ከተማታት ዕቝባ—ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው
“ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ኪሀድም: እዘን ሹድሽተ ኸተማ እዚኤን መዕቈቢ ይኹና።”—ዘሁልቍ 35:15
1. ኣምላኽ ኣብ ህይወትን ናይ ደም ገበንን ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ: ንህይወት ሰብ ቅድስቲ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። ህይወት ድማ ኣብቲ ደም ኢያ ዘላ። (ዘሌዋውያን 17:11, 14) ስለዚ ድማ ቃየል: እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ውላድ ሰብ: ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ ናይ ደም ገበን ተሰኪሙ ኢዩ። ከም ውጺኢት ናይዚ ድማ: ኣምላኽ ንቃየል “ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ” በሎ። እቲ ኣብቲ መቕተልቲ እተፈጸመሉ ትርኢት ዝነበረ ንመሬት ዘጠልቀየ ደም: ነታ ብጭከና ዕድሜኣ ዝሓጸረት ህይወት ሓያል ግን ድምጺ ዘይብሉ ምስክርነት ሂቡ ኢዩ። ደም ኣቤል ሕነ ክፍደየሉ ናብ ኣምላኽ ጠርዐ።—ዘፍጥረት 4:4-11
2. እቲ የሆዋ ንህይወት ዘለዎ ኣኽብሮት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝጸንዐ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
2 ኣምላኽ ንህይወት ሰብ ዘለዎ ኣኽብሮት: እቲ ጻድቕ ኖህን ስድራቤቱን ከም ደሓንቲ ናይቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ኰይኖም ካብታ መርከብ ምስ ወጹ ዝያዳ ጸኒዑ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ነቲ ናይ ወድሰብ መግቢ ናይ እንስሳ ደም ዘይኰነስ ስጋኡ ክብላዕ ብምእዛዝ ኣስፊሕዎ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ እውን ኣዘዘ:- “እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ [ህያው ፍጡር ትሓዓ ] ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ: ካብ ኢድ ሓዉ: ክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ: እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ: ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።” (ዘፍጥረት 9:5, 6) የሆዋ ናይቲ ግዳይ ቀረባ ዘመድ ነቲ ቀታሊ ክረኽቦ ከሎ ንኽቐትሎ ዘለዎ መሰል ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ።—ዘሁልቍ 35:19
3. ሕጊ ሙሴ ኣብ ናይ ደም ቅድስና ከመይ ዝበለ ምግናን ኢዩ ዝገበረ፧
3 ኣብቲ ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ: ቅድስና ደም ብተደጋጋሚ ከም ዝጸንዕ ተገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣምላኽ “ኣይትቕተል” ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ። (ዘጸኣት 20:13) እቲ ንህይወት ዝወሃቦ ዝነበረ ክብሪ: ኣብቲ ንሞት ናይ ጥንስቲ ሰበይቲ ዝምልከት ሕጊ ሙሴ እውን ንጹር ኢዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ: ክልተ ሰባት ክበኣሱ ከለዉ ንሳ ወይ እቲ ዘይተወልደ ቈልዓኣ ናይ ሞት ሓደጋ እንተ ኣጋጠሞም: ፈራዶ ነቲ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ኰነ ኢልካ እተገብረ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክመዝንዎ ከም ዘለዎም: እቲ መቕጻዕቲ ግን “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ” ወይ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣነጺሩ ይገልጽ። (ዘጸኣት 21:22-25) ይኹን እምበር: ሓደ እስራኤላዊ ቀታሊ: ካብ ሳዕቤን ናይቲ ዓመጸኛ ተግባሩ ብገለ መገዲ ከምልጥ ይኽእልዶ ነይሩ፧
