ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/10 ገጽ 19-24
  • ኣሰር ወለደይ እስዕብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣሰር ወለደይ እስዕብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ባባ ነታ መንግስቲ ዝነበሮ ቅንኢ
  • ናይ ኣደይ እሙን ኣገልግሎት
  • ናይ ግዜ ንእስነት ኣገልግሎት
  • ካልኣይ ውግእ ዓለም ይባራዕ
  • ባህ ዘብል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት
  • ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ወለድና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ምሂሮምና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ኣየጣዕሰንን ኢዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ወላድየይ እንተ ሓሚሙ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/10 ገጽ 19-24

ኣሰር ወለደይ እስዕብ

ብሂልዳ ፓጀት እተዘንተወ

“ህይወተይ ንኣገልግሎት ናይቲ ልዑሉ እተወፈየት ኢያ: ንኽልተ ጐይቶት ድማ ከገልግል ኣይክእልን ኢየ” ብምባል እቲ ናይ ጋዜጣ ጸብጻብ ይገልጽ። እዘን ቃላት እዚኣተን ካብቲ ነቶም ናይ ብርቲሽ ናይ ዕዮን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሚኒስትሪ ሰበ-ስልጣናት: ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1941 ኣብ ናይ ሆስፒታል ስራሕ ተመዲበ ክስርሕ ዝሃበኒ ትእዛዝ ምስ ኣበኹ ንዘቕረብክዎ ምኽንያት ዝገልጽ ሓሳባት እተወስዳ ኢየን። ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ: ገበነኛ ተቘጸርኩ: ብምእባየይ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ተፈረድኩ።

ኣብዚ ክወጸሉ ዘይክእል መዋጥር ዘእተወኒ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ገለ ናይ ንእስነት ድልየት ወይ ድማ ናይ ዕልወት ጠባይ ኣይኰነን ከምኡ ከግብረኒ ዝኸኣለ። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ምኽንያት ገና ቈልዓ ከሎኹ ዝጀመረ ኢዩ።

ባባ ነታ መንግስቲ ዝነበሮ ቅንኢ

5 ሰነ 1914 ብሰሜን ኢንግላድ ጥቓ ሊድስ ኣብ ዝርከብ ሆርስፎርዝ እተባህለ ቦታ ኢየ ተወሊደ። ወለደይ ኣትኪንሰንን ፓት ፓጀትን ኣብቲ ባባ ኦርጋን ዝጻወተሉ ዝነበረ ጥንታዊ ናይ ሜቶዲስት ቤት ጸሎት: ናይ ሰንበት መማህራንን ናይ መዘምራን ኣባላትን ኢዮም ነይሮም። ሕጻን ከሎኹ ገዛና ብዘይካ ብሓንቲ ነገር ብኻልእ ሕጕስቲ ኢያ ነይራ። ንባባ ኵነታት ዓለም የሻቕሎ ነይሩ። ውግእን ዓመጽን ይጸልእ ከምኡውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣይትቕተል” ዝብል ትእዛዝ ይኣምኖ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘጸኣት 20:​13

ብ1915 እቲ መንግስቲ ንዅሎም መንእሰያት ብወለንታ ኣብ ውትህድርና ክሳተፉ: በዚ ድማ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ምግዳድ ከልግሱ ደረኾም። ባባ ድማ ስግኣት ኣሕዲሩ ምሉእ መዓልቲ ማይ እናወቐዖ ወታሃደር ንምዃን ክምዝገብ ተሰሪዑ ወዓለ። ኣብታ ቀጺላ ዘላ መዓልቲ ግና ምሉእ ህይወቱ ተለወጠ!

ኣብ ሓደ ዓቢ ገዛ ከም ዓራይ ትቦታት ኰይኑ ክሰርሕ ከሎ: ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ተዛራረበ። እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ድማ ሓንቲ ነቲ ናይ ጐይታ ክቡር ነገር ምእካብ ዘርእስታ ትራክት ሃቦ። ባባ ኣብ ገዛ ወሲዱ ኣንበባ: ደጋጊሙ ድማ ኣንበባ። “እታ ሓቂ ንሳ እንተድኣ ኰይና: ካልእ ኵሉ ሓሶት ኢዩ” ድማ በለ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ዝያዳ ሓበሬታ ክረክብ ሓተተ: ንሰለስተ መዓልቲ ድማ ክሳዕ ወጋሕታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽነዐ። ንሓቂ ከም ዝረኸባ ድማ ፈለጠ! ናይ ሰንበት 2 ጥሪ 1916 መዝገበ-ዕለቱ ከምዚ ትብል:- “ንግሆ ናብ ቤት ጸሎት ከይደ: ለይቲ ናብ ኣይ.ቢ.ኤስ.ኤ [ሽዑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ኣህጉራዊ ማሕበር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ስም:] ቀዳማይ ምብጽሐይ ናብቶም ኣሕዋት: ከይደ​—⁠እብራውያን 6:⁠9-20 ድማ ኣጽኒዐ።”

