ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንነቓቓሕ—ብኸመይ?
“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና [ንተባባዕ ትሓዓ]። ” —እብራውያን 10:24, 25
1, 2. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብቲ ብሓንሳብ ምእካቦም ምጽንናዕን ምትብባዕን ምርካቦም ኣገዳሲ ዝነበረስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ኣየናይ ምኽሪ ጳውሎስ ኢዩ ንኣድላይነት ናይ ሓቢርካ ምእካብ ዘመልክት?
ኣብ ውሽጢ ዕጹው እተሸጐረ ማዕጾ ብምስጢር ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብ ግዳም ኣብ ኵሉ ቦታታት ሓደጋ ኣድብዩ ነይሩ። መራሒኦም የሱስ ብጋህዲ ተቐቲሉ ኢዩ: ነቶም ሰዓብቱ ከኣ ካብ ናቱ ዝሓሸ ከም ዘየጋጥሞም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:20፣ 20:19) ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ዘፍቅርዎ የሱስ ብህዱእ ድምጺ ክዛረቡ ከለዉ: እቲ ብሓንሳብ ምንባሮም እንተወሓደ ዑቕባ ከም ዝስምዖም ገይርዎም ክኸውን ኣለዎ።
2 ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ ክርስትያናት ኵሉ ዓይነት ፈተናታትን መስጐጕትን ተጋጢሞም ኢዮም። ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ: ብሓንሳብ ብምእካብ ምጽንናዕን ምትብባዕን ረኺቦም ኢዮም። ስለዚ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን 10:24, 25 ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕን ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና [ንተባባዕ ትሓዓ] እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።”
3. እብራውያን 10:24, 25 ክርስትያናት ብሓባር ክእከቡስ ካብ ትእዛዝ ንላዕሊ ኢዩ እትብልሲ ስለምንታይ ኢኻ?
3 እዘን ብሓንሳብ ተኣከቡ ዝብላ ቃላት ካብ ትእዛዝ ንላዕሊ ኢየን። ንኹሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት—ከምኡውን ንዝኾነ ክርስትያናት ብሓንሳብ ዝእከብሉ ኣጋጣሚ—መለኮታዊ ድራኸ ዘለዎ ስርዓት ዝህብ ኢዩ። ሎሚ ካብ ካልእ ግዜ ብዝበለጸ: መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ምምጻኣ ኣነጺርና ክንርእያ ከሎና: እቲ ጸቕጥታትን ሓደጋታትን ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ነቲ ንኹልና እሙን መዕቈቢ ቦታን ምንጪ ሓይልን ምትብባዕን ዝኾነ ኣኼባታትና ብቀዳምነት ከምዝርአ ይገብሮ። ነዚ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና? እምበኣር: ሰለስተ ሕቶታት ብምሕታት ነተን ናይ ጳውሎስ ቃላት ብጥንቃቐ ንመርምረን። “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” እንታይ ማለት ኢዩ? ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ኣብ ንሓድሕድና ምንቕቓሕ’ እንታይ ማለት ኢዩ? ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚኸ ከመይ ገይርና ኢና ‘ኣብ ንሓድሕድና ክንተባባዕ’ እንኽእል?
“ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል”
4. “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?
4 ጳውሎስ ንክርስትያናት “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ኢሉ ክላበዎም ከሎ ናይታ ልምድቲ “ምቕላብ” እትብል ቃል ዕሙቕ ዝበለ ኣገባብ ዘለዋ ካ.ታ.ኖ.አኦ እትበሃል ናይ ግሪኽ ግሲ ኢዩ ተጠቒሙ። እቲ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት “ንናይ ሓደ ሰብ ምሉእ ኣእምሮ ናብ ሓደ ነገር ምቕናዕ” ማለት ኢዩ ይብል። ብመሰረት ዳብልዩ ኢ ቫይን “መሊእካ ምርዳእ: ጠቢቕካ ምስትብሃል” እውን ክትትርጐም ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ክርስትያናት ‘ኣብ ንሓድሕዶም ከስተብህሉ’ ከለዉ ነቲ ናይ ደገ ጥራይ ዘይኰኑስ ንብምሉኡ እቲ ኣእምሮኣዊ ክእለቶም ኢዮም ዝጥቀሙሉ ከምኡውን ነቲ ዝዓሞቐ ክርእዩ ኢዮም ዝፍትኑ።—ምስ እብራውያን 3:1 ኣነጻጽሮ።
5. ገለ ካብቲ ተኸዊሉ ዝጸንሕ ናይ ሓደ ሰብ ባህርያት እንታይ ኢዩ: ነዚ ከነስተብህለሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢዩ?
