ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/8 ገጽ 3-4
  • ግዜ ተቐይሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግዜ ተቐይሩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ነቶም ዚጠርዑ ዜድሕኖም መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/8 ገጽ 3-4

ግዜ ተቐይሩ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ኣብ ትሕቲ ግርማዊ ግዝኣት ናይቲ እሙን ንጉስ ሰሎሞን ምንባርስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ! ናይ ሰላምን ብልጽግናን ሓጐስን ዘበን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሰሎሞን ንሓቀኛ ኣምልኾ ብተኣማንነት ቈይምሉ ዝነበረ እዋን: የሆዋ ነቲ ሃገር ብብዝሒ ባሪኽዎ ኢዩ። ኣምላኽ ንንጉስ ሰሎሞን ብዙሕ ሃብቲ ጥራይ ዘይኰነስ ብጽድቅን ብፍቕርን ንኽገዝእ: “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” እውን ሂብዎ ኢዩ። (1 ነገስት 3:12) መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ምእንቲ ኺሰምዕዎ: ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ኪመጹ ይደልዩ ነበሩ” ይብል።​—⁠2 ⁠ዜና መዋእል 9:⁠23

የሆዋ ነቲ ህዝቢ ቅሳነትን ሰላምን: ከምኡውን ኣኽል ታርፍ ዝዀነ ሰናይ ነገራት ሃቦ። ቃል ኣምላኽ: “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ” ይብል። እቲ ህዝቢ ብኽልቲኡ: ቃል ብቓሉን ብምሳልያዊ ኣዘራርባን: “ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።”​—⁠1 ነገስት 4:​20, 25

ግዜ ተቐይሩ። ሎሚ ህይወት ካብቲ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ዝነበረ ዘሐጕስ እዋናት ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ። ከምቲ ብግዜ ሰሎሞን ዝነበረ ዘይኰነስ: ሎሚ እቲ ቀንዲ ግድል ድኽነት ኢዩ። ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ከይተረፈ እኳ ድኽነት ኣሎ። ንኣብነት: እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ልምዓት ፕሮግራም: ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ክልቲኡ: ዳርጋ 15 ካብ ሚእቲ ናይቲ ህዝቢ ብድኽነት ከም ዝነብር ይገልጽ።

ነቲ ዓለምለኻዊ ስእሊ ኣመልኪቱ: ዘ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድ ’ስ ችልድረን 1994 (ኵነታት ሕጻናት ዓለም 1994) ዝበሃል ብዩኒሴፍ (ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ማዕከን ህጻናት) ዝቐረበ ጸብጻብ: ሓደ ሕምሲት ናይ ህዝቢ ዓለም ኣብ ፍጹም ድኽነት ከም ዝነብር: ንመብዛሕትኦም ናይ ዓለም ድኻታት ድማ ህይወት “እናኸበደ ዝኸይድን ተስፋ ዘቝርጽን ይኸውን ኣሎ” ብምባል ይዛረብ።

ኣብ ገሊአን ሃገራት: ናህሪ ውድቀት ገንዘብ ንሽግር ናይቶም ድኻታት ይውስኸሉ። ሓንቲ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር እትነብር ሰበይቲ “ኣብ ዕዳጋ ሓደ ነገር ትርኢ: ‘ግርም: ገዛ ክኸይድ እሞ ገንዘብ ኣምጺአ ክዕድጎ ትብል።’ ሓደ ሰዓት ጸኒሕካ ምስ ተመለስካ እቲ ዋጋ ወሲኹ ስለ ዝጸንሕ ክትዕድጎ ከም ዘይትኽእል ትንገር። ሓደ ሰብ እንታይ ኢዩ እሞ ክገብር፧ ብሓቂ ዘጨንቕ ኢዩ” በለት።

ኣብኡ እትነብር ካልእ ሰበይቲ ከኣ ‘ንኽንነ⁠ብር ነቲ ካልእ መሰረታዊ ነገራት ንርስዖ። ሕጂ ኣድህቦና ከመይ ገይርና መግቢ ከም እንረክብ ኢዩ’ በለት።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት: መጻኢ ግዜ ተስፋ ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል። ንኣብነት ዩኒሴፍ: እዚ ሕጂ ዘሎ ህዝቢ በዚ ኣንፈት እዚ እንተደኣ ቀጺሉ: ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ድኻታት ሰባት “ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ሰብ መዋእል” ኣርባዕተ ዕጽፊ ክኸውን ምዃኑ ይግምት።

እንተዀነ ግን: ቁጠባውን ማሕበራውን ኵነታት እኳ እናገደደ እንተኸደ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትስፉዋት ዝዀንሉ ምኽንያት ኣለዎም። ኣብ መንጐ እቶም ንመጻኢ ብዘይ ተስፋ ዝጽበዩ ሰባት ዝነብሩ እኳ እንተዀኑ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመጻኢ ግዜ ብሓጐስን ምትእምማንን ኢዮም ዝርእይዎ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነቲ ምኽንያታት ክትድህስሶ ኢያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

De Grunne/Sipa Press

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