ዝዓበየን ዝነኣሰን ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ክፍሊ ሓደ
“መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ። ”—ምሳሌ 4:18
1. እቲ ሓቂ በብቑሩብ እተገልጸ ስለምንታይ ኢዩ?
ምስ ምሳሌ 4:18 ብምስምማዕ: እቲ መንፈሳዊ ሓቅታት ብናይ ብርሃን ነጸብራቕ ገይሩ በብቑሩብ ክግለጽ ምኽኣሉ: መረጋገጺ ናይ መለኮታዊ ጥበብ ኢዩ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ግዜ ሃዋርያት ከመይ ኢላ ከም እተፈጸመት ርኢና ኢና። እቲ ዝዓበየ ክፍሊ ናይ መንፈሳዊ ሓቂ ብምሉኡ ብሓንሳብ እንተ ዝግለጽ ነይሩ: ልክዕ ከምቲ ካብ ሓደ ጸልማት በዓቲ ናብ ሓደ ድሙቕ ናይ ጸሓይ ብርሃን ክትወጽእ ከሎኻ ዘጋጥም: ዝደጕሕን ዘደናግርን ምኾነ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: በብቑሩብ እተገልጸ ሓቂ: ንእምነት ናይ ክርስትያናት ብቐጻሊ ዘበርትዕ ኢዩ። ነቲ ተስፋኦም ዝያዳ የድምቖ ነቲ ዝኸድሉ መገዲ ኸኣ ዝያዳ የጽርዮ።
‘እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’
2. የሱስ ንሰዓብቱ መንፈሳዊ ብርሃን ንምምጻእ ንመን ክጥቀም ምዃኑ ኢዩ ዝሓበረ: እቲ መሳርያ እቲኸ ብመን ዝቖመ ኢዩ?
2 የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ግዜ ሃዋርያት ንሰዓብቱ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ንምሃብ ልዕለ–ባህርያዊ መገዲ ክጥቀም ኢዩ መሪጹ። ናይዚ: ክልተ ኣብነታት ኣሎና:- ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ብ36 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ምልዋጥ ናይ ቀርኔሌዎስ። ቀጺሉ: ከምቲ ኣቐዲሙ ኢልዎ ዝነበረ: ክርስቶስ ሰብኣዊ ወኪል ክጥቀም እውን መሪጹ ኢዩ። “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ [እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ትሓዓ ] መን ኰን እዩ[?] ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ: ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 24:45-47) እዚ ባርያ እዚ ካብታ ኣብ ጴንጠቆስጠ ዝጀመረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ጐይታ: የሱስ ክርስቶስ: ክጸባጸብ ዝመጸሉ ግዜ መንፈሳዊ መግቢ ክህብ ስለ ዝነበሮ ሓደ ብሕታዊ ሰብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ሓቅታት እዚ: እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ከም ጕጅለ መጠን ኣብ ዝኾነ ግዜ ንዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ዘቖመ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።
3. ካብ መንጐ እቶም ናይ መጀመርታ ኣባላት ናይቲ ክፍሊ ባርያ ዝነበሩ መን ኢዮም?
3 ምስቶም ናይ መጀመርታ ኣባላት ክፍሊ ናይቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዝጠቓለሉ መነ መን ኢዮም? ሓደ ካብኦም ነቲ “ኣባጊዔይ ኣብልዕ” ዝብል ትእዛዝ የሱስ ዘቕለበሉ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 21:17) ካልኦት ናይ መጀመርያ ኣባላት ክፍሊ እቲ ባርያ ድማ: ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ወንጌል ዝጸሓፈ ማቴዎስ ከምኡውን ነተን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መልእኽትታት ዝጸሓፉ: ጳውሎስ: ያእቆብን ይሁዳን ኢዮም ነይሮም። ሃዋርያ ዮሃንስ እቲ ንመጽሓፍ ራእይ: ንወንጌሉ: ከምኡውን ንመልእኽትታቱ ዝመዝገበ: እውን ክፍሊ ኣባል ናይቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኢዩ ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስቲ ናይ የሱስ ትእዛዝ ብምስምማዕ ኢዮም ጽሒፎም።
4. እቶም ‘ስድራ ቤት’ ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም?