ንቐተልቲ ዝኸውን ዕቝባ፧
4. ቀደም: ካብ እስራኤል ወጻኢ ከመይ ዝበላ መዕቈቢ ቦታታት ኢየን ነይረን፧
4 ኣብቶም ካብ እስራኤል ወጻኢ ዝነበሩ ኣህዛብ ንቐተልትን ንኻልኦት ዓመጸኛታትን ዕቝባ ይወሃቦም ነይሩ ኢዩ። እዚ ከምቲ ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ኣብ ከም ናይ በዓል ኣርጤመስ ቤት መቕደስ ዝነበረ ቦታታት ኢዩ። ብዛዕባ ተመሳሳሊ ቦታታት ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ይወሃብ:- “ገለ ቅዱስ ቦታታት መዕቈቢ ናይ ገበነኛታት ኢዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ቍጽሪ ናይ መዕቈቢ ቦታታት ውሱን ክኸውን ኣድላዪ ኰይኑ ኢዩ። ኣብ ኣቴንስ ገለ ኣብያተ መቓድሳት ጥራይ ኢየን ብሕጊ ከም መዕቈቢ ዝፍለጣ ነይረን (ንኣብነት: ቤት መቕደስ ናይ ቴሱስ ናይ ባሮት መዕቈቢት ኢያ ነይራ)፣ ኣብ ግዜ ጥቤርዮስ እተን ኣብቲ ቅዱስ ቦታታት ዝነበራ ናይ ገበነኛታት ማሕበራት ኣዝየን ሓደገኛታት ስለ ዝነበራ እቲ መዕቈቢ ቦታ ናይ ምዃን መሰል ናብ ሒደት ከተማታት ጥራይ ተወሲኑ ነበረ (ኣብ መበል 22 ዓመት)።” (ዘ ጂውሽ ኤንሳይክሎፔድያ: 1909: ጥራዝ II: ገጽ 256) ብድሕርዚ: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ቤተ-ክርስትያናት መዕቈቢ ቦታታት ኰና: እንተዀነ ግን እዚ: ነቲ ሓይሊ ካብ ናይ ሲቪል ሰልጣን ናብ ናይ ክህነት ስልጣን ንምውሳድ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ: ከምኡውን ኣንጻር እቲ ግቡእ ናይ ፍትሒ ምምሕዳር ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ድማ ኣብ መወዳእታ ነዚ መደብ እዚ ናብ ምውጋድ ኣምርሐ።
5. ሓደ ሰብ ምስ ዝቕተል: እቲ ሕጊ ንሸለልትነት ምሕረት ንምሕታት ከም ምኽንያት ዘይቅበሎ ምንባሩ ዘርኢ መረጋገጺ እንታይ ኢዩ፧
5 ኣብ መንጎ እስራኤላውያን: ኰነ ኢሎም ሰብ ዝቐተሉ ዕቝባ ኣይወሃቦምን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መሰውኢ ዘገልግል ሌዋዊ ካህን እውን ከይተረፈ ኰነ ኢሉ ምስ ዝቐትል ንሞት ኣሕሊፉ ይወሃብ ነበረ። (ዘጸኣት 21:12-14) ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ሕጊ: ሓደ ሰብ ምስ ዝቐትል: ሸለልትነት ከም መለመኒ ምሕረት ክጥቀመሉ ኣይፈቅድን ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ሓድሽ ገዛ ምስ ዝሰርሕ ነቲ ናሕሲ መጋረዲ ክገብረሉ ኣለዎ። እንተዘይኰነ ግን: ሓደ ሰብ ካብኡ ወዲቑ ምስ ዝመውት ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ናይ ደም ገበን ይመጽእ ነበረ። (ዘዳግም 22:8) ብተወሳኺ: ሓደ ዋና: ተዋጋኢ ብዕራይ ምስ ዝህልዎ እሞ ካልኦት ድማ ኣጠንቂቖምዎስ እንተ ዘይሓለዎ: ሰብ ከኣ እንተቐተለ: ዋና እቲ ብዕራይ ናይ ደም ገበነኛ ኰይኑ ክቕተል ይኽእል ነበረ። (ዘጸኣት 21:28-32) ሓደ ሰብ ንሰራቒ ብግዜ መዓልቲ: ኣብቲ እቲ ሰራቒ ክርኣይን ከልለን ዝኽእለሉ እዋን ከም ዝመውት ገይሩ እንተ ሃረሞ: እቲ ቀታሊ ናይ ደም ገበነኛ ኢዩ: እዚ እውን ኣምላኽ ንህይወት ዝነበሮ ልዑል ግምት ዘርኢ ተወሳኺ መረጋገጺ ኢዩ። (ዘጸኣት 22:2, 3) ብንጹር እምበኣር: እቲ ናይ ኣምላኽ ፍጹም ሚዛናዊ ስርዓታት: ኰነ ኢሎም ንዝቐተሉ ቐተልቲ ካብቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከምልጡ ኣየፍቅድን ኢዩ ነይሩ።
