ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ
“ብርሃን ንጻድቃን: ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።”—መዝሙር 97:11
1. ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝመስልዎም ብኸመይ ኢዮም?
ከም ሓቀኛታት ክርስትያን መጠን: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ነቲ ናይ መዝሙር 97:11 ቃላት እነማስወሉ! ብተደጋጋሚ ‘ብርሃን ተዘሪኡልና’ ኢዩ። ብሓቂ: ገሌና ንዓሰርተታት ዓመታት ናይ የሆዋ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ርኢና ኢና። ብምሉኡ እዚ ንምሳሌ 4:18 ኢዩ ዘዘኻኽረና: ከምዚ ኸኣ ይንበብ:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።” ንሕና መሰኻኽር የሆዋ: ኣብ ክንዲ ንባህሊ ሰብ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዋጋ ብምሃብና ነቶም ጥንታውያን ክርስትያናት ኢና እንመስል። ኣረኣእያኦም ከመይ ከም ዝነበረ ካብቲ ብመለኮታዊ መሪሕነት እተጻሕፈ ታሪኻዊ መጻሕፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋትን መልእኽትታትን ክርአ ይከኣል ኢዩ።
2. ሰዓብቲ የሱስ ካብ መንጐ እቶም እተቐበልዎም ናይ መጀመርታ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ እንታይ ኢዮም ነይሮም?
2 እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ካብ መንጐ እቲ እተቐበልዎ ናይ መጀመርያ ናይ ብርሃን ነጸብራቓት ብዛዕባ እቲ መሲህ ኢዩ ነይሩ። እንድርያስ ንሓዉ ስምኦን ጴጥሮስ “ንመሲህ ረኺብናዮ” በሎ። (ዮሃንስ 1:41) ድሕሪ ገለ ግዜ: ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ:” ክብል ከሎ: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንጴጥሮስ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘንጸባርቕ ምስክርነት ንኽህብ ኣኽኢልዎ ኢዩ።—ማቴዎስ 16:16, 17፣ ዮሃንስ 6:68, 69
ነቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ዝምልከት ብርሃን
3, 4. የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ: ንሰዓብቱ ብዛዕባ መጻኢ ዕዮኦም ዝምልከት እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝሃቦም?
3 የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤኡ: ኵሎም ሰዓብቱ ክገብርዎ ዘለዎም ግዴታ ዝምልከት ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ሂቡ ኢዩ። “ስለዚ ኺዱ: ን[ኹ]ሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዝበሎም: ነቶም ኣብ ገሊላ ተኣኪቦም ዝነበሩ 500 ደቀ መዛሙርቲ ክኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 15:6) ካብዚ ንደሓር: ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ሰበኽቲ ክኾኑ ነበሮም: ናይ ስብከት ዕዮኦም ድማ ኣብተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ጥራይ ክሕጸር ኣይነበሮን። (ማቴዎስ 10:6) ከምኡውን ከምቲ ናይ ሓጢኣት ይቕሬታ ንምርካብ ንምልክት ነስሓ ዝነበረ ጥምቀት ዮሃንስ ኣይኰኑን ክገብሩ ዝነበሮም። ኣብ ክንዳኡ: “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ኢዮም ከጠምቑ ነይርዎም።
4 የሱስ ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ: እቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ “ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ[?]” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ነቲ ሕቶ እቲ ኣብ ክንዲ ዝምልሽ: ብዛዕባ እቲ ናይ ስብከት ተልእኾኦም ዝምልከት “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ተወሳኺ መምርሒ ሃቦም። ክሳዕ ሽዑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነይሮም: ካብታ ግዜ እቲኣ ግን ናይ ክርስቶስ መሰኻኽር እውን ኢዮም ክኾኑ።.—ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8
5, 6. ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዮም እተቐበሉ?