5 ንሓደ ሰብ ካብቲ ደጋዊ ትርኢቱ ወይ ትርኢታ ግብሩ ወይ ግብራ: ውሽጣዊ እንታይነቱ ወይ እንታይነታ ክገልጾ ዝኽእል ካብኡ ንላዕሊ ከም ዘለዎ ክንዝክር የድልየና። (1 ሳሙኤል 16:7) ህዱእ ግዳማዊ ትርኢት መብዛሕትኡ ግዜ: ንዓሚቍ ስምዒታት ወይ ባህ ዘብል ናይ ሰሓቕ ስምዒት ይሽፍኖ ኢዩ። ካልእ ኸኣ ዝሓለፈ ተመኵሮታት ኣዝዩ ኢዩ ዝፈላለ። ገሊኦም ኣዝዩ ዘሸግር ፈተናታት የሕልፉ፣ ካልኦት ከኣ ንሕና ክንግምቶ ዘይንኽእል ኵነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ይጽመሙ ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ብገለ ሓው ወይ ሓብቲ እተዛረብዎ ዝወግእ ዘረባ ንሓርቕ እሞ: ብዛዕባ ተመኵሮ ወይ ኵነታት ናይቲ ሰብ ምስ ተረዳእና ኸኣ ንዝሕል።—ምሳሌ 19:11
6. ኣብ ንሓድሕድና ክንፋለጠሉ እንኽእል ገለ ገለ መገድታት እንታይ ኢዮም: እንታይ ፍረኸ ክርከብ ይከኣል?
6 ልክዕ ኢዩ: እዚ ከይተሓተትና ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ብሕታዊ ጉዳይ ጦብሎቕ ክንብል ኣሎና ማለት ኣይኮነን። (1 ተሰሎንቄ 4:11) ገና ግን ኣብ ንሓድሕድና ብርግጽ ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ኣብ መንግስቲ ኣደራሽ ሰላም ካብ ምብህሃል ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ንሓደ ሰብ ፈሊኻ ጽቡቕ ገይርካ ምእንቲ ክትፈልጦ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ኣኼባ ንሒደት ደቓይቕ ስለምንታይ ዘይተዘራርቦ? ብዝበለጸ ኸኣ: ሓደ ወይ ክልተ ኣዕሩኽ ናብ ቤትካ ቡን ወይ ሻሂ ብምዕዳም ‘ንምቕባል ጋሻ ተቐዳደም።’ (ሮሜ 12:13) ተገዳስነት ኣርኢ። ጽን በል። ንሓደ ውልቀሰብ ከመይ ኢሉ ንየሆዋ ከም ዝፈለጦን ዘፍቀሮን ምሕታቱ ጥራይ ብዙሕ ከፍልጠካ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ናይ ቤተ–ቤት ኣገልግሎት ሓቢርካ ብምዕያይ ገና ብዙሕ ክትፈልጥ ትኽእል ትኸውን። ብኸምዚ ዝበለ መገድታት ገይርካ ኣብ ንሓድሕድካ ምስትብሃል: ናይ ሓቂ ብጻያዊ ስምዒት ወይ ድንጋጽ ንኸነዕቢ ክሕግዘና ኢዩ።—ፊልጲ 2:4፣ 1 ጴጥሮስ 3:8
‘ኣብ ንሓድሕድና ንነቓቓሕ’
7. ሀ) ናይ የሱስ ትምህርቲ ንሰባት ዝተንከፎም ከመይ ገይሩ ኢዩ? (ለ) ነቲ ትምህርቱ ኣዝዩ ሓያል ዝገበሮኸ እንታይ ኢዩ?