6. እቲ ‘ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት’ ዝብል ሕጊ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝትግበር ዝነበረ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
6 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል መቕተልቲ ምስ ዝፍጸም: ነቲ ደም ናይቲ ግዳይ ሕነ ክፍደዮ ኣለዎ። እቲ ‘ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት’ ዝብል ሕጊ: እቲ ቀታሊ በቲ “ፈዳይ ደም” ምስ ዝቕተል ኢዩ ዝረጋገጽ ነይሩ። (ዘሁልቍ 35:19) እቲ ፈዳዪ ናይቲ እተቐትለ ቀረባ ተባዕታይ ዘመድ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ብዘይፍላጥ ዝቐተለኸ፧
ናይ የሆዋ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው
7. ኣምላኽ ነቶም ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተሉ እንታይ ምድላው ኢዩ ዝገበረሎም፧
7 ነቶም ብድንገት ወይ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተሉ: ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ከተማታት ዕቝባ ኣዳለወሎም። ነዚ ዝምልከት ንሙሴ ከምዚ ተባህለሉ:- “ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም: በሎም ከኣ: ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ተሳገርኩም: ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ዚሀድመለን ከተማታት መዕቈቢ ዚዀናኹም: ንኣኻትኩም ከተማታት ፍለዩ። እቲ ቐታሊ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ደው ከይበለ ኸይመውት: እዘን ከተማታት እዚኤን ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም። እተን እትህብወን ከተማታት: ሹድሽተ ኸተማ መዕቈቢ ይኹናኹም። ሰለስተ ኸተማ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ሀቡ: ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሀቡ: ከተማታት መዕቈቢ ይኹና። . . . ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ኪሀድም . . . መዕቈቢ ይኹና።”—ዘሁልቍ 35:9-15
8. እተን ከተማታት ዕቝባ ቦታአን ኣበይ ኢዩ ነይሩ: ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለኸ ኣብአን ንኽበጽሕ ብኸመይ ይሕገዝ ነበረ፧
8 እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ: ብተኣዛዝነት ሹድሽተ ከተማታት ዕቝባ ሰርሑ። ሰለስተ ካብዘን ከተማታት—ቄዴስ: ሴኬም: ከምኡውን ኬብሮን—ብሸነኽ ምዕራብ ሩባ ዮርዳኖስ ኢየን ነይረን። ብሸነኽ ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ ከተማታት ዕቝባ ጎላን: ራሞት: ከምኡውን ቤጸር ነበራ። እዘን ሽዱሽተ ከተማታት ዕቝባ ኣብ ምቹእ ቦታ እተቐመጣ ጥጡሕ መገዲ ዘለወን ኢየን። ኣብቲ ግቡእ ቦታታት ናይዚ መገዲ እዚ ድማ “ዕቝባ” ዝብል እተጻሕፎ ምልክታት ኣሎ። እዚ ምልክታት እዚ ናብቲ ከተማ ዕቝባ ገጹ ዝጥምት ኢዩ: እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ድማ ህይወቱ ከድሕን ናብታ ዝቐረበት ከተማ ይሃድም። ኣብኡ ድማ ካብቲ ፈዳይ ደም ዕቝባ ክረክብ ይኽእል።—እያሱ 20:2-9
