ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/2 ገጽ 28-32
  • ‘ኣታ ሒደት መጓሰ ኣይትፍራህ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኣታ ሒደት መጓሰ ኣይትፍራህ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ሒደት መጓሰ
  • ቍጽርታት ይጐድል
  • “ኣይትፍራህ”
  • ፍሉይ ተስፋ
  • “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • “ንርእስኹምን ንዅሉ እቲ . . . መጓሰን ተጠንቀቑ”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/2 ገጽ 28-32

‘ኣታ ሒደት መጓሰ ኣይትፍራህ’

“ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም: ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ።”​—⁠ሉቃስ 12:⁠32

1. እተን “ኣታ ሒደት መጓሰ . . . ኣይትፍራህ” ዝብላ ቃላት የሱስ መሰረተን ንምንታይ ኢዩ ነይሩ?

“መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ:” (ሉቃስ 12:31) የሱስ እዘን ቃላት እዚኤን ንደቀ መዛሙርቱ ክዛረቦም ከሎ: ነቲ ካብ ግዜኡ ኣትሒዙ ክሳዕ እዚ ግዜና ንኣተሓሳስባ ክርስትያናት ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ኢዩ ዝገለጸ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ናብራና ቀዳምነት ክወሃባ ኣለዎ። (ማቴዎስ 6:33) ይኹን እምበር: ኣብቲ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ: የሱስ ነቶም ፍሉያት ጉጅለ ክርስትያናት ተፈታውን ዘጸናንዕን ቃላት ተዛረቦም። “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ:” በሎም። (ሉቃስ 12:32) ከም ሕያዋይ ጓሳ መጠን: የሱስ ነቶም ናይ ማሕርሮ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቅድሚኦም ሓደገኛ እዋን ክመጾም ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ እንተደኣ ቀጺሎም ግን ዋላ ሓደ ዘፍርህ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ስለዚ ኸኣ: ናይ የሱስ ምትብባዕ ተሪር ትእዛዝ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: ምትእምማንን ትብዓትን ንኸተሕድር ዝድግፍ ፍቕራዊ መብጽዓ ኢዩ ነይሩ።

2. ነቲ ሒደት መጓሰ ዘቑሙ መን ኢዮም: ስለምንታይከ ኢዮም ፍሉይ መሰል ዝረኽቡ?

2 ኣብዚ እዋን እዚ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ: “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ኸኣ ጸውዖም። ብኻልእ ወገን ነቶም የሆዋ ‘እታ መንግስቲ ዝህቦም’ ሰባት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ምስቶም ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ንየሱስ ክቕበልዎ ዝነበሮም ብዙሓት ጭፍራ ኣነጻጺርካ: እዚ ጉጅለ እዚ ብቑጽሪ ኣዝዩ ሒደት ኢዩ ነይሩ። ንሳቶም ንሓደ ፍሉይ መጻኢ ኣብ ንጉሳዊ ኣገልግሎት ክዓዩ ስለእተሓርዩ ከም ክቡራት እውን ተሓሲቦም ኢዮም። ኣቦኦም: እቲ ዓቢ ጓሳ: የሆዋ: ምስታ መሲሓዊት መንግስቲ ናይ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ሰማያዊ ውርሻ ንኽቕበሉ ነዞም ሒደት መጓሰ ይጽውዖም ኣሎ።

እቲ ሒደት መጓሰ

3. ዮሃንስ እንታይ ግርማዊ ራእይ ናይቶም ሒደት መጓሰ ኢዩ ዝረኣየ?

3 እምበኣር: ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ዘለዎ ሒደት መጓሰ ዘቕውም መን ኢዩ? እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​1-4) ከም ኣብ ኣእዳዎም መለኸት ዝሓዙ ሰማያውያን ዘመርቲ ኰይኖም ምስ ረኣዮም: ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እንሆ ድማ: እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ: ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ። እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ: ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሽል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በ[ኹ]ራት ኪ[ኾ]ኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም።”​—⁠ራእይ 14:​1, 4, 5

4. እቲ ሒደት መጓሰ ሎሚ ኣብ ምድሪ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎ?

