ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/12 ገጽ 20-24
  • ወለድና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ምሂሮምና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወለድና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ምሂሮምና
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምፍላጥ
  • ብመሰረት እቲ እተማህርዎ ስጕምቲ ምውሳድ
  • ሓቂ ምሂሮምና ኢዮም
  • ኣብ ሰልማ ዘጋጠመ እምባጋሮ
  • ናብ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ተጸዋዕና
  • ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ምስ ወለደይ
  • ንወለድና ምክንኻን
  • ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ወላድየይ እንተ ሓሚሙ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣሰር ወለደይ እስዕብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ምስ ኣምላኽን ምስ ኣደይን ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሰላም ረኺበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/12 ገጽ 20-24

ወለድና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ምሂሮምና

ብኤሊዛቤት ትሬሲ እተዘንተወ

ዕጡቓት ሰብኡት ንኣቦይን ኣደይን ካብታ ማኪና ጐቲቶም ኣውረድዎም: እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣቐዲሞም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣንጻርና ኣብ እተላዕለ እምባጋሮ ቀንዲ መራሕቲ ኢዮም ነይሮም። ኣነን ምዕባየይ ሓብተይን ኣብቲ ናይ ድሕሪት ኮፍ መበሊ ንበይንና ተረፍና: ደጊም ምስ ወለድና እንራኸብ ኰይኑ ኣይተሰማዓናን። ነዚ ብ1941 ኣብ ከባቢ ሰልማ: ኣለባማ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተፈጸመ ዘርዕድ ኵነታት ንኸጋጥም መገዲ ዝኸፈተ ጕዳይ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ኻብ ወለድና ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ምስ እዚ ፍጻመ እዚ እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ፧

ዱዊ ፋውንተይን ዝስሙ ኣቦና ገና ዕሸል ከሎ ወለዱ ብሞት ምስ ተፈልይዎ ኣብ ቴክሳስ ብዕዮ ማሕረስ ምስ ዝናበሩ መቕረባ ኣዝማድ ኢዩ ዓብዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ምእንቲ ኽሰርሕ ናብቲ ነዳዲ ዝፈሓረሉ ቦታታት ከደ። ብ1922 ወዲ 23 ዓመት ምስ ኰነ ንሓንቲ ዊኒ እትበሃል ምጭውቲ መንእሰይ ጓል ቴክሳስ ተመርዓወ እሞ: ኣብ ሓደ ቦታ ተቐሚጡ ቈልዑ ንምዕባይ መደብ ከውጽእ ጀመረ።

ኣብ ምብራቕ ቴክሳስ ኣብ ጥቓ እታ ንእሽቶ ከተማ ጋሪሰን ኣእዋም ዓንደ⁠-​ገመል ኣብ ዝበቝለሉ ቦታ ንመንበሪ ዝኸውን ገዛ ሰርሐ። ኣብቲ ቦታ እቲ እተፈላለየ ዓይነት ዘራእቲ እንተላይ ተኽሊ ጡጥን ዕፉንን የፍሪ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዘየፍርዮ ዓይነት ጥሪት እንስሳ ኣይነበሮን። ድሕሪ ገለ ግዜ ንዓና ንደቆም ወለዱና​—⁠እቲ ብስም ኣቦይ እተሰምየ ዱዊ ንእሽቶ ኢልና እንጽውዖ ኣብ ግንቦት 1924: ኤድዊና ኣብ ታሕሳስ 1925: ኣነ ኸኣ ኣብ ሰነ 1929 ተወለድና።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምፍላጥ

ኣቦይን ኣደይን ኣባላት እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክርስቶስ ተባሂላ እትፍለጥ ሃይማኖታዊት ጕጅለ ብምንባሮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ምርዳእ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። ብ1932 ግን ጂ. ዳብሊው. ኩክ እተባህለ ሰብኣይ ነተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትማ ደሊቨረንስ ከምኡውን ጋቨርንመንት እተባህላ መጻሕፍቲ ንሓወቦና ማንሮ ፋውንተይን ሃቦ። ማንሮ ብዛዕባ እቲ ዝምሃሮ ዝነበረ ንወለደይ ክነግሮም ይህንጠ ብምንባሩ: ኣብ ግዜ ቝርሲ እናመጸ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ዓንቀጽ የንብበሎም እሞ ኣቦይን ኣደይን ምእንቲ ኸንብብዋ ድማ ነታ መጽሔት ከምዛ ዝረስዓ ሓዲግዋ ይኸይድ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ ሰንበት ማንሮ ሓወቦና ንኣቦይ ኣብ ጐረቤትና ናብ ዝካየድ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመጽእ ዓደሞ። ንዅሉ ሕቶታቱ ሚስተር ኩክ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምልሰሉ ድማ ነገሮ። ኣቦይ ካብቲ ጽንዓት ምስ ተመልሰ ካብ ምሒር ታሕጓስ ከምዚ ብምባል ነገረና:- “ንሕቶታተይ ዝኸውን መልሲ ካብ ምርካብ ሓሊፈስ: እዚ ዘይበሃል ፍልጠት ቀሲመ መጺአ! እኹል ፍልጠት ዘሎኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ፣ ሚስተር ኩክ ብዛዕባ ሲኦል: ነፍሲ: ንምድሪ ብዛዕባ ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽን መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ ከም እትፍጽሞን ምስ ገለጸ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምንም እንዶ ኸም ዘይብለይ ክግንዘብ ጀመርኩ!”

ገዛና እንዳ ጋሻ ኢዩ ነይሩ። ኣዝማድን ኣዕሩኽን ይመጹን ምሳና ይቕንዩን ነበሩ: ፍጅ እተባህለ ዓይነት ከረመላን ፎፎልን ይሰርሑ: ኣደይ ፕያኖ ክትጻወት ከላ ኸኣ ምስኣ ሓቢሮም ይዝምሩ ነበሩ። በብቑሩብ ግን እዚ ንጥፈታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ምይይጣት ክትካእ ጀመረ። ሽሕኳ እቶም ንኣሽቱ ውሉዳት ንዅሉ እቲ ዘመያይጥ ጕዳያት ዘይንርድኦ እንተ ነበርና: እቲ ወለድና ኣብ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ዝነበሮም ሓያል ፍቕሪ ግሁድ ስለ ዝነበረ ነፍሲ ወከፍና ተመሳሳሊ ፍቕሪ ኣምላኽን ቃሉን ሓዲሩና ኢዩ።

ካልኦት ስድራቤታት እውን ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋናዊ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጽእ ኣርእስቲ ዘተኵር ሰሙናዊ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣባይተን ኣርሕየን ኢየን። እተን ኣብ ከባቢና ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ኸተማታት ኣፐልቢ ከምኡውን ናከዶቻዝ ዝቕመጣ ስድራቤታት ኣኼባታት ከአንግዳ ኸለዋ: ኵነታት ኣየር ብዘየገድስ ነታ ሞዴል አይ ፎርድ ዝዓይነታ ማኪናና ምልእ ኢልናያ ንጓዓዝ ነበርና።

