መዓስ ኢዩ ፍርሂ ዘልግስ፧
ንሓደ 2,000 ዓመታት ይገብር ዝነበረ ሰብ ናይ ሓቂ ዕቝባ የድልዮ ምንባሩ ክትፍልጥስ ኣየገርመካንዶ፧ የሱስ ክርስቶስ ኣድላይነት ናይ ፍቕሪ ንምርኣይ: ሓደ ፍሉጥ ምሳልያዊ ዛንታ ነገረ:- “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ: ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከተከትዎን: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ።” ሽሕ’ኳ ክልተ ሓለፍቲ መገዲ ግዲ ከይገበርሉ እንተኸዱ: ሓደ ሕያዋይ ሳምራዊ ግን ደንገጸሉ። እሞኸ ደኣ ነዞም ናይ ሎሚ ግዳያት ገበን ዝዀኑ መን ኢዩ ዝሓልየሎም፧ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ካብ ፍርሂ ኢና እንጽበ፧—ሉቃስ 10:30-37
ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና እናበሉ: ሕግን ስርዓትን ብሰብ ክመጽእ ከም ዘለዎ ይሓስቡ። እንተዀነ ግን: ናይ ከቢድ ማእሰርቲ ፍርዲ ወይ ብዙሓትን ጽቡቕ ዝኽፈሉን ፖሊስ ንሕሱም ገበን መወዳእታ ክገብርሉ ይኽእሉዶ፧ ሽሕ’ኳ ዕቝባ ከምጽኣ ናይ ሓቂ ጻዕሪ እንተገበራ: ሕጊ ዘኽብራ ትካላት ንከም ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ: ጥርኑፍ ዓመጽ: ከምኡውን ድኽነት ዝኣመሰለ ነገራት ከልግስኦ ኢየን ኢልካ ብሓቂ ትኣምንዶ፧ ገና ግን: እቲ ንጽድቒ ዘሎና ጥሜትን ጽምእን ከንቱ ኣይክኸውንን ኢዩ።—ማቴዎስ 5:6
መዝሙር 46:1 ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ውቁባት ግጥሚ ጥራይ ከም ዘይኰና ክንርእየን ኢና።
ከምቲ እትፈልጦ: ማዕከናት ዜና ብዛዕባ እቲ ኣብ ውግእ ሓድሕድን ፈጠርቲ ሽበራ ብዝፍጽምዎ መጥቃዕትን ዘሎ ፍኑው ቅትለት መዓልታዊ ጸብጻብ ይህባ ኢየን። ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ዓለም: ዘየድልዩ መንእሰያትን ናይ ገበን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ምጽናት ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ህይወት ኣዝያ ሕስርቲ ኰይና ዘላስ ስለምንታይ ኢያ፧ ዋላ’ኳ ንኸምዚ ዝበለ ዓመጽ እተፈላለየ ጠንቅታት እንተ ኣለዎ: ሸለል ክንብሎ ዘይብልና ሓደ ምኽንያት ግን ኣሎ።
ብመሰረት ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ።’ (1 ዮሃንስ 5:19) አረ: የሱስ ንሰይጣን ድያብሎስ ከም ሓሳዊ ጥራይ ዘይኰነስ ከም “ቐታል ነፍሲ” ገይሩ እውን ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ። (ዮሃንስ 8:44) እዚ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዚ: ንደቅሰብ ብእተፈላለየ መገዲ እናጸለወ: ነዚ ሎሚ ዘሎ ወሰኽ ናይ ገበን የዕብዮ ኣሎ። ራእይ 12:12 “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ትብል። ይኹን እምበር: እቲ ዘሐጕስ: እዚ ክፉእ ኣገባብ እዚ በቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ክትካእ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13
ኣብ ርእሲ እዚ ዘደንቕ ተስፋ ናይ ሓዳስ ዓለም: ሕጂ እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዘሎና፧
