ተስፋ ኣይትቝረጽ!
“እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።”—ገላትያ 6:9
1, 2. (ሀ) ኣንበሳ በየናይ መገድታት ኢዩ ዝሃድን፧ (ለ) ድያብሎስ ንመን ኣብ ምህዳን ኢዩ ብፍላይ ዝግደስ፧
ኣንበሳ ብእተፈላለየ መገድታት ኢዩ ዝሃድን። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ግዳዩ ኣብ ማያት ወይ ኣብቲ ደጋጊሙ ዝኸደሉ መገድታት ይቃጸዎ። ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ ድማ: “ብቐሊሉ ንዅነታት ይጥቀመሉ—ንኣብነት: ንዝደቀሰት ናይ ኣድጊ በረኻ ዒሉ ጐፍ ይብላ” ብምባል እቲ ፖርትረይትስ ኢን ዘ ዋይልድ (ኣብ በረኻ ዝርከብ ትርኢታት) እተባህለ መጽሓፍ ይዛረብ።
2 ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ድያብሎስ: እቲ መጻርርትና: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ከም ዘሎ’ ይገልጽ። (1 ጴጥሮስ 5:8) እቲ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ሓጺር ከም ዝዀነ ስለ ዝፈልጥ: ሰይጣን ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ከየገልግልዎ ካብ ናይ ቅድም ዝዓበየ ጸቕጥታት ብምግባር ኢዩ ዝጽዕር ዘሎ። ይኹን እምበር: እዚ “ዚጓዝም ኣንበሳ” እዚ ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ምህዳን ኢዩ ብፍላይ ዝግደስ። (ራእይ 12:12, 17) ናይ ምህዳን ሜላታቱ ምስቲ ኣብ ዓሌት እንስሳ ዘሎ መመሳስልቱ: ኣንበሳ: ዝመሳሰል ኢዩ። ብኸመይ፧
3, 4. (ሀ) ሰይጣን ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ምህዳን እንታይ ሜላታት ኢዩ ዝጥቀም፧ (ለ) ዘሎናዮ እዋን “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ብምዃኑ: እንታይ ሕቶታት ኢዮም ዝለዓሉ፧
3 ሓድሓደ ግዜ ሰይጣን ድብያ—ንየሆዋ ምግልጋል ምእንቲ ከነቋርጽ ንጽህናና ኣብ ምብልሻው ዝዓለመ መስጐጕቲ ወይ ተጻራርነት—ክገብር ኢዩ ዝፍትን። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ይኹን እምበር: ሰይጣን ከም ኣንበሳ: ኣብ ካልእ እዋናት ብቐሊሉ ንዅነታት ይጥቀመሉ ኢዩ። ክሳዕ እንሕለል ወይ እንስልኪ ይጽበ እሞ: ድሕርዚ ተስፋ ምእንቲ ክንቈርጽ ነቲ ትሑት ስምዒታዊ ኵነታትና ክብለጸሉ ኢዩ ዝፍትን። ብቐሊሉ እንህደን ክንከውን የብልናን!
