ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 15-20
  • ኣብ ‘ከተማ ዕቝባ’ ጽናሕ: ንበር ድማ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ‘ከተማ ዕቝባ’ ጽናሕ: ንበር ድማ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓቂ ናይ ደም ገበነኛታት ዲና⁠፧
  • ናይ የሱስ ኣገዳሲ ግደ
  • ናይ ሎሚ ከተማ ዕቝባ
  • ካብ ከተማ ዕቝባ ናጻ ምዃን
  • ንኣና ዝኸውን ክቡር ትምህርቲ
  • ከተማታት ዕቝባ—ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣብ የሆዋ ትምዕቈብዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ‘ኣብ ስም የሆዋ ተማዕቈቡ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ የሆዋ ተማዕቈብ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 15-20

ኣብ ‘ከተማ ዕቝባ’ ጽናሕ: ንበር ድማ!

“እቲ ቐታሊ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ መዕቈቢቱ ኺጸንሕ ይግብኦ። ”​—⁠ዘሁልቍ 35:⁠28

1. እቲ ፈዳይ ደም መን ኢዩ: እንታይ ስጕምቲኸ ኢዩ ቀልጢፉ ክወስድ⁠፧

እቲ ናይ የሆዋ ፈዳይ ደም: የሱስ ክርስቶስ: ምውቃዕ ኣብ ምጅማሩ ኢዩ። እዚ ፈዳዪ እዚ ምስቶም ናይ መላእኽቲ ሓይልታቱ ብምዃን ኣንጻር ኵሎም እቶም ብዘይ ነስሓ ገበነኛታት ናይ ደም ዝዀኑ ሰባት ቀልጢፉ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። እወ: የሱስ ኣብቲ ብቕልጡፍ ዝቐርብ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ከም ናይ ኣምላኽ ፈጻሚ ፍርዲ ኰይኑ ከገልግል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​21, 22 ትሓዓ፣ ኢሳይያስ 26:21) ሽዑ ደቅሰብ ካብቲ ናይ ደም ገበኖም ሳዕቤን ኣይከምልጡን ኢዮም።

2. እታ ሓንቲ ሓቀኛ ናይ ዕቝባ ቦታ እንታይ ኢያ: ኣየኖት ሕቶታትከ ኢዮም መልሲ ዘድልዮም⁠፧

2 እቲ መገዲ ድሕነት: ንኣፍ ደገ ናይታ ጽላሎታዊት ከተማ ዕቝባ ምርካብን ንህይወትካ ከተድሕን ድማ ናብኣ ምጕያይን ኢዩ! ኣብታ ከተማ እንተድኣ ኣትዩ: እቲ ተዓቚቡ ዘሎ ሰብ ኣብኣ ክጸንሕ ኣለዎ: ምኽንያቱ እታ ሓንቲ ናይ ሓቂ መዕቈቢት ቦታ ንሳ ጥራይ ኢያ። እንተዀነ ግን: ‘መብዛሕትና ፈጺምና ሰብ ስለ ዘይቀተልና: ብሓቂ ናይ ደም ገበነኛታት ዲና⁠፧ የሱስ ፈዳይ ደም ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ⁠፧ እታ ዘመናዊት ከተማ ዕቝባ እንታይ ኢያ⁠፧ ሓደ ሰብከ ብደሓን ካብኣ ክወጽእ ይኽእልዶ⁠፧’ ኢልካ ትግረም ትኸውን።

ብሓቂ ናይ ደም ገበነኛታት ዲና⁠፧

3. ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ብሓባር ኣብ ናይ ደም ገበን እቱዋት ምዃኖም ዘርእየና ኣየናይ ናይ ሕጊ ሙሴ ክፍሊ ኢዩ⁠፧