ብዙሕ ከይጸንሐ ምጽራር ጀመረ። ኣዝማድን ናይ ቤት ጸሎት ኣዕርኹን ድማ ንባባ ከም ጽሉል ገይሮም ሓሰብዎ። እንተዀነ ግን ንሱ ወዲእዎ ኢዩ ነይሩ። ኣኼባታትን መጽናዕትን ኣብ ህይወቱ ቀንዲ ነገር ኢዩ ነይሩ: ኣብ መጋቢት ድማ ናብ የሆዋ ዘለዎ ወፈያ ብማይ ብምጥማቕ ኣርኣየ። ባባ ንገለ ሰሙናት ንበይኑ ናብ ኣኼባታት ምስ ከደ: ኣደይ ንኸይከይድ እትገብሮ ዝነበረት ምጽራር ኣቋረጸት። ንዓይ ኣብቲ ናይ ቈልዑ ዓረብያ ኣእትያ ድማ ናብ ሊድስ 8 ኪሎ ሜተር ብእግሪ ተጓዕዘት: ልክዕ እቲ ኣኼባ ክውዳእ ከሎ ድማ ኣብኡ በጽሐት። ባባ እተሰምዖ ሓጐስ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ንድሓር ድማ ስድራቤትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓበረት።

ኵነታት ባባ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ​—⁠መጀመርያ ኣብ ሰራዊት ብወለንታኡ ተመዝጊቡስ ድሓር ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት: ናይ ሕልና ተቋዋሚ ኰይኑ ክኣቢ ቀሊል ኣይነበረን። ምስ ተጸውዐ ድማ ብረት ምስካም ኣበየ: ብሓምለ 1916 ድማ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ውሳኔታት ናይ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ: 90 መዓልቲ ክእሰር ተፈርደ። እቲ ናይ መጀመርያ ፍርዱ ምስ ወድአ: ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ነበሮ: ንዐአን ስዒበን ድማ በቲ ካልእ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝፈረዶ መሰረት ን90 መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። እቲ ካልኣይ ፍርዲ ናይ ማእሰርቲ ምስ ወድአ ድማ: ናብቲ ናይ መንግስታዊ ሰራዊት ሕክምናዊ ኮር ተቐየረ: ብ12 ለካቲት 1917 ድማ ናብ ሮየን ፈረንሳይ ክኸይድ ብናይ ወተሃደራት መርከብ ተበገሰ። እቲ መዝገበ-ዕለቱ ከም ዝሕብሮ ድማ በቲ ኣብኡ ዝነበሮ ኵነታት ዝያዳ ይጕሂ ነበረ። ኣብኡ ኰይኑ ድማ ነቶም ዝቘሰሉ ወተሃደራት እንደገና ሓውዮም ናብ ውግእ ክኸዱ ይሕግዝ ከም ዘሎ ተገንዘበ።

ስለዚ ድማ እንደገና ምትሕብባር ኣበየ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ናይ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ: ኣብቲ ኣብ ሮየን ዘሎ ናይ ብርትሽ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ፈረዶ። ባባ ከም ናይ ሕልና ተቓዋሚ መጠን ኣብቲ ናይ ሲቭል ቤት ማእሰርቲ ክሓልፍ ምስ ሓተተ ድማ ብናይ ማይን መግብን መቕጻዕቲ ንሰለስተ ወርሒ ተፈርደ: ቀጺሉ ድማ ሚዛኑ ክሳዕ ዝውስኽ እቲ ልሙድ ናይ ቤት ማእሰርቲ መግቢ ተዋህቦ፣ እንደገና ድማ ብምልኡ እቲ መስርሕ ተደግመ። ብመዓልቲ ኢዱ ንድሕሪት ብምጥዋይ: ለይትን ኣብ ግዜ መግብን ድማ ኢዱ ንቕድሚት ብምግባር ብመቝሕ ተኣስረ። ብሰንኪ ናይቲ ጸበብቲ: ኣብ ስጋኡ ዝጠብቕ ዝነበረ መቝሕ ድማ: ንመዋእሉ ዝጸንሐ ዝረኸሰ ቍስሊ ዝገደፎ በሰላ ኣብ ጕንቦ ኣእዳዉ ነበሮ። ምስ መዓንጥኡ እተኣስረ ናይ እግሪ ሰንሰለት እውን ነይርዎ ኢዩ።

