ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/10 ገጽ 5-7
  • ውግእ ዘይብላ ዓለም—መዓስ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውግእ ዘይብላ ዓለም—መዓስ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃይማኖት​—⁠ዓቢ ዕንቅፋት
  • ናይ ሃይማኖት መጻኢ
  • ዘይፍጹም ሰብኣዊ ተፈጥሮ
  • የሱስ ክርስቶስ​—⁠እቲ መስፍን ሰላም
  • ሃይማኖታት እንታይ እዩ ኼጋጥመን፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ዓመታት ዝወሰደ ከንቱ ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
    ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
  • ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ፍርዲ ምፍጻም
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/10 ገጽ 5-7

ውግእ ዘይብላ ዓለም​—⁠መዓስ፧

እቲ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ 24 ጥቅምቲ 1945 ክሰርሕ ጀመረ። ብሰባት ካብ እተነድፈ ንሰላም ዓለም ዝኸውን ኣዝዩ ሰፊሕ ስትራተጂ ኢዩ። ምስተን ናይ መጀመርታ 51 ኣባል ሃገራት: ሕቡራት ሃገራት ኣብ ታሪኽ ዓለም እታ ዝዓበየት ኣህጉራዊት ውድብ ኰነት። ከምኡውን: ንመጀመርታ ግዜ: ሓንቲ ኣህጉራዊት ውድብ: ሰላምን ደሓንን ከም ዝህሉ ንኽትገብርን ውግእ ዘይብላ ዓለም ንኸተምጽእን ሓደ ሰራዊት ክትጥቀም ኢያ።

ሎሚ: ምስተን 185 ኣባል ሃገራት: ሕቡራት ሃገራት ካብ ቅድም ብዝበለጸ ሓይላ ኣላ። እታ ኣብ ታሪኽ ኣዝያ ዝሓየለት ኣህጉራዊት ውድብ: ነቲ ልዑል ዕላማታታ መሊኣ ካብ ምፍጻም ዝሰነፈት ድኣ ስለምንታይ ኢያ፧

ሃይማኖት​—⁠ዓቢ ዕንቅፋት

ሓደ ዓቢ ጸገም ኰይኑ ዘሎ: ሃይማኖት ኣብ ጉዳያት ዓለም ዘለዎ ግደ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ሕቡራት ሃገራት ካብ እትፍለም ኣትሒዘን: እተን ናይ ዓለም ቀንዲ ሃይማኖታት ነታ ውድብ ደገፈን ተመባጺዐናላ ኢየን። ጳጳስ ጆን ፓውል II ንመበል 50 ዝክረ-ዓ⁠መታ ብምጥቃስ ብዛዕባ ሕቡራት ሃገራት “ሰላም ንምምጻእን ንምሕላውን እታ ዝበለጸት መሳርያ” ከም ዝዀነት ተዛረበ። ርእይቶታቱ በቲ ናይ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ እተደገፈ ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ስልታዊ ውሽምና: ሃይማኖት ንሕቡራት ሃገራት ዕንቅፋትን መትከኽን ምዃኑ ክሓብኦ ኣይክእልን ኢዩ።

ንዘበናት ዝኣክል: ሃይማኖት ሃገራዊ ጽልኢ: ውግኣት: ከምኡውን ህልቂት ኣብ ምልዕዓል ወይ ምድጋፍ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብ ትሕቲ ጕልባብ ሃይማኖታዊ ስምዒት: ጐረባብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ተቓቲሎም ኢዮም። እቲ “ዓሌታዊ ምጽራይ” ዝብል ስያመ ምስቲ ኣብ ሃገራት ባልካን ዘሎ ውግእ ብምትሕሓዝ ብሰፊሕ ተዓይሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ሓደ ዓይነት ቀቢላዊ መበቈል ስለ ዘለዎም: እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ሕሱም ጽልኢ ኣብ ዓሌት ዘይኰነስ ኣብ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር እተመስረተ ኢዩ። እወ: ሃይማኖት ነቲ ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር ዝፈሰሰ ደም: ዝዓበየ ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ: ሕቡራት ሃገራት ድማ ደው ከተብሎ ኣይከኣለትን።

ብልክዕ: ሓደ ናይ ኮሌጅ ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከምዚ በለ:- “ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ሃይማኖታዊ ተወፋይነት ዘለዎ ናይ ድሕረ ዝሑል ውግእ ዓለም: ሽሕ’ኳ ሽግር ዘስዕበልና እንተዀነ: ናይ ሃይማኖትን ጃምላዊ ቕትለትን ምርመራ ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ህጹጽ ቀዳምነት ዘድልዮም ነገራት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።” ሃይማኖት ክሳዕ ክንደይ ንናይ ዓለም ሰላም ጻዕርታት ይዕንቅፍ ከም ዘሎ እተረኽበ ሓድሽ ምርዳእ ሎሚ ግሁድ ኢዩ።