7 ኣብ ንሓድሕድና ከነስተብህል ከሎና: ንሓድሕድና ንተግባር ክንተባባዕ ብዝበለጸ ኢና እንነቓቓሕ። በዚ ነገር እዚ ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት ዝዓበየ ግደ ኢዩ ዘለዎም። የሱስ ሓደ ግዜ ነቶም ህዝቢ ክዛረቦም ከሎ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ” ዝብል ነንብብ። (ማቴዎስ 7:28) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እቶም ክኣስርዎ ዝመጹ ዓቀይቶት ካብኡ ምስ ተመልሱ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ኢሎም መለሱ። (ዮሃንስ 7:46) ናይ የሱስ ትምህርቲ ኣዝዩ ሓያል ዝገበሮስ እንታይ ኢዩ ነይሩ? ስምዒታዊ ኣዘራርባ ስለ ዝነበረ ድዩ? ኣይኰነን: የሱስ ብውርዝና ኢዩ እተዛረበ። ይኹን እምበር: ኩሉ ግዜ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ ክበጽሕ ኢዩ ዝዕልም ነይሩ። ምኽንያቱ ንሰባት የስተብህለሎም ኢዩ: ከመይ ገይሩ ከም ዘለዓዕሎም ብልክዕ ይፈልጥ ኢዩ። ንሓቅታት ናይ መዓልታዊ ህይወት ዘንጸባርቕ ንጹርን ቀሊልን ምሳሌታት ኢዩ ዝጥቀም ነይሩ። (ማቴዎስ 13:34) ብተመሳሳሊ: እቶም ኣብ ኣኼባታትና መዝነቶም ዝፍጽሙ: ከለዓዕል ዝኽእል: ምዉቕ: ውዕዉዕ: ኣቀራርባታት ብምግባር ንየሱስ ክመስልዎ ኣለዎም። ንሕናውን ከም የሱስ ንሰማዕትና ዝበቅዕን ኣብ ኣልባቦም ዝበጽሕን ምሳሌታት ብምድላይ ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና።
8. የሱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ብኣብነት ገይሩ ዘነቓቕሕ ዝነበረ: ንሕናኸ በዚ መገዲ እዚ ከመይ ገይርና ምቐዳሕናዮ?
8 ንኣምላኽና ከነገልግል ከሎና: ኵልና ኣብ ንሓድሕድና ብምሳሌ ክንነቓቓሕ ንኽእል ኢና። የሱስ ንሰማዕቱ ኣነቓቒሕዎም ኢዩ። ነቲ ዕዮ ናይ ክርስትያን ኣገልግሎት ኣፍቂርዎን ኣኽቢርዎን ኢዩ። እዚ ንዕኡ ልክዕ ከም መግቢ ምንባሩ ተዛሪቡ ነበረ። (ዮሃንስ 4:34፣ ሮሜ 11:13) ከምዚ ዝበለ ውዕዉዕ ስምዒት ማራኺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንስኻኸ ብተመሳሳሊ ሓጐስካ ኣብቲ ኣገልግሎት ከምዝርኤ ክትገብርዶ ምኸኣልካ? ሓፈሻዊ መንፈስ ናይ ኩርዓት ብምውጋድ: ብጥንቃቐ ነቲ ጽቡቕ ተመኩሮኻ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ኣካፍሎ። ካልኦት ምሳኻ ክዓዩ ክትዕድም ከሎኻ: ንኻልኦት ብዛዕባ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ክዛረቡ ከለዉ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንክረኽቡ ክትሕግዘሉ እትኽእል ገለ መገዲ እንተሎ ርአ።—ምሳሌ 25:25
9. (ሀ) ገለ ካብቶም ንኻልኦት ንምንቕቓሕ እንጥቀመሎም ኣገባባት ከነወግዶም እንደሊ ኣየኖት ኢዮም: ስለምንታይከ? (ለ) ገዛእ ርእስና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምእንቲ ከነውዕላ ከለዓዕለና ዘለዎ እንታይ ኢዩ?
9 ግናኸ ንኻልኦት ብጌጋ መገዲ ከይተነቓቕሕ ተጠንቀቕ። ንኣብነት: ብዘይ ምስትብሃል: ዝያዳ ብዘይ ምዕያዮም ናይ ገበን ሰምዒት ከም ዝስምዖም ክንገብር ንኽእል ንኸውን። ከይሓሰብናዮ ብዘይግቡእ ምስቶም ብርኡይ ንጡፋት ዝኾኑ ብምውድዳር ነሕፍሮም ንኸውን: ወይውን ደረቕ ስርዓት ብምውጻእ ነቶም ዘይከኣልዎ ነናእሶም ንኸውን። ከምዚ ዝበለ ኣገባባት ንግዚኡ ንገሊኦም ንዕዮ የለዓዕሎም ይኸውን: ይኹን እምበር ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንጸጸትን ንሰናይ ግብርን ንነቓቓሕ’ ኢሉ ኣይጸሓፈን። ንፍቕሪ ኢና ክንነቓቓሕ ዘሎና: ድሕሪኡ እቲ ተግባር ካብ ጽቡቕ ድራኸ ክመጽእ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እንተደኣ ዘየማልኦ ኰይኑ ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ብዛዕባኡ ዝህብዎ ግምት ብምሕሳብ ክለዓዓል የብሉን።—ምስ 2 ቈረንቶስ 9:6, 7 ኣነጻጽሮ።
10. ኣብ እምነት ናይ ካልኦት ጐይቶት ከም ዘይኰንና ክንዝክር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ?
