎመራን “ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ [ኾ]ይኖም ክፈልጥ: ወሪደ ኽርኢ እየ:” በለ። (ዘፍጥረት 18:21) እዚ ጥቕሲ እዚ ኣምላኽ ነቲ ኣብተን ከተማታት ዝነበረ ደረጃ ናይቲ ግብረ–እከይ ቅድሚ ነቲ ነገራት ምምርማሩ ኣቐዲሙ ይፈልጦ ከም ዘይነበረ ኢዩ ብንጹር ዘርእየና።
ብሓቂ: ኣምላኽ ንገለ ፍጻመታት ኣቐዲሙ ክርኢ ይኽእል ኢዩ: ኣብ ብዙሕ ነገራት ግን: ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ከይጥቀም ይመርጽ ኢዩ። ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእል ስለ ዝኾነ: ንኽእለታቱ ብድልየት ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ: ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገይሩ ክጥቀመሉ ናጻ ኢዩ።
ንነገራት ከቕንዕ ዝኽእል ኣምላኽ
ከምቲ ካልቪን ዝበሎ: ገሊኦም ሓጢኣት ናይ ሰብ: ቅድሚ ምፍጣሩ ኣቐዲሙ ኣምላኽ ወሲንዎ ኢዩ ከምኡውን ቅድሚ እቲ ሓጢኣት እቲ ነቶም ‘ሕሩያት’ አቐዲሙ መዲብዎም ኢዩ ነይሩ ይብሉ። እዚ ግን ሓቂ እንተደኣ ነይሩ: ንኣዳምን ሄዋንን ክረኽብዎ ከም ዘይክእሉ እናፈለጠ ከሎ: ኣብ ቅድሚኦም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከንብረሎምስ ንኣምላኽ ግብዝናዶ ኣይምኾኖን ነይሩ? ኣብ ርእሲ እዚ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዝኾነ ቦታ: እቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣውያን ጽምዲ ነቲ መለኮታዊ መምርሒታት ስዒቦም ንዘለኣለም ምንባር ወይ ከኣ ነዚ ነጺግካ ሙማት ዝብል ምርጫ ተዋሂቦም ከም ዝነበሩ: ኣይክሕዶን ኢዩ።።—ዘፍጥረት ምዕራፍ 2
ይኹን እምበር: ሓጢኣት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ንዕላማ ኣምላኽ ብሓቂ ከም ዝቋረጽ ገይርዎዶ ኢዩ? ኣይፋሉን: ኣምላኽ ድሕሪ ምሕጥኦም ቀልጢፉ: ንሰይጣንን ወከልቱን ምእንቲ ከጥፍእ ናይ ምድሪ ኩነታት እንደገና ንኸቕንዕ ኢሉ ሓደ “ዘርኢ” ከተንስእ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነበረ። ልክዕ ከምቲ ንሓረስታይ ሒደት ሓሳኹ ጽቡቕ ምህርቲ ከፍሪ ክኽልክልዎ ዘይክእሉ: ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዘይምእዛዝ ከኣ ንኣምላኽ ምድሪ ገነት ንምግባራ ኣይኪኽልክሎን ኢዩ።—ዘፍጥረት: ምዕራፍ 3
ጸኒሑ ኣምላኽ ንዘርኢ ዳዊት ብሕድሪ እተዋህበ: ካልኦት ድማ ኣብቲ መንግስቲ ዝሓብሩሉ መንግስታዊ ምምሕዳር ክህሉ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። እዞም ካልኦት እዚኣቶም “ናይ ልዑል ቅዱሳን” ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ።—ዳንኤል 7:18፣ 2 ሳሙኤል 7:12፣ 1 ዜና መዋእል 17:11a
ኣቐዲምካ ምዝራብ ኣቐዲምካ ምውሳን ኣይኰነን