4 ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም: እዞም ቅቡኣት: ውሉድ መንፈስ ዝኾኑ ሰባት ከም ኣምባሳደራት ናይ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 5:20) ሎሚ: ተረፍ ናታቶም ጥራይ ኢዮም ዘለዉ። ከም እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኰይኖም ከኣ ብሓባር የገልግሉ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:45፣ ራእይ 12:17) ብፍላይ ካብ ዓመት ናይ 1935: እቶም ሕጂ ቁጽሮም ሚልዮናት በጺሑ ዘሎ: ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት: “ካልኦት ኣባጊዕ”: ሓቢሮሞም ኢዮም። እዚኦም ኣብቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝግበር ስብከት ናይቲ ብስራት ይሕግዙ ኢዮም። ​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16

5. እቶም ተረፍ ናይቶም ሒደት መጓሰ ኣረኣእያኦም እንታይ ኢዩ: ክፈርሁ ዘየድልዮምከ ስለምንታይ ኢዩ?

5 ኣረኣእያ ናይቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቲ ሒደት መጓሰ እንታይ ኢዩ? “ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ” ከም ዝቕበሉ ስለ ዝፈልጡ: ቅዱስ ኣገልግሎቶም ብኣምላኻዊ ፍርህን ኣኽብሮትን ኢዮም ዘቕርቡ። (እብራውያን 12:28) ናታቶም ወሰን ዘይብሉ ሓጐስ ዘምጽእ ክግመት ዘይከኣል መሰል ምዃኑ ብትሕትና ይርድኡ ኢዮም። የሱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ክዛረብ ከሎ ዝጠቐሳ “ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ” ረኺቦም ኢዮም። (ማቴዎስ 13:46) እቲ ዓቢ ጸበባ ክቐርብ ከሎ: ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ሰባት ከይፈርሑ ደው ይብሉ። ኣብ እዋን “እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ” ኣብታ ናይ ደቅሰብ ዓለም ዝወረደ ይውረድ ብዘየገድስ: ብዛዕባ ዝመጽእ ግዜ ኣይፈርሁን ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​19-21) ስለምንታይ ዘይፈርሁ?

ቍጽርታት ይጐድል

6, 7. (ሀ) እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ሒደት መጓሰ ሎሚ ቁጽሮም ኣዝዩ ሒደት ዝኾነስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ነቲ ክረኽቦ ዘለዎ ተስፋ ብኸመይ ኢዩ ክምልከቶ ዘለዎ?

6 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እቲ ቁጽሪ ናይቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሒደት መጓሰ ብሓቂ ሒደት ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ካብቲ ናይ 1994 ናይ ዝኽሪ ጸብጻብ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኣብ ገለ ካብዘን 75,000 ዝኾና ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ: 8,617 ዝኾኑ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ብምክፋል ኣባላት ናይቶም ተረፍ ምዃኖም ገለጹ። (ማቴዎስ 26:​26-30) ምስ እዚ ብምንጽጻር: እቲ ጠቕላላ ቍጽሪ ተኣከብቲ 12,288,917 ነበረ። ቅቡኣት ክርስትያናት እዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። የሆዋ ነቲ ሒደት መጓሰ ዘቕውም ውሱን ቁጽሪ: 144,000 ኢዩ ተኺሉ: ነዚ ኸኣ ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ክእክብ ጸኒሑ ኢዩ። ብሓቂ: እቲ ቁጽሪ እናመልኤ ክኸይድ ከሎ: እቲ ጻውዒት ናይዚ ሒደት መጓሰ ናብ ምዕጻው ገጹ ኢዩ ዝኸይድ: እዚ እቲ ጠቕላላ ምእካብ ናይዞም ብፍሉይ እተባረኹ: ኣብ 1935 ከም እተወድኤ መረጋገጺ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ ግዜ መወዳእታ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ንቋታትን እተኣከቡ: ሓደ’ኳ ኪ[ቈ]ጽሮም ዘይኽእል [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ]” ኪኾኑ ምዃኖም ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ። ካብ 1935 ንነጀው: እቲ ብየሆዋ ዝግበር ዘሎ ጠቕላላዊ ምእካብ ናይዞም ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝተስፍኦም ዓቢ ጭፍራ ኢዩ ዘሎ።​—⁠ራእይ 7:9፣ 14:​15, 16፣ መዝሙር 37:⁠29