10 ኣብ ንሓድሕድካ ምንቕቓሕ ማለት ኣብ ንሓድሕድካ ምቍጽጻር ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣን እኳ እንተነበሮ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንጉባኤ ቈረንቶስ ብትሕትና “ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” ኢሉ ኢዩ ዘዘኻኸሮም። (2 ቈረንቶስ 1:24) ንሕናውን ልክዕ ከምኡ: ካልኦት ኣብቲ ንየሆዋ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ክንደይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ምውሳን ወይ ኣብ ብሕታዊ ውሳኔታት ሕልናኦም ምቍጽጻር ስራሕና ከም ዘይኰነ ብትሕትና እንተደኣ ተረዲእና: “እምብዛ ጻድቕ”: ሓጐስ ዘይብሉ: ደረቕ: ኣሉታዊ ወይ ብሕጊ እምብዛ እተቐየድና ኣይንኸውንን ኢና። (መክብብ 7:16) ከምዚኦም ዝበሉ ባህርያት ዘነቓቕሑ ዘይኰኑስ ዝጭቁኑ ኢዮም።
11. ኣብ ግዜ እስራኤል ንምህናጽ ማሕደር ዝኸውን ህያባት ዘተባብዐ መንፈስ እንታይ ነበረ: እዚኸ ኣብ ግዜና ብኸመይ ምውዓለ?
11 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝርአ ጻዕርታት ልክዕ ምስቲ ጥንታውያን እስራኤል ንምህናጽ እቲ ማሕደር ዝኸውን ህያባት ክልግሱ ምስ ተደልዩ ዝነበረ መንፈስ ክሰማማዕ ኢና እንደሊ። ዘጸኣት 35:21 ከምዚ ይንበብ “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ: ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ . . . ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ።” ካብ ደገ ተገዲዶም ዘይኰኑስ ካብ ውሽጢ: ካብ ልቢ ኢዮም ተደፋፊኦም። ብሓቂ: ብእብራይስጢ “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዘለዓዓሎ ” ከምዚ ዝበለ ህያባት ኣምጽአ ኢያ እትንበብ። (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ንሕናውን ካብዚ ብዝዓበየ: ብሓንሳብ ኣብ እተኣከብናሉ ዘበለ ንኣልባብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ንምልዕዓል ንጽዓር። መንፈስ የሆዋ ኸኣ ነቲ ዝተረፈ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።
‘ኣብ ነሓድሕድና ንተባባዕ’
12. (ሀ) ገለ ካብቲ ትርጉም ናይታ “ምትብባዕ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ ኢዩ? (ለ) ኣዕሩኽ እዮብ ካብ ምትብባዑ ዝሰነፉ ብኸመይ ኢዮም? (ሐ) ስለምንታይ ኢና ኣብ ንሓድሕድና ካብ ምፍርራድ ክንቍጠብ ዘሎና?