ቅድሚ ኣወንታዊ መልሲ ናይቲ ሕቶ ምርኣይና: ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ካብ ገበን ዝከላኸል ውሕስነት ከም ዘይብሎም ምዝካር ጽቡቕ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብውልቁ ዘጋጠሞ ገለ ሓደጋታት ገሊጹ ኣሎ። “ኣብ ርባታት ብፍርሃት: ካብ ከተርቲ ብፍርሃት: ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት: ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት: ኣብ ከተማ ብፍርሃት: ኣብ በረኻ ብፍርሃት: ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት” ኢዩ ዝነብር ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 11:26) እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ካብዞም ሓደጋታት እዚኣቶም ድሒኑ ኢዩ። ሎሚ እውን ከምኡ ኢዩ: ጥንቁቓት ብምዃን ብዝተኻእለ መጠን ስራሕና በቲ ልሙድ መገዲ ክንፍጽም ንኽእል ኢና። ገለ ዝሕግዙና ነገራት እስከ ንርአ።
ሓደ ሰብ ኣብ ሓደገኛ ከባቢ ዝነብር እንተድኣ ዀይኑ: ሰባት ንኻልኦት ቀሪቦም ስለ ዝዕዘብዎም ጽቡቕ ጠባይ መከላኸሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዘረፍቲ: ገበን ዝውጥኑን ዝፍጽሙን’ኳ እንተዀኑ ንነብሶም ከም ጥዑያት ሰባት ኢዮም ዝቘጽርዋ። ንተግባራቶም ካብ ምንቃፍ ተቘጠብ: እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ክትፈልጥ ኢልካ ኸኣ ኣይትፈትን። በዚ ድማ: እቲ ግዳይ ናይ ሕነ ምፍዳይ ንኽትከውን ዘሎካ ኣጋጣሚ ክትንክዮ ትኽእል ኢኻ። ሰረቕቲ: ሓድሽ ነገር ዝገዝአ መን ምዃኑ ከምኡውን ገዛኦም ንበይኑ ገዲፎም ንዕረፍቲ ዝገሹ በዓል መን ከም ዝዀኑ ክፈልጡ ከም ዝጽዕሩ ዘክር: ስለዚ: ኣብ ኵሉ እቲ ንሰባት እተርእዮ ነገራት መስተውዓሊ ዅን።
ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘለዎም ስም: ሓደ ፍሉይ መከላኸሊ መገዲ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ገበነኛታት: ነቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዘሎ ዅሉ ብዘይ ኣድልዎ ንምሕጋዝ ርእሶም ዝውፍዩ ክርስትያናት: መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘኽብርዎም ይገልጹ ኢዮም። እቶም መሰኻኽር ቀተልቲ ወይ ሰረቕቲ ኣይኰኑን: ወይ እውን ‘ኣብ ነገር ካልኦት ዝጽንበሩ’ ኣይኰኑን: ስለዚ ኸኣ ዘፍርሑ ኣይኰኑን።—1 ጴጥሮስ 4:5
ዕቝባ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ
በቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተነግረ ‘ምብዛሕ ዓመጻ’ ንሓዝን ኢና: እንተዀነ ግን ኣብ ክንዲ ኣዚና እንጭነቕ ኣምላኽ ነዚ ክፉእ ኣገባብ እዚ ከም ዘጽንቶ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ናይ “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ምዝራቡ: የሱስ ንሰዓብቱ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም።—ማቴዎስ 24:12-14
እቶም ንኻልኦት: ሓድሓደ ግዜ ክእመን ብዘይክእል ጭከና: ዝሃድኑ ሰባት ክጠፍኡ ምዃኖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ምሳሌ 22:22, 23 ከምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም: ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ: ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ: ኣይትግፈፎ: ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ።” የሆዋ ንገበርቲ ክፉእ ከም እኒ ዘረፍቲ: ቀተልቲ: ከምኡውን ጾታዊ ርክብ ብዘይ ግቡእ ዝጥቀሙ ዝኣመሰሉ ከጥፍኦም ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ነቶም ናይ ከምዚ ዝበለ ዓመጻ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ሸለል ኣይክብሎምን ኢዩ። ዝጠፍኦም ኵሉ ክኽሕሶምን ጥዕናኦም ድማ ምሉእ ብምሉእ ክመልሰሎምን ኢዩ።