7 መብዛሕትኦም ካብቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሒደት መጓሰ ሕጂ ኣብ 70ታት: 80ታት ከምኡውን 90ታት ዕድመኦም ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ሒደት ጥራይ ካብ 100 ዓመት ዕድመ ሓሊፎም ኣለዉ። ኵሎም እዚኣቶም: ዕድሚኦም ብዘየገድስ: በቲ ሰማያዊ ትንሳኤ: ኣብ መወዳእታ ምስ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሮም: ኣብታ ግርማዊት መንግስቲ ኪገዝኡ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። እቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝኾኑ ድማ ምድራውያን ተገዛእቲ ናይቲ ንጉስ ክርስቶስ ኪኾኑ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ በቲ የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ዓቊሩሎም ዘሎ ይተሓጐስ። እንታይ ተስፋ ከም ዝህልወና ክንመርጽ ናትና ኣይኮነን። እዚ የሆዋ ዝውስኖ ኢዩ። ክልቲኦም ጉጅለታት በቲ ዘሐጉስ መጻኢ ተስፋኦም: ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ: ክሕጐሱ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 6:​44, 65፣ ኤፌሶን 1:​17, 18

8. እቲ ምሕታም ናይቶም 144,000 ክሳዕ ክንደይ ኢዩ መደምደምታኡ ቀሪቡ ዘሎ? ምስ ተወድኤኸ እንታይ ክፍጸም ኢዩ?

8 እቶም 144,000 ውሱናት ሒደት መጓሰ: ኣብቲ ዕላማታት ኣምላኽ ንባህርያውያን እስራኤል ዝተክኡ: “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢዮም። (ገላትያ 6:16) ስለዚ እምበኣር: እቲ ተረፍ: ነቲ ገና ኣብ ምድሪ ተሪፉ ዘሎ መንፈሳዊ ህዝቢ ኢዩ ዘቕውም። ከምዚኦም ዝበሉ ተረፍ ነቲ ናይ መወዳእታ ስምረት የሆዋ እተሓትሙ ኢዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ: ኣብ ራእይ: እዚ ክፍጸም ከሎ ርእዩ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ:- “ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ: ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ: ምድሪ: ወይስ ባሕሪ: ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ: በለ። ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ: ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ [መንፈሳውያን] እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት።” (ራእይ 7:​2-4) እቲ ዕዮ ምሕታም ናይ መንፈሳውያን እስራኤል መደምደምታ ብርግጽ ስለ ዝቐረበ: ድሕሪ ቀረባ ዝቕስቅስ ፍጻመታት ክህሉ ምዃኑ ይእምት። ሓደ ካብኡ: እቶም ኣርባዕተ ናይ ጥፍኣት ንፋሳት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ተፈነዉ ዝፍጸም “ብርቱዕ ጸበባ”: ግድን ክቐርብ ኣለዎ።​—⁠ራእይ 7:⁠14

9. እቲ ሒደት መጓሰ ነቲ ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ?

9 እቶም ድሮ ተኣኪቦም ዘለዉ ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝኾኑ ብምልዮናት ዝቑጸሩ ኢዮም። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ንልቢ ናይቶም ተረፍ ዘምውቕ ኰን ኢዩ! ሽሕኳ እቶም ካብቲ ሒደት መጓሰ ዝኾኑ ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብቑጽሪ እናጐደሉ እንተኸዱ: ካብቶም ዓብ ጭፍራ ነቲ ምስታ እተስፋሕፍሕ ዘላ ምድራዊት ማሕበር ኣምላኽ እተተሓሓዘ ሓላፍነታት ክስከሙ ዝኽእሉ ብቑዓት ሰብኡት ኣለማሚዶምን ኣዳልዮምን ኢዮም። (ኢሳይያስ 61:⁠5) ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ: ካብቲ ዓቢ ጸበባ ደሓንቲ ኪህልዉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠22

“ኣይትፍራህ”

10. (ሀ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ መጥቃዕቲ ክፍኖ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ: እዚኸ ናበይ ኪመርሕ ኢዩ? (ለ) ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝቐርበና?