5 ድሕሪ ዓሰርተ መዓልትታት: ሰዓብቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ድሙቕ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኰን ኢዮም እተቐበሉ! ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ: ንመጀመርታ ግዜ: ንትርጕም ናይ ዮኤል 2:28, 29 ብምሉኡ ተረድእዎ። “ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ [ኹ]ሉ ስጋ ክ[ኹ]ዑ እየ: ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ: ኣረገውትኹም ሕልሚ ኺሐልሙ: ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክ[ኹ]ዑ እየ።” ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መንፈስ ቅዱስ ከም እተቖራረጸ ልሳን ሓዊ መሲሉ ኣብ ርእሲ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ—120 ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን—ክወርድ ከሎ ርእዮምዎ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:12-15፣ 2:1-4
6 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ መጀመርያ እቲ ቃላት ናይ መዝሙር 16:10 እውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝውዕል ተረድእዎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን: ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ።” እቶም ደቀ መዛሙርቲ: መቓብር ናይ ንጉስ ዳዊት ክሳዕ ሽዑ ኣብ ማእከሎም ስለ ዝነበረ: እዞም ቃላት እዚኣቶም ንዕኡ ከመልክቱ ከም ዘይክእሉ ተረዲኦምዎ ነበሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ካብቶም ነቲ ኣዝዩ ዘእምን ሓድሽ እተገልጸ ብርሃን ዝሰምዑ ዳርጋ 3,000 ዝኾኑ ሰባት እንተ ተጠመቑስ: ዘገርም ኣይኰነን!—ግብሪ ሃዋርያት 2:14-41
7. ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ሮማዊ ሓለቓ ሰራዊት ቀርኔሌዎስ ክበጽሖ ከሎ እንታይ ድሙቕ ብርሃን ኢዩ እተቐበለ?
7 እስራኤላውያን: ንብዙሕ ዘበናት ዝኣክል ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባኦም ዝበሎ ኣስተማቒሮሞ ኢዮም:- “ኣነ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም።” (ኣሞጽ 3:2) ስለዚ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ናብ ቤት ሓለቓ ሰራዊት ናይ ሮሜ: ቀርኔሌዎስ: ዘሰነይዎን: ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይተገዝሩ ኣመንቲ ኣህዛብ ንመጀመርታ ግዜ መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ከሎ እተቐበልዎ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ብሓቂ ድሙቕ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ እተዋህበሉ ግዜ ኣብዚ እዋን እዚ ጥራይ ብምንባሩ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። ከምኡ ድማ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተ ዘይከውን: ጴጥሮስ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ንጥምቀት ብቑዓት ምንባሮም ኣይምፈለጠን ነይሩ። ጴጥሮስ ንትርጉም ናይዚ ተርእዮ እዚ ብምርዳእ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ: ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ[?]” ብርግጽ: ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዋላ ሓደ እኳ ብልክዕ ክቃወም ዝኽእል ስለ ዘይነበረ: ናይቶም ኣህዛብ ናይ ጥምቀት ስነ ስርዓት ተፈጸመ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:44-48፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 8:14-17 ኣነጻጽሮ።
ድሕሪ ደጊም ግዝረት የሎን
8. ገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ናይ ግዝረት ልምዲ ከርሕቑ ጸገም ኰይኑ ዝረኸብዎ ስለምንታይ ኢዮም?
8 ምስ ሕቶ ናይ ግዝረት እተተሓሓዘ ተወሳኺ ድሙቕ ነጸብራቕ ናይ ሓቂ ተራእየ። እዚ ናይ ግዝረት ልምዲ እዚ ምስቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ኪዳን ብምትሕሓዝ ብ1919 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ: ንሱን ኣብ ቤቱ ዝርከቡ ኵሎም ተባዕትዮን ክግዘሩ ንኣብርሃም ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 17:9-14, 23-27) ስለዚ ግዝረት መለለዪ ምልክት ናይ ዘርኢ ኣብርሃም ኰነ። ነዚ ልማድ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዝሕበንሉ ነይሮም! ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ “ዘይግዙር“ መግለጺ ናይ ጽያፍ ኰነ። (ኢሳይያስ 52:1፣ 1 ሳሙኤል 17:26, 27) እምበኣር ገለ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ኣይሁድ ክርስትያን ነዚ ምልክት እዚ ስለምንታይ ክሕልውዎ ከም ዝደለዩ ንምርድኡ ቀሊል ኢዩ። ገለ ካብኣቶም እኳ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ጳውሎስን ባርናባስን ተኻራኺሮም ኢዮም። ጳውሎስን ካልኦትን ነዚ ጕዳይ እዚ ንምህዳእ ነቲ ናይ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ኣካል ንምውካስ ናብ የሩሳሌም ከዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2
9. ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ዘሎ: ነቲ ናይ መጀመርያ ክፍለ ዘበን ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዩ እተገልጸሉ?