ብመሰረት እቲ እተማህርዎ ስጕምቲ ምውሳድ

ወለድና ስጕምቲ ክወስዱ ኸም ዘለዎም ንኽግንዘቡ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ፍቕሪ ኣምላኽ ነቲ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ክትነግሮም ዝሓትት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) እዚ ብዛዕባ እምነትካ ህዝባዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝውሰድ ስጕምቲ ግን ብፍላይ ወለድና ብተፈጥሮኦም ሓናኻትን ትሑታትን ብምንባሮም ዓቢ ብድሆ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም ፍቕሪ ግን ንድሕሪት ዝሕጥ ከም ዘይብሉ ገይርዎም ኢዩ: እዚ ኸኣ ንሕናውን ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ንኽንገብር ክሕግዙና ደሪኽዎም ኢዩ። ኣቦይ ብዛዕባ እዚ “የሆዋ ካብ ሓረስቶት እውን ሰበኽቲ የዳሉ ኣሎ!” ብምባል ገለጸ። ኣቦይን ኣደይን ብ1933 ኣብ ሓደ ጥቓ እታ ኣብ ቴክሳስ እትርከብ ከተማ ሄንደርሰን ዝርከብ ራህያ: ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብማይ ጥምቀት ኣርኣዩ።

ኣብ ምጅማር 1935 ኣቦይ ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብምጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናዊ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ሓያለይ ሕቶታት ሓተተ። (ዮሃንስ 14:⁠2፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠11, 12፣ ራእይ 14:⁠1, 3፣ 20:⁠6) ብቐጥታ ካብቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ መልሲ መጾ። ሓው ራዘርፎርድ ኣብ ክንዲ ንሕቶታቱ ዝምልሰሉ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይታ ዓመት እቲኣ ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ዝካየድ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈል ዓደሞ።

ኣቦይ ‘እዚ ዘይከውን ነገር ኢዩ! ኣሕምልቲ እተዘርአ 26 ሄክታር መሬት ኣሎና። ኣብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ቕነ ክኣቱን ዕዳጋ ኽወርድን ኣለዎ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ነበሮ። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሐ ንዅሉ እቲ ዘቕረቦ ምኽኒታት​—⁠ዘራእትን ሓጹራትን ድልድላትን​—⁠ዝጸራረግ ደምሳሲ ውሒዝ ኣጋጠመ። በዚ ኸምዚ ድማ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ተኻሪና 1,600 ኪሎ ሜተር ንሰሜናዊ ምብራቕ ገጽና ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ከድና።

ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ኣቦይን ኣደይን ነቲ ብዛዕባ መንነት እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝድሕኑ “ብዙሓት ሰብ” እተዋህበ ንጹር መግለጺ ምስማዕ ኣሐጒስዎም ኢዩ። (ራእይ 7:⁠9, 14) እዚ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ንኣቦይን ኣደይን ኣብቲ ዝተረፈ ዓመታት ህይወቶም ደራኺ ሓይሊ ዀይንዎም ኢዩ: ንዓና ንደቆም ከኣ ነቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ንኽንነብር ዝህበና ዘለኣለማዊ ህይወት ዝዀነ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ክንሕዞ’ ኣተባቢዖምና ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠19 NW፣ መዝሙር 37:⁠29፣ ራእይ 21:⁠3, 4) ምንም እኳ ጓል ሓሙሽተ ዓመት እንተ ነበርኩ: ኣብቲ ደስ ዘብል ኣጋጣሚ ምስ ስድራይ ብምንባረይ ብሓቂ ተሓጒሰ ኢየ።

ካብቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ ተመለስና ነቲ ግርሁ እንደገና ዘራእናዮ እሞ: ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ኣኽል ታርፍ እቶት ረኸብና። እዚ ብርግጽ ንኣቦይን ኣደይን ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ምግባር ከቶ ብዘይዓስቢ ኸም ዘይተርፍ ንኽኣምኑ ሓጊዝዎም ኢዩ። ኣብቲ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ወርሒ 52 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ከሕልፉ እተሰማምዕሉ ፍሉይ መዳይ ናይቲ ዕዮ ስብከት ተጸምዱ። ድሕሪኡ ድማ እቲ ዝስዕብ ዘራእቲ ዝዝርኣሉ እዋን ምስ መጸ ዘለዎም ጥሪት ኵሉ ሸያየጡ! ኣቦይ ሓንቲ ሓሙሽተና እንነብረላ 6 ብ2.4 ሜትሮ ዝዀነት ተንቀሳቓሲት ገዛ ኣስርሐ: ንዓኣ እትጐትት ሓዳስ ክልተ ዝማዕጾኣ ፎርድ ማኪና ኸኣ ዓደገ። ሓወቦና ማንሮ እውን ልክዕ ከምዚ ገበረ እሞ: ምስ ስድራቤቱ ኣብ ተንቀሳቓሲ ገዛ ክነብር ጀመረ።

