ዓመታት ዝወሰደ ከንቱ ጻዕሪ
“ንሕና ህዝብታት ሕቡራት ሃገራት: ነቶም ዝስዕቡ ወለዶታት ካብቲ ኣብ ዘበንና ክልተ ግዜ ዝኣክል ንወድሰብ እዚ ዘይብሃል ጓሂ ዘምጽኣሉ ናይ ውግእ መቕዘፍቲ ከነድሕኖ: ከምኡውን ኣብ መሰረታዊ መሰል ሰብ: ኣብ ክብርን ዋጋን ሰብኣዊ መንነት: ኣብ ማዕረ መሰል ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡውን ዓበይትን ናእሽቱን ሃገራት: ዘሎ እምነት እንደገና ከነረጋግጽ . . . ቈሪጽና ኣሎና።”—መእተዊ ናብቲ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት።
24 ምቅምቲ 1995: መበል 50 ዝክረ-ዓመት ሕቡራት ሃገራት እትሕብር ኢያ። ብምሉአን እተን ሕጂ ዘለዋ 185 ኣባል ሃገራት: ኣብቲ ቻርተር ተገሊጹ ከም ዘሎ:- ኣህጉራዊ ሰላምን ደሓንን ንምዕቃብ፣ ንናይ ዓለም ሰላም ዘስግእ ናይ ወራር ተግባራት ንምድቋስ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ዕርክነታዊ ርክባት ክህሉ ንምትብባዕ፣ ኣብ ዓሌት: ጾታ: ቋንቋ: ወይ ሃይማኖት እተመርኰሰ ኣድልዎ ዘይብሉ ናይ ኵሎም ሰባት መሰረታዊ ናጽነት ንምሕላው፣ ከምኡውን ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ንምርካብ: ዝብል ናይታ ውድብ ናይ መጀመርታ መምርሒታትን ሸቶታትን ቃል ኣትየናሉ ኢየን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን50 ዓመታት ዝኸውን ናይ ዓለም ሰላምን ደሓንን ንምምጻእ ርኡይ ጻዕሪ ገይራ ኢያ። ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከይለዓልን ኑክሊያራዊ ቦምባታት ብምጥቃም ናይ ሰብኣዊ ህይወት ጃምላዊ ጥፍኣት ከይድገምን ተኸላኺላ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ሕቡራት ሃገራት ንሚልዮናት ቈልዑ መግብን መድሃኒትን ትህብ ኢያ ዘላ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ካብ መንጎ እቲ ካልእ ነገራት: ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣንጻር ሓደገኛ ሕማማት መከላኸሊ ብምሃብን ዝሓሸ ናይ ጥዕና ኵነታት ንኽህሉ ተበርክት ኢያ ዘላ። ሚልዮናት ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ረኺቦም ኢዮም።
ነቲ ዕማማታ ኣፍልጦ ብምሃብ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓሙሽተ ግዜ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ተሸሊማ ኢያ። ጌና ግን: እቲ ዘሕዝን ናብራ ከም ዝሕብሮ: ኣብ ሓንቲ ውግእ ዘይብላ ዓለም ኣይኰንናን እንነብር ዘሎና።
ሰላምን ደሓንን—ዘይተበጽሐ ሸቶታት
ድሕሪ ናይ 50 ዓመታት ጻዕሪ: ሰላምን ደሓንን ጌና ዘይተበጽሑ ሸቶታት ኰይኖም አለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብቲ ናብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዖ መደረ: ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ከምዚ ብምባል ጭንቀቱ ገለጸ:- “እዚ ዘበን እዚ ተስፋን ኣጋጣምን ዓወትን ዝመልአ እኳ እንተዀነ ናይ ዓቢ ዕንወትን ተስፋ ምቝራጽን ግዜ እውን ኰይኑ ኢዩ።”