4 እንተዀነ ግን: ካብ ኵሉ ሰብኣዊ ታሪኽ ኣብቲ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ:” ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ብዙሓት ካባና ተስፋ ከም ዝቘረጽና ወይ ከም እተጸቕጥና ኰይኑ ይስማዓና ይኸውን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 ትሓዓ ) እምበኣር: ነቲ ኣዝዩ ዝሰልከየና ብምዃን ብቐሊሉ ናይ ሰይጣን ግዳይ እንዀነሉ መገዲ ብኸመይ ኢና ከነወግዶ እንኽእል፧ እወ: ነቲ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ከመይ ገይርና ኢና ከነቕልበሉ እንኽእል፧—ገላትያ 6:9
ካልኦት ከጕህዩና ከለዉ
5. ንዳዊት ከም ዝስልኪ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር: እንታይ ኢዩ ዘይገበረ፧
5 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ኣዝዮም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝነበሩ ሰባትውን: ከም እተጸቕጡ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ብእህህታ ሰልክየ: ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ: ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ። ዓይነይ ብሓዘን ተበላሸወት።” ዳዊት ከምኡ እተሰምዖ ስለምንታይ ኢዩ፧ “ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ” ኢሉ ገለጸ። እቲ ናይ ካልኦት ጐዳኢ ተግባራት ንዳዊት ንብዓቱ ጀለም ክሳዕ ዝብል ጓሂ ልቢ ኣስዓበሉ። ጌና ግን: ዳዊት ብምኽንያት እቲ ብጾቱ ሰባት ዝገበርዎ ካብ የሆዋ ኣይረሓቐን።—መዝሙር 6:6-9
6. (ሀ) ብናይ ካልኦት ቃላት ወይ ተግባራት ብኸመይ ኢና ክንትንከፍ እንኽእል፧ (ለ) ገለ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ብቐሊሉ ብድያብሎስ ከም ትህደን ዝገብርዋ ብኸመይ ኢዮም፧
6 ብተመሳሳሊ: ናይ ካልኦት ቃላትን ተግባራትን ንልብና ኣዝዩ ብምጕሃይ ከም እንስልኪ ይገብረና ይኸውን። ምሳሌ 12:18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ [ብዘይሓሳብ ትሓዓ ] ዚዛረብ ሰብ አሎ” ትብል። እቲ ብዘይሓሳብ ዚዛረብ ሰብ ክርስትያን ሓው ወይ ሓብቲ ምስ ዝኸውን ድማ እቲ ናይ ‘ምቝራጽ ቍስሊ’ ዓሚቝ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሰብኣዊ ዝንባለ: ምናልባት ቂም ብምሓዝ ናብ ምሕራቕ ገጹ ክዘዙ ይኽእል። እዚ ብፍላይ ብዘይግቡእ ወይ ብዘይቅንዕና ከም እተረኣና ክስምዓና ከሎ ዘጋጥም ኢዩ። ነቲ ዘዀረየና ሰብ ክንዛረቦ ኣጸጋሚ ኰይኑ ንረኽቦ ንኸውን፣ ደይ መደይ ኢልናውን ንጐስዮ ወይ ንጐስያ ንኸውን። ገሊኣቶም ቂም ብምሓዝ ስለ እተጸቕጡ ተስፋ ቘሪጾምን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምምጻእ ድማ ኣቋሪጾምን ኢዮም። ዘሕዝን ድማ: ከምዚ ብምግባሮም ከም ንመጥቃዕቲ እተመጠወ ግዳይ: ንኽብለጸሎም ‘ንድያብሎስ ስፍራ ሂቦምዎ’ ኢዮም።—ኤፌሶን 4:27
7. (ሀ) ካልኦት ምስ ዘጕህዩና ወይ ዝጐድኡና ብኸመይ ኢና ኣብ ኢድ ድያብሎስ ካብ ምውዳቕ ክንርሕቅ እንኽእል፧ (ለ) ክንቅየም ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ካልኦት ምስ ዘጕህዩና ወይ ምስ ዝጐድኡና ብኸመይ ኢና ኣብ ኢድ ድያብሎስ ካብ ምውዳቕ ክንርሕቕ እንኽእል፧ ቂም ከይንሕዝ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ክንድኡ: ሰላም ክንገብር ወይ ንነገራት ብቕልጡፍ ንኸነደቅሶ ተበግሶ ንውሰድ። (ኤፌሶን 4:26) ቈሎሴ 3:13 ከምዚ ብምባል ትምዕደና:- “ንሓድሕድኩም . . . እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ።” እቲ ንዅራ ምኽንያት ዝዀነ ሰብ ጌጋኡ እንተድኣ ተኣሚኑን ብሓቂ ድማ ተጣዒሱን: ይቕሬታ ብፍላይ ግቡእ ኢዩ። (ምስ መዝሙር 32:3-5 ከምኡውን ምሳሌ 28:13 ኣረኣእዮ።) እዚ ግን: ይቕረ ምባል ነቲ ኻልኦት ዝፈጸምዎ ጌጋታት ሸለል ምባል ወይ ኣንኢስካ ምርኣይ ማለት ከም ዘይኰነ እንተድኣ ዘኪርና ይሕግዘና ኢዩ። ይቕረ ምባል ካብ ቂም ናጻ ምዃን ዘጠቓለለ ኢዩ። ቂም ክትስከሞ ከቢድ ዝዀነ ጾር ኢዩ። ኣተሓሳስባና ከድክም: ሓጐስና ክሰርቕ ይኽእል ኢዩ። ንጥዕናና እውን ከይተረፈ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ምስ እዚ ብምንጽጻር: ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ይቕረ ምባል ንጥቕምና ኢዩ ዝዓዪ። ንሕናውን: ከም ዳዊት: በቲ ካልኦት ዝብሉናን ዝገብሩናን ፈጺምና ተስፋ ኣይንቝረጽ ካብ የሆዋ ድማ ኣይንርሓቕ!