9. የሆዋ ንከተማታት ዕቝባ ዘዳለወ ስለምንታይ ኢዩ: ንጥቕሚ መን ኢየንከ ተዳልየን፧
9 ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ከተማታት ዕቝባ ዘዳለወ፧ እዚኣተን እታ ሃገር ብንጹህ ደም ምእንቲ ከይትብከል ከምኡውን ኣብቲ ህዝቢ ናይ ደም ገበን ምእንቲ ከይመጽእ ኢየን ተዳልየን። (ዘዳግም 19:10) እተን ከተማታት ዕቝባ ንጥቕሚ መን ኢየን ተዳልየን፧ እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል:- “ንደቂ እስራኤል ኰነ: ንጓና ዀነ: ምሳታቶም ንዚነብር ስደተኛ ዀነ: ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ኪሀድም: እዘን ሹድሽተ ኸተማ እዚኤን መዕቈቢ ይኹና።” (ዘሁልቍ 35:15) ስለዚ: ምኽንያታዊ ንክኸውንን ምሕረት እናገበረ ድማ ዕላማታት ፍትሒ ንምፍጻምን ነቶም ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተሉ (1) ብትውልዲ እስራኤላውያን: (2) ኣብ እስራኤል ንዝቕመጡ ጓኖት: (3) ኣብታ ሃገር ንዝቕመጡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስድተኛታት: ዝዀና ከተማታት ዕቝባ ክፈልዩ ነገሮም።
10. እተን ከተማታት ዕቝባ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ኢየን ክበሃላ ዝኽእላ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ሓደ ሰብ ዋላ ብዘይፍላጥ እውን ይኹን ሰብ እንተ ቐተለ: ብመሰረት እቲ “ደም ሰብ ዜፍስስ: ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ” ዝብል ስርዓት ኣምላኽ ክቕተል ኢዩ ዝግብኦ። ስለዚ እምበኣር: በቲ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ናይ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ሓደ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ካብተን ከተማታት ዕቝባ ክሃድም ዝኽእል። ብግልጺ እምበኣር: እቶም ህዝቢ ነቲ ካብቲ ፈዳይ ደም ዝሃድም ዘሎ ሰብ ድንጋጽ ክስምዖም ይኽእል ነይሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ንሳቶም እውን ሓደ መዓልቲ ብዘይፍላጥ ተመሳሳሊ ገበን ይፍጽሙ እሞ ዕቝባን ምሕረትን ይደልዩ ይዀኑ።
ዕቝባ ንምርካብ ዝግበር ህድማ
11. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ሓደ ሰብኣይ ብድንገት ንመሳርሕቱ እንተ ቐተሎ እንታይ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧
11 ሓደ ኣብነት: ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ ዕቝባ ስርዓት ዘሎካ ሞሳ ከዕብየልካ ይኽእል ኢዩ። ንነፍስኻ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዕንጨይቲ ዝቘርጽ ዘሎ ሰብኣይ ገይርካ እሞ ሕሰባ። ብሃንደበት እታ ፋስ ካብ ሓኽላ ሞሊቓ ብምንጣር ንመሳርሕትኻ ሃሪማ ትቐትሎ ንበል። እንታይ ምገበርካ፧ እቲ ሕጊ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ብዘይ ጥርጥር: ነዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው ምተጠቐምካሉ ነይርካ:- “ናብኡ [ናብ ከተማ ዕቝባ] ዝሀደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኺድሕን: ነገሩ ኸምዚ እዩ፤ ቀደም ጽልኢ እንተ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ: ዕጨይቲ ኪቘርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ: ኦም ኪቘርጽ ኢሉ: ማሕጸ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ: እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ: ነቲ ብጻዩ እንተ ረኸቦ: ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ: ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሀዲሙ ድማ ብህይወት ይንበር።” (ዘዳግም 19:4, 5) ጌና ግን: ዋላ’ኳ ኣብታ ከተማ ዕቝባ እንተ ኣቶኻ: ካብቲ ሓላፍነት ናይቲ እተፈጸመ ኵነታት ናጻ ኣይኰንካን።
12. እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ከተማ ዕቝባ ምስ በጽሐ: ከመይ ዝበለ መስርሓት ኢዩ ዝሰዓብ፧
12 ሽሕ’ኳ ጽቡቕ ኣቀባብላ እንተ ረኸብካ: ነገርካ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብቲ ደገ ናይታ ከተማ ዕቝባ ዘለዉ ዓበይቲ ከተቕርብ ኣሎካ። ኣብታ ከተማ ምስ ኣቶኻ: ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ቅትለት እተፈጸመሉ ከተማ ንኽፈርዱ ሓላፍነት ዘለዎም ንማሕበር እስራኤል ዝውክሉ ዓበይቲ: ንፍርዲ ክትቀርብ ክትምለስ ኢኻ። ኣብኡ ድማ ንጽህናኻ ከተረጋግጽ ኣጋጣሚ ይህልወካ።
ቀተልቲ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክቐርቡ ከለዉ
13, 14. እቲ ቀታሊ ኣብ ዝፍረደሉ ግዜ እቶም ዓበይቲ ከረጋግጽዎ ዝደልዩ ገለ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
13 ኣብ ግዜ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ደገ ናይታ ፍርዲ ዝካየደላ ከተማ ዘለዉ ዓበይቲ: ዝያዳ ኣትኵሮ ዝግበር ኣብቲ ዝሓለፈ ጠባይካ ምዃኑ ምዕዛብካ ብዘይጥርጥር ከተመስግን ኢኻ። እቶም ዓበይቲ ነቲ ምስቲ ግዳይ ዝነበረካ ርክብ ተጠንቂቖም ክመዝንዎ ኢዮም። ነቲ ሰብ ትጸልኦ ነይርካ ዲኻ: ተጻናቲኻዮ ዲኻ: ከምኡውን ኰነ ኢልካ ከም ዝመውት ገይርካ ወቒዕካዮ ዲኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እቶም ዓበይቲ ናብቲ ፈዳይ ደም ከረክቡኻ ኢዮም: ክትመውት ድማ ኢኻ። እዞም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ‘ናይ ንጹህ ደም ገበን ካብ እስራኤል ኣርሕቆ’ ዝብል በቲ ሕጊ ዝድለ ነገር ይፈልጥዎ ኢዮም። (ዘዳግም 19:11-13) ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ፍርዲ ተግባራት: ክርስትያን ሽማግለታት ንቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቖም ክፈልጥዎም ከድልዮም ኢዩ: ምስቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምስምማዕ ድማ ናይቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ ሕሉፍ ኣረኣእያን ጠባይን ኣብ ግምት የእትውዎ።
14 እቶም ናይታ ከተማ ዓበይቲ: ኣዕሚቖም ብምምርማር ነቲ ግዳይ ተጸናቲኻ ቀቲልካዮ እንተ ዄንካ ክፈልጡ ይደልዩ ኢዮም። (ዘጸኣት 21:12, 13) ኣብ ሕቡእ ቦታ ጸኒሕካ ዲኻ ኣጥቂዕኻዮ፧ (ዘዳግም 27:24) ምስቲ ሰብ ኣዚኻ ብምሕራቕካ ስለ ዝረሰንካ ተተናዂልካ ክትቀትሎ መደብ ገይርካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ሞት ይግባኣካ ኢዩ። (ዘጸኣት 21:14) ብፍላይ ድማ እቶም ዓበይቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ ሞንጎ እቲ ግዳይን ባእሲ: ወይ ጽልኢ ነይሩ እንተዀይኑ ክፈልጡ የድልዮም ኢዩ። (ዘዳግም 19:4, 6, 7፣ እያሱ 20:5) እቶም ዓበይቲ ቅኑዕ ምዃንካ ኣረጋጊጾምስ ናብ ከተማ ዕቝባ ድማ መሊሶምኻ ንበል። ነቲ እተገብረልካ ምሕረትሲ ክሳዕ ክንደይ መመስገኒ ኰን ክትከውን ኢኻ!