እቶም ናይ ሰራዊት ሰበ-ስልጣናት ነቲ ዝነበሮ ጽንዓት ንምስባር ዝከኣሎም ዘበለ ኵሉ ብሓይሎም ገይሮም ኢዮም: ምንም ፋይዳ ግን ኣይነበሮን። መጽሓፍ ቅዱሱን መጻሕፍቱን ኣግደፍዎ። ካብ ገዛ ዝመጾ ደብዳበታት ኣይነበሮን: ንሱውን እንተዀነ ክሰድድ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ናይ ጥሜት ኣድማ ብምግባር ቅንዕናኡ ክገልጽ ወሰነ። ከይበልዐን ከይሰተየን ንሾውዓተ መዓልቲ ብምጽናሕ ድማ ነቲ ዘውጽኦ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ: ብኸቢድ ስለ ዝሓመመ ድማ ናብቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሆስፒታል ከም ዝሰጋገር ተገብረ። ሽሕ’ኳ ህይወቱ ዳርጋ ኣጥፊኡ እንተ ነበረ: ነቲ ዝሓሰቦ ግን ኣስሊጡ ኢዩ። ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመታት: ንህይወቱ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ጌጋኡ ተኣመነ: ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ እንደገና ፈጺሙ ከም ዘይወስድ ተኣመነ።

ባባ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ እቲ ውግእ ብሕዳር 1918 ተወድአ: እንተዀነ ግን: ኣብ መጀመርያ ናይታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ናብቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ሲቪል ቤት ማእሰርቲ ተቐየረ። እቲ ኵሉ ተኣኪቡ ዝነበረ ናይ ኣደይ ደብዳበታትን ናኣሽቱ ሳንጣታትን ምስቲ ኽቡር መጽሓፍ ቅዱሱን መጽሓፍቱን ክቕበሎ ከሎ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ናብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ምስ ናቱ ዝመሳሰል ተመኵሮ ዘሕለፈ መንእሰይ ሓው ዝረኸበሉ ቤት ማእሰርቲ ዊንቸስተር ድማ ተወስደ። ስሙ ፍራንክ ፕላት ይበሃል: ንሱ ዳሕራይ ኣብቲ ናይ ሎንዶን ቤትኤል ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለ ኢዩ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ክራኸቡ ድማ መደብ ገበሩ: እንተዀነ ግን ፍራንክ ናብ ካልእ ተለወጠ።

ብ12 ሚያዝያ 1919 ኣደይ “ሃሌሉያህ! ሎንዶን ደዊለ​—⁠ንገዛ እመጽእ ኣሎኹ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ቴሌግራም ተቐበለት። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ፈተናን ፍርድን ምፍልላይን: ከመይ ዝበለ ግዜ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ባባ ናይ መጀመርያ ሓሳቡ ነቶም ኣብ ናይ ሎንዶን ቤትኤል ዘለዉ ኣሕዋት ደዊሉ ክረኽቦም ኢዩ ነይሩ። ኣብ 34 ክራቨን ቴረስ ድማ ፍቕራዊ ኣቀባብላ ተገብረሉ። ባባ ነብሱ ተሓጺቡ ጭሕሙ ምስ ተላጸየን እተለቅሖ ጁባን ስረን ቆቢዕን ምስ ለበሰ: ናብ ገዛ መጸ። እቲ ዝነበረና እንደገና ምሕባር ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ኣነ ሽዑ ዳርጋ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኢየ ነይረ: ንባባ ድማ ኣይዘከርክዎን።

ባባ ናጽነቱ ምስ ረኸበ እተኻፈሎ ናይ መጀመርያ ኣኼባ: ዝኽሪ ኢዩ ነይሩ። ናብቲ ኣደራሽ ዘእቱ መደያይቦ ክድይብ ከሎ: እቲ መጀመርያ ዝረኸቦ ሓው: እቲ ኣብ ናይ ሊድስ ሆስፒታል ምስኡ ተቐይሩ ዝነበረ ፍራንክ ፕላት ኢዩ ነይሩ። ተመኵሮታቶም ክነጋገሩ ከለዉስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ነይርዎም! ፍራንክ ካብኡ ንደሓር ክሳዕ እቲ ካብ ሆስፒታል ዝወጽእ ገዛና ካልኣይቲ ገዝኡ ገበራ።