ክንጐድል ከሎና
8. (ሀ) ገለ ሰባት ብፍላይ ሓድሓደ ግዜ ናይ ገበን ስምዒት ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ተስፋ ካብ ምቝራጽ እተላዕለ ብናይ ገበን ስምዒት ኣዚና ምስ እንውሓጥ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧
8 ያእቆብ 3:2 “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ትብል። ክንስሕት ከሎና: ገበን ክስምዓና ባህርያዊ ኢዩ። (መዝሙር 38:3-8) ምስ ናይ ስጋ ድኻም እናተቓለስና ድማ ኣብ እተወሰነ እዋናት ዕንቅፋታት ምስ ዘጋጥመና ናይ ገበን ስምዒታት ብፍላይ ብርቱዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።a ከምዚ ዝበለ ቃልሲ ዘጋጠማ ሓንቲ ክርስትያን “ይቕሬታ ዘይወሃቦ ሓጢኣት ምፍጻመይን ዘይምፍጻመይን ከይፈለጥኩ: ምንባር ክቕጽል ኣይደለኹን። ብዝዀነ መገዲ ተስፋ ስለ ዘይብለይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን ክጽዕር ከም ዘይብለይ ኰይኑ ይስምዓኒ” ኢላ ገለጸት። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ተስፋ ብምቝራጽ ብገበን ኣዚና ምስ እንውሓጥ: ንድያብሎስ ስፍራ ንህቦ—ንሱ ድማ ቀልጢፉ ነቲ ኵነታት ይጥቀመሉ ይኸውን! (2 ቈረንቶስ 2:5-7, 11) እቲ ዘድሊ ንናይ ገበን ስምዒት ዝምልከት ዝያዳ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ምህላው ኢዩ።
9. ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ክንትኣማመን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ምስ ሓጣእና ብመጠኑ ገበን ክስምዓና ግቡእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ክርስትያን ናይ ኣምላኽ ምሕረት ክረክብ ፈጺሙ ዘይበቅዕ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ እቲ ናይ ገበን ስምዒታት ይቕጽል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና: ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና: ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ” ኢሉ ብርህራሀ የረጋግጸልና። (1 ዮሃንስ 1:9) ኣምላኽ ነዚ ኣብ ናትና ኵነታት ኣይገብሮን ኢዩ ኢልና ንኽንኣምን ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ ድዩ፧ የሆዋ ኣብ ቃሉ ‘ንይቕሬታ ድልው’ ምዃኑ ተዛሪቡ ከም ዘሎ: ዘክር። (መዝሙር 86:5፣ 130:3, 4) ብእተናስሐ ልቢ ድኣ ንቕረቦ እምበር: ክሕሱ ስለ ዘይከኣሎ: ከምቲ ቃሉ እተመባጽዖ ክገብር ኢዩ።—ቲቶስ 1:2
10. ሓንቲ ናይ ቅድም ግምቢ ዘብዐኛ ንድኻም ስጋ ዝምልከት እንታይ ልቢ ዘምውቕ መረጋገጺ ኢያ ዝሓተመት፧