4 ኵሎም እዞም ቅቡኣት ከም ጕጅለ መጠን: ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ: ኣባላት ክፍሊ ናይቲ ባርያ እንተደኣ ኰይኖም እምበኣር እቶም “ስድራ ቤቱ” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም? ንሳቶምውን እቶም ቅቡኣት ኰይኖም ግን ብፍልይ ዝበለ ኣመለኻኽታ—ከም ውልቀ ሰባት—ክረኣዩ ከለዉ ኢዮም። እወ: ከም ውልቀ ሰባት መጠን ካብቲ መንፈሳዊ መግቢ ብምክፋል ‘ስድራ ቤት’ ይኾኑ: ነቲ መንፈሳዊ መግቢ ብምዕዳል ድማ ክፍሊ ናይቲ “ባርያ” ይኾኑ። ንመረድኢ:- ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:15, 16 ተመዝጊቡ ዘሎ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብቲ መልእኽትታት ናይ ጳውሎስ ይጠቅስ ኢዩ። ጴጥሮስ ነቲ መልእኽትታት ከንብቦ ኸሎ: ሓደ ካብቶም ነቲ ክፍሊ ባርያ ብምውካል ብጳውሎስ እተዋህበ መንፈሳዊ መግቢ ዝምገቡ ስድራ ቤት ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ።
5. (ሀ) ድሕሪ ሃዋርያት ኣብ ዝነበረ ዘበናት እቲ ባርያ እንታይ ኰነ? (ለ) ኣብ መወዳእታ መፋርቕ ናይ መበል 19 ክፍለ ዘበን እንታይ ምዕባሌታት ኢዩ እተፈጸመ?
5 ነዚ ብዝምልከት: እታ ሽሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ናይ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ብኸመይ ይነብርን ይዓይን ከም ዝነበረ ንጹር ዝኾነ ታሪኻዊ መዝገብ የብልናን። ሓደ ወለዶ ናይቲ ክፍሊ ‘ባርያ’ ነቲ ዝስዕብ ወለዶ ከም ዝመገቦ ግን ብሩህ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:2) ይኹን እምበር ኣብዚ መወዳእታ መፋርቕ ናይ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘበን ነቲ መንፈሳዊ መግቢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘፍቅሩን ካብኡ ክምገቡ ዝደልዩን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰባት ነይሮም ኢዮም . . . ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ጕጅለታት . . . ቈይመን ነበራ ከምኡውን እቲ ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መሰረታዊ ሓቅታት: ዝነበሮም ምርዳእ ወሲኹ ነበረ። ካብዞም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም እቶም ቅኑዓትን ስስዐ ዘይነበሮምን ሰባት ነዚ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ መንፈሳዊ መግቢ ንኻልኦት ከማቕልዎ ህንጡያት ኢዮም ነይሮም። እቲ እሙን መንፈስ ናይቲ ን‘ስድራ ቤቱ’ ‘ምግቦም በብጊዜኡ’ ክህቦም እተመዘዘ ‘ባርያ’ ነይርዎም ኢዩ። ሽዑ እቲ ልክዕን ቅኑዕን ግዜ ምንባሩን ነቲ ምግቢ ንምድላው እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ከም ዝነበረን ንምስትብሃል ‘ኣስተውዓልቲ’ ኢዮም ነይሮም። ነቲ ምግቢ ንኸዳልውዎ ጽዒሮም ኢዮም።”—ገጽ 344-5a
ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ናይ መጀመርታ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ
6. ምስቲ በብቕሩብ ምግላጽ ናይ ሓቂ እተተሓሓዘ እንታይ ሓቅታት ኢዩ ጐሊሑ ዝርአ?
6 ምስቶም የሆዋ ነቲ ቀስ እናበለ ዝውስኽ ዝነበረ መንፈሳዊ ብርሃን ንምምጻእ እተጠቕመሎም ሰባት ብምትሕሓዝ ዝርአ ሓደ ጕሉሕ ሓቂ: ናይ ገዛእ ርእሶም ክብሪ ዘይምድላዮም ኢዩ ነይሩ። ሲ. ቲ. ራስል: እቲ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ጐይታ ነቲ ተራ ክእለቶም ክጥቀመሉ ሕጉስ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። ሓው ራስል: ነቲ ጻላእቱ ዝበዝሐ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቅጽል ኣስማት ኣመልኪቱ “ራስላውያን” ዝበሃሉ ከም ዘይረኸበ ከምኡውን “ራስላውነት” ዝበሃል ነገር ከምዘየሎ ኣፍሊጡ ኢዩ። ኵሉ ክብሪ ንኣምላኽ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ።
7. ሓው ራስልን መተዓይይቱን ምስቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ከም ዝኾኑ ዘርኢ እንታይ መረጋገጺ ኢዮም ዝሃቡ?