ሓቂ ምሂሮምና ኢዮም

ኣቦይን ኣደይን ኣብ ጥቅምቲ 1936 ፓይነራት: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝጽውዕሉ ስም: ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ። ብደረጃ ስድራቤት ከኣ ኣብተን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሓሓሊፉ ጥራይ ዝበጽሐን ኣብ ምብራቓዊ ቴክሳስ ዝርከባ ኣውራጃታት ክንሰብኽ ጀመርና። ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንጓዓዝ ነበርና: ብጠቕላልኡ ክርአ ኸሎ ግን ብሓቂ ኣዚና እተሓጐስናሉ ዓይነት ናብራ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኻልኦት ንኽነግርዎም ገዛእ ርእሶም ወፍዮም ንዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ክንመስሎም ኣቦይን ኣደይን ብቓሎምን ኣብነቶምን ምሂሮምና ኢዮም።

ብፍላይ ንሕና እቶም ውሉዳት በቲ ኣዴና ቤታ ብምርሕራሕ ዝገበረቶ መስዋእቲ ንንእዳ ነበርና። ክትሓድጋ ዘይደለየት ሓንቲ ንብረት ግን ነይራ ኢያ: ንሳ ኸኣ እታ ሰፋዪት ማኪናኣ ኢያ ነይራ። ዘይምሕዳጋ ድማ ብሓቂ ጠቓሚ ኢዩ ነይሩ። ሳላ እቲ ዝነበራ ናይ ምስፋይ ክእለት: ወትሩ ጽቡቕ ክዳውንቲ ንኽደን ነበርና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ኣኼባ ማራኺ ዝዀነ ሓድሽ ክዳውንቲ ንኽደን ነበርና።

ነቲ ሄርማን ጂ. ሄንሸል ምስ ስድራቤቱ በታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እትውነን መጕልሒ ድምጺ ዝነበራ ማኪና ናብ ከባቢና ዝመጽሉ እዋን ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክሮ። ንሳቶም ነታ ማኪና ኣብ ሓደ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ቦታ ደው የብልዋ እሞ: ሓጺር እተቐድሐ ዝርርብ ምስ ኣስምዑ ንሰባት ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኽህብዎም ብብሕቶም ምብጻሕ ይገብሩሎም ነበሩ። ዱዊ ንእሽቶ ምስቲ ሽዑ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ ኮተቴ ዝነበረ ሚልተን ወዲ ሄርማን ተዓራረኸ። ሕጂ ሚልተን ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኢዩ።

ኤድዊና ኣብቲ ብ1937 ኣብ ኦሃዮ ከተማ ኮለምበስ እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ተጠምቀት: ኣቦይን ኣደይን ድማ ፍሉያት ፓይነራት ናይ ምዃን መሰል ረኸቡ። ሽዑ እዚ ዕዮ እዚ ኣብ ወርሒ እንተ ወሓደ 200 ሰዓታት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምሕላፍ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ እቲ ናይ ኣደይ ሰናይ ኣብነት ንበዓል ቤተይ ኣብቲ ክርስትያናዊ መዝነታቱ ንኽድግፎ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዘኒ ኢየ ዝግንዘብ።

ኣቦይ ንሓንቲ ስድራቤት ጽንዓት ክገብረላ ምስ ዝጅምር: ነቶም ቈልዑ ጽቡቕ ኣርኣያ ምእንቲ ኽንኰኖም ንዓና ንውሉዳቱ ምስኡ ይወስደና ነበረ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከም እነንብብን ንገለ መሰረታውያን ሕቶታት ከም እንምልስን ይገብረና ነበረ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ መብዛሕትኦም ካብቶም ጽንዓት ዝገበርናሎም ንኣሽቱ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ። እወ: ንዓናውን ኣብታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንኽንጸንዕ ድልዱል መሰረት ተነቢሩልና ኢዩ።