10 ምስ ድኻም ትቃለስን ይደግሰካ ድማ እንተድኣ ኣልዩን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ! ደግሲ ነቲ ድሮ ዝገበርካዮ ነገር ግድን ይድምስሶ ማለት ኣይኰነን። እታ ናይ 15 ለካቲት 1954 ሕታም ናይዚ መጽሔት እዚ: ከምዚ ዝስዕብ ልቢ ዘምውቕ መረጋገጺ ሃበት:- “ኣብቲ ናይ ቅድም ኣነባብራና ካብቲ ንሕና እነስተብህለሉ ንላዕሊ ሱር ብዝሰደደ ገለ ሕማቕ ኣመል ብዙሕ ግዜ ንዕንቀፍን ንወድቕን [ንኸውን] . . . ተስፋ ኣይትቝረጽ። ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ከም ዝፈጸምካ ኣይትደምድም። ሰይጣን ከምኡ ገይርካ ክትርዳእ ኢዩ ዝደልየካ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሓዘንን ጓህን ክስምዓካ ንርእሱ ብዙሕ ከም ዘይረሓቕካ ዘርኢ ኢዩ። ይቕሬታኡ ከጽርየካ ሓገዙ ብምድላይ: ናብ ኣምላኽ ብትሕትናን ብልብን ንምምላስ ፈጺምካ ኣይትሰልኪ። ከምቲ ቈልዓ ሓደ ዓይነት ጕድለት ክሳዕ ክንደይ ይደጋግሞ ብዘየገድስ: ናብ ኣቦኡ ዝኸይድ ናብኡ ቕረብ: የሆዋ ድማ ብምኽንያት እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ብጸጋ ሓገዝ ክህበካ ኢዩ: ቅኑዕ እንተድኣ ኴንካ ድማ: ጽሩይ ሕልና ከም ዘሎካ ከም እትግንዘብ ክገብረካ ኢዩ።”
ዝኣክል ንገብር ከም ዘየሎና ኰይኑ ምስ ዝስምዓና
11. (ሀ) ኣብቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ብዛዕባ ምክፋልና ከመይ ኢዩ ክስምዓና ዘለዎ፧ (ለ) ኣብቲ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምክፋል ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ከመይ ዝበለ ስምዒታት ኢዮም ዝቃለሱ፧
11 እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣብ ናይ ሓደ ክርስትያን ህይወት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ: ኣብኡ ምክፋል ድማ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ። (መዝሙር 40:8) እንተዀነ ግን: ገለ ክርስትያናት ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ክዓዩ ብዘይ ምኽኣሎም ኣዝዩ ገበን ይስምዖም። ከምዚ ዝበለ ናይ ገበን ስምዒት: የሆዋ ፈጺምና እኹል ከም ዘይገበርና ኢዩ ዝስምዖ ኢልና ብምሕሳብ: ሓጐስና ከጥፍኦን ተስፋ ከቝርጸናን እውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ሰባት ዝቃለስዎ ስምዒታት እስከ ርአ።
ሓንቲ ምስ በዓል ቤታ ኰይና ሰለስተ ቈልዑ እተዕቢ ክርስትያን ሓብቲ “ድኽነት ክሳዕ ክንደይ ግዜ ዘጥፍእ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ብዝከኣለኒ መጠን ክቝጥብ ኣሎኒ። እዚ ኣብቲ ዝሓሰረ ድኳናት: ናይ ሓራጅ ኣቑሑ ዝሽየጠሉ ቦታታት ሃለው ክብል: ወይ ክዳውንቲ እውን ከይተረፈ ክሰፊ ግዜ ምሕላፍ ማለት ኢዩ። ናይ [ሕሱር መግቢ] ኩፖን—ክቘርጽ: ክምዝግብ: ከምኡውን ክሸይጥ—ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት እውን አሕልፍ ኢየ። ነቲ ግዜ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከሕልፎ ነይሩኒ ኢለ ብምሕሳብ: ሓድሓደ ግዜ ኣዝዩ ናይ ገበን ስምዒት ይስምዓኒ ኢዩ” ብምባል ጸሓፈት።