ወድሰብ ብኣየናይ መገዲ ከም ዝኸይድ: ኣምላኽ ክፈልጥ ኣይመረጸን ዝብል ሓቂ: ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ተግባራት ናይ ሰብ ዘስዕቦ ውጽኢታት ክንበ ኣይከልከሎን። ንሓደ መራሕ መኪና ሕማቕ ኩነታት ናይ መኪናኡ ዘጠንቀቖ መካኒክ: ሓደጋ እንተደኣ ኣጋጢሙ ብሓላፍነት ክሕተት ወይ ከኣ ኣቐዲሙ ከም ዝወሰነ ገይርካ ክውቀስ ኣይከኣልን ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዘሕዝን ናይ ውልቀ ሰባት ተግባራት ዘስዕቦ ውጽኢታት ኣቐዲሙ ብምዝራቡ ክውቀስ ኣይክእልን ኢዩ።
ብዛዕባ ዘርኢ ናይቶም መጀመርታ ሰብኣውያን ጽምዲ እውን ልክዕ ከምዚ ኢዩ። ቃየል ቅድሚ ንሓዉ ምቕታሉ: የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቃየል ምርጫ ኣቕሪቡ ኢዩ። ንሓጢኣት ንሱዶ ይግዝኣያ: ወይስ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊኡ ትግዛእ? ኣብቲ ጸብጻብ የሆዋስ ቃየል ሕማቕ ምርጫ ክገብር ከምኡውን ንሓዉ ክቐትል ኢሉ ኣቐዲሙ ከም ዝወሰነሉ ዝሕብር ሓንቲ’ኳ የለን።—ዘፍጥረት 4:3-7
ጸኒሑ: ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን: ካብ የሆዋ እንተደኣ ኣልጊሶም: ንኣብነት ካብተን ኣረማውያን ኣንስቲ ብምምርዓው: እንታይ ከም ዝወርዶም ኣጠንቂቕዎም ነበረ። እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ኸኣ ተፈጸመ። እዚ ካብ ኣብነት ናይቲ ኣብ እርጋኑ ጣኦታት ንኸምልኽ በተን ጓኖት ኣንስቲ እተጸልወ ንጉስ ሰሎሞን ክርአ ይከኣል። (1 ነገስት 11:7, 8) እወ: ኣምላኽ ንህዝቡ ኣጠንቀቖም ድኣምበር: ናይ ነፍሲ ወከፎም ተግባር እንታይ ከም ዝኸውን ኣቐዲሙ ኣይወሰኖን።
እቶም ሕሩያት: እቲ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ መብጽዓ እተገብረሉ ዓስቢ ከየጥፍእዎ ዝደልዩ እንተደኣ ኰይኖም ክጸንዑ ተተባቢዖም ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 1:10፣ ራእይ 2:5, 10, 16፣ 3:11) እዚ ልክዕ ምስቲ ገለ ካብቶም ቅድም ዝነበሩ ስነ–ሃይማኖተኛታት እቲ ጻውዒት ናይቶም ሕሩያት እንተደኣ ተወዲኡ ነይሩ ኰይኑ ከምዚ ዝበለ መዘኻኸሪታት ስለምንታይ ይወሃቦም ኢሎም ዝሓተትዎ ሕቶ ዝሰማማዕ ኢዩ።
ጽሕፍቶን ፍቕሪ ኣምላኽን
ሰብ: “ብመልክዕ ኣምላኽ” ስለ እተፈጥረ: ናጻ ድሌት ተዋሂብዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 1:27) ሰባት: ከም ሮቦት ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሶም ኣቐዲሙ እተመደበ ዘይኰነስ: ካብ ልቦም ተደሪኾም ንኣምላኽ ዘኽብርዎን ዘፍቅርዎን እንተደኣ ነይሮም ናጻ ድሌት ዘይተርፍ ኢዩ ነይሩ። ብመስተውዓልትን ናጻን ፍጡራት እትርአ ፍቕሪ ንኣምላኽ ቅኑዕ ዘይኰነ ወቐሳታት ክረትዕ ተኽእሎ ኢያ። ንሱ ከምዚ ይብል:- “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ።”—ምሳሌ 27:11