7 ነቲ ፍረታት ብምርኣይ: ንጻዕርታት ሓው ራስልን መተዓይይቱን ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ይመርሖ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ንሳቶም ምስቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምዃኖም መረጋገጺ ሂቦም ኢዮም። ሽሕ’ኳ በቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ: ንመጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ከምኡውን የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምንባሩ ዝኣምኑ እንተነበሩ: ነቲ ከም በዓል ስላሴ: ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን: ዘለኣለማዊ ስቓይ: ዝኣመሰለ ባቢሎናዊ ሰረተ–እምነታት ደጊፎም ኢዮም። ምስቲ መብጽዓ ናይ የሱስ ብምስምማዕ: ብደገፍ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ እቲ ትሕትና ዘለዎ ጻዕሪ ናይ ሓው ራስልን መተዓይይቱን ንሓቂ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ከም ዝበርህ ዝገበሮ። (ዮሃንስ 16:13) እዞም ቅቡኣት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ብርግጽ ክፍሊ ናይቲ መዝነቱ ንስድራ ቤት ጐይታኡ መንፈሳዊ መግቢ ምሃብ ዝኾነ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምዃኖም መረጋገጺ ሂቦም ኢዮም። ጻዕሮም ኣብ ምእካብ ናይቶም ቅቡኣት ሰባት ዓቢ ግደ ነይርዎ ኢዩ።
8. ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ: መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ዝምልከት እንታይ መሰረታዊ ሓቅታት ኢዮም ብንጹር እተገንዘቡ?
8 ነዞም ናይ ቅድም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ክሳዕ ክንደይ ብናይ ብርሃን ነጸብራቕ ከም ዝጸገዎም ክትርእስ ኣገዳሲ ኢዩ። ገለ ካብኡ: ፈጣሪ ከም ዘሎን የሆዋ ዝብል ፍሉይ ስም ከም ዘለዎን ኣረጋጊጾም ኢዮም። (መዝሙር 83:18፣ ሮሜ 1:20) የሆዋ ኣርባዕተ ቀንዲ ባህርያት ማለት ሓይሊ: ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ፍቕሪ ከም ዘለዋኦ ተረድኡ። (ዘፍጥረት 17:1፣ ዘዳግም 32:4፣ ሮሜ 11:33፣ 1 ዮሃንስ 4:8) እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃልን ሓቅን ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ብተወሳኺ: የሱስ ክርስቶስ: ወዲ ኣምላኽ: ከም እተፈጥረን ህይወቱ ኸኣ ምእንቲ ኵሎም ደቅሰብ በጅነት ከም ዝሃበን ኣሚኖም ኢዮም። (ማቴዎስ 20:28፣ ቈሎሴ 1:15) መንፈስ ቅዱስ: ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ዘይኰነስ: መስለጢ ሓይሊ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ተረዲኦም ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:17
9. (ሀ) ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንተፈጥሮ ናይ ሰብን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዕድሎትን ዝምልከት እንታይ ሓቅታት ኢዮም ኣነጺሮም እተረድኡ? (ለ) ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ካልእ ሓቅታት ኢዩ ብንጹር ዝበርሃሎም?
9 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ዘይኰነስ እትመውት ነፍሲ ከም ዘላቶ ኣነጺሮም ተረድኡ። “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት” እምበር ዘለኣለማዊ ስቓይ ከም ዘይኰነ: መቃጸሊ ቦታ ዝበሃል ከኣ ከም ዘየሎ ኣስተውዓሉ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23፣ ዘፍጥረት 2:7፣ ህዝቅኤል 18:4) ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ናይ ፍልቀት ክልሰ–ሓሳብ ዘይጽሑፋዊ ጥራይ ዘይኰነስ ጨሪሱ ናይ ሓቂ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ተረድኡ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ን 2) መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ተስፋታት ማለት ሰማያዊ ተስፋ ነቶም ኣሰር ክርስቶስ ዝስዕቡ 144,000 ከምኡውን ገነታዊት ምድሪ ነቶም ብዙሕ ዝቍጽሮም “ዓቢ ጭፍራ” ናይቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም ዝህብ እውን ተረዲኦም ኢዮም። (ራእይ 7:9፣ 14:1፣ ዮሃንስ 10:16) እዞም ናይ ቅድም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ዝምህርኦ ዘይኰነስ: ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብርን ከም ዘይትቃጸልን ፈሊጦም ኢዮም። (መክብብ 1:4፣ ሉቃስ 23:43) ምምላስ ክርስቶስ ዘይርአ ከም ዝኸውንን ሽዑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ፍርዲ ከውርድን ምድራዊት ገነት ከምጽእን ምዃኑ ተረዲኦም ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ ሮሜ 8:19-21፣ 1 ጴጥሮስ 3:18
10. ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥምቀት: ንናይ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ፍልልይ ናይ መዓርግ: ከምኡውን ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝምልከት እንታይ ሓቂ ኢዮም እተረድኡ?