ሓደ ናይ 1981 ናይ ሕ.ሃ. መግለጺ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ናይ ዘይምጽውዋር መግለጺታት ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ናይ ዓለም ቦታታት ጌና ዝርአ ዘሎ ንሃይማኖት ወይ እምነት ዝምልከት ኣድልዎ ምህላዉ ኣተሓሳሳቢ ብምዃኑ: ንኸምዚ ዝበለ ዘይምጽውዋር ምስ ኵሉ መልክዓቱን መግለጺታቱን ብቕልጡፍ ንምውጋድ ከምኡውን ኣብ ሃይማኖት ወይ እምነት እተመርኰሰ ኣድልዎ ንምክልኻልን ምግጣምን ኣድላዪ ዘበለ ስጕምትታት ንምጥቃም ተወሲኑ ኣሎ።”

ምስቲ መግለጺኦም ብምስምማዕ: ሕቡራት ሃገራት 1995 ዓመት ምጽውዋር ክትከውን ኣዊጃ ኣላ። እንተዀነ ግን: ብሓቂ: ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ዓለም ሰላምን ደሓንን ክርከብ ይከኣል ድዩ፧

ናይ ሃይማኖት መጻኢ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጽሓፍ ራእይ: መልሲ ይህብ። ብዛዕባ ሓንቲ ከም “ንግስቲ” እተቐመጠትን “ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ” ዘለዋን ምሳልያዊት “ዓባይ ኣመንዝራ” ኢዩ ዝዛረብ። እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ‘ብሕንቃቐ’ እትነብርን ምስ መንግስታት ዓለም ርክብ ዘለዋን ኢያ። እዞም መንግስታት እዚኣቶም: ከም እታ ኣመንዝራ ኣብ ልዕሊኡ እትውጣሕ “ቐዪሕ ኣራዊት” ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ። (ራእይ 17:​1-5, 18፣ 18:⁠7) እዛ ከም “ዓባይ ባቢሎን” እትፍለጥ ሓያልን ርኽስትን ሰበይቲ: ብስም እታ መበቆል ጣኦታዊ ሃይማኖት ዝዀነት ጥንታዊት ባቢሎን ኢያ ተጸዊዓ። ብልክዕ እምበኣር: ሎሚ እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ንዅለን እተን ምስቲ ናይ መንግስታት ጉዳያት እተደባለቓ ናይ ዓለም ሃይማኖታት: እትውክል ኢያ።

እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል: ሓደ ግዜ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ወተሃደራዊ ክፍልታት ናይቲ ኣራዊት ስጕምቲ ንኽወስዱ ከሕድረሎም ምዃኑ ይዛረብ። እዚኣቶም “ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋን እዮም።” (ራእይ 17:16)a ስለዚ የሆዋ ኣምላኽ ነተን ሓያላት ሃገራት ንሓሶት ሃይማኖት ኣብ ናይ ምጽራግ ወፈራ ንኽኣትዋ ብምድራኽ ባዕሉ ተበግሶ ክወስድ ኢዩ። እዚ ዓለምለኻዊ ናይ ሃይማኖት ኣገባብ: ምስቲ ብሉጽ ኣብያተ መቓድሳቱን ቅዱስ ስፍራታቱን: ፈጺሙ ክጠፍእ ኢዩ። ድሕርዚ ሰላምን ደሓንን ንምምስራት ሃይማኖታዊ ዕንቅፋት ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲኸ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ክህሉ ድዩ፧

ዘይፍጹም ሰብኣዊ ተፈጥሮ

ንሃይማኖት ምልጋስ ናብ ሓንቲ ውግእ ዘይብላ ዓለም መገዲ ከም ዝጸርግ ዘረጋግጽ ገለ ውሕስነት ኣሎ ድዩ፧ የሎን። ሕቡራት ሃገራት ንሓደ ስግንጢር ዝዀነ ኵነታት ምግጣም ክትቅጽል ኢያ። ሰባት በቲ ሓደ ሸነኽ ሰላምን ደሓንን ይደልዩ። ጌና በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ንሰላምን ደሓንን ዝዓበየ ስግኣት ዘስዕቡ ዘለዉ ሰባት ኢዮም። ጽልኢ: ትዕቢት: ርእ⁠ሰ-ውዳሴ: ስስዐ: ከምኡውን ድንቁርና ጠንቂ ናይዚ ዅሉ ግጭታትን ውግኣትን ዝዀነ ሰብኣዊ መለለዪ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 4:​1-4