ናይ ኣደይ እሙን ኣገልግሎት

ኣብቲ ባባ ኣብ ገዛ ዘይነበረሉ እዋናት: ኣደይ ነቲ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ውሑድ እቶት ንምውሳኽ ክዳውንቲ ትሓጽብ ነበረት። እቶም ኣሕዋት ንዓና ኣዝዮም ሕያዎት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውሑዳት ሰሙናት ሓደ ካብቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ሓንቲ ካብ ዘይተፈልጠ ሰብ ዝመጸ ህያብ ዝሓዘት ንእሽቶ ደብዳበ ነደይ ይህባ ነበረ። ኣደይ ኵሉ ግዜ ኣብ የሆዋ ክትጠብቕን ነቲ ዝነበረ ፈታኒ እዋናት ድማ ክትጻወርን ዝሓገዛ ናይቶም ኣሕዋት ፍቕሪ ምዃኑ ኢያ እትዛረብ። ባባ ኣብ ዘይነበረሉ እዋናት ብእምነት ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትካፈል ነበረት። እቲ ዝኸፍአ ፈተናኣ: ኣብቲ ንልዕሊ ዓመት ዝኸውን ባባ ብህይወት ይሃሉ ኣይሃሉ ዘይትፈልጠሉ ዝነበረት ግዜያት ኢዩ ነይሩ። ከም ተወሳኺ ሸከም ድማ ክልቴና: ኣደይን ኣነን: ብ1918 ብሕማም ስፓንሽ ፍሉ ተታሓዝና። ኣብ ኵሉ ከባቢና ሰባት ይሞቱ ነይሮም። ንጐረባብቲ ክሕግዙ ዝኸዱ ጐረባብቲ በቲ ሕማም ተታሒዞም ሞቱ። እቲ ዝነበረ ዋሕዲ መግቢ ነቲ ናይ ሰባት ሕማም ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ኣጕዲልዎ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

እተን ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ቅሩብ ግዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም: ንሱ . . . ኬጽንዓኩም ኬበርትዓኩም . . . እዩ” ዝብላ ቃላት ኣብ ስድራቤትና ሓቂ ምዃነን ተረጋጊጸን ኢየን! (1 ጴጥሮስ 5:10) እቲ ንወለደይ ዝወረዶም ስቓይ ኣብ የሆዋ ዘይትናቓነቕ እምነት ክስርቱ: ከም ዝሓልየልናን ካብታ ፍቕሪ ኣምላኽ ድማ ዝፈልየና ከም ዘየለ ፍጹም ዝዀነ መረጋገጺ ከጥርዩ ክኢሎም ኢዮም። ብፍላይ ድማ ኣነ ኣብ እምነት ከምዚ ዝበለ መዕበያ ምርካበይ ተባሪኸ ኢየ።​—⁠ሮሜ 8:​38, 39፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠7

ናይ ግዜ ንእስነት ኣገልግሎት

ካብቲ ባባ እተፈትሓሉ ጀሚሩ: መንግስቲ ኣገልግሎት ናይ ህይወትና ማእከል ኰነ። ብምኽንያት ሕማም እንተ ዘይኰይኑ ኣኼባ ዘብኰርኵሉ ግዜ ፈጺሙ ኣይዝከረንን ኢዩ። ንገዛ ድሕሪ ምምላሱ ብዙሕ ከይጸንሐ: ዓቢ ኣኼባ ንኽንካፈል ንመጓዓዝያ ዝኸውን ገንዘብ ንኽንረክብ ባባ ነታ ዝነበረቶ መስኣሊትን ናይ ኣደይ ወርቂ በናጅርን ሸጦ። ንናይ ዕረፍቲ ግዜ ዝኸውን ገንዘብ እኳ እንተ ዘይነበረና: ነቲ ኣብ ሎንዶን ዝነበረ ሓዊስካ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣኼባታት ግን ኣምሊጦምና ኣይፈልጡን ኢዮም።

ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበራ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ምሕዳስ እዋናት ኢየን ነይረን። ባባን ማማን ምሉእ ብምሉእ ነቲ ዝነበሮም ኣጋጣሚታት ንምሕዝነትን ንምሕባርን ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ንበጽሖም ከም ዝነበርና: ከምኡውን እቶም ዓበይቲ ሓቢሮም ንሰዓታት ዝኣክል ብዛዕባ ሓድሽ ምርዳእ ናይ ሓቂ ክዘራረቡ ከለዉ: ኣነ ግና ከም ንእሽቶ ጓል መጠን ኮፍ ኢለ ሕብሪ ክለክን ክስእልን ከሎኹ ክዝክሮ እኽእል ኢየ። ሓቢርካ ምዕላል: ብኦርጋን እተሰነየ ናይ መዝሙር መደብ: ደስ ዘብል ምሕዝነት ምስትምቓር: ነቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘሐጕስን ዘሐድስን ይገብሮ ነይሩ።