10 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥምቀት ንህጻናት ማይ ምንጻግ ዘይኰነስ: ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዘሎ ናይ የሱስ ትእዛዝ ብምስምማዕ: ነቶም ምስ ተማህሩ ዝኣመኑ ሰባት ኣብ ማይ ብምጥሓል ዝግበር ምዃኑ ተማሂሮም ኢዮም። ኣብ መንጐ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ሰባትን ዘሎ ናይ መዓርግ ምፍልላይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ከም ዘይብሉ ተረዲኦም ኢዮም። (ማቴዎስ 23:8-10) ብኣንጻሩ: ኵሎም ክርስትያናት ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ክኾኑ ኢዩ ዘለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ማለት ኒሳን 14 ጥራይ ክበዓል ከም ዘለዎ ቅኑዕ ምርዳእ ወሲዶምሉ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ፋስጋ ኣረማዊ በዓል ምዃኑ ተረዲኦም ኢዮም። ብተወሳኺ: እቶም ቅቡኣት: ኣምላኽ ንዕዮኦም ይድግፎ ከም ዝነበረ ምትእምማን ስለ ዝነበሮም ገንዘብ ኣይእክቡን ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 10:8) ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ክርስትያናት ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ተሰማሚዖም ክነብሩ ከም ዘለዎም ተረዲኦም ነበሩ: እዚ ኸኣ ነቲ ፍረ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምኹስኳስ ዘጠቓለለ ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23
ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ምውሳኽ
11. ብዛዕባ ናይ ክርስትያናት ተልእኾን ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዝምልከት እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝበርሀ?
11 ኣገልገልቲ የሆዋ ብፍላይ ካብ 1919 ኣትሒዞም በቲ ዝውስኽ ዝነበረ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ተባሪኾም ኢዮም። ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ካልኣይ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት: ቀንዲ ግዴታ ናይ ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ነቲ ንጉስን ነታ መንግስቱን ምእዋጅ: ምእዋጅ: ምእዋጅ:’ ምዃኑ ኣትሪሩ ክጸቕጠሉ ከሎስ ከመይ ዝበለ ድሙቕ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኰን ኢዩ ዘንጸባረቐ! ልክዕ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ኣብ ልዕሊ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ድሙቕ ብርሃን ኣንጸባረቐ። እዚ ትንቢት እዚ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ መዓልቲ ጐይታ ክፍጸም ዝነበሮ ደኣምበር: ከምቲ ቅድም ዝሕሰብ ዝነበረ ኣብቲ ዝመጽእ ሽሕ ዓመት ዝፍጸም ከም ዘይኰነ ተረድኡ። ኣብቲ ሽሕ ዓመት ኣሕዋት ክርስቶስ ኣይክሓሙን ኣይክእሰሩን እውን ኢዮም። ብዘይካ እዚ: ኣብቲ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት የሆዋ አምላኽ ደኣምበር የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን ዝፈርድ።—ማቴዎስ 25:31-46
12. ንኣርማጌዶን ዝምልከት እንታይ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዩ ዝነበረ?