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣቐዲሞም እተወሰኑ ኢዮም ነይሮም—ወይ ከኣ ኣቐዲሞም እተመደቡ ኢዮም ነይሮም ክበሃል እንተደኣ ኾይኑ—እቲ ቅንዕና ናይቲ ናብ ፈጣሪኦም ዘለዎም ፍቕርስ ኣብ ጥርጠራ ክኣቱዶ ኣይምኽኣለን? ብተወሳኺ: ናይ ነፍሲ ወከፍ ተግባራት ኣብ ግምት ከየእተወ ንሰባት ክብርን ሓጐስን ክረኽቡ ኣቐዲሙ እተወሰነ ምርጫ ክገብር ከሎስ ምስቲ ኣምላኽ ኣየዳሉን ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዝጻረርዶ ኣይከውንን? ኣብ ርእሲ እዚ: ካልኦት ንዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ክውሰኑ ኸለዉ: ገሊኦም ከምዚ ዝበለ ኣድልዎ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ዝቕበሉ እንተደኣ ኰይኖም: እዚ ነቶም “ሕሩያት” ቅኑዕ ናይ ሞሳ ስምዒት ኣየለዓዕለሎምን ኢዩ።—ዘፍጥረት 1:27፣ እዮብ 1:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
ኣብ መወዳእታ: ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኹሎም ደቅሰባት ብስራት ክሰብኩ ተዛረቦም። ኣምላኽ ነቶም ክድሕኑ ዘለዎም እንተደኣ ድሮ ሓርይዎም ኰይኑ: እዚ ነቲ ክርስትያናት ኣብ ስብከት ዘለዎም ቅንኢ ኣይመዝሓሎንዶ? ነቲ ናይ ስብከት ዕዮኸ ብመሰረቱ ትርጕም ዘይብሉዶ ኣይምገበሮን?
እቲ ናይ ኣምላኽ ዘየዳሉ ፍቕሪ እቲ ሰባት ብግዴኦም ንዕኡ ንኸፍቅሩ ከለዓዕሎም ዝኽእል ብርቱዕ ሓይሊ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ: ኣብ ክንዲ ዘይፍጹማት: ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ንወዱ ምስውኡ ኢዩ። እቲ ንወዱ ዝምልከት ኣቐዲምካ ምፍላጥ ናይ ኣምላኽ ፍሉይ ጉዳይ ኢዩ: ይኹን እምበር እዚ ንዓና እቲ ኣብ የሱስ ተመስሪቱ ዝነበረ ናይ ዳግመ–ህንጻ መብጽዓታት ብርግጽ ኪፍጸም ምዃኑ ኢዩ ዘረጋግጸልና። ስለዚ ኣብቲ ወዲ እቲ እምነት ንግበር ናብ ኣምላኽ ከኣ ንቕረብ። ነቲ ምስ ፈጣሪና ጽቡቕ ርክብ ዘምጽኣልና ናይ ኣምላኽ ዕድመ ብምቕባል ሞሳና ነርኢ። ሎሚ: ኣምላኽ ንኹሎም እቶም ናጻ ድሌትን ንዕኡ ኸኣ ፍቕሮም ከርእዩ ዝደልዩ እዚ ዕድመ እዚ የቕርበሎም ኣሎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a የሱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ “ካብ ምስራት ዓለም” (ማቴዎስ 25:34) ምድላዋ ክዛረብ ከሎ: ንሓደ ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ዝነበረ ግዜ የመልክት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ሉቃስ 11:50, 51 ነቲ “ምስራት ዓለም” ወይ ምስራት ናይቶም ብበጅነት ዝከሓሱ ደቅሰብ: ምስ ግዜ ኣቤል ኢዩ ዘተሓሕዞ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ከም ጕጅለ ኣቐዲሞም እተመደቡ
“ነቶም ቀደም ዝፈለጦም: ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ ቦኹሮም ምእንቲ ኪኸውን: ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም: ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸወዖም: ንኣታቶም ድማ ቅንዕናኦም መስከረ። ነቶም ቅንዕንኦም ዝመስከረሎም: ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።” (ሮሜ 8:29, 30 ኒው ኢንተርናሽናል ቨርዥን) ነታ ኣብዚ ብጳውሎስ “መደቦም” እትብል ስያመ ብኸመይ ኢና ክንርድኣ ዘሎና?