3 ሓደ ክፍሊ ናይ ሕጊ ሙሴ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ብሓባር ኣብ ናይ ደም ገበን እቱዋት ምዃኖም ክንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ንምፍሳስ ደም ዝምልከት ናይ ሓባር ሓላፍነት ኢዩ ኣሰኪምዎም ነይሩ። ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ምስ ዝጸንሕ እሞ ቀታሊኡ ድማ ምስ ዘይፍለጥ: ነታ ዝቐረበት ከተማ ንምውሳን እቶም ፈራዶ ነቲ ርሕቀት ናይተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ከተማታት ክዕቅንዎ ነበሮም። ነቲ ገበን ንምጽራይ: እቶም ዓበይቲ ናይታ ናይ ደም ገበነኛ ክትከውን እትኽእል ከተማ ኣብቲ ዋሓዚ ማይ ዘለዎ ዘይዝራእ ስንጭሮ ብምኻድ ሓንቲ ዘይዓየየት ኣርሒ ወሲዶም ክሳዳ ክሰብርዋ ነበሮም። እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ኢዩ ዝግበር ነይሩ: ምኽንያቱ ‘[የሆዋ ንዅሉ ብናይ ዓመጽ ተግባራት ዝመጽእ ባእሲ ከደቅሱ ትሓዓ ] ሓርይዎም ኢዩ።’ እቶም ናይታ ከተማ ዓበይቲ ኣብ ልዕሊ እታ ኣርሒ ኰይኖም ኣእዳዎም ይሓጽቡ: ከምዚ ድማ ይብሉ:⁠- “ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍሰሶን: ኣዒንትናውን ኣይረአያን። ዎ እግዚኣብሄር: ነዚ እተበጀኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ: ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቝጸር።” (ዘዳግም 21:​1⁠-9) የሆዋ ኣምላኽ ሃገር እስራኤል ብደም ክትብከል ወይ ህዝባ ናይ ሓባር ናይ ደም ገበን ክስከሙ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ።

4. ዓባይ ባቢሎን ከመይ ዝበለ ናይ ደም ገበን ጸብጻብ ኢዩ ዘለዋ⁠፧

4 እወ: ከምዚ ዝኣመሰለ ብሓባር ወይ ብማሕበረሰብ ደረጃ ናይ ደም ገበነኛ ምዃን እውን ኣሎ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ዘሎ ዓቢ ናይ ደም ገበን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንሳ ብደም ኣገልገልቲ የሆዋ ሰኺራ ኢያ! (ራእይ 17:​5, 6፣ 18:24) ናይ ህዝበ ክርስትያን ሃይማኖታት ነቲ መስፍን ሰላም ንስዕቦ ኢና ኢየን ዝብላ: እንተዀነ ግን: ውግኣት: ሃይማኖታዊ ጭፍጨፋታት: ከምኡውን ሞት ዘስዕብ ናይ መስቀላውያን ውግእ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ደም ገበነኛ ገይርዋ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6፣ ኤርምያስ 2:34) እኳ ድኣ: እቲ ቀንዲ ገበን ናይቲ ኣብዚ ዘበን እዚ እተገብረ ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ዘጋጠመ ሞት ናይ ሚልዮናት ሰባት ክትስከሞ ኣለዋ። ስለዚ እምበኣር: ሰዓብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከምኡውን እቶም ኣብ ሰብኣዊ ውግእ ዝደገፉን እተኻፈሉን ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ደም ገበነኛታት ኢዮም።

5. ከመይ ኢሎም ኢዮም ገለ ሰባት ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ዝዀኑ⁠፧

5 ገለ ሰባት ኰነ ኢሎም ወይ ብሸለልትነቶም ንሞት ሰብ ምኽንያት ኰይኖም ኢዮም። ካልኦት ድማ: ምናልባት ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ ብምባል ብመራሕቲ ሃይማኖት ተደፋፊኦም: ኣብ ናይ ሓባር መቐተልቲ ተሳቲፎም ኢዮም። ጌና ካልኦት ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣሳጒጎምን ቀቲሎምን ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እንተ ዘይገበርናውን: ሕግን ፍቓድን ኣምላኽ ብዘይምፍላጥና በቲ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ኣብ ማሕበረሰብ ናይ ሓባር ሓላፍነት ንስከም ኢና። ከምቲ “ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ” ቀታሊ ኢና። (ዘዳግም 19:⁠4) ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀ⁠-ሰባት ምሕረት ኣምላኽ ክደልዩን ናብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ድማ ክሃድሙን ኣለዎም። እንተ ዘይኰነ ግን: ምስቲ ፈዳይ ደም ናይ ሞት ምግጣም ክህልዎም ኢዩ።