12 ኣብ 1926 ድማ: ውግእ ኣርማጌዶን ከምቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ግዜ ዝሓስብዎ ዝነበሩ ማሕበራዊ ሰውራ ከም ዘይከውን: ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ንኹሎም ሰባት ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ክሳዕ ዝፈልጡዎ ሓይሉ ኣነጺሩ ዘርእየሉ ውግእ ምዃኑ በቲ ካልእ ድሙቕ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ተገልጸ።።—ራእይ 16:14-16፣ 19:17-21
ልደት—ኣረማዊ በዓል
13. (ሀ) ብዛዕባ በዓላት ናይ ልደትከ እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝበርሀ? (ለ) መዓልትታት ልደት ድሕሪኡ ፈጺሞም ዘይተባዕሉ ስለምንታይ ኢዮም? (እግረ ጽሑፍ ሓዊስካ።)
13 ድሕርዚ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ: ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ልደት ምብዓል ከም ዘቋርጹ ገበሮም። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ: ልደት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከቡ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ግዜ ዘኽብርዎ በዓል ኢዩ ነይሩ: ኣብ ብሩክሊን ክበዓል ከሎ ኸኣ ጽቡቕ ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ግዜ እቲ 25 ታሕሳስ ምብዓሉ ብሓቂ ኣረማዊ ከም ዝነበረ ከምኡውን ንኣረማውያን ንምቕያር ምእንቲ ክጥዕም ኢልካ በቶም ከሓድቲ ህዝበ ክርስትያን እተመርጸ ምዃኑ ምርዳእ ተረኽበ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብቲ ግዜ ምውላድ የሱስ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ እዋን ለይቲ ክግበር ዘይከኣል: ጓሶት ማሎም ኣብ በረኻ የብልዑ ስለ ዝነበሩ: የሱስ ኣብ ክረምቲ ክውለድ ከም ዘይክእል ተፈልጠ። (ሉቃስ 2:8) ኣብ ክንዳኡ: ቅዱሳት ጽሑፋት የሱስ ኣብ 1 ጥቅምቲ ኣቢሉ ከም እተወልደ ኢዮም ዝሕብሩ። ከምኡውን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም የሱስ ምስ ተወልደ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሎም ዝበጽሕዎ ሰብ ጥበብ ዝበሃሉ: ኣረማውያን ጠንቈልቲ ምንባሮም ተረድኡ።b
ሓድሽ ስም
14. ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ስም ንህዝቢ የሆዋ ብቑዕ ዘይነበረስ ስለምንታይ ኢዩ?
14 ኣብ 1931 ድሙቕ ነጸብራቕ ናይ ሓቂ ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብቑዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ገለጸሎም። ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብኻልኦት ዝወሃቦም ዝነበረ: ራስላውያን: ሽሓውያን: ከምኡውን “ሲኦል ሓዊ የሎን በሃልቲ:” ዝብል ሳጓታት ክቕበልዎ ከም ዘይክእሉ ተረድኡ።c ይኹን እምበር እቲ ባዕሎም ዝወሰድዎ: ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ዝብል ስምውን ንዕኦም ብልክዕ ከም ዘይውክሎም ተረድኡ። ንሳቶም ካብ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ኢዮም ነይሮም። ብዘይካ እዚ: ብዙሓት ካልኦት ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘራኽብ ነገራት ዘይብሎም ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃሩ ሰባት ነይሮም ኢዮም።
15. ኣብ 1931 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዝብል ስም ኢዮም እተቐበሉ እዚኸ ግቡእ ዝኾነ ስለምንታይ ኢዩ?
15 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ሓድሽ ስም ክህልዎም ዝኸኣለ? ግምቢ ዘብዐኛ ንዓመታት ዝኣክል ንስም የሆዋ ኣጕሊሑዎ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:10 ዝርከብ ስም ክቕበልዎ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ:- “ኣነ ኸም ዝ[ኾ]ንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትአምኑንሲ: ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: ይብል [የሆዋ ትሓዓ ]። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን: ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።”
ምርግጋጽ ሓቅነትን “ዓቢ ጭፍራን”
16. እቲ ናይ ምምላስ ትንቢታት ነቶም ናብ ጳለስጢና እተመልሱ ስጋውያን ኣይሁድ: ከመልክት ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ: ንመንከ ኢዩ ዘመልክት?