ዱዊ ንእሽቶ ምስ ዓበየ: ኣብ ጸበብቲ ኽፍልታት ምስ ክልተ ንኣሽቱ ኣሓቱ ምንባር ከጸግሞ ጀመረ። ስለዚ ብ1940 ካብ ቤትና ኽወጽእን ምስ ሓደ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃን ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክጅምርን ወሰነ። ጸኒሑ ንኦድሪ ባረን ተመርዓወ። ኦድሪ እውን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ካብ ወለድና ብዙሕ ነገር ክትመሃር ብምኽኣላ ንኣቦይን ንኣደይን ኣጸቢቓ ኢያ ፈትያቶም። ዱዊ ብ1944 ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ: ንግዚኡ ምሳና ኣብታ ጸባብ ተንቀሳቓሲት ገዛ ክትነብር ጀመረት።

ሓው ራዘርፎርድ ኣብቲ ብ1941 ኣብ ሰይንት ሉዊስ: ሚዙሪ: እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ: ነቶም ኣብ ፍሉይ ቦታ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ካብ 5 ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ንኣሽቱ ብቐጥታ ተዛረቦም። ኣነን ኤድዊናን ነቲ ልኡምን ንጹርን ድምጹ ጽን ኢልና ንሰምዖ ነበርና: ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ኣብ ገዛ ንደቁ ዝምህሮም ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑና። ንወለዲ ድማ “ሎሚ ክርስቶስ የሱስ ነቶም ሰብ ኪዳኑ ዝዀኑ ህዝቡ ኣብ ቅድሚኡ ይእክቦም ኣሎ: ንደቆም መገዲ ጽድቂ ክምህርዎም ከኣ ሓያል መተሓሳሰቢ ይህቦም” ብምባል ኣተባብዖም። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣብ ቤትኩም ሓዝዎም: ሓቂ ኸኣ ምሃርዎም!” እቲ ዘሐጕስ ወለድና ነዚ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ ኢዮም!

ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓዊስካ ኣብ ጕዳያት ቤት ፍርዲ ዝረኸብዎ ዓወታት መብርሂ እትህብ ጀሆቫስ ሰርቫንትስ ዲፈንድድ እተባህለት ሓዳስ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ወጸት። ኣቦይ ነዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ብደረጃ ስድራቤት ከም እነጽንዓ ገይሩ ኢዩ። ነቲ ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ ኣብ ኣለባማ ከተማ ሰልማ ዘጋጠመ ፍጻመ ንዳሎ ኸም ዝነበርና ከቶ ኣይፈለጥናን።

ኣብ ሰልማ ዘጋጠመ እምባጋሮ

ቅድሚ ቐትሪ ናይታ እቲ ዘርዕድ ኵነታት ዘጋጠመላ መዓልቲ: ኣቦይ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ብምዃን ኣገልግሎትና ንኽንቅጽል ዘሎና ቅዋማዊ መሰል ዝገልጽ ቅዳሓት ደብዳበ ንምስሌነ: ንኸንቲባ እታ ኸተማ: ኣብ ሰልማ ንዝነበረ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብጺሕሎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብታ ኸተማ ክንወጽእ ዝግድድ ውሳነ ኣሕለፉ።