እቶም ‘ካብ እከይ ዝርሕቁ ሰናይ ከኣ ዝገብሩ’ ሰባት ብርግጽ: ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ብምድሓን ወይ ድማ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። “ጻድቃን [ንምድሪ ትሓዓ ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:27-29) እዚ ከምዚ ዝበለ ረብሓታት ብናይ የሱስ በጅነት ኢዩ ዝርከብ። (ዮሃንስ 3:16) እንተኾነ ግን: ኣብታ እተመልሰት ገነት ህይወት ከመይ ክመስል ኢዩ፧
ህይወት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ዘደስት ክኸውን ኢዩ። የሆዋ “ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ” ኢሉ ኣቐዲሙ ይነግር። (ኢሳይያስ 32:18) ኵሎም እቶም ዘለኣለማዊ ህይወት ዝረኽቡ እተሓደሰ ባህርይ ክህልዎም ኢዩ። ዋላ ሓደ ክፉእ ወይ ገፋዒ ኣይክኸውንን ወይ እውን ዝዀነ ሰብ ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ግዳይ ክኸውን ዝኽእል የሎን። ነብዪ ሚክያስ ከምዚ ይብል:- “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” (ሚክያስ 4:4፣ ህዝቅኤል 34:28) ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ሓደገኛ ከባቢታት ክርአ ከሎስ ከመይ ዝበለ ምንጽጻር ኰን ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]
ጥንቁቕ ኵን
ብዙሓት ገበነኛታት: ገበን ከም ስርሖም ብምውሳድ ምሉእ መዓልቲ ኢዮም ዝሰርሑ። ሽሕ’ኳ ጠበንጃ ዘቕንዓልካ ሓደ እንተዀነ: ክልተ ሰለስተ ኰይኖም ብጕጅለ ኢዮም ዝሰርሑ። እቲ ገበነኛ ንእሽቶ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ሓደገኛ ከም ዝዀነ እተረጋገጸ ኢዩ። ግዳይ ምስ እትኸውን እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧
ነቲ ሰራቒ ምእንቲ ከይተሕርቖ ህዱእ ኵን—ተሞክሮ ዘይብሉ ብምዃኑ ክቐትለካ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ዀይንካ: ከምኡ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ኣፋልጣ። ይኹን እምበር: እቲ ሰራቒ ዝደለዮ ነገራት ክትህቦ ቅሩብ ኵን። እንተድኣ ደንጒኻ: እቲ ሓደጋ ይውስኽ ኢዩ። ደሓር: ናይ መንነት ወረቓቕቲ ወይ ንኣውቶቡስ ዝዀነካ ገንዘብ ክመልሰልካ ክትሓቶ ደሓን ክኸውን ይኽእል።
መብዛሕትኡ ግዜ: ገበነኛ መን ምዃኑ ከተለልዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ገሊኦም ሰረቕቲ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎም ወይ ክኢላታት ሰረቕቲ ኢዮም: ገሊኦም ድማ መግቢ ዝደልዩ ጥራይ ኣለዉ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነት: ብዙሕ ገንዘብ ኣይትሓዝ። ክርኣዩ ዝኽእሉ ስልማት: ቀለቤት ወርቂ: ወይ ክቡር ሰዓት ኣይትግበር። ፍርሂ ከየርኣኻ: ከምቲ ልሙድ ሰጕም ከምኡውን ተጐዓዝ። ከተለልዮም ከም ዝደለኻ ብምምሳል ኣብ ውልቀ ሰባት ዓይንኻ ኣይትትከል። ኣብ ጐደናታት ተዅሲ ከጋጥም ከሎ: ኣብ መሬት በጥ በል፣ ክዳውንትኻ ክሕጸብ ይኽእል ኢዩ።—ሓደ ኣብ ሪዮ ዲ ጃነርዮ ፖሊስ ዝነበረ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ህድእ በል ከምኡውን እቲ ሰራቒ ዝደለዮ ሃቦ። እንተድኣ ደንጒኻ እቲ ሓደጋ ይውስኽ ኢዩ