9 ኣብዚ ግዜዚ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ግዝረት ንኣገልገልቲ የሆዋ ከም ዘየድሊ ዝገልጽ ብርሃን ብርኡይ ተኣምራት ኣይኰኑን እተቐበሉዎ። ኣብ ክንዳኡ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብምምርማርን: ኣብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምውካልን: ከምኡውን ነቲ ምልዋጥ ናይ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝምልከት ተመኩሮታት ናይ ጳውሎስን ጴጥሮስን ብምስማዕ ኢዮም: ነቲ ተወሳኺ ብርሃን እተቐበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:6-21) እቲ ውሳኔ ብደብዳበ ኢዩ ተላኢኹ: ብኸፊል ከኣ ከምዚ ይንበብ:- “ብዘይ እቲ እተገብኤ: ማለት፤ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን: ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር: ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም: ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ስለዚ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ትእዛዝ ናይ ግዝረትን ካልእ ሕጊ ሙሴ ዝደልዮ ነገራትን ናጻ ኰኑ። በዚ ኸኣ ኢዩ: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ክብሎም ዝኸኣለ:- “ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ: ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ።”—ገላትያ 5:1
ኣብ ወንጌላት ዝነበረ ብርሃን
10. ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተገሊጹ ካብ ዘሎ ገለ ገለ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ እንታይ ኢዩ?
10 እታ ብ41 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢላ እተጻሕፈት ወንጌል ናይ ማቴዎስ: ንጥቕሚ ኣንበብታ ዝኸውን ብዙሕ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ከም ዝሓዘት ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብተዛማዲ ሒደት ዝኾኑ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያናት የሱስ ንትምህርትታቱ ከብርሆ ከሎ ብኣካል ሰሚዖምዎ ኢዮም። ብፍላይ: ወንጌል ማቴዎስ: ኣርእስቲ ናይ የሱስ ስብከት እታ መንግስቲ ከም ዝነበረት ኣጕሊሓ ኢያ። የሱስ ብዛዕባ ቅኑዕ ድራኸ ምህላው ኣድላይነቱ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝጸቐጠሉ! ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ: ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታታቱ (ከም በዓል እቲ ኣብ ምዕራፍ 13 ተመዝጊቡ ዘሎ): ከምኡውን ኣብ ምዕራፋት 24ን 25ን ዘሎ ዓቢ ትንቢቱ: ከመይ ዝበለ ነጸብራቕ ናይ ብርሃን ኰን ኢዩ ዝነበረ! እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ካብቲ እተጻሕፈሉ ዳርጋ ሾሞንተ ዓመታት ጸኒሖም ኢዮም ነዚ ኹሉ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ጸብጻብ ዘቕለብሉ።
11. ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይ ወንጌል ሉቃስን ማርቆስከ እንታይ ክበሃል ይከኣል?
11 ዳርጋ 15 ዓመታት ጸኒሑ: ሉቃስ ነታ ወንጌሉ ጸሓፋ። ሽሕኳ ዝበዝሕ ምስቲ ጸብጻብ ናይ ማቴዎስ ዝመሳሰል እንተኾነ: 59 ካብ ሚእቲ ግን ተወሳኺ ኢዩ። ሉቃስ ሹድሽተ ተኣምራታት የሱስን ልዕሊ ዕጽፊ ዝኸውን ብኻልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ዘይተጠቕሰ ምሳሌታትን መዝጊቡ ኣሎ። ቕሩብ ዓመታት ጸኒሑ: ማርቆስ ነታ ወንጌሉ የሱስ ክርስቶስ ስጕምቲ ዝወስድ ሰብኣይ: ገባር ተኣምራት ምንባሩ: እተጕልሕ ገይሩ ጸሓፋ። ማርቆስ ሽሕኳ እቲ ኣቐዲሙ ብማቴዎስን ሉቃስን እተመዝገበ ፍጻመታት እንተጸሓፈ: ንሳቶም ዘይጸሓፍዋ ሓንቲ ምሳልያዊት ዛንታ መዝጊቡ ኣሎ። የሱስ ኣብታ ምሳሌ እቲኣ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓንቲ በብደረጃኡ: እትጥጥዕ: እትዓቢ: ከምኡውን ፍረ እትህብ ዘርኢ ኣመሳሲልዋ ኣሎ።a—ማርቆስ 4:26-29
12. ናይ ዮሃንስ ወንጌል ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ተወሳኺ ብርሃን ዝሃበ?