ሓንቲ ኣርባዕተ ቈልዑን ዘይኣማኒ በዓል ቤትን ዘለዉዋ ሓብቲ “ንየሆዋ እኹል ገይረ ብሓቂ ኣየፍቅሮን ኢየ ኢለ ስለ ዝሓስብ: ንየሆዋ ንምግልጋል ተቓለስኩ። ብሓቂ ኣበርቲዐ ጸዓርኩ: ይኹን እምበር: እኹል ከም ዝዀነ ፈጺሙ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ርኤኻ: ንርእሰይ ዋጋ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ምንም ስምዒት የብለይን: ስለዚ የሆዋ ነቲ ዘቕርበሉ ኣገልግሎት ይቕበሎ ኢዩ ኢለ ክሓስብ ኣይከኣልኩን” ብምባል ገለጸት።
ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትሓድጎ ኣድላዪ ኰይኑ ዝረኸበቶ ክርስትያን ድማ “ንየሆዋ ምሉእ ግዜ ከገልግሎ ዝኣተኹዎ መብጽዓ ብዘይምፍጻመይ ንዝነበረኒ ሓሳብ ክጾሮ ኣይከኣልኩን። ክሳዕ ክንደይ ተስፋ ከም ዝቘረጽኩ ክትግምቶ ኣይትኽእልን ኢኻ! ሕጂ ንእኡ ዘኪረ እነብዕ” በለት።
12. ገለ ክርስትያናት ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ናይ ገበን ስምዒት ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ንየሆዋ ክሳዕ ዝከኣለካ መሊእካ ከተገልግሎ ምድላይ ባህርያዊ ኢዩ። (መዝሙር 86:12) እንተዀነ ግን: ገለ ሰባት ዝያዳ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ኣዝዩ ገበን ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይ ገሊኦም: ምናልባት ካብቲ ኣብ ህይወት ዘሕለፍዎ ባህ ዘየብል ተመኵሮ ዝመጸ: ምስቲ ሓፈሻዊ ዋጋ ዘይብልካ ናይ ምዃን ስምዒት እተተሓሓዘ ኢዩ ዝመስል። ካልእ ኵነታት ድማ: የሆዋ ካባና እንታይ ከም ዝጽበ ንዝምልከት ክውንነታዊ ኣረኣእያ ካብ ዘይምህላው ዝመጸ ዘይግቡእ ገበን ኢዩ። ሓንቲ ክርስትያን “ክሳዕ እትደክም እንተድኣ ዘይዓየኻ እቲ ዝኣክል ኣይገበርካን ማለት ምዃኑ ይስማዓኒ ነበረ” ኢላ ትእመን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ንገዛእ ርእሳ መጠኑ ዝሓለፈ መዐቀኒታት ኣውጽኣትላ—ድሕርዚ ክትበጽሖ ምኽኣል ምስ ሰኣነት: ዝገደደ ናይ ገበን ስምዒት ተሰምዓ።
13. የሆዋ ካባና እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧
13 የሆዋ ካባና እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧ ብቐሊሉ ንምግላጽ: የሆዋ ኵነታትና ዘፍቅደልና ብምግባር: ብምሉእ ነፍስና ከነገልግሎ ኢዩ ዝጽበየና። (ቈሎሴ 3:23) ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቲ ክንገብሮ እንደሊ ከምኡውን ብሓቂ ክንገብሮ እንኽእል ዓቢ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። በቶም ከም ዕድመ: ጥዕና: ኣካላዊ ሓይሊ: ወይ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ክንድረት ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ዝከኣለና ኵሉ ምስ እንገብር: ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምሉእ ነፍስና—ካብቲ ጥዕናኡን ኵነታቱን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክህሉ ዘፍቀደሉ ዘይዛይድ ወይ ዘይንእስ ምሉእ ነፍሲ—እተገብረ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 13:18-23