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት ተፈኽነንቲ” ክዀኑ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​1-4

ዋና ጸሓፊ ቡጥሮስ ቡጥሮስ-ቃሊ “ዓለም በቲ ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰባት ዝሰፍሐ ዓቐን ዘለዎ ማሕበራውን ስነ-ምግባራውን ቅልውላው ትሳቐ ከም ዘላ” ተኣመነ። ብዝሒ ዲፕሎማሲያዊ ሜላታት: ነቲ ናይ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ተፈጥሮ ጐዳኢ መለለዪ ከዝሕሎ ኣይከኣለን።​—⁠ምስ ዘፍጥረት 8:21፣ ኤርምያስ 17:⁠9 ኣነጻጽሮ።

የሱስ ክርስቶስ​—⁠እቲ መስፍን ሰላም

ብሓቂ: ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ሰላም ንምምጻእ ክእለት የብላን። ኣባላታን ደገፍታን ልዑል ሸቶታት እኳ እንተለዎም: ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ከም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ይብል። (ኤርምያስ 10:23) ብተወሳኺ: ኣምላኽ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ብምባል የጠንቅቕ።​—⁠መዝሙር 146:⁠3

መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ: በቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ ወዱ ገይሩ እንታይ ከም ዝፍጽም ይንበ ኢዩ። ኢሳይያስ 9:​6, 7 ከምዚ ይብል:- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።”

ናይዛ ዓለም እዚኣ ሃገራት በቲ ዝፈሸለ ናይ ሓምሳ ዓመት ጻዕርታት ሰልክየን ኢየን። ድሕሪ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ ነተን ኣመንዝራ መሰል ዝዀና ሃይማኖታውያን ማሕበራት ከጥፍአአን ኢየን። ድሕሪኡ የሱስ ክርስቶስ: ‘ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን:’ ከምኡውን ሰማያውያን ተዋጋእቲ ሰራዊቱን ንዅለን መንግስታት ሰብ ከጥፍእወን ንዅሎም እቶም ንሉዓላውነት ኣምላኽ ዝነጽጉ ሰባት ድማ ክቐትልዎም ኢዮም። (ራእይ 19:​11-21፣ ምስ ዳንኤል 2:44 ኣነጻጽሮ።) የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ሓንቲ ውግእ ዘይብላ ዓለም ከምጽእ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ንዓባይ ባቢሎን ዝምልከት ትንቢት ዕሙቝ ዝበለ መጽናዕቲ ንምግባር: ነታ ብ1988 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ኢዩ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምዕራፍ 33 ክሳዕ 37 ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ክርስትያን ኣረኣእያ ብዛዕባ ሕቡራት ሃገራት

ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት: መንግስታት ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣራዊት ኢየን ዝምሰላ። (ዳንኤል 7:​6, 12, 23፣ 8:​20-22) በዚ ኸአ ኢያ: ግምቢ ዘብዐኛ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ነቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ከምኡውን 17 ዘለዉ ኣራዊት ምስዞም ናይ ሎሚ ዓለማውያን መንግስታት እተመሳስሎም። እዚ ነታ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ከም ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቀርንን ዘለዎ ቀይሕ ኣራዊት ተገሊጻ ዘላ ሕቡራት ሃገራት ዘጠቓልል ኢዩ።

ይኹን እምበር: እዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስያመ እዚ: ንመንግስታትን ሰበ-ስልጣናተንን ዝዀነ ዓይነት ንዕቀት ምርኣይ ሸለል ኣይብልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከምዚ ይብል:- “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ: ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።”​—⁠ሮሜ 13:​1, 2

ብመሰረት እዚ ኸኣ: እቶም ጽኑዕ ፖለቲካዊ ገለልትነት ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ሰብኣውያን መንግስታት ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም። ፈጺሞም ሰውራ ኣየልዕሉን ወይ ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ዘይምእዛዝ ተግባራት ኣይሳተፉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ: ኣብ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ: ሕግን ስርዓትን ምእንቲ ክሕሎ ገለ ዓይነት ምምሕዳር ኣድላዪ ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 13:​1-7፣ ቲቶስ 3:⁠1

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕቡራት ሃገራት ልክዕ ከምቲ ነተን ካልኦት ናይ ዓለም መንግስታውያን ኣካላት ዝርእይወን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ። ሕቡራት ሃገራት ብፍቓድ ኣምላኽ ምንባር ከም እትቕጽል ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ንዅለን መንግስታት ዝግብአን ክብሪ ይህቡወን: ከምዚ ዝበለ ተኣዛዝነት ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዝሓጥኡ ክሳዕ ዘይገበሮም ድማ ይሕልውዎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