ናብራ ኣብ ከተማ ዕቝባ
15. እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ እንታይ ነገራት ክገብር ኢዩ ዝግደድ፧
15 እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ኣብታ ከተማ ዕቝባ ወይ ካብቲ መካበቢኣ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ናይ 1, 000 እመት (ዳርጋ 1, 450 ጫማ) ርሕቀት ክቕመጥ ነበሮ። (ዘሁልቍ 35:2-4) ካብቲ ደረት እቲ እንተድኣ ሓሊፉ ተዛዊሩ ግን እቲ ፈዳይ ደም ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እቲ ፈዳይ ደም ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ብዝዀነ መገዲ ነቲ ቀታሊ ሰብ ክቐትሎ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ቀታሊ ኣይሕየርን ወይ ኣይእሰርን ኢዩ። ከም ተቐማጢ ናይ ከተማ ዕቝባ መሰረት: ኢደ-ጥበብ ክማሃር: ሰራሕተኛ ክኸውን: ከምኡውን ከም ጠቓሚ ኣባል ናይቲ ማሕበረሰብ ኰይኑ ከገልግል ነበሮ።
16. (ሀ) እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ከተማ ዕቝባ ንኽንደይ ኢዩ ክጸንሕ ዘለዎ፧ (ለ) ናይቲ ሊቀ ኻህናት ሞት ነቲ ቀታሊ ካብ ከተማ ዕቝባ ክወጽእ ከም ዝኽእል ዝገብሮ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ንኽንደይ ግዜ ኢዩ ኣብታ ከተማ ዕቝባ ክጸንሕ ዝነበሮ፧ ምናልባት ንምሉእ ዕድሜኡ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቐታሊ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ መዕቈቢቱ ኺጸንሕ ይግብኦ ነይሩ እዩ እሞ: ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ምድሪ ርስቱ ይመለስ።” (ዘሁልቍ 35:26-28) ናይቲ ሊቀ ኻህናት ሞት ነቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ንኸተማ ዕቝባ ክገድፋ ዘፍቅደሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ሊቀ ኻህናት ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣዝዮም ፍሉጣት ሰባት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሞቱ ፍሉይ ፍጻሜ ብምዃኑ ኣብ ኵለን እተን ናይ እስራኤል ነገዳት ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ከተማታት ዕቝባ ዘለዉ ዕቝባት ድማ ኣብ ኢድ ፈዳይ ደም ምውዳቕ ከይፈርሁ ናብ ኣባይቶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሕጊ ኣምላኽ እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቀታሊ ክቐትል ዘለዎ ዕድል ምስቲ ሞት ናይቲ ሊቀ ኻህናት ዝውዳእ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኢዩ: ነዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። ብድሕሪ እዚ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ዘመድ ነቲ ሞት ሕነ ምስ ዝፈዲ: ቀታሊ ይኸውን: ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ቀታሊ መቕጻዕቲ ይቕበል።
ነባሪ ሳዕቤን
17. ኣብ ልዕሊ እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ዝነበረ ቀይድታት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል ነይሩ፧
17 ኣብ ልዕሊ እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ዝተገብሩ ቀይድታት ክህሉ ዝኽእል ሳዕቤናት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ንሱ ንናይ ሓደ ሰብ ሞት ምኽንያት ከም ዝዀነ ዘዘኻኽርዎ ኢዮም ነይሮም። ምናልባት: ካብኡ ንደሓር ህይወት ሰብ ቅዱስ ገይሩ ክርእዮ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ: ምሕረት ብዝመልኦ ኣገባብ ከም እተራእየ ፈጺሙ ክርስዖ ኣይክእልን ኢዩ። ምሕረት ስለ እተገብረሉ ድማ: ብርግጽ ንኻልኦት ምሕረት ከርኢ ክደሊ ኢዩ። እቲ ምድላው ናይ ከተማታት ዕቝባ ምስቲ ዝነበሮ ቀይድታት: ነቶም ህዝቢ እውን ብጠቕላላ ጠቒምዎም ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧ ብዛዕባ ህይወት ሰብ ዘይጥንቁቓት ወይ ዘይግዱሳት ክዀኑ ከም ዘይብሎም ብርግጽ ከም ዝግንዘቡ ገይርዎም ክኸውን ኣለዎ። በዚ ኣቢሎም ድማ: ክርስትያናት ነቲ ሃንደበታዊ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሸለልትነት ከወግዱ ኣድላዪ ምዃኑ ይዘኻኸሩ ኢዮም። እቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ከተማታት ዕቝባ እምበኣር: ምሕረት ምርኣይ ግቡእ ክኸውን ከሎ: ምሕረት ከነርኢ ከለዓዕለና ኣለዎ።—ያእቆብ 2:13
18. እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው ናይ ከተማታት ዕቝባ በየናይ መገድታት ኢዩ ጠቓሚ ዝነበረ፧
18 እቲ ናይ የሆዋ ናይ ከተማታት ዕቝባ ምድላው ብኻልእ መገድታት እውን ጠቓሚ ኢዩ ነይሩ። እቲ ህዝቢ ሓደ ቀታሊ ናብ ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ ከም ገበነኛ ብምቝጻር ዝከታተሉ ጕጅለታት ኣየቘመን: ኣብ ክንድኡስ እቲ ቅትለት ኰነ ኢሉ ከም ዘይገበሮ ብምግማት: አረ ዕቝባ ክረክብ እውን ብምሕጋዝ ከም ንጹህ ይርእይዎ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: እቲ ምድላው ናይ ከተማታት ዕቝባ: ምስዚ ሕጂ ዘሎ ንቐተልቲ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብህዝቢ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝረኽብሉ ኣብያተ ማእሰርትን መአረሚ ቦታን ምእታው: ኣብኡ ድማ ብምኽንያት እቲ ምስ ካልኦት ገበርቲ እከይ ዝገብርዎ ጥብቂ ርክብ ዝያዳ ዓመጸኛታት ዝዀንሉ: መደባት ኣንጻር ኢዩ። ኣብቲ ስርዓት ናይ ከተማ ዕቝባ: እቲ ብዙሕ ግዜ እሱራት ክሃድምሉ ዝደልዩ ብሓጺን እተሓጽረ: ክቡር ዝዋግኡ መናድቕ ዘለዎ ኣብያት ማእሰርቲ ምህናጽ: ምጽጋን: ከምኡውን ምሕላው ኣየድልን ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ: እቲ ቀታሊ ነቲ “ቤት ማእሰርቲ” ይደልዮ: ኣብኡ ድማ ንእተወሰነ ግዜ ይጸንሕ ኢዩ። ነቶም ብጾቱ ሰባት ዝጠቅም ገለ ነገር ብምግባር ድማ: ሰራሕተኛ ክኸውን ነበሮ።
19. ብዛዕባ ኸተማታት ዕቝባ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧
19 እቲ የሆዋ ነቶም ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተሉ መዕቈቢ ክኸውን ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ምድላው ከተማታት ዕቝባ: ብርግጽ ምሕረት ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። እዚ ምድላው እዚ ብርግጽ ህይወት ንምኽባር ኣተባቢዑ ኢዩ። ይኹን እምበር: እተን ናይ ጥንቲ ከተማታት ዕቝባ ነዞም ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ትርጕም ኣለወን ድዩ፧ ምሕረቱ ከም ዘድልየና ከይፈለጥና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ደም ገበነኛታት ክንከውን ንኽእል ዲና፧ እቲ ናይ እስራኤል ከተማታት ዕቝባ ንዓና ዘመናዊ ትርጕም ኣለዎዶ፧
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ የሆዋ ንህይወት ወድሰብ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧
◻ ኣምላኽ ብዘይፍላጥ ሰብ ንዝቐተለ ዝኸውን እንታይ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ኢዩ ዝገበረ፧
◻ እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ናብ ከተማ ዕቝባ ንኽበጽሕ ብኸመይ ኢዩ ሓገዝ ዝረክብ ነይሩ: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ ኢዩ ኣብኡ ክጸንሕ ዝነበሮ፧
◻ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ዝነበረ ቀይድታት እንታይ ሳዕቤናት ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል ነይሩ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ካርታ]
ናይ እስራኤል ከተማታት ዕቝባ ኣብ ዝምችእ ቦታ ኢየን ነይረን
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ቄዴስ ሩባ ዮርዳኖስ ጎላን
ሴኬም ራሞት
ኬብሮን ቤጸር