ኣጋ ምሸት ሓሙሽተ ዕጡቓት ሰብኡት ናብታ ተንቀሳቓሲት ገዛና መጹ እሞ ንዓይን ሓብተይን ኣደይን ጀሆ ሓዙና። ጸረ⁠-​መንግስቲ ዝዀነ ነገር ንምርካብ ውሽጢ ኣትዮም ደቂቕ ጐርጓር ከካይዱ ጀመሩ። ሽዑ ኣቦይ ኣብ ግዳም ኢዩ ነይሩ: ንሸጓጕጦም ናብኡ ካብ ምቕናዕ ፈልከት ከይበሉ ነታ ተንቀሳቓሲት ገዛ ምስታ እትጐታ ማኪና ከላግባ ኣዘዝዎ። ኣብዚ ህሞት እዚ ምንም ስምባድ ኣይተሰመዓንን። እቲ ዅነታት ክሳዕ ክንድቲ ከቢድ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ ብጌጋ ኸም ኣስጋእቲ ሰባት ገይሮም ዝገመቱና መሲሉና ኣነን ሓብተይን ተተቐባቢልና ንስሕቕ ነበርና። ኣቦይ ብዓይኑ ምስ ገንሓና ግን ስቕ በልና።

ንኽንብገስ ምስ ተዳሎና: እቶም ሰባት ኣነን ኤድዊናን ምስኦም ብማኪናኦም ክንከይድ ደለዩና። ኣቦይ ግን ኣይከውንን ኢዩ ብምባል ኣቕበጸ። “ኣነ ብህይወተይ ከለኹ እዚ ዘይከውን ኢዩ!” ብምባል ኣበየ። ድሕሪ ኽንደይ ክትዕ እቶም ዕጡቓት ብማኪናኦም ደድሕሬና እናሰዓቡና ምልእቲ ስድራቤት ብሓንሳብ ክንጓዓዝ ፈቐዱልና። ገለ 25 ኪሎ ሜተር ወጻኢ ኻብ ከተማ ምስ ከድና ኣብ ወሰን እቲ ጽርግያ ደው ክንብል ምልክት ገበሩልና እሞ: ንኣቦይን ኣደይን ከኣ መንዚዖም ኣውረድዎም። እናተበራረዩ ድማ “ሃይማኖትኩም ሕደጉ: ናብ ሕርሻኹም ተመሊስኩም ከኣ ደቅኹም ተዕብዩ!” እናበሉ ከስድዕዎም ፈተኑ። ኣቦይ ከረድኦም ፈተነ: ፋይዳ ግን ኣይነበሮን።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ኻብኣቶም “እምብኣር ካብዚ ትኸዱ: ናብ ኣውራጃ ዳላስ ገጽኩም እንተድኣ መጺእኩም ግን ንዅላትኩም ክንቀትለኩም ኢና!” በለና።

ሕጂውን ከይተፈላለና እፎይታ ተሰሚዑና ንሓያለይ ሰዓታት ምስ ተጓዓዝና ክሳዕ ዝወግሓልና ኣብ መገዲ ሓደርና። ቍጽሪ ታርጋ ማኪና ናይቶም ሰባት ሒዝናዮ ነበርና። ኣቦይ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዘጋጠመና ነገር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብቕልጡፍ ሓበረ እሞ: ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ሰባት መንነቶም ተፈሊጡ ተታሕዙ።

ናብ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ተጸዋዕና

ኤድዊና ብ1946 ኣብ መበል 7ይ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ኒው ዮርክ ደቡብ ላንሲን ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክትካፈል ዝጽውዕ ዕድመ ተቐበለት። ሓደ ኻብቶም መማህራን ዝነበረ ኣልበርት ሽሮደር ንሓደ ቢል ኤላርድ ዝበሃል ሽዑ ኣብ ቤትኤል ብሩክሊን ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግል ዝነበረ ናይ ቅድም ፓይነር መገላግልቱ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ኤድዊና ገለጸሉ።a ምስ ኤድዊና ተፋለጡ እሞ: ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቐት ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ተማራዓዉ። ነቲ ኣብ ቤትኤል ብሓንሳብ ኰይኖም ዘገልገልዎ ሓሙሽተ ዓመታት ጸብጺብካ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዙሕ ዓመታት ዓዮም ኢዮም። ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ ኣብ 1959 ሓው ሽሮደር ነቶም ናይ መበል 34 ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሃሮ: እቲ ዝፈትዎ ዓርኩ መናቱ ወድን ጓልን ከም ዝወለደ ነገሮም።