1994 ምስ ተወድአ: ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ በለ:- “ኣሽሓት ዝኣኽሉ ሰባት ዝሞትሉ—ብቝጽሪ ካብ ወተሃደራት ዝያዳ ሲቪል ዝሞትሉ—ዳርጋ 150 ዝኸውን ውግኣትን ግጭታትን ይቕጽል ኣሎ: ኣማእታት ኣሽሓት ድማ ስደተኛታት ይዀኑ ኣለዉ።” ናይ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ህዝባዊ ሓበሬታ: ካብ 1945 ኣትሒዞም ልዕሊ 20 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ዕጥቃዊ ግጭታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ጸብጻብ ሃበ። ኣምባሳደር ሕ.መ. ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ማድሊን ኦልብራይት: “ከባብያዊ ግጭታት ሕጂ ብብዙሕ መገድታት ኣዝዩ አራዊታዊ ኰይኑ ኣሎ” በለት። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣድልዎን ኣብ ዜና መዓልቲ መዓልቲ ኢዮም ዝቐርቡ ዘለዉ። ብዙሓት ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ዝመሓዘዋ ዘይኰነስ ዝጸዋወራ ዘለዋ ኢየን ዝመስላ።
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት: ሰር ዳቪድ ሃነ: “ሕቡራት ሃገራት ክሳዕ 1980’ታት ናብ ሓደ ዳርጋ ኰነ ኢልካ እተገብረ ውድቀት ብመጠኑ ቀሪባ ነይራ ኢያ” ኢሉ ተኣመነ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት: ቡጥሮስ ቡጥሮስ-ቃሊ: ንዓቃቢ ሰላም ስርሒታት ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት እናወሰኸ ዝኸይድ ሸለልትነትን ድኻምን ከም ዘሎ ብሓዘን ገለጸ። ንብዙሓት ኣባላት: “ሕቡራት ሃገራት ቀዳምነት ዝወሃባ ኣይኰነትን” ብምባል ድማ ደምደመ።
ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጽልዋ
ሽሕ’ኳ ሕቡራት ሃገራት ሓያል መሲላ ትርአ እንተዀነት: መብዛሕትኡ ግዜ ጻዕሪ ብፖለቲካን መራኸቢ ብዙሃንን ይሰናኸል ኢዩ። ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣባላታ ደገፍ እንተድኣ ጐዲሉዋ ድኽምቲ ኢያ። ግናኸ ብዙሓት ኣባላት ሕ.ሃ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ንሕቡራት ሃገራት ኣይድግፋኣን ኢየን። ንኣብነት: ብመሰረት ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል እቲ “ኣብ ሶማልን ቦዝንያን እተራእየ ዘስደምም ውድቀታት: ብዙሓት ኣመሪካውያን እታ ውድብ ጥቕሚ ኣልቦ ጥራይ ዘይኰነትስ ብሓቂ ሓደገኛ ምዃና ንኽኣምኑ ገይርዎም ኢዩ።” እዚ ናይ ህዝቢ ኣረኣእያ እዚ: ብግዲኡ: ንገለ ናይ ኣመሪካ ፖለቲከኛታት ነቲ ሕ.መ. ንሕቡራት ሃገራት እትህቦ ናይ ገንዘብ ደገፍ ንኽጐድል ከም ዝእምሙ ገይርዎም ኢዩ።
ናይ ዜና ማሕበራት ንሕቡራት ሃገራት ኣትሪርካ ብምንቃፍ ዝመጸ ድሕር ኣይብላን ኢየን። ነቲ እተፈላለየ መዳያት ናይ ሕ.ሃ. ስርሒታት ክገልጻ ከለዋ ነቲ ከም “ምሉእ ብምሉእ ብቕዓት ዘይምህላው:” “ዘይምቹእ:” “ዘየሳልጥ:” ከምኡውን “ዝለመሰ” ዝኣመሰለ ስያመታት ብዘይንሕስያ ኢየን ዝጥቀማሉ። ዘ ዋሺንግቶን ፖስት ናሽናል ዊክሊ ኢዲሽን ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ሕቡራት ሃገራት ምስቲ ናይ ሓቂ ዓለም ንኽሰማማዕ ዝቃለስ ጐሰስ ዝብል ቢሮክራሲ ኰይና ተሪፋ” ብምባል ገለጸ።
ካልእ ጋዜጣ ድማ ንዋና ጸሓፊ: ቡጥሮስቡጥሮስ-ቃሊ ብዛዕባ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ዝነበሮ ጭንቀት ክገልጽ ከሎ ዝበሎ ጠቐሰ። “እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድቀት ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ውድቀት ኢዩ። በዚ ውድቀት እዚ ድማ ኵልና ተሓተትቲ ኢና” በለ። ኣብ 1993 ናይ ሓደ ውሩይ ተሌቪዥን ፍሉይ ዜና: ሕቡራት ሃገራት “ነቲ ዝዓበየ ንሰላም ዘስግእ—ምስፍሕፋሕ ኒዩክለራዊ ኣጽዋራት—ደው ካብ ምባሉ ሰኒፋ ኢያ” ብምባል ገለጸ። እቲ ናይ ቲቪ መደብ ንሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ “ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸውን ቃለ-ድርዳረ ከም ዝነበረት” ተዛረበ።
እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ንሰበ ስልጣናት ሕቡራት ሃገራት ኣዝዩ ዘሻቕሎምን ንጭንቀቶም ድማ ዝውስኸሉን ኢዩ። እዚ ዅሉ ፍሽለታት እናሃለወ ኸሎ ግን: ኣብቲ መበል 50 ዝክረ-ዓመት ሕቡራት ሃገራት: ብዙሓት: እተሓደሰ ትስፍውነት ዘለዎምን ንሓድሽ ምጅማር ብተስፋ ዝጽበዩን ኢዮም ዝመስሉ። ሽሕ’ኳ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ድኽመታት ኣፍልጦ እንተ ሃበትሉ: ኣምባሳደር ኦልብራይት “ብዛዕባ ኣበይ ከም ዝነበርና ዘይኰነስ: ብዛዕባ ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎና ኢና ክንዛረብ ዘሎና” ክትብል ከላ ነቲ ናይ ብዙሓት ስምዒታት ኣቃሊሓቶ ኢያ።
እወ: ዓለም ናበይ ኢያ እትኸይድ ዘላ፧ ሓንቲ ውግእ ዘይብላ ዓለምስ ክትህሉ ዶዀን ትኸውን፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ሕቡራት ሃገራት ኣብኣ እንታይ ግደ ክህልዋ ኢዩ፧ ብተወሳኺ: ንኣምላኽ እትፈርህ እንተድኣ ዄንካ: ‘ኣምላኽከ ኣብኣ እንታይ ግደ ክህልዎ ኢዩ፧’ ኢልካ ክትሓትት ኣሎካ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
ከንቱ ጻዕሪ
ውግእ: ድኽነት: ገበን: ከምኡውን ብልሽውና ክሳዕ ዘሎ ሰላምን ደሓንን ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቐረባ ግዜ: እዚ ዝስዕብ ስታቲስቲክስ ኣውጽአት።
ውግኣት:- “ካብቲ ኣብ መንጎ 1989 ከምኡውን 1992 እተገብረ 82 ዕጥቃዊ ግጭታት: 79 ናይ ውሽጢ ዓዲ: መብዛሕትኡ ድማ ኣብ መንጎ ቀቢላዊ ጕጅለታት እተገበረ ኢዩ ነይሩ፣ 90 ካብ ሚእቲ ጕድኣት ዝወረዶም ከኣ ሲቪል ኢዮም ነይሮም።”—ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ህዝባዊ ሓበሬታ (ዩ.ኤን.ዲ.ፒ.ኣይ)
ኣጽዋር:- “ኣይ.ሲ.ኣር.ሲ [ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል]: ኣብ 48 ሃገራት ዝርከብ ልዕሊ 95 ዝኸውን ፋብሪካታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 5 ክሳዕ 10 ሚልዮን ዝኸውን ጸረ-ሰብ ነታጒ የፍሪ ከም ዘሎ ጸብጻብ ይህብ።”—ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር)
“ኣብ ኣፍሪቃ: ኣብ 18 ዓድታት ፋሕ ዝበሉ ዳርጋ 30 ሚልዮን ዝዀኑ ነታጒታት ኣለዉ።”—ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር
ድኽነት:- “ኣብ ብዘላ ዓለም: ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ—ኵሉ ዅሎም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን—ትሕቲ ናይ ድኽነት ደረጃ ኢዮም ዝነብሩ: ካብ 13 ሚልዮን ክሳዕ 18 ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ድማ: ምስ ድኽነት ብእተኣሳሰረ ምኽንያታት ዓመት ዓመት ይሞቱ።”—ዩ.ኤን.ዲ.ፒ.ኣይ
ገበን:- “ምዝጉብ ገበን ብዓለም-ለኻዊ ገምጋም ካብ 1980’ታት ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብ5 ካብ ሚእቲ ይውስኽ ኢዩ ዘሎ፣ ኣብ ሕመኣ ጥራይ: ኣብ ዓመት ዓመት 35 ሚልዮን ገበናት ይፍጸም።”—ዩ.ኤን.ዲ.ፒ.ኣይ
ብልሽውና:- “ህዝባዊ ብልሽውና ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናይ ገንዘብ ቅጥፈት ማዕረ 10 ካብ ሚእቲ ናይቲ ዓመታዊ ድምር ውሽጣዊ እቶት ናይታ ሃገር ምዃኑ ኢዩ ዝግመት።”—ዩ.ኤን.ዲ.ፒ.ኣይ