ኣብዚ ዘሎ ናይ ጳውሎስ ኣበሃህላ ነቲ ብዛዕባ ናይ ውልቀ ሰባት ጽሕፍቶ ዝምልከት ሓሳብ ዝድግፍ ደረቕ ክትዕ ኣይኰነን። ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዘበንና: እታ ዴክስዮናር ደ ቴዎሎዢ ካቶሊክ እተባህለት ነቲ ናይ ጳውሎስ ክትዕ (ሮሜ ምዕራፍ 9–11) ብኸምዚ ትገልጾ:- “እቲ ኣብ መንጎ ናይ ካቶሊክ ምሁራት: እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ልሙድ ኣተሓሳስባ: እቲ ልክዕ ኣምር ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ጽሕፍቶ ኣይተገልጸን ዝብል ኢዩ።” እታ መጽሓፍ እቲኣ ንኤም ላግራንግ ዝበሎ ጠቒሳ ከምዚ ትብል:- “እቲ ብቐዳምነት ብጳውሎስ እተላዕለ ሕቶ ኹሉ ብዛዕባ ጽሕፍቶን ንኩነኔ ምምዳብን ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡ ግን: እቶም ተጻረርቲ ካብቶም እምነት ዘይብሎም ኣይሁድ ብምዃኖም: ብዛዕባ ጻውዒት ናይቶም ናብ ጸጋ ክርስትና እተጸውዑ ኣህዛብ ጥራይ ኢዩ ነይሩ:. . . ንጕጅለታት: ኣህዛብ: ኣይሁድ: ደኣምበር ብቐጥታ ንእተወሰኑ ውልቀሰባት ዘመልክት ኣይነበረን።”—ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ከኣ: ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ነዘን ምዕራፋት (9–11) ኣመልኪታ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተመሳሳሊ መደምደምታ ሃበት:- “እምበኣር: እቲ ትሕዝቶ ናይዘን ምዕራፋት: ጸገም ናይ ውልቀሰብ ጽሕፍቶ ናብ ክብሪ: ወይ ናብ እምነት እውን ዘይኮነስ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ሓሳባት እተላዕለ እንኮ ጸገም: ናይቲ ኣብ ምዕባለ ናይ ድሕነት ታሪኽ ወድሰብ ዘሎ ግደ ናይ እስራኤል ኢዩ።”
እተን ናይ ሮሜ ምዕራፍ 8 ናይ መወዳእታ ጥቅስታት ክፍሊ ናይቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ሓሳባት ኢየን። ስለዚ: እዘን ጥቅስታት እዚኣተን ካብ መንጎ ደቅሰብ ምስ ክርስቶስ ክገዝኡ ዘለዎም ክፍሊ ወይ ጕጅለ: ከምኡውን እቲ ንሳቶም ክመልእዎ ዘሎዎም ተደላዪ ነገራት ኣምላኽ ኣቐዲሙ ከም ዝረኣዮ ብልክዕ ገይረን ከዘኻኽራና ይኽእላ ኢየን— እዚ ኸኣ ኣቐዲምካ ንነፍሲ ወከፍ ክምረጽ ዘለዎ ውልቀሰብ ብምርቋሕ ኣይኰነን: ምኽንያቱ እዚ ምስ ፍቕሩን ፍትሑን ዝጋጮ ክኸውን ኢዩ።