12 ጳውሎስ “ኣብ ንሓድሕድና ንተባባዕ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነታ ‘ምብርታዕ ምጽንናዕ’ እውን ክትርጐም እትኽእል ኣወዓዕላ ናይታ ፓ·ራ·ካ·ለʹኦ እትበሃል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰብዓ ሰገድ: ኣብቲ እዮብ ንሕዙናት ከም ዘጸናንዕ ተገሊጹሉ ዘሎ ማለት ኣብ እዮብ 29:25 ነዛ ቃል እዚኣ ተጠቒሙላ ኣሎ። ብኣንጻሩ እዮብ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፈተና ከሎ ከምዚ ዝበለ ምትብባዕ ኣይረኸበን። እቶም ሰለስተ “መጸናናዕቲ” እዮብ: ኣብ ምንቃፉን ኣብ ምዝራቡን ትሑዛት ብምንባሮም: ንዕኡ ክርድእዎ ወይ ክድንግጽሉ ኣይከኣሉን። ብሓቂ: ኣብ ኵሉ እቲ ዘስምዕዎ ዘረባ: ንእዮብ ሓንሳእ እኳ ትኹን ብስሙ ኣይጸውዕዎን። (ምስ እዮብ 33:1, 31 ኣነጻጽሮ።) ብርግጽ ከም ሰብ ዘይኰነስ ከም ጸገም ኢዮም ርእዮምዎ ዝነበሩ። እዮብ ካብ ጭንቀት እተላዕለ “ንስኻትኩም ከምዚ ኸማይ እንተ ት[ኾ]ኑስ” እንተበለ ዘገርም ኣይኰነን። (እዮብ 16:4) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ንሓደ ሰብ ከተተባብዖ እንተደኣ ደሊኻ ደንግጸሉ! ግን ኣይትፍረድ። ከምቲ ሮሜ 14:4 ዝብሎ “ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ[?] ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዝብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚአብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ: ደው ኪብል እዩ።”
13, 14. (ሀ) ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምእንቲ ከነጸናንዖም: ከነረድኦም ዘሎና መሰረታዊ ሓቂ እንታይ ኢዩ? (ለ) ዳንኤል ብሓደ መልኣኽ እተበራትዔ ብኸመይ ኢዩ?
13 ኣብ 2 ተሰሎንቄ 2:16, 17 ፓ·ራ·ካ·ለʹኦ ከምኡውን ምስኣ እተተሓሓዘት ናታ ስምን “ምጽንናዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ: “ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሀበና እግዚአብሄር ኣቦናን: ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጸናንዕን የበርትዕን።” ጳውሎስ ነቲ ናይ ልብና ምጽንናዕ ዝብል ሓሳብ ምስቲ የሆዋ የፍቅረና ኢዩ ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ኣተሓሒዝዎ ከም ዘሎ ኣስተብህል። ስለዚ ነቲ ኣገዳሲ ሓቂ እቲ ኣጽኒዕና ብምሓዝ ኣብ ንሓድሕድና ንተባባዕ ከምኡውን ንጸናናዕ።
14 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነብዪ ዳንኤል ዘፍርህ ራእይ ምስ ረኣየ ስለ እተረበሸ ከምዚ በለ:- “ሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒ: ሓይሊውን ኣይተረፈንን።” የሆዋ ሓደ ኣብ እተፈላለየ ግዜ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ኣዝዩ እተፈትወ’ ምኽዋኑ ዘዘኻኽሮ መልኣኽ ሰደደሉ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ? ዳንኤል ነቲ መልኣኽ:- “ኣበርቲዕካኒ ኢኻ” በሎ።—ዳንኤል 10:8, 11, 19
15. ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣብ መንጐ ምንኣድን ምእራምን ሚዛናውያን ዝኾኑ ብኸመይ ኢዮም?
15 ኣብዚ ኸኣ ካልእ ንኻልኦት ከነጸናንዓሉ እንኽእል መገዲ እንሆ። ንኣዶም! ናብ ምንቃፍን ተሪር መንፈስ ምርኣይን ክንዝንብል ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ብፍላይ ብሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ዝውሃብ መኣረምታ ዘድልየሉ ግዜ ከም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ክንዲ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ዝህልዎም በቲ ልቢ ዘምውቕ ምትብባዕ ክዝከሩ ሰናይ ኢዩ።
16. (ሀ) ነቶም ጭንቀት ዘለዎም ከነተባብዖም ከሎና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ክገብሩ ምትብባዖም ጥራይ ኣኻሊ ዘይከውንስ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ኤልያስ ምስ ተጨነቐ የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝሓገዞ?