14. ብሓቂ ካብ ገዛእ ርእስኻ እንታይ ክትጽበ ከም እትኽእል ኣብ ምውሳን ሓገዝ እንተድኣ ደሊኻ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧
14 እምበኣር: ካብ ገዛእ ርእስኻ ብሓቂ እንታይ ክትጽበ ከም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ ክትውስን እትኽእል፧ ነቲ ጕዳይ ምስ ሓደ ክእለታትካ: ሕጽረታትካ: ከምኡውን ናይ ስድራቤት ሓላፍነትካ ዝፈልጥ እሙን: ብሱል ክርስትያን ብጻይ: ምናልባት ምስ ሓደ ሽማግለ ወይ ተመኵሮ ዘለዋ ሓብቲ: ክትዘራረበሉ ትደሊ ትኸውን። (ምሳሌ 15:22) ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከም ሰብ መጠን ዘሎካ ቁም ነገር በቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እትገብሮ ብዝሒ ከም ዘይዕቀን ዘክር። ኣገልገልቲ የሆዋ ኵሎም ንየሆዋ ክቡራት ኢዮም። (ሃጌ 2:7፣ ሚልክያስ 3:16, 17) ኣብቲ ዕዮ ስብከት እትገብሮ ካብ ናይ ካልኦት ክበዝሕ ወይ ክጐድል ይኽእል ይኸውን: ይኹን እምበር ነቲ ብዝበለጸ ክትገብሮ እትኽእል ዝውክል ክሳዕ ዝዀነ: የሆዋ ሕጕስ ኢዩ: ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓካ ድማ ኣየድልን ኢዩ።—ገላትያ 6:4
ካባና ብዙሕ ምስ ዝድለ
15. ካብ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ብዙሕ ዝድለ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
15 የሱስ “ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ” በለ። (ሉቃስ 12:48) ብርግጽ ካብቶም ከም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ ‘ብዙሕ ይድለ’ ኢዩ። ከም ጳውሎስ ኣብ ክንዲ እታ ጉባኤ ገዛእ ርእሶም ይህቡ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 12:15) ዝዳለውሉ ዝርርባት: ዝገብርዎ ናይ ጕስነት ምብጻሕ: ዝኣልይዎ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ኣለዎም—እዚ ዅሉ ድማ ንስድራቤታቶም ሸለል ከይበሉ ኢዮም ዝገብርዎ። (1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5) ገለ ሽማግለታት ድማ: መንግስቲ ኣዳራሻት ንምህናጽ ብምሕጋዝ: ኣብቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድኡ ኮሚቴ ብምግልጋል: ከምኡውን ኣብ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ወለንተኛታት ብምዃን ትሑዛት ኢዮም። እዞም ጻዕረኛታት ውፉያት ሰብኡት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ጾር ናይ ከምዚ ዝበለ ሓላፍነታት ብኸመይ ኢዮም ምስልካይ ከርሕቑ ዝኽእሉ፧
16. (ሀ) የትሮ ንሙሴ ከመይ ዝበለ ተግባራዊ መፍትሒ ኢዩ ዝሃቦ፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ምስ ካልኦት ግቡእ ሓላፍነታት ንኽማቐል ዘኽእሎ ባህሪኸ እንታይ ኢዩ፧