10 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብዚ ከባቢ ምድሪ ኢዮም ተደርብዮም ዘለዉ። ንሱን ጭፍራኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ንምውራድ ኢዮም ዝውጥኑ ዘለዉ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ: መጥቃዕቲ ጎግ ናይ ማጎግ ተባሂሉ ኢዩ ዝግለጽ። ድያብሎስ ነቲ መጥቃዕቱ ብፍላይ ናብ መን ኢዩ ዘቕንዖ? ናብቶም “ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ” ብሰላም ዝነብሩ ዘለዉ: ናይ መወዳእታ ኣባላት ናይቲ ሒደት መጓሰ: ናይ ኣምላኽ እስራኤልዶ ኣይኰነን ዘቕንዖ? (ህዝቅኤል 38:​1-12) እወ: እቶም ተረፍ ናይቲ እሙን ቅቡእ ክፍሊ: ምስቶም እሙናት ብጾቶም: ካልኦት ኣባጊዕ: ብሓባር ነቲ ብወገን የሆዋ ኣምላኽ ንናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ ንምዝሓል ዝግበር ‘ዘደንቕ ተግባርን ዘስተንክር ዕዮን’ ኪምስክሩ ኢዮም። ንህዝቡ ኪከላኸል ኢዱ ከእቱ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ምብራዕ ናይታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ከላዕሎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 28:21፣ ዮኤል 2:31) ሎሚ: እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ: መጠንቀቕታ ናይቲ ዝመጽእ ብየሆዋ ዝዕየ ዘስተንክር ዕዮ ብምሃብ: ሓደ ኣድላዪ: ህይወት ኣድሕን ኣገልግሎት: ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ። (ሚልክያስ 4:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16) ኣብቲ ስብከት ብስራት ናይታ መንግስቲ የሆዋ ብምክፋልዶ: ነዚ ኣገልግሎት እዚ ብንጥፈት ትድግፍ ኣሎኻ? ከም ሓደ ዘይፈርሕ ኣዋጂ መንግስቲ ኰይንካ ከምዚ ምግባር ክትቅጽል ዲኻ?

11. ሎሚ ትብዓት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣድላዪ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?

11 ነዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዓለም ብምርኣይ: እቶም ሒደት መጓሰ ነተን “ኣታ ሒደት መጓሰ . . . ኣይትፍራህ” ዝብላ ቃላት የሱስ ከቕልቡለንሲ ግዜኡዶ ኸይኰነ! ነቲ ምስ ዕላማ የሆዋ ብምስምማዕ ዝፍጸም ዘሎ ርኢኻ ከምዚ ዝበለ ተባዕ ኣረኣእያ ኣድላዪ ኢዩ። በብውልቂ: ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ሒደት መጓሰ ኣድላይነት ናይ ክሳዕ መወዳእታ ምጽማም ይርዳእ ኢዩ። (ሉቃስ 21:19) ከምቲ የሱስ ክርስቶስ: መምህርን ጐይታን ናይቲ ሒደት መጓሰ: ክሳዕ መወዳእታ ናይ ምድራዊ ህይወቱ እተጸመመን ተኣማንነቱ ዘርኣየን: ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብቶም ተረፍ ዝኾነ ክጽመምን ተኣማንነቱ ከርእን ኣለዎ።​—⁠እብራውያን 12:​1, 2

12. ጳውሎስ: ልክዕ ከም የሱስ: ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከይፈርሁ ዘተባብዖም ከመይ ገይሩ ኢዩ?

12 ኵሎም ቅቡኣት ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ክህልዎም ኣለዎ። ከም ሓደ ቅቡእ ኣዋጂ ናይ ትንሳኤ መጠን: ምስቲ የሱስ ፍርሃት ንኸይህሉ ዝሃቦ ምትብባዕ ብምስምማዕ ዝበሎ ቃላቱ እስከ ተመልከት:- “ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝ[ኾ]ነ ኻብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። ብዛዕባኡ ከም ገባር ክፉእ ተ[ቈ]ጺረ ኽሳዕ መ[ቍ]ሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ: ግናኸ እቲ ቃል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት: ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን: ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ: ንኹሉ እዕገስ ኣሎኹ። እሙን ቃል ኢዩ፤ ምስኡ እንተሞትናስ: ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። እንተ ተዓገስና: ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ: ንሱውን ኪኽሕደና እዩ። ንሕና እንተ ጠለምናዮ: ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣየከኣሎን እዩ እሞ: እሙን ኰይኑ እዩ ዚነብር። ”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:​8-13

13. እቶም ኣባላት ናይቲ ሒደት መጓሰ እንታይ ዓሚቍ ምርዳእ ኢዩ ዘለዎም: እዚኸ እንታይ ንኽገብሩ ኢዩ ዘለዓዕሎም?