16 ብፍላይ ነቶም ምትብባዕ ዘድልዮም መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት: የሆዋ ከም ክርስትያናት ብጾት መጠን ምንጪ ናይ ሓገዝ ክንከውን ኢዩ ዝጽበየና—ብፍላይ እኳ ሽማግለታት እንተድኣ ኴንና። (ምሳሌ 21:13) እንታይ ክንገብር ንኽእል? እቲ መልሲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ዕየዩ ኢልካ ከም ምዝራብ ቐሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ከምኡ ምባል እቲ ጭንቀቶም ግቡኦም ካብ ዘይምግባር እተላዕለ ኢዩ ማለት ክኸውን ይኽእል። ኵሉ ግዜ ግን እቲ ኵነታት ከምኡ ኣይኰነን። ሓደ ግዜ ነብዪ ኤልያስ ኣብ ዓሚቍ ጭንቀት ብምንባሩ ክመውት ተመነየ፣ ይኹን እምበር እዚ ገና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣዝዩ ትሑዝ ከሎ ኢዩ ከምኡ ተሰሚዕዎ። የሆዋኸ ብኸመይ ሓገዞ? ጠቓሚ ሓገዝ ንኽህቦ ኢሉ ሓደ መልኣኽ ለኣኸ። ኤልያስ ከምቶም ዝሞቱ ኣባሓጎታቱ ዋጋ–ኣልቦ ምኽዋኑ ከም እተሰምዖ: ዕዮኡ ከንቱ ምኽዋኑን በይኑ ምትራፉን ብምግላጽ ልቡ ንየሆዋ ከፈተ። የሆዋ ሰሚዕዎ ኢዩ: ብዘደንቕ መግለጺ ናይ ሓይሉን በይኑ ከም ዘይኰነን እቲ ዝጀመሮ ዕዮ ከም ዝፍጽሞን ብምርግጋጽ ድማ ኣጸናንዖ። የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝትክኦ እሞ ከለማምዶ ዘለዎ ብጻይ ከም ዝህቦ እውን ተመባጽዓሉ።—1 ነገስት 19:1-21
17. ሓደ ሽማግለ ንሓደ ንገዛእ ርእሱ እምብዛ ዝነቅፍ ሰብ ብኸመይ ክሕግዞ ምኽኣለ?
17 ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! ንሕናውን ብተመሳሳሊ ነቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ብስምዒት እተረበሹ ነተባብዓዮም። ጽን ኢልና ብምስማዕ ክንርድኦም ንፈትን። (ያእቆብ 1:19) ነቲ ውልቃዊ ድልየቶም ዝበቅዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምጽንናዕ ንሃቦም። (ምሳሌ 25:11፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14) ሽማግለታት ነቶም ንገዛእ ርእሶም እምብዛ ዝነቕፉ ሰባት ንምትብባዕ ብሕያውነት የሆዋ ከም ዘፍቅሮምን ዋጋ ከም ዝህቦምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም።a ነቶም ዋጋ–ኣልቦነት ዝስምዖም ብዛዕባ በጅነት ምዝራብ ንምትብባዖም ሓጋዚ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብገለ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ዝጕሂ ሰብ ብሓቂ እንተደኣ ተናሲሑን ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ተመሊሱን እቲ በጅነት ከም ዘጽርዮ ከተርእዮ የድሊ ይኸውን። —ኢሳይያስ 1:18
18. ትምህርቲ በጅነት ንሓደ ከም ብምግሳስ ዝኣመሰለ: ናይ ካልእ ሰብ ግዳይ ዝኾነ ሰብ ንምትብባዕ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ይግባእ?
18 ልክዕ ኢዩ ሓደ ሽማግለ ነቲ ትምህርቲ ብግቡእ ምእንቲ ክጥቀመሉ ነቲ ፍሉይ ጉዳይ ሓሳብ ይህበሉ ኢዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ንኹሉ ሓጢኣት ንምትዕራቕ ዘድሊ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት ጽላሎት ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 4:27, 28) ሓንቲ ግዳይ ናይ ምግሳስ ዝኾነት ሰብ ግን ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ተቕርብ ዝብል ኩነት ኣይነበረን። እቲ ሕጊ ክትቀጽዓ ኢልካ “ገለ ኣይትግበራ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። (ዘዳግም 22:25-27) ስለዚ ሎሚውን: ሓንቲ ሓብቲ ጽይፍትን ዋጋ ኣልቦን ምኽዋና ክሳዕ ዝስምዓ እንተደኣ ተሃስያን ተጋሲሳን: ካብቲ ሓጢኣት እቲ ንኽትነጽህ እቲ በጅነት የድልያ ምኽዋኑ ከተጋንነላስ ግቡእ ድዩ? ብርግጽ ኣይኰነን። ሓደጋ ስለ ዝወደቓ ኣይሓጥአትን። እቲ ብሓይሊ እተጋሰሳ ኢዩ ሓጢኡን ምንጻህ ድማ ዘድልዮን። ይኹን እምበር: እቲ ብየሆዋን ብክርስቶስን በጅነት ኣብ ምሃብ: እተራእየ ፍቕሪ ንሳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክብርትን ፍቕርትን ከም ዝኾነት ድኣ እምበር ብሰንኪ ናይ ካልእ ሰብ ሓጢኣት ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ርኽስቲ ከም ዘይኰነት ንምርግጋጽ ዝጠቅም ኢዩ።—ምስ ማርቆስ 7:18-23፣ 1 ዮሃንስ 4:16
19. ኵሉ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንገብሮ ሕብረት ከተባብዓና ኢዩ ኢልና ክንጽበ ዘይብልናስ ስለምንታይ ኢዩ: ይኹን እምበር: ውሳኔና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ?