12 ድሕሪ ማርቆስ ነታ ወንጌሉ ምጽሓፉ: ድሕርዚ ልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒሓ ወንጌል ዮሃንስ ተጻሕፈት። ዮሃንስ ብፍላይ በቲ የሱስ ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ዝገልጽ ሓበሬታታት ገይሩ: ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ከመይ ዝበለ ዋሕዚ ናይ ብርሃን ኰን ኢዩ ዝወሰኸ! ዮሃንስ ጥራይ ኢዩ: ጸብጻብ ናይ ትንሳኤ ኣልኣዛር ዝሃበ: ከምኡውን ንሱ ጥራይ ኢዩ ከምቲ ካብ ምዕራፍ 13 ክሳዕ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ብዙሕ ሰናይ ርእይቶታትን ኣብታ እተኻሕደላ ለይቲ ዘቕረቦ ልቢ ዘምውቕ ጸሎትን ዝነግረና። ብሓቂ እኳ: 92 ካብ ሚእቲ ናይ ዮሃንስ ወንጌል ፍሉይ ኢዩ ዝበሃል።
ኣብ መልእኽትታት ጳውሎስ ዝርከብ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ
13. ገለ ሰባት ንመልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ወንጌል ከም ዝኾነት ገይሮም ዝሓስብዋስ ስለምንታይ ኢዮም?
13 ነቶም ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበሩ ክርስትያናት ድሙቕ ነጸብራቕ ናይ ሓቂ ዘምጽእ ዝነበረ ብፍላይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ነይሩ። ብመጀመርታ እቲ ብ56 ከ.ኣ.ዘ.—ዳርጋ ኣብቲ ሉቃስ ንወንጌሉ ዝጸሓፈሉ ግዜ— እተጻሕፈ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣሎ። ኣብዚ መልእኽቲ እዚ ጳውሎስ: ጽድቂ ብምኽንያት እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽን ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምግባርን ኢዩ ዝርከብ ዝብል ሓቂ ኢዩ ዘጕልሐ። ጳውሎስ ኣብቲ ከምዚ ዝበለ መዳይ ናይቲ ብስራት ምትኳሩ: ንገለ ሰባት ነታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ ሓሙሸይቲ ወንጌል ከም ዝኾነት ገይሮም ክርእይዋ ገይርዎም ኢዩ።
14-16. (ሀ) ጳውሎስ ኣብታ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝለኣኻ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ: ብዛዕባ ኣድላይነት ናይ ሕብረት እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝሃበ? (ለ) ቀዳማይ ቈረንቶስ ንጠባይ ዝምልከት እንታይ ተወሳኺ ብርሃን ኢያ ሒዛ ዘላ?
14 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘሸግሮም ዝነበረ ገለ ገለ ጕዳያት ጽሒፉ ኢዩ። እታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ክሳዕ እዚ ግዜና ንክርስትያናት ዝጠቅም መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ዝሓዘት ኢያ። ብመጀመርታ: ነቲ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ገለ ውልቀ ሰባት ዘተኵር ናይ ልዕልነት ኣምልኾ ብምግባሮም ዝፈጸምዎ ጌጋ ከፍልጦም ነይርዎ። “ኣሕዋተየ: ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር: ምፍልላይ ከይህልወኩም: እምዕደኩም አሎኹ” ኢሉ ብትብዓት ብምዝራብ እቲ ሃዋርያ ንኣተሓሳስባኦም ኣቕኒዕዎ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 1:10-15
15 ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ግሁድ ርኽሰት ክፍጸም ስቕ ኢልካ ይርአ ነይሩ ኢዩ። ‘ከምኡ ዝኣመሰለ ምንዝርና ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዘይነበረ’ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ ነበረ። ጳውሎስ ብግልጺ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።” (1 ቈረንቶስ 5:1, 11-13) ምውጋድ—ንሰብ ቈረንቶስ ሓድሽ ነገር ኢዩ ነይሩ። ካልእ ጉባኤ ቈረንቶስ ክትነቕሓሉ ዘድሊ ዝነበረ ኸኣ: ገለ ካብቶም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ነቲ ዝነበሮም ምግርጫዋት ከዐርዩ ኢሎም: ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ናብ ዓለማዊ ኣብያተ ፍርድታት ይወስድዎም ነበሩ። ከምዚ ብምግባሮም ጳውሎስ ኣምሪሩ ገኒሕዎም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 6:5-8
16 ገና ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ሃዊኽዋ ዝነበረ ጕዳይ ድማ ንጾታዊ ርክባት ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። ጾታዊ ርኽሰት ገኒኑ ብምንባሩ: ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 7: ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ክትህልዎ: ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ድማ ገዛእ ሰብኣያ ክህልዋ: ሰናይ ምዃኑ ገለጸ። ሽሕ’ኳ ንጽል ሰባት ንየሆዋ ከገልግልዎ ብዙሕ ዕንቅፋት ዘየጋጥሞም እንተኾነ: ኵሎም ግን ኣይኰኑን ውህበት ናይ ንጽል ምዃን ዝነበሮም። ከምኡውን ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ እንተደኣ ሞይቱ: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ደኣ ይኹን እምበር እንደገና ክትምርዖ ናጻ ኢያ።—1 ቈረንቶስ 7:39
17. ጳውሎስ ብዛዕባ ትምህርቲ ናይ ትንሳኤ እንታይ ተወሳኺ ብርሃን ኢዩ ዝሃበ?