ኣብ ምውዳእ ናይ 1947 ሚሲሲፒ ኣብ እትርከብ ከተማ ሜሪድያን ምስ ወለደይ ኰይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን: ሰለስቴና ኣብ መበል 11 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተጸዋዕና። ብመንጽር እቲ ዝድለ ብቕዓት ክርአ ኸሎ ኣነ ኣዝየ ንእሽቶ ኣቦይን ኣደይን ድማ ኣዝዮም ዓበይቲ ብምንባሮም ደንጽዩና ኢዩ። ሓለፋ ተገይሩልና ብምንባሩ ግን ዘይንበቕዖ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምርካብ መሰል ረኸብና።

ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ምስ ወለደይ

እቲ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናሉ ቦታ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ኮሎምብያ ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብ እንምረቕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ምስ ሓለፈ ኣብ ታሕሳስ 1949 ኢና ኣብቲ ድሮ ኻልኦት ሰለስተ ኽነብርሉ ዝጸንሑና ኣብ ቦጎታ ዝርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ዝበጻሕና። ኣብቲ ፈለማ: ኣቦይ ካብ ንሱ ቋንቋ ስጳኛ ዝመሃር ንሰባት እንግሊዝኛ ምምሃሮም ይሓይሽ ኣብ ዝብል መደምደምታ ዳርጋ በጺሑ ነበረ! ብርግጽ ፈታኒ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ግን ሓፊስና ኢና! ኣብ 1949 ኣብ ኮሎምብያ ትሕቲ ሚእቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም: ሕጂ ግን ካብ 100,000 ንላዕሊ ኣለዉ!

ኣብ ቦጎታ ንሓሙሽተ ዓመት ምስ ኣገልገልና: ኣቦይን ኣደይን ናብ ከተማ ካሊ ተቐየሩ። ቅድሚኡ ግን ብ1952 ንሮበርት ትሬሲ እተባህለ ኣብ ኮሎምብያ ዘገልግል ሚስዮናዊ ተመርዓኹ።b ክሳዕ 1982 ኣብ ኮሎምብያ ኢና ኣገልጊልና: ካብ ሽዑ ንነጀው ክሳዕ ሎሚ ግን ኣብ ሜክሲኮ ኢና እነገልግል ዘሎና። ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ 1968 ወለደይ ንሕክምና ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክምለሱ ነበሮም። ጥዕንኦም ደሓን ምስ ኰነ: ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ኣለባማ እትርከብ ከተማ ሞቢል ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።

ንወለድና ምክንኻን

ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ኣቦይን ኣደይን ነብሶም እናወደቐ መጸ: ስለዚ ዝያዳ ሓገዝን ሓልዮትን ዘድልዮም ኰኑ። ብመሰረት እቲ ዘቕረብዎ ሕቶ: ካብቲ ቢልን ኤድዊናን ዝነበርሉ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣብ ኣለባማ ከተማ ኣቴንዝ ከገልግሉ ተመደቡ። ድሕሪ ገለ ግዜ ዱዊ ንእሽቶ ሓውና እታ ስድራ ብሓንሳብ ከይተረሓሓቐት ኣብ ደቡብ ካሮላይን መነባብሮኣ እንተ ቐጸለት ጥበባዊ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ። በዚ መሰረት እዚ ቢል ንስድራቤቱ ምስ ኣቦይን ኣደይን ናብ ከተማ ግሪንዉድ ከም እትግዕዝ ገበረ። እዚ ካብ ፍቕሪ እተላዕለ ምትዕርራይ ወለደይ እኹል ክንክን ይረኽቡ ምህላዎም ብምፍላጥና ብዘይገለ ሻቕሎት ኣነን ሮበርትን ነቲ ኣብ ኮሎም​ብያ እንገብሮ ዝነበርና ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ክንቅጽሎ ኣኽኢሉና ኢዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብ1985 ኣቦይ ወቕዒ ስለ ዘሳቐዮ ኣፉ ተለጒመን ተደነሰን። ንወለድና ብዝበለጸ ምክንኻን እንኽእለሉ መገዲ ንምንዳይ ብሓባር ናይ ስድራቤት ኣኼባ ገበርና። ኦድሪ እታ ቐንዲ ኣላዪት ኣቦይ ክትከውን: ኣነን ሮበርትን ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዘተባብዕ ተመክሮታት ዝሓዘ ደብዳበ ብምልኣኽን ብእተኻእለ መጠን ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብምብጻሕን ሓገዝና ክንውፊ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ተወሰነ።