ናይ የሱስ ኣገዳሲ ግደ

6. የሱስ ናይ ደቅሰብ ቀረባ ዘመድ ኢዩ ክበሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

6 ኣብ እስራኤል እቲ ፈዳይ ደም ናይቲ ግዳይ ዝቐረበ ተባዕታይ ዘመድ ኢዩ ነይሩ። ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ እተቐትሉ: ብፍላይ ድማ ነቶም እተሓርዱ ኣገልገልቲ የሆዋ ንምፍዳይ: እቲ ናይዚ ግዜና ፈዳይ ደም ናይ ኵሉ ወድሰብ ተባዕታይ ዘመድ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ግደ እዚ ድማ ብየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝፍጸም። ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኢዩ ተወሊዱ። የሱስ ነቲ ሓጢኣት ዘይነበሮ ህይወቱ ብሞት ገይሩ ንመስዋእቲ በጅነት ኣሕለፎ: ተንሲኡ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምኻዱ ድማ: ምእንቲ እቶም መወቲ ዘርኢ ኣዳም ክብል ነቲ ዋጋ ናብ ኣምላኽ ኣቕረቦ። በዚ ኸምዚ: ክርስቶስ ናይ ደቅሰብ ተበጃዊ: ቀረባ ዘመድና​—⁠እቲ ሕጋዊ ፈዳይ ደም​—⁠ኰነ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23፣ እብራውያን 10:⁠12) የሱስ ነቶም ኣሰሩ ዝስዕቡ ቅቡኣት ከም ሓዎም ኢዩ ዝፍለጥ። (ማቴዎስ 25:​40, 45፣ እብራውያን 2:​11⁠-17) ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ድማ ነቶም ካብ መስዋእቱ ዝጥቀሙ ምድራውያን ተገዛእቱ “ኣቦ ዘለኣለም” ክኸውን ኢዩ። እዚኣቶም ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 9:​6, 7) ስለዚ የሆዋ: ነዚ ተባዕታይ ዘመድ ናይ ደቅሰብ ፈዳይ ደም ክኸውን ብልክዕ መዚዝዎ ኢዩ።

7. የሱስ ከም ዓቢ ሊቀ ኻህናት መጠን: ንደቅሰብ እንታይ ኢዩ ዝገብረሎም⁠፧

7 የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ: እተፈተነ: ዝድንግጽ ሊቀ ኻህናት እውን ኢዩ። (እብራውያን 4:15) በዚ ክእለት እዚ ድማ ዋጋ ናይቲ ሓጢኣት ዘተዓርቕ መስዋእቱ ንደቅሰብ ክጥቀመሉ ኢዩ። እተን ከተማታት ዕቝባ ‘ንደቂ እስራኤል: ንጓና: ምሳታቶም ንዚነብር ስደተኛ’ ኢየን ተዳልየን ነይረን። (ዘሁልቍ 35:15) ስለዚ እቲ ዓቢ ሊቀ ኻህናት ነቲ ዋጋ ናይ መስዋእቱ ብመጀመርያ ኣብቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ: “ደቂ እስራኤል” ኢዩ ኣውዒልዎ። ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ዘለዉ ‘ጓኖት ነበርቲ’ ከምኡውን ‘ስደተኛታት’ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ኣሎ። እዞም ናይ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዝገብሩ ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 10:16፣ መዝሙር 37:​29, 34