16 ኣብቲ ካልኣይ ጥራዝ ናይታ ብ1932 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመት ምርግጋጽ ሓቅነት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: እቲ ብኢሳይያስ: ኤርምያስ: ህዝቅኤል: ከምኡውን ብኻልኦት ነብያት እተመዝገበ ናይ ምምላስ ትንቢታት: (ከምቲ ሓደ ግዜ ዝሕሰብ ዝነበረ) ነቶም ከይኣመኑ ከምኡውን ፖለቲካዊ ድራኼታት እናሃለዎም ናብ ጳለስጢና እተመልሱ ስጋውያን ኣይሁድ የመልክት ከም ዘይነበረ ሓደ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ገለጸ። ኣብ ክንዳኡ: እዚ ናይ ምምላስ ትንቢታት እዚ: እቲ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: ንኡስ ፍጻሜ ዝነበሮ: እቲ ዝዓበየ ፍጻሜኡ መንፈሳውያን እስራኤል ሓራ ምስ ወጹን ምስ ተመልሱን ኣብቲ ክሳዕ ሎሚ ሓቀኛታት ኣገልገልቲ የሆዋ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ውጽኢታዊ ብልጽግና ዘለዎ መንፈሳዊ ገነት ብ1919 ዝጀመረ ኢዩ።
17, 18. (ሀ) ድሕሪ ገለ ግዜ: በቲ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ቀንዲ ዕላማ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኢዩ እተራእየ? (ለ) ኣብ 1935 ንራእይ 7:9-17 ዝምልከት ከመይ ዝበለ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኢዩ ዝበርሀ?
17 ድሕሪ ገለ ግዜ: ቀንዲ ዕላማ የሆዋ ንሰባት ምድሓን ዝብል ዘይኰነስ ንሓቅነት ናይ ሉዓላውነቱ ምርግጋጽ ምዃኑ እቲ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ገለጸ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: በጅነት ዘይኰነስ: እታ መንግስቲ ምዃና ተረድኡ: ከመይሲ ነቲ ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ሓቅነቱ እተረጋግጽ ንሳ ኢያ። ከመይ ዝበለ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኰን ኢዩ ዝነበረ! ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ቀንዲ ዘገድሶም ንሰማይ ምኻድ ኣይኰነን ነይሩ።
18 በቲ ብ1935: እተረኽበ ድሙቕ ነጸብራቕ ናይ ብርሃን: እቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 ተጠቒሶም ዘለዎ ዓቢ ጭፍራ ካልኣይ ደረጃ ናይ ሰማያዊ ክፍሊ ከም ዘይኰኑ በርሀ። እቶም ኣብተን ጥቕስታት ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት: ገለ ካብቶም ቅቡኣት ምሉእ እምነት ብዘይምርኣዮም ኣብ ክንዲ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝፋናት ዝቕመጡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ከም ዝበሉ ጌርካ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ይኹን እምበር ፍርቂ እሙን ምዃን ዝበሃል ነገር የሎን። ሓደ ሰብ እሙን ኢዩ ወይ ከኣ ኣይኰነን። ስለዚ እዚ ትንቢት እዚ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሕጂ ድማ ካብ ብዙሓት ህዝብታት ዝእከቡ ዘለዉ ብዙሕ ዝቍጽሮም ዓቢ ጭፍራ ዘመልክት ኢዩ። እዚኣቶም እቶም ኣብ ማቴዎስ 25:31-46 ዘለዉ “ኣባጊዕ” ከምኡውን ኣብ ዮሃንስ 10:16 ዘለዉ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢዮም።
መስቀል—ናይ ክርስትያን ምልክት ኣይኰነን
19, 20. መስቀል ምልክት ናይ ሓቀኛ ክርስትና ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ?
19 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሕ ዓመታት ንመስቀል ከም ቀንዲ ምልክት ናይ ክርስትና ገይሮም ወሲዶምዋ ኢዮም። ብመርፍእ ዝለግብ ስልማት ናይ “መስቀልን ዘውድን” እውን ነይርዎም ኢዩ። ብመሰረት ኪንግ ጀምስ ቨርሽን: የሱስ ንሰዓብቱ “መስቀሎም” ከልዕሉ ኢዩ ሓቲትዎም: ብዙሓት ከኣ ኣብ መስቀል ኢዩ ተቐቲሉ ኢሎም ክኣምኑ ጀመሩ። (ማቴዎስ 16:24፣ 27:32) ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ግዜ እዚ ምልክት እዚ ኣብ ገበር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ይስኣል ነይሩ ኢዩ።
20 እታ ኣብ 1936 ብማሕበር እተሓትመት ሃብቲ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትኽ ዝበለ ዓንዲ ወይ ዕንጸይቲ ደኣምበር: ኣብ መስቀል ከም ዘይተሰቕለ ኣነጺራ ገለጸት። ካብ ሓደ ምንጪ ከም እተረኽበ: እታ “መስቀል” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (ስታው-ሮስ): ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን “ዝያዳ: ንትኽ ዝበለ ዓንዲ ወይ ዕንጸይቲ ኢያ እተመልክት። ካብቲ ናይ ኣቕሽሽቲ ቅርጺ ዝኾነ ክልተ እተመሳቐለ ዕንጸይቲ ዘለዎ መስቀል ንምፍላይ . . . እቲ ዳሕረዋይ መስቀል መበቈሉ ኣብ ጥንታዊ ምድሪ ከለዳውያን ኢዩ ነይሩ: ከም ምልክት ናይ ታሙዝ ዝበሃል ኣምላኽ ከኣ ኢዩ ዘገልግል ነይሩ።” እታ የሱስ እተሰቕለላ መሳርያ: ክትምለኽ ዘይኰነትስ: ክትፍንፈን ኢዩ ዘለዋ።
21. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና?