ወለደይ በቲ ዝገብሩለይ ዝነበሩ ምልምማድ ኣዝዮም ጽኑዓት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፍልይቲ ኢየ ነይረ: ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከሎኹውን ከይተረፈ: እቶም ክፍሊ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክማሃሩ ከለዉ ምእንቲ ከንብብ “ሓድሽ ኪዳን” እማላእ ነይረ። ድሓር ኣብ በዓል ዝኽሪa ብዘይ ምስታፈይ ከም “ናይ ሕልና ተቓዋሚት” ኰይነ ብቕድሚ ኵሉ እቲ ክፍልታት ከም ዝሓልፍ ተገብረ። ኣተዓባብያይ ኣይጠዓሰሉን ኢየ። እኳ ድኣ: ዕቍባን ኣብታ “ጸባብ ደገ” ንኽቕጽል ድማ ዘቕልለለይን ኢዩ ኰይኑ። ወለደይ ኣብ ዝዀነ: ንኣኼባታት ይኹን ኣገልግሎት ክኸዱ ከለዉ ኣነ ምስኦም እኸይድ ነይረ።​—⁠ማቴዎስ 7:​13, 14

እታ ንመጀመርያ ግዜ ባዕለይ ስብከት ዝጀመርኩላ ሰንበት ንግሆ ብፍላይ እዝክራ ኢየ። ጓል 12 ዓመት ኢየ ነይረ። ኣብ ዕድመ ኰተቴ ከሎኹ: ሓንቲ ሰንበት ንግሆ ገዛ ክውዕል ምዃነይ ክነግሮም ይዝከረኒ። ዝወቐሰኒ ወይ ድማ ንክኸይድ ዝገደደኒ ኣይነበረን: ስለዚ ድማ ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ ኣታኽልቲ ኰይነ መጽሓፍ ቅዱሰይ ከጽንዕን ቀጨውጨው ክብለንን ወዓለ። ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ንባባ “ሎሚ ንግሆ ምሳኻ ክኸይድ ኢየ!” በልክዎ። ካብኡ ንድሓር ንድሕሪት ገጸይ ጠሚተ ኣይፈልጥን።

1931 ከመይ ዝበለት ድንቂ ዝዀነት ዓመት ኰን ኢያ ነይራ! እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ሓድሽ ስምና እተቐበልናላ ጥራይ ዘይኰነትስ: ኣብቲ ኣብ ሎንዶን ናይ ኣለክሳንድራ ፓላስ እተገብረ ዓቢ ሃገራዊ ኣኼባ እተጠመቕኩላ ዓመት ኢያ ነይራ። እታ መዓልቲ እቲኣ ፈጺመ ኣይርስዓን ኢየ። ነዊሕ ጸሊም ክዳን ኢና ተኸዲንና ነይርና: ናተይ ድማ ድሮ ካልእ ተጠማቒት ተኸዲናቶ ስለ ዝነበረት ጥልልቲ ኢያ በጺሓትኒ!

ከም ቈልዓ መጠን ዝነበረኒ ምህንጣይ ኮልፖርቲዩር: ሽዑ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም: ንምዃን ኢዩ ነይሩ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ ድማ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ክዓዪ ከም ዘሎኒ ተሰመዓኒ። ስለዚ ብመጋቢት 1933: ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ መዓርግ ኣቶኹ።

ዳርጋ ደርዘን እንኸውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብሓባር ኣብ ገለ ዓበይቲ ከተማታት ብምኻድ ምስቶም ናይቲ ቦታ ኣሕዋት ብምጽናሕ ከም ጋንታ ኰይንና እንገብሮ ዝነበርና “ናይ ፓይነር ሰሙናት” ፍሉይ ሓጐስ ዝነበሮ ኢዩ። ነቶም ናይ ሃይማኖት መራሕትን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ንኣሽቱ መጽሓፍቲ ነብጽሓሎም ነበርና። ክትቀርቦም ትብዓት የድሊ ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ብጸርፊ ኢዮም ዝቕበሉና ነይሮም: ኣብ ገጽና ማዕጾ እተዓጸወና ድማ ውሑዳት ኣይኰንናን። እዚ ድማ ኣየጨነቐናን: ምኽንያቱ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ክንጽረፍ ብዙሕ ምህንጣይ ስለ ዝነበረና ተሓጒስና ኢና።​—⁠ማቴዎስ 5:​11, 12