ናይ ሎሚ ከተማ ዕቝባ

8. እታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ እንታይ ኢያ⁠፧

8 እታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ እንታይ ኢያ⁠፧ ከምታ ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ናይ ሌዋውያን መዕቈቢ ከተማታትን መንበሪ ናይቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናትን ዝነበረት ኬብሮን: ውሱን ጆግራፊያዊ ቦታ ዘለዋ ኣይኰነትን። ናይ ሎሚ ከተማ ዕቝባ ብዛዕባ ቅድስና ደም ዘሎ ትእዛዝ ብምጥሓስ ምእንቲ ከይንመውት ዝከላኸለልና ናይ ኣምላኽ ምድላው ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:⁠6) ኰነ ኢሉ ይኹን ብዘይፍላጥ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ትእዛዝ ዝጠሓሰ ሰብ ምሕረት ኣምላኽን ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ናይቲ ሊቀ ኻህናት: የሱስ ክርስቶስ: እምነት ብምግባር ድማ ሓጢኣቱ ክድምሰሰሉን ክደሊ ኣለዎ። ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ከምኡውን ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ዓቢ ጭፍራ” ካብቲ ረብሓታት ናይቲ ሓጢኣት ዘርሕቕ መስዋእቲ የሱስ ንርእሶም ይጥቀሙ ኢዮም: ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ድማ ኢዮም ዘለዉ።​—⁠ራእይ 7:​9, 14 ትሓዓ፣ 1 ዮሃንስ 1:7፣ 2:​1, 2

9. ሳውል በዓል ጤርሴስ ነቲ ንደም ዝምልከት ትእዛዝ ኣምላኽ ዝጠሓሶ ብኸመይ ኢዩ: ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ዝገበረኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ⁠፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ: ነቲ ብዛዕባ ደም ዝነበረ ሕጊ ጥሒስዎ ኢዩ። ከም ሳውል በዓል ጤርሴስ ኰይኑ ድማ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ኣሳጒጕዎም: ንኽቕተሉ እውን ከይተረፈ ስምረቱ ገሊጹ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:⁠- “ኣነ . . . ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ: ምሕረት ረኸበኩ።” (1 ጢሞቴዎስ 1:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:​1⁠-19) ሳውል: ጸኒሑ ብብዙሕ ናይ እምነት ተግባራት እተራእየ: ናይ እተናስሐ ሰብ ኣተሓሳስባ ነበሮ። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ንምእታው ኣብ በጅነት እምነት ካብ ምግባር ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ።

10. ሰናይ ሕልና ክርከብ ዝከኣል ከመይ ኢሉ ኢዩ: ንምዕቃቡኸ እንታይ ክግበር ኣለዎ⁠፧

10 ሓደ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ እስራኤል ከተማታት ዕቝባ ክጸንሕ ዝኽእል ብዛዕባ ናይ ደም ገበን ዝምልከት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ከም ዘለዎ ከረጋግጽ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ጥራይ ኢዩ። ሰናይ ሕልና ንምርካብ: ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት ከነርኢ: ካብ ሓጢኣትና ክንናሳሕ: ከምኡውን ኣካይዳና ክንልውጥ ኣሎና። ብክርስቶስ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ጸሎት እተሓወሶ ወፈያ ብምግባር: ነዚ ድማ ናይ ማይ ጥምቀት ገይርና ብምርኣይ ሰናይ ሕልና ክንሓትት የድልየና። (1 ጴጥሮስ 3:​20, 21) እዚ ሰናይ ሕልና እዚ ምስ የሆዋ ጽሩይ ርክብ ንምግባር የፍቅደልና ኢዩ። ነቲ ሰናይ ሕልና ክንዕቅቦ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ: ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ምስምማዕ ከምኡውን ከምቲ እቶም ኣብ ጥንታውያን ከተማታት ዕቝባ ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ነቲ ሕጊ ክእዘዙን እተመደበሎም ስራሕ ድማ ክፍጽሙን ዝነበሮም: ነቲ ኣብ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ እተመደብናሉ ስራሕ ብምፍጻም ጥራይ ኢዩ። ሎሚ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ስራሕ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ምእዋጅ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:​19, 20) ነዚ ስራሕ እዚ ምፍጻምና ጠቐምቲ ነባሮ ናይዛ ሎሚ ዘላ ከተማ ዕቝባ ንኽንከውን ክሕግዘና ኢዩ።