21 ንኣሽቱን ዓበይትን ምትዕርራያት ከምጽኡ ዝኸኣሉ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ዝገልጹ ተወሰኽቲ ኣብነታት ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ምዝርራባት: በጃኻ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ርአ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
b ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ: እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ልደት ክበዓል ዘይክእል እንተደኣ ኰይኑ: ዝኾነ ልደት ከነብዕል ከም ዘይብልና ተረዳእና። ብዘይካ እዚ: እስራኤላውያን ይኹኑ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት መዓልቲ ልደት ኣየብዕሉን ኢዮም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ: ክልተ መዓልቲ ልደት: ሓደ ናይ ፈርኦን ካልእ ከኣ ናይ ሄሮድስ ኣንጢጳስ: ጥራይ ኢዩ ዝጠቅስ። ነፍሲ ወከፈን ድማ ብቕትለት እተሰነያ ኢየን ነይረን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓልቲ ልደት ኣረማዊ መበቈል ስለ ዘለዎን ነቲ መዓልቲ ልደቱ ዝኾነ ሰብ ክብ ዘብል ብምዃኑን ኣየብዕሉዎን ኢዮም።—ዘፍጥረት 40:20-22፣ ማርቆስ 6:21-28
c እዚ ብብዙሓት ናይ ህዝበ ክርስትያን ጕጅለታት እተገብረ ጌጋ ኢዩ። ሉተራን በቶም ጸላእቲ ማርቲን ሉተር ንሰዓብቱ እተዋህበ ሳጓ ኢዩ ነይሩ: ንሳቶም ከኣ ተቐበልዎ። ብተመሳሳሊ: ባፕቲስትስ ጥምቀት ኣብ ማይ ብምጥሓል ኢዩ ኢሎም ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ ነቲ እተዋህቦም ሳጓ ተቐበልዎ። ሜቶዲስትስ እውን ዳርጋ ከምኡ ብኻልእ እተዋህቦም ስም ኢዮም ተቐቢሎም። እቲ ማሕበር ኣዕሩኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ ከመይ ኢሉ ክወይከርስ ከም እተባህለ ክገልጽ ከሎ እቲ ዘ ዎርልድ ቡክ ኤንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “እታ ክወይከር እትብል ቃል ብመጀመርታ ንፎክስ [እቲ መስራቲ]: ንሓደ እንግሊዛዊ ዳኛ ‘ብቓል ኣምላኽ ኣንቀጥቅጥ’ ኢሉ ምስ ተዛረቦ: ከም ጸርፊ ኢያ ተሓሲባ ነይራ። እቲ ዳኛ ከኣ ንፎክስ ‘ክወይከር’ ኢሉ ጸውዖ።”
ትዝክርዶ?
◻ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን ኢዩ: እቶም ‘ስድራ ቤትከ’ መን ኢዮም?
◻ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ገለ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ብርሃን ነጸብራቓት እንታይ ኢዮም ነይሮም?
◻ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ሓድሽ ስም ቅኑዕ ዝነበረስ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ኣብ 1935 ከመይ ዝበሉ ዘደንቑ ሓቅታት ኢዮም እተገልጹ?
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሲ. ቲ. ራስልን ብጾቱን መንፈሳዊ ብርሃን ዘርጊሖም ኢዮም: ይኹን እምበር ኵሉ እቲ ኽብሪ ንየሆዋ ኢዮም ሂቦምዎ