ኣብ ሊድስ ናይ ቈልዓ ዓረብያ: ሰለስተ እግራ ብሽግለታ: ከምኡውን ናይ ሰብ መጽዓኒ ዘለዋ ናይ ባባ ሞተርሳይክል: ድሓር ድማ ማኪናኡ: ዓበይቲ መጕልሕ ድምጺ ዘለዎ ግራማፎን ንኽሽከማ ለወጥናየን። ክልተ ኣሕዋት ነታ ግራማፎን ሒዞም ምስታ ማኪና ናብቲ ጽርግያ ይኸዱ እሞ: ነቶም ሰባት ድማ ነቲ እተቐድሐ ናይ ራዘርፎርድ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝርርብ ንኽሰምዑ ምእንቲ ክዳለዉ ኣብታ ማኪና ሙዚቃ ብምውላዕ ናብ ደገ ከም ዝወጹ ይገብርዎም። ድሕር’ዚ ድማ ንሕና: እቶም ኣስፋሕቲ ዝዀንና: ደድሕሪኦም ብምኻድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክንዕድል ከሎና ንሳቶም ናብቲ ቀጺሉ ዘሎ ጐደና ይኸዱ።

ንዓመታት ዝኣክል: ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ምሸት ድሕሪ ኣኼባ: ናብቲ ሰባት ዝርርብ ዝህብሉ ቦታ ናይ ታውን ሆል ኣደባባይ ብምኻድ: ንሓንቲ ካብተን ናይ ሓው ራዘርፎርድ ናይ ሓደ ሰዓት ዝርርብ ነስምዕ ንኣሽቱ ጽሑፋት ብምዕዳልን ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ድማ ብምርካብን ሓገዝና ነበርክት ነበርና። ኣብኡ ድማ ፍሉጣት ኰንና። እቶም ፖሊስ እውን ከይተረፈ የኽብሩና ነይሮም። ሓደ ምሸት ከምቲ ልሙድ ተኣኪብና ከሎና: ካብ ርሑቕ ድምጺ ናይ ከበሮን ናይ ሙዚቃ ባንድን ሰማዕና። ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ ዳርጋ ሚእቲ ዝዀኑ ናይ ፋሽስት ጕጅለ ናብቲ መገዲ መጹ። ብድሕሬና ድማ ናባና ገጾም ቀረቡ: ባንዴራኦም ንላዕሊ ክብ ኣቢሎም ብምሓዝ ድማ ኣብ ጥርጥር ኣተዉ። እቶም ጕጅለ ደው በሉ: “እንተ ደልዮም ንባንዴራኦም ሰላምታ ይሃቡ: ንሰባት ድማ ልዕል የብሉ ሕደግዎም። ንሕና ግና ንየሆዋ ኣምላኽና ጥራይ ኢና እንምልኽን ልዕል እነብልን!” ዝብል ናይ ሓው ራዘርፎርድ ድምጺ ክቃላሕ ከሎ ጸጥታ ሰፈነ። ቐጺሉ እንታይ ክኸውን ኢዩ ብምባል ተገረምና! ጽቡቕ ምስክርነት ረኺቦም ድኣምበር: ካልእ ዘጋጠመ ነገር ኣይነበረን: ነቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይቲ ዝርርብ ምእንቲ ክንሰምዕ ድማ እቶም ፖሊስ ነቶም ህዝቢ ስቕ ኣበልዎም።

ኣብዚ ግዜ እዚ ዓቢ ምስክርነት ምእንቲ ክንህብ ክሕግዘና ግራማፎን ምጥቃም ተጀመረ። ኣብቲ ኣፍደገ ናይቲ ማዓጾ ኰይንና ነቲ እተቐድሐ ምሉእ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝርርብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክሰምዑ ተጠንቂቕና ንከታተል ነይርና። ሰብ ቤት መብዛሕትኡ ግዜ ንገዛኦም ክንኣቱ ይዕድሙና ተመሊስና ብምምጻእ ካልእ እተቐድሐ ዝርርብ ከነስምዖም ድማ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም።