11. ኣብታ ሎሚ ዘላ ከተማ ዕቝባ ብደሓን ክንጸንሕ እንተድኣ ዄንና እንታይ ኢና ከነወግድ ዘሎና⁠፧

11 እቲ ፈዳይ ደም ኣንጻር ኵሎም ናይ ደም ገበነኛታት ቀልጢፉ ስጕምቲ ክውስድ ስለ ዝዀነ: ካብታ ናይ ሎሚ ከተማ ዕቝባ ምውጻእ ማለት ገዛእ ርእስኻ ንጥፍኣት ምቅላዕ ማለት ኢዩ። እዚ ዘሎናዮ ግዜ ካብታ መዕቈቢት ከተማ ወጺእና ወይ ካብቲ ናታ ናይ መጓሰዪ ዶብ ርሒቕና እንተሓዘሉ እዋን ኣይኰነን። ኣብቲ ናይቲ ሊቀ ኻህናት ሓጢኣት ዘርሕቅ መስዋ⁠እቲ ዘሎና እምነት እንተድኣ ኣጥፊእና ካብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ወጻኢ ከሎና ክንቅተል ኢና። (እብራውያን 2:1፣ 6:​4⁠-6) ዓለማዊ መገድታት ስዒብና: ኣብ ወሰናስን ማሕበር የሆዋ ደው ኢልና: ወይ ካብ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦና ጻድቕ ስርዓታት ርሒቕና እንተድኣ ኣሊና ንሕናውን ኣይክንድሕንን ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 4:⁠4

ካብ ከተማ ዕቝባ ናጻ ምዃን

12. እቶም ኣቐዲሞም ናይ ደም ገበነኛታት ዝነበሩ ሰባት ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ንኽንደይ ዝኣክል ኢዮም ክጸንሑ ዘለዎም⁠፧

12 ኣብ እስራኤል ሓደ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ “ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት” ኣብ ከተማ ዕቝባ ክጸንሕ ነበሮ። (ዘሁልቍ 35:28) እቶም ቀደም ናይ ደም ገበነኛታት ዝነበሩ ሰባትከ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዮም ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ዝጸንሑ⁠፧ እቲ ኣገልግሎት መስዋእቲ ናይቲ ሊቀ ኻህናት: የሱስ ክርስቶስ: ዘየድልዮም ክሳዕ ዝዀኑ ክጸንሑ ኣለዎም። ጳውሎስ “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ . . . ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” በለ። (እብራውያን 7:25) ዝዀነ ይኹን ናይ ደም ገበን ክሳዕ ዘሎ: ደቅሰብ ምስ ኣምላኽ ደው ንምባል መሰል ምእንቲ ክህልዎም ናይቲ ሊቀ ኻህናት ኣገልግሎት ኣድላዪ ኢዩ።

13. እዞም ሎሚ ዘለዉ ‘ደቂ እስራኤል’ መን ኢዮም: ኣብታ ‘ከተማ ዕቝባኸ’ ንኽንደይ ኢዮም ክጸንሑ ዘለዎም⁠፧

13 እተን ጥንታውያን ከተማታት ዕቝባ “ንደቂ እስራኤል:” ንጓኖት ነበርቲ: ከምኡውን ንስደተኛታት ተባሂለን ከም እተሃንጻ ዘክር። እቶም ‘ደቂ እስራኤል’ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ኢዮም። (ገላትያ 6:16) ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘለዉ ድማ ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ክጸንሑ ኣለዎም። ስለምንታይ⁠፧ ምኽንያቱ ገና ኣብቲ ዘይፍጹም ስጋ ኢዮም ዘለዉ: ስለዚ ኸኣ እቲ ናይ ሰማያዊ ሊቀ ኻህኖም መተዓረቒ ዋጋ ይደልዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ምስ ሞቱን ናብቲ መንፈሳዊ ህይወት ድማ ምስ ተንስኡን ናይቲ ሊቀ ኻህናት መተዓረቒ ኣገልግሎት ድሕሪ ደጊም ኣይከድልዮምን ኢዩ፣ ነቲ ስጋን ምስኡ እተተሓሓዘ ናይ ደም ገበንን ንዘለኣለም ክገድፍዎ ኢዮም። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ዝተንስኡ ቅቡኣት ሰባት: እቲ ሊቀ ኻህናት ብዘተዓርቕን ዝከላኸልን መገዲ ክሞተሎም ኢዩ።

14. እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም ኣብዛ ናይ ሎሚ ከተማ ዕቝባ ክጸንሑ ዘለዎም⁠፧

14 እቶም ሰማያውያን ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ክዀኑ ዘለዎም: ነቲ ምድራዊ ኣገልግሎቶም ሞይቶም ብተኣማንነት ክሳዕ ዝውድእዎ ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ዝጸንሕሉ ጌና ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣሎ። ክሞቱ ከለዉ: ሰብኣዊ ፍጥረት ንዘለኣለም ክስውእዎ ኢዮም። (ሮሜ 8:17፣ ራእይ 2:10) ናይ የሱስ መስዋእቲ ነቶም ሰብኣዊ ፍጥረት ዘለዎም ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። ስለዚ: እቲ ሊቀ ኻህናት: ነቶም መንፈሳውያን እስራኤል ከም መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ከም “ተማቐልቲ እቲ [መለኮታዊ ትሓዓ ] ባህርይ” ኰይኖም ድማ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ዝነብሩ ክዀኑ ከለዉን ይሞተሎም።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠4

15. እቶም ዘመናውያን ‘ጓኖት ነበርቲ’ ከምኡውን ‘ስደተኛታት’ መን ኢዮም: እቲ ዝዓበየ ሊቀ ኻህናትከ ኣብ ክንዳኦም እንታይ ክገብር ኢዩ⁠፧

15 ነቶም ‘ጓኖት ነበርቲ’ ከምኡውን ነቶም ‘ስደተኛታት’ ካብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ከም ዝወጹ ዝገብር ናይቲ ሊቀ ኻህናት “ሞት” መዓስ ኢዩ⁠፧ እዞም ኣባላት ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ብኡንብኡ ካብታ ከተማ ዕቝባ ክወጹ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለምንታይ ዘይወጹ⁠፧ ምኽንያቱ ገና ምስቲ ዘይፍጹም: ሓጥእ ኣካላቶም ስለ ዝህልዉ ኣብ ትሕቲ ናይቲ ሊቀ ካህን ዕቝባ ክጸንሑ ከድልዮም ኢዩ። ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ናይ ንግስነቱን ክህነቱን ግዜ ዘሎ ናይ ምትዕራቕ ኣገልግሎት ብምጥቃም ሰብኣዊ ፍጽምና ክረኽቡ ኢዮም። ሽዑ የሱስ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ንቝሩብ ግዜ ብምፍታሕ ንጽህናኦም ንመወዳእታ: ንዘለኣለም ወሳኒ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክፍተኑ: ናብ ኣምላኽ ከረክቦም ኢዩ። ነዚ ፈተና እዚ ብመለኮታዊ ስምረት ስለ ዝሓልፍዎ: የሆዋ ጻድቃን ምዃኖም ከረጋግጸሎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ናብቲ መጨረሽታ ምልኣት ናይ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:28፣ ራእይ 20:⁠7⁠-10a

16. እቶም ደሓንቲ ናይ ዓቢ ጸበባ መዓስ ኢዩ ናይቲ ሊቀ ኻህናት ዘተዓርቕ ኣገልግሎት ዘየድልዮም⁠፧

16 ስለዚ እምበኣር: እዞም ደሓንቲ ናይቲ ዓቢ ጸበባ: ክሳዕ መወዳእታ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ብምጽናሕ ሰናይ ሕልና ክዕቅቡ ኣለዎም። ከም ፍጹማት ዝዀኑ ሰባት መጠን: ተወሳኺ ሓጢኣት ዘተዓርቕ ኣገልግሎት ናይቲ ሊቀ ኻህናት ኣይከድልዮምን ኢዩ: ካብ ትሕቲ ዕቝባ ናቱ ድማ ክወጹ ኢዮም። ካብኡ ንደሓር ኣብ ክንዳኦም ኰይኑ በቲ ዘጽሪ ደም ናይ መስዋእቱ ክዓዪ ስለ ዘየድልዮ: ሽዑ ከም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ክሞተሎም ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ክገድፍዋ ኢዮም።