ኣብታ ናይ መወዳእታ ምብጽሐይ ምስ ኣቦይ ዘሕለፍክዎ ግዜ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣእምሮይ ህያው ኢዩ። ቃላት ብግቡእ ከውስእ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ፣ ንሜክሲኮ ክንምለስ ምዃንና ምስ ነገርናዮ: ብሓይለ ገደልን ብብርቱዕ ስምዒትን “ጽኑዕ ርገጹ!” ጥራይ ክብለና ከኣለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ክንቅጽል ዝገብርናዮ ውሳነ ብልቡ ከም ዝሰማምዓሉ ፈለጥና። ኣቦይ ኣብ ሓምለ 1987 ዓረፈ: ኣደይ ከኣ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ሞተት።

ካብታ በዓል ቤታ ዝሞታ ሓብተይ እተላእከት ደብዳበ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ወለድና ዘሎና ሞሳ ምሉእ ብምሉእ ኢያ እትገልጾ። “ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ክርስትያናዊ ውርሻይ ከም ክቡር መዝገብ ሓብሒበ ኢየ ዝሕዞ: ወለድና ብኻልእ መገዲ ከዕብዩና እንተ ዝሓርዩ ነይሮም ካብዚ ዘሎኒ ሓጐስ ንላዕሊ ምረኸብኩ ነይረ ዝብል ስምዒት ንሓንሳእ እውን ትኹን ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ብዘርኣይዎ ጽኑዕ እምነትን ርእሰ⁠-​መስዋእታዊ መንፈስን ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ብምግባርን ዝገደፉልና ኣብነት ኣብ ህይወተይ ዘጋጥመኒ ንዝነበረ ጭንቀት ክዋጽኣሉ ኣኽኢሉኒ ኢዩ።” ኤድዊና ኸምዚ ብምባል ደምደመት:- “ነቲ ንህይወትና ኣብ ኣገልግሎት እቲ ፈቃር ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ እንተድኣ ሓጺርናያ ክንረኽቦ እንኽእል ሓጐስ ብቓልን ብግብርን ዘርኣዩና ወለዲ ስለ ዝሃበና ንየሆዋ አመስግኖ።”

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 መጋቢት 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11-12 (እንግሊዝኛ) ርአ።

b ናይ 15 መጋቢት 1960 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 189-91 (እንግሊዝኛ) ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]

ስድራቤት ፋውንተይን :- (ካብ ጸጋም ናብ የማን ) ዱዊ: ኤድዊና: ዊኒ: ኤሊዛቤት: ዱዊ ንእሽቶ፣ የማን :- ኤሊዛቤትን ዱዊ ንእሽቶን ኣብ ፓራፋንጎ ናይታ ሄንሸል ሒዝዋ ዝመጸ መጕልሒ ድምጺ ዝነበራ ማኪና (1937 )፣ ታሕተዋይ የማን :- ጓል 16 ዓመት ኤሊዛቤት ፖስተር ተሰኪምካ ኣብ ናይ ምግልጋል ዕዮ ተጸሚዳ ኸላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