13 ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: እቶም ተረፍ ኣባላት ናይቲ ቅቡእ ሒደት መጓሰ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓያል መልእኽቲ ክእውጁ ከለዉ ስቓይ ክጽመሙ ፍቓደኛታት ኢዮም። ኣብቲ ናይ ድሕነት መለኮታዊ መብጽዓታትን ኣብቲ ክሳዕ ሞት እሙናት ምዃኖም እንተድኣ ኣረጋጊጾም ዝወሃብዎ “ኣኽሊል ህይወት”ን ብቐጻሊ ብዝተኣመኑ መጠን እቲ ምርዳኦም ድማ ኣዕሚቑ ሱር ይሰድድ። (ራእይ 2:10) ብቕጽበት ብምትንሳእ ከምኡውን ብምልዋጥ: ምስ ክርስቶስ ከም ነገስታት ኰይኖም ኪገዝኡ: ምስኡ ኪሓብሩ ኢዮም። ከም ሰዓርቲ ዓለም መጠን ነቲ ንጽህንኦም ዝሓለውሉ ስጕምቲ ከመይ ዝበለ ዓወት ኮን ኢዩ!​—⁠1 ዮሃንስ 5:​3, 4

ፍሉይ ተስፋ

14, 15. እቲ ትንሳኤ ናይቶም ሒደት መጓሰ ፍሉይ ዝኸውንስ ብኸመይ ኢዩ?

14 እቶም ሒደት መጓሰ ዝረኽብዎ ተስፋ ትንሳኤ ፍሉይ ኢዩ። በየናይ መገድታት? ቀዳማይ ነገር: ነቲ ጠቕላላዊ ትንሳኤ ናይ ‘ጻድቃንን ሓጥኣንን’ ዝቕድም ብምዃኑ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ብልክዕ: እቲ ትንሳኤ ናይቶም ቅቡኣት ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:​20, 23 ተገሊጹ ዘሎ: ከከም ኣገዳስነቱ ብደረጃ ዝምደብ ምዃኑ ኢዩ ብንጹር ተሰሪዑ ዘሎ:- “ሕጂ ግና ክርስቶስ: በ[ኹ]ሪ እቶም ዝደቀሱ [ኾ]ይኑ: ካብ ምዉታት ተንስኤ። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፤ ክርስቶስ ከም በ[ኹ]ሪ: ድሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።” ከምቲ የሱስ ዘርኣዮ ዓይነት ምጽማምን እምነትን ብምርኣይ: እቶም ሒደት መጓሰ ብፍላይ ካብቲ እቲ ሓቀኛ ጐይታ ብ1918 ንፍርዲ ኢሉ ናብታ ቤት መቕደሱ ዝመጽእ: ምድራዊ ጕዕዞኦም ምስ ወድኡ እንታይ ተዓቍርሎም ከም ዘሎ ይፈልጡ ኢዮም።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠1

15 ጳውሎስ ነዚ ትንሳኤ እዚ ከም ፍሉይ ንኽንርእዮ ተወሳኺ ምኽንያት ይህብ። ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:​51-53 ተመዝጊቡ ዘሎ ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ:- “እንሆ: ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፤ ኵላትና ኽንልወጥ እምበር: ኵላትና ኣይክንድቅስን ኢና: ብሓንሳእ: ብቕጽበት ዓይኒ: በቲ ናይ ድሕሪ [ኹ]ሉ መለኸት: . . . ማለት: እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ: እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።” እዘን ቃላት እዚኤን ነቶም ኣብ ግዜ ህላዌ ክርስቶስ ዝሞቱ ሒደት መጓሰ ኢየን ዘመልክታ። ንነዊሕ ግዜ ብሞት ምድቃስ ከየድለዮም: “ብቕጽበት ዓይኒ” ዘይትመውት ህይወት ኢዮም ዝለብሱ።

16, 17. ነቲ ናይ ትንሳኤ ተስፋኦም ብዝምልከት: ሎሚ ቅቡኣት ክርስትያናት ብፍላይ እተባረኹስ ብኸመይ ኢዮም?