17. እቶም ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዝትንስኡ: ናብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ክኣትዉን ኣብኣ ክጸንሑን ዘየድልዮም ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

17 እቶም ኣብቲ ናይ የሱስ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዝተንስኡ ግድን ኣብታ ከተማ ዕቝባ ብምእታው ኣብኣ ክሳዕ ሞት ናይቲ ሊቀ ኻህናት ምጽናሕ ከድልዮም ድዩ⁠፧ ኣየድልዮም ኢዩ: ምኽንያቱ ብሙማቶም መቕጻዕቲ ሓጢኣቶም ከፊሎም ኢዮም። (ሮሜ 6:⁠7፣ እብራውያን 9:27) እንተዀነ ግን: እቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ፍጽምና ክበጽሑ ክሕግዞም ኢዩ። ድሕሪ እቲ ሽሕ ዓመት ዘሎ ፈተና ብዓወት እንተድኣ ተዋጺኦምሉ: ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ውሕስነት ብምሃብ ጻድቃን ምዃኖም ክምስክረሎም ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እቶም ብቕዓታት ኣምላኽ ምምላእ ዝሰነፉን ከም ሓለውቲ ንጽንህና ኰይኖም ድማ ነቲ ናይ መጨረሽታ ፈተና ዘይሓለፉን ሰባት ናይ ኵነኔ ፍርዲ ከምኡውን ጥፍኣት ክወርዶም ኢዩ።

18. ብዛዕባ ናይ የሱስ ንግስነትን ክህነትን: ምስ ደቅሰብ ንዘለኣለም ዝነብር እንታይ ኢዩ⁠፧

18 እቶም ናይ እስራኤል ሊቃውንቲ ካህናት ኣብ መወዳእታ ሞይቶም ኢዮም። እንተዀነ ግን: የሱስ “ከም መዓርግ መልከጼደቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት” ኢዩ ኰይኑ። (እብራውያን 6:​19, 20፣ 7:⁠3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ: እቲ የሱስ ናይ ደቅሰብ ሞንጎኛ ሊቀ ኻህናት ናይ ምዃን መዓርጉ ምውዳኡ: ህይወቱ ከም ዘቋርጽ ዝገብሮ ኣይኰነን። እቲ ሰናይ ፍረ ናይቲ ከም ንጉስን ሊቀ ካህንን ኰይኑ ዘገልገሎ ንዘለኣለም ምስ ደቅሰብ ክነብር ኢዩ: ከምኡውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ብምግልጋሉ ሰባት ንዘለኣለም ሰብ ዕዳኡ ክዀኑ ኢዮም። ብተወሳኺ: የሱስ ኣብቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ንዘለኣለም መሪሕነት ክወስድ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:​5⁠-11

ንኣና ዝኸውን ክቡር ትምህርቲ

19. ካብቲ ናይ ከተማታት ዕቝባ ምድላው: ብዛዕባ ጽልእን ፍቕርን እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንረክብ እንኽእል⁠፧

19 ካብቲ ምድላዋት ናይ ከተማታት ዕቝባ እተፈላለየ ትምህርቲ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ዝዀነ ነቲ ግዳይ ብናይ ጽልኢ መንፈስ ዝቐተሎ ቀታሊ ኣብታ ከተማ ዕቝባ ክነብር ኣይፍቀደሉን ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 35:​20, 21) ስለዚ: ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ዘሎ ሰብ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንሓዉ ብልቡ ጽልኢ ከዕቢ ዝኽእል⁠፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር: ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። ስለዚ እምበኣር “ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ: ንሓድሕድና ንፋቐር።”​—⁠1 ዮሃንስ 3:15፣ 4:⁠7