1939 ምስቲ ምጅማር ናይ ምጽራርን ዓመጽን ሓዊስካ ኣዚና ብስራሕ ትሑዛት ዝነበርናላን ጽንክርትን ዓመት ኢያ ነይራ። ቀቅድሚ እቲ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ኣኼባታትና: ኣሕዋት ውሑድ ናይ ጽርግያ ናዕብን ዋዕዋዕን ኣጋጢምዎም ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ድማ: ኣብ ግዜ እቲ ኣኼባ: ፍሉያት ጕጅለ ኣሕዋት ብማኪና ኣብቲ ኣሸጋሪ ቦታታት ከይዶም ክሰብኩ: እተን ኣሓትን ካልኦት ኣሕዋትን ድማ ኣብቲ ድሓን ዝዀነ ቦታታት ክሰብኩ መደብ ተገብረ። ኣብ ሓደ ጐደና ምስ ገለ ጕጅለ እናዓየኹ ከሎኹ: ነተን ብድሕሪት ዝነበራ ገዛውቲ ንምብጻሕ ኣብ ሓደ ጸቢብ መተሓላለፊ ዘለዎ ቦታ ኣቶኹ። ኣብ ኣፍ ደገ ማዕጾ ከሎኹ ድማ ናይ ናዕቢ ድምጺ ክጅምር ከሎ ሰማዕኩ​—⁠ኣብቲ ጐደና ዋዕዋዕን ጫውጫውን ነበረ። ክሳዕ እቲ ኵነታት ከም ዝዘሓለ ዘረጋግጽ ድማ ነቲ ዝርርብ ብምንዋሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኰይነ ነቲ ሰብ ምዝራብ ቀጸልኩ። ካብኡ በቲ ጸቢብ መተሓላለፊ ገይረ ናብቲ ጐደና ምስ ወጻእኩ: እቶም ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክረኽቡኒ ስለ ዘይከኣሉ ክሻቐሉ ረኸብክዎም! ጸኒሑ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: እቶም መናዓብቲ ነቲ ኣኼባና ክዘርጉ ፈተኑ: እንተዀነ ግን በቶም ኣሕዋት ተኸልከሉ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ይባራዕ

ኣብዚ ግዜ እዚ ብግዲ ምኽታብ ተጀመረ: ብዙሓት መንእሰያት ኣሕዋት ድማ ካብ 3 ክሳዕ 12 ኣዋርሕ ዝኣክል ተኣስሩ። ባባ ድማ ናይ ቤት ማእሰርቲ በጻሒ ብምዃን ተወሳኺ መሰል ረኸበ። ኵሉ ግዜ ሰንበት ድማ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ይመርሕ ነይሩ። ረቡዕ ምሸት ድማ ነቶም ኣሕዋት ኣብቲ ዘለውዎ ክፍልታት ብምኻድ ይበጽሖም ነበረ። ንገዛእ ርእሱ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነዊሕን ከቢድን ናይ ቤት ማእሰርቲ ተመኵሮ ኣሕሊፉ ስለ ዝዀነ: ነዞም ተመሳሳሊ ፈተናታት ዝበጽሖም ዘሎ ብፍላይ ከገልግል ሕጕስ ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ ብ1959 ዝመውት ን20 ዓመታት ከምኡ ይገብር ነበረ።

ብ1941 ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝነበረና ናይ ገለልትነት ኣቕዋምና ዝነበሮም ምረትን ጽልእን ዝገልጽሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ጐደናታት መጽሔታት ሒዝካ ደው ክትብልን ነዚ ድማ ክትዋጽኣሉን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብዚ እዋን እዚ: ነቶም ኣብ ከባቢና ሰፊሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ክንሕግዝ እውን ተሓጒስና ኢና። ደቂ ላትቭያ: ፖላንድ: ኤስቶንያ: ጀርመን​—⁠ብቛንቋኦም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ምጽንናዕ (ሕጂ ንቕሑ! ዝበሃል ዘሎ) ረኺቦም ክሕጐሱ ክትርኢ ከሎኻስ: ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!

ድሓር ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም: ብመሰረት እቲ ዝወሰድክዎ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ግዜ ፈተናይ መጸ። ካብተን 24 ሰዓታት ን19 ሰዓት ኣብ ክፈለይ እዕጾ ብምንባረይ ናይ ቤት ማእሰርቲ ህይወት ከቢድ ኰይኑ ረኸብክዎ። እተን ናይ መጀመርያ ሰለስተ መዓልቲ: በይነይ ስለ ዝነበርኩ ዝኸበዳ ኢየን ነይረን። ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ናብቲ ክልተ ካልኦት ኣዋልድ ደው ኢለን ከለዋ ዝረኸብክሉ: ናይቲ ኣማሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዕኩ። ሓንቲ ካብተን ኣዋልድ “ስለምንታይ ኢኺ ተኣሲርኪ፧” ኢላ ብምሕሹኵሻኽ ተዛረበትኒ። “እንተድኣ ነጊረኪ ክትግረሚ ኢኺ” በልክዋ። ብእተወጠረ ምሕሹኵሻኽ ድማ “ጀይ ዳብሊው ዲኺ፧” በለት። እታ ሓንቲ ድማ ሰሚዓታ ንኽልቴና “ጀይ ዳብሊውስ ዲኽን” ኢላ ሓተተትና። ሰለስቴና ድማ ተሓቋቘፍና። ካብኡ ንድሓር ንበይንና ኣይነበርናን!