19 እወ: ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ህይወት ዝኾነ ይኹን ኩነታት ይሃልዎ: ዘሳቒ ኩነታት ነቲ ዝሓለፈ ግዜኡ ክሳዕ ክንደይ ዘጸልመቶ እውን ይኹን ብዘየገድስ: ኣብ ጉባኤ ህዝቢ የሆዋ ምትብባዕ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ከምኡውን ኣብ እተኣከብናሉ እዋን በብውልቅና ኣብ ንሓድሕድና ከነስተብህል: ኣብ ንሓድሕድና ክንነቓቓሕ: ኣብ ንሓድሕድና ክንተባባዕ እንተደኣ ጽዒርና ምትብባዕ ኪረክብ ኢዩ። ዘይፍጹማት ብምኽዋንና ግን ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ንምግባር ንሰንፍ ኢና። ብተደጋጋሚ ነንሓድሕድና ምኵርራይ ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ምትሕርራቕ ዘይተርፍ ኢዩ። በዚ ዝመጸ ኣብቲ ጕድለታት ናይ ካልኦት ከይነተኵር ንጽዓር። ኣብ ናይ ካልኦት ጕድለታት እንተደኣ ኣተኲርካ: ነታ ጉባኤ እምብዛ ነቓፊ ትኸውን: አረ ኣብቲ ጳውሎስ ምእንቲ ከነወግዶ ክሕግዘና ዝምነዮ ዝነበረ: ኣኼባ ናይ ምሕዳግ መጻወድያውን ከይተረፈ ትወድቕ ትኸውን። ከምዝስ ኣይኹን ደኣ! እዚ ኣረጊት ኣገባብ ካብ ቅድም ብዝያዳ ሓደገኛን ጸቓጥን እናኾነ ብዝኸደ መጠን—መዓልቲ የሆዋ ትቐርብ ከም ዘላ ኣጸቢቕና ንርኢ ስለ ዘሎና—ኣብቲ ኣኼባታት ዘሎና ሕብረት ሃናጺ ምእንቲ ክንገብሮ ዝከኣለና ንምግባር ጽኑዓት ንኹን!
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሓደ ሽማግለ ምስ ሓደ ከምዚ ዝበለ ውልቀ ሰብ ዘተባብዕ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከጽንዕ ክመርጽ ይኽእል ኢዩ—ንኣብነት: “ካብቲ ዘይግብኣካ ሕያውነት ክትጥቀም ዲኻ?” ከምኡውን “ኣብቲ ኣንጻር መንፈስ ጭንቀት ዝግበር ቃልሲ ምዕዋት”—ግምቢ ዘብዐኛ 15 ለካቲት ከምኡውን 1 መጋቢት 1990።
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣኼባታትናን ሕብረትናን መተባብዒ ክኸውን ኣድላዪ ዝኾነስ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ኣብ ንሓድሕድና ምስትብሃል ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?
◻ ንሓድሕድና ምንቕቓሕ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?
◻ ንሓድሕድና ምትብባዕ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ?
◻ እቶም እተጨነቑን እተደቍሱን ብኸመይ ምተተባብዑ?
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ተቐባል ጋሻ ምኽዋን ኣብ ንሓድሕድና ብዝበለጸ ኽንፋለጥ ይሕግዘና ኢዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኤልያስ ምስ ተጨነቐ: የሆዋ ብሕያውነት ኣጸናኒዕዎ ኢዩ