20. ካብቲ ፈዳይ ደም ዕቝባ ንኽረኽቡ: እቶም ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዑቝባ ዘለዉ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም⁠፧

20 እቲ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ካብቲ ፈዳይ ደም ምእንቲ ክዕቈብ ኣብታ ከተማ ዕቝባ ክጸንሕ ከምኡውን ካብቲ ናታ ናይ መጓሰዪ መሬት ካብ ምስጋር ክሕሎ ነበሮ። እቶም ኣብዛ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ዘለዉኸ⁠፧ ካብቲ ዓቢ ፈዳይ ደም ምእንቲ ክዕቈቡ: ነታ ከተማ ክገድፍዋ የብሎምን። አረ ብኻልእ ኣዘራርባስ: ናብቲ ወሰናስን ናይቲ መጓሰዪ መሬት ንምኻድ ካብ ዘስድዕ ነገራት ብርግጽ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ፍቕሪ ንናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ልቦም ከየዕብዩ ክጥንቀቑ ኣለዎም። እዚ ጸሎትን ጻዕርን ይሓትት ይኸውን: እንተዀነ ግን: ህይወቶም ኣብኡ እተመርኰሰ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:​15⁠-17፣ 5:⁠19

21. በቶም ኣብ ናይ ሎሚ ከተማ ዕቝባ ዘለዉ እንታይ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ ኢዩ ዝግበር ዘሎ⁠፧

21 እቶም ኣብተን ጥንታውያን ከተማታት ዕቝባ ዝነበሩ ብዘይፍላጥ ሰብ ዝቐተሉ ኣፍረይቲ ሰራሕተኛታት ክዀኑ ነይርዎም ኢዩ። ብተመሳሳሊ ድማ: እቶም ቅቡኣት ‘ደቂ እስራኤል’ ከም ዝእክቡ ሰራሕተኛታትን ኣወጅቲ መንግስትን ኰይኖም ሰናይ ኣብነት ይገድፉ ኢዮም። (ማቴዎስ 9:​37, 38፣ ማርቆስ 13:10) ከም ‘ጓኖት ነበርቲ’ ከምኡውን ‘ስደተኛታት’ ናይዛ ሎሚ ዘላ ከተማ ዕቝባ መጠን: እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ነዚ ህይወት ኣድሕን ዕዮ ኣብ ጐኒ እቶም ጌና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ኰይኖም ክዓዩ መሰል ኣለዎም። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ ኰን ኢዩ! እቶም ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ብተኣማንነት ዝዓዩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ዘለኣለማዊ ሞት ካብ ሙማት ከምልጡ ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ድማ: ካብቲ ከም ናይ ኣምላኽ ዓቢ ሊቀ ኻህናት መጠን ዝገብሮ ኣገልግሎት ናይ ዘለኣለም በረኸታት ክሓፍሱ ኢዮም። ኣብታ ከተማ ዕቝባ ብምጽናሕ ንዘለኣለም ክትነብር ዲኻ⁠፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 24\112 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 6ን 7ን ቍጽሪ 15, 16 ርአ።

ብኸመይ ምመለስካ⁠፧

◻ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ናይ ደም ገበነኛታት ኢዮም ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ⁠፧

◻ የሱስ ክርስቶስ ንደቅሰብ ዝምልከት እንታይ ግደ ኢዩ ክፍጽም⁠፧

◻ እታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ እንታይ ኢያ: ሓደ ሰብ ኣብኣ ዝኣቱኸ ብኸመይ ኢዩ⁠፧

◻ ሰባት ካብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ መዓስ ኢዮም ናጻ ክዀኑ⁠፧

◻ ካብቲ ናይ ከተማታት ዕቝባ ምድላው እንታይ ኣድላዪ ትምህርቲ ኢና ክንማሃር እንኽእል⁠፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ብየሱስ ክርስቶስ እንታይ ኣድላዪ ግደ ከም ዝፍጸም ትፈልጥዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