17 ጐይታ ንጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ከመይ ዝበለ ነጸብራቕ ናይ ብርሃን ንኸብርህ ኰን ኢዩ እተጠቕመሉ! ቅቡኣት ክርስትያናት ብኸመይ ዝበለ ኣካል ኢዮም ክትንስኡ? ጳውሎስ “ስጋዊ ኣካል ይዝራእ: መንፈሳዊ ኣካል ይትንስእ” ኢሉ ጸሓፈ። ‘ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ስለ ዘይከኣሎ’ ስጋዊ ኣካል ንሰማይ ኣይከይድን ኢዩ። ጳውሎስ ወሲኹ: እቶም ቅቡኣት ኵሎም ሞይቶም ክጸንሑ ዘይኰነስ: ኣብ ግዜ ህላዌ ክርስቶስ ምስ ሞቱ ብቕጽበት ናብ ዘይሓልፍ ህይወት ኪትንስኡ ኢዮም ይብል።—1 ቈረንቶስ 15:43-53 ትሓዓ
18. እታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ እተላእከት ቀዳመይቲ ደብዳበ ናይ ጳውሎስ ንመጻኢ ዝምልከት እንታይ ብርሃን ኢያ ሒዛ ዘላ?
18 ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝለኣኻ መልእኽቱ ብዛዕባ መጻኢ ኢዩ ብርሃን ዝህብ ዝነበረ። መዓልቲ የሆዋ ከም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኢያ እትመጽእ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል እውን ገሊጹ ኢዩ:- “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።”—1 ተሰሎንቄ 5:2, 3
19, 20. ኣብታ ናብ ሰብ እብራውያን እተላእከት መልእኽቲ ናይ ጳውሎስ: እቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዮም እተቐበሉ?
19 ጳውሎስ ናብ ሰብ እብራውያን መልእኽቲ ብምጽሓፍ ከኣ: ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኣመሓላሊፍሎም ኢዩ። ነቲ ክርስትያናዊ ኣገባብ ናይ ኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ናይ ሙሴ ኣገባብ ኣምልኾ ዝነበሮ ጸብለልትነት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣነጺሩ ዝገለጸ! ክርስትያናት ኣብ ክንዲ ነቲ ብመላእኽቲ እተመሓላለፈ ሕጊ ዝስዕቡ: ኣብቲ ካብዞም ከምዚ ዝበሉ ናይ መላእኽቲ ልኡኻት ዝበለጸ: ወዲ ኣምላኽ: ንመጀመርታ ግዜ እተዛረቦ ድሕነት ኢዩ እምነት ዘለዎም። (እብራውያን 2:2-4) ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ ጊልያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ክርስቶስ ግና ኣብ ኵላ እታ ቤት ጐይታ ኢዩ። ክርስቶስ ካብቲ ናይ ኣሮን ክህነት ዝበልጽ: ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህን ኢዩ። ጳውሎስ እስራኤላውያን ብምኽንያት ጕድለት እምነትን ዘይምእዛዝን ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ከም ዘይከኣሉ: ክርስትያናት ግና ብምኽንያት እምንነቶምን ምእዛዞምን ናብ ዕረፍቲ ከም ዝኣትዉ ገለጸ።—እብራውያን 3:1–4:11
20 እምበኣር: እቲ ሓድሽ ኪዳን እውን ካብቲ ሕጊ ኪዳን ዝበለጸ ኢዩ። 600 ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ኤርምያስ 31:31-34: ብትንቢት ተነጊሩ ከም ዝነበረ: እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ኢዩ ዝጸሓፈሎም ከምኡውን ነቲ ናይ ሓቂ ይቅሬታ ናይ ሓጢኣቶም የስተማቕርዎ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ምእንታኡን ምእንቲ ህዝብን ዓመት ዓመት መስዋእቲ ከቕርብ ዘለዎ ካህን ዘድልዮም: ክርስትያናት ሓንሳእን ንሓዋሩን መስዋእቲ ሓጢኣት ዘቕረበ: ሊቀ ካህን የሱስ ክርስቶስ ኣለዎም። መስዋእቲ ከቕርብ ድማ ናብቲ ብኢድ እተሰርሐ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ክንዲ ዝኣቱ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክርአ ናብኣ ናብታ ሰማይ ኢዩ ዝኣተወ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ትሕቲ ናይ ሙሴ ሕጊ ኪዳን ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት: ንሓጢኣት ጨሪሱ ከርሕቖ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ: ከምኡ እንተዘይከውን ዓመት ዓመት ኣይምቐረበን ነይሩ። ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝቐረበ: መስዋእቲ ክርስቶስ ግና ንሓጢኣት የርሕቖ ኢዩ። እዚ ኹሉ: ኣብታ ሎሚ እቶም ቅቡኣት ተረፍን “ካልኦት ኣባጊዕን” ኣብቲ ኣጸዳ ኰይኖም ዘገልግሉላ ዘለዉ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ብርሃን ዘብርህ ኢዩ።—ዮሃንስ 10:16፣ እብራውያን 9:24-28
21. ብዛዕባ እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ፍጻሜ ናይ መዝሙር 97:11 ከምኡውን ምሳሌ 4:18 ኣብ ግዜ ሃዋርያት ብኸመይ ተገልጸ?
21 ኣብቲ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምኡውን ናይ ደቀ መዛሙርቲ ያእቆብን ይሁዳን መልእኽትታት: ከምዚ ዝበሉ ዝያዳ ኣብነታት ናይ ብርሃን ነጸብራቕ: ንምቕራብ ቦታ ኣይኣክልን ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ዘይተጠቕሰ ዘሎ: መዝሙር 97:11 ከምኡውን ምሳሌ 4:18 ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዘደንቕ ፍጻሜ ከም ዝነበሮ ንምግላጽ እኹል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ምስልን ጽላሎትን ዝነበረ ሓቂ ናብ ፍጻሜታትን ሓቅነታትን ክዓቢ ጀሚሩ ኢዩ።—ገላትያ 3:23-25፣ 4:21-26
22. ድሕሪ ሞት ናይ ሃዋርያት እንታይ ኢዩ እተፈጸመ: እዛ እትስዕብ ዓንቀጽከ እንታይ ክትገልጸልና ኢያ?
22 ድሕሪ ሞት የሱስን ምምጻእ ናይቲ ኣቐዲሙ ተነጊርሉ ዝነበረ ክሕደትን: እቲ ብርሃን ናይ ሓቂ ሃሲሱ ኢዩ ነይሩ። (2 ተሰሎንቄ 2:1-11) ይኹን እምበር: ምስቲ ናይ የሱስ መብጽዓ ብምስምማዕ ድሕሪ ብዙሕ ዘበናት እቲ ጐይታ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” “ንስድራ ቤቱ” መግቦም በብጊዜኡ ክህቦም ከሎ ረኸቦ። በዚ ኸኣ: የሱስ ክርስቶስ ነቲ ባርያ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ሸሞ። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ ) ከመይ ዝበለ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዩ ዝሰዓበ? እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክዝረበሉ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዚ እቲ መሬት ተባሂሉ ዘሎ: ነቲ እቲ ክርስትያን: ናይ ሰብኣዊ መንነት ባህርይ ዝኹስኵሰሉ ከባቢ ዘመልክት ኢዩ።—ናይ 15 ሰነ 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-19 ርአ።
ትዝክርዶ?
◻ ኣየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኢዩ ምርዳእ ናይ ሓቂ እናዓበየ ዝኸይድ ምዃኑ ዘርኢ?
◻ ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ እንታይ ኢዩ?
◻ ኣብ ወንጌላት እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝርከብ?
◻ ናይ ጳውሎስ መልእኽትታት ከመይ ዝበለ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዩ ሒዙ ዘሎ?