ባህ ዘብል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ቀጸልክዎ: ሽዑ ቤት ትምህርቲ ዝገደፈቶ ሓንቲ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ድማ ሓበረትኒ። ናብታ ኣብ ደንደስ ዮርክሸር ዳለስ ዘላ ውቅብቲ ዓዲ ኢልክል ድማ ከድና። ንሹድሽተ ኣዋርሕ ምሉእ: ንመአከቢና ዝኸውን ቦታ ክንደሊ ኣበርቲዕና ጸዓርና። ኣብ መወዳእታ ድማ: ድሓር ናብ መንግስቲ ኣዳራሽ ዝለወጥናያ ንእሽቶ ጋራዥ ተኻረና። ባባ ድማ መብራህትን መመቍን ብምቕራብ ኣብቲ ከቢድ ስራሕና ክሕግዘና መጸ። ነቲ ገዛ እውን ሰላሊሙልና ኢዩ። ንዓመታት ዝኣክል እታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ህዝባዊ ዝርርባት ዝህቡ ኣሕዋት ብምልኣኽ ደጊፋትና ኢያ። ብበረኸት የሆዋ ድማ ሃብቲምናን ዓቢናን ኢና: ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤ ተመስረተት።

ኣብ ጥሪ 1959 ባባ ብሃንደበት ሓመመ። ናብ ገዛ ተጸዋዕኩ: ኣብ ሚያዝያ ድማ ሞተ። እተን ዝሰዓባ ዓመታት ከበድቲ ኢየን ነይረን። ኣደይ ጥዕናኣ እናጐደለ ኸደ ምስኡ ኸኣ ምዝካራ ቀነሰ: እዚ ድማ ቃልሲ ኰነኒ። እንተዀነ ግን: መንፈስ የሆዋ ክቕጽል ሓጊዙኒ ኢዩ: ክሳዕ ብ1963 እትመውት ድማ ክኣልያ ክኢለ ኢየ።

ኣብዚ ኵሉ ዓመታት ካብ የሆዋ ብዙሕ በረኸታት ረኺበ ኢየ። ንኽትጽብጽቦ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ጉባኤይ ክትዓብን ኣርባዕተ ግዜ ድማ ክትምቀልን: ኣስፋሕትን ፓይነራትን: ገለ ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ክሳዕ ቦሊቭያ: ላኦስ: ከምኡውን ኡጋንዳ ክትሰድድን ርእየ ኢየ። ናይ መርዓን ኣብ ሓደ ኮፍ ምባልን ኣጋጣሚታት ኣባይ ፈጺሞም ኣይሰርሑን። እዚ ድማ ኣየጕህየንን ኢዩ፣ ብስራሕ ኣዝየ ትሕዝቲ ኢየ ነይረ። ዋላ እኳ ብስጋ ኣዝማድ እንተ ዘይብለይ: ብጐይታ ደቅን ደቂ ደቅን: አረ ሚእቲ ዕጽፊ ዝዀኑ እውን ኣለዉኒ።​—⁠ማርቆስ 10:​29, 30

መብዛሕትኡ ግዜ ክርስትያናዊ ሕብረት ንምስትምቓር መንእሰያት ፓይነራትን ካልኦት መንእሰያትን ናብ ገዛይ እዕድሞም። ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሓቢርና ንዳሎ። ልክዕ ከምቲ ወለደይ ዝገብርዎ ዝነበሩ: ተመኵሮ ንነጋገር ከምኡውን መዝሙር መንግስቲ ንዝምር። በቶም ሕጕሳት ጕጅለ መንእሰያት ተኸቢበ ድማ ናይ መንእሰይን ሕጕስን መልክዕ ኢየ ዝሕዝ። ንዓይ ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝሓይሽ ህይወት የብለይን። ኣሰር ወለደይ ክስዕብ መሰል ብምርካበይ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ። ጸሎተይ ንየሆዋ ንዘለኣለም ምግልጋል ንምቕጻል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1918 ድሓር ድማ ብ1945 ንእተወድአ ጽልእታት ንምዝካር ዝግበር በዓል።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሂልዳ ፓጀት: ምስ ወለዳ ኣትኪንሰንን ፓትን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እታ ባባ ኣብ ሓቂ ዝነበሮ ተገዳስነት ዝወለዐት ትራክት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