16 ብብርሃን ናይዚ ምርዳእ እዚ: እቲ ኣብ ራእይ 14:​12, 13 ዝርከብ ቃላት ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና። ንሱ ከምዚ ክብል ጸሓፈ:- “እቶም ንትእዛዝ ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ: ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ: በለ። ካብ ሰማይ ከኣ፣ ጽሓፍ፤ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ: ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ: ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም: ይብል መንፈስ: ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።”

17 ነቶም ተረፍ ናይ ሒደት መጓሰስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ዓስቢ ኰን ኢዩ ተዓቍርሎም ዘሎ! ትንሳኤኦም: ድሕሪ ብሞት ምድቃሶም ቀልጢፉ ኢዩ ኪፍጸም። ኣብቲ ሰማያዊ ግዝኣት መዝነቶም ክዓዩ ከለዉ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ለውጢ ኰን ኢዮም ከሕልፉ! እዚ ከምዚ ዝበለ ግርማ ናይቲ ሒደት መጓሰ እናተኻየደ ከሎ: ከምኡውን ምስቲ ምፍጻም ናይቲ መወዳእታኡ ዝቐረበ ዓበይቲ ትንቢታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ብሓቂ እዞም ሒደት መጓሰ ‘ምፍራህ’ ኣየድልዮምን ኢዩ። እቲ ዘይምፍርሆም ነቶም ዓቢ ጭፍራ ካብቲ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ዘይፈልጥ ዓቢ ናይ ጸበባ ክድሕኑ ክጽበዩ ከለዉ ተመሳሳሊ ትብዓት ንኸርእዩ መተባብዒ ኢዩ ዝኾኖም።

18, 19. (ሀ) እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ህጹጽ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) እቶም ቅቡኣት ይኹኑ ካልኦት ኣባጊዕ ክልቲኦም: ስለምንታይ ኢዮም ክፈርሁ ዘይብሎም?

18 ነቲ ንጥፈታት ናይቲ ሒደት መጓሰ ተመሊስካ ምርኣይ: ንዕኦምን ነቶም ዓቢ ጭፍራን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምፍራህ ክቕጽሉ ኢዩ ዘኽእሎም። እቲ ናይ ፍርዲ ሰዓት ኣኺሉ ኢዩ: ከምኡ ኸኣ እቲ ተሪፉ ዘሎ ምሹእ ግዜ ክቡር ኢዩ። ብርግጽ: እቲ ካልኦት ስጉምቲ ዝወስድሉ ግዜ: ውሱን ኢዩ። ንሕና ግን: ዕላማ ኣምላኽ ኪፈሽል ኢዩ ኢልና ኣይንፈርህን ኢና። ብርግጽ ኪዕወት ኢዩ!

19 ድሮ እኳ: ዓው ዝበለ ሰማያዊ ድምጽታት ከምዚ ክብል ከሎ ተሰሚዑ ኢዩ:- “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።” (ራእይ 11:15) ብርግጽ: እቲ ዓቢ ጓሳ: የሆዋ: ንኹለን ኣባጊዑ ‘ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሐን’ ኣሎ። (መዝሙር 23:⁠3) እቶም ሒደት መጓሰ ብዘይ ጉድለት ናብቲ ሰማያዊ ዓስቦም ይምርሑ ኣለዉ። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር የሱስ ክርስቶስ ዘሎ ምድራዊ ግዝኣት ናይታ ግርማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክሕጐስሉ ብደሓን ካብቲ ዓቢ ጸበባ ኪሓልፉ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: ዋላኳ እቲ ቃላት ናይ የሱስ ነቶም ሒደት መጓሰ ዝምልከት እንተኾነ: ብርግጽ ኩሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ “ኣይትፍራህ” ዝብል ቃላቱ ክሰምዑ ኣለዎም።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ?

◻ ቁጽሪ ናይቶም ሒደት መጓሰ ክጐድል ክንጽበ ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ ሎሚ እቲ ኵነታት ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ ከመይ ኢዩ ዘሎ?

◻ ሽሕኳ እቲ መጥቃዕቲ ጎግ ናይ ማጎግ ቀሪቡ እንተኾነ: ክርስትያናት ክፈርሁ ዘይብሎምስ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ ብፍላይ ሎሚ: እቲ ተስፋ ትንሳኤ ናይቶም 144,000 ፍሉይ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