16 ሙሴ እቲ ትሑት ሰብኣይ: ናይ ካልኦት ግድላት ምፍታሕ ምስ ሰልከዮ የትሮ ሓሙኡ: ምስ ካልኦት ብቑዓት ሰብኡት ገለ ሓላፍነታት ተማቐል ዝብል: ተግባራዊ መፍትሒ ኣቕረበሉ። (ዘጸኣት 18:17-26፣ ዘሁልቍ 12:3) ምሳሌ 11:2 “ጥበብ . . . ምስቶም ትሑታት እያ” ትብል። ትሑት ምዃን ዓቕምኻ ምፍላጥን ምቕባሉን ማለት ኢዩ። ሓደ ትሑት ሰብኣይ ንኻልኦት ንኽውክል ኣየዕጠጥን: ምስ ካልኦት ብቑዓት ሰብኡት ግቡእ ሓላፍነታት ብምምቓሉ ድማ ብገለ መገዲ ምቍጽጻር ክስእን ኢየ ኢሉ ኣይፈርሕን ኢዩ።b (ዘሁልቍ 11:16, 17, 26-29) ኣብ ክንድኡ: ምእንቲ ክምዕብሉ ንምሕጋዞም ኢዩ ዝህንጠ።—1 ጢሞቴዎስ 4:15
17. (ሀ) ኣባላት ጉባኤ ናይ ሽማግለታት ጾር ከፍኵሱ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣንስቲ ሽማግለታት እንታይ መስዋእትታት ኢየን ዝገብራ: ንሕና ነዚ ከም እነማስወሉኸ ብኸመይ ከነርእየን ንኽእል፧
17 ኣባላት ጉባኤ: ናይ ሽማግለታት ጾር ንምፍዃስ ብዙሕ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ሽማግለታት ዝሓልዩሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤታት ከም ዘለዎም ብምርዳእ: ካልኦት ነቲ ናይ ሽማግለታት ግዜን ቈላሕታን ዘጻብብ ዘይምኽንያታዊ ሕቶታት ኣየከቕርቡን ኢዮም። ነቲ ኣንስቲ ሽማግለታት ብዘይ ስስዐ ንሰብኡተን ምስታ ጉባኤ ክማቐላኦም ከለዋ ዝገብርኦ ፍቓደኛ መስዋእቲ ከየማሰውሉ ኣይክሓልፉን ኢዮም። በዓል ቤታ ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግል ሓንቲ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ሓብቲ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ፈጺመ ዘየጕረምርመሉ ነገር እቲ በዓል ቤተይ ሽማግለ ኰይኑ ከገልግል ምእንቲ ክኽእል: ኣብቲ ቤት ፈትየ ዝስከሞ ተወሳኺ ጾር ኢዩ። ብምኽንያት ኣገልግሎቱ: ኣብ ቤትና በረኸት የሆዋ ብዙሕ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ: ነቲ ንሱ ዝህቦ ድማ ኣይቀንኣሉን ኢየ። እንተዀነ ግን: ብሓቂ: ኣብቲ ግራት ንምዕያይ: ከምኡውን በዓል ቤተይ ትሑዝ ብምዃኑ ንውሉዳትና ኣብ ምቕጻዕ ዝያዳ ክገብር ኣሎኒ።” ዘሕዝን ግን: እዛ ሓብቲ እዚኣ: ተወሳኺ ጾር ብምስካማ ኣብ ክንዲ ዘማስዉዋ: “ስለምንታይ ፓይነር ኴንኪ ዘይተገልግሊ፧” ዝብል ተነቃፊ ርእይቶታት ዝህቡ ገለ ሰባት ረኺባ ኢያ። (ምሳሌ 12:18) ንኻልኦት በቲ ክገብርዎ ዘይከኣሉ ኣብ ክንዲ እንነቕፎም: በቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ክንእዶምሲ ክሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ኰን ኢዩ!—ምሳሌ 16:24፣ 25:11
መወዳእታ ጌና ስለ ዘይመጸ
18, 19. (ሀ) ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዝግበር ቅድድም ሕጂ ጕያና እነቋርጸሉ ግዜ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ እዋናዊ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧
18 ሓደ ጐያዪ ናይቲ ነዊሕ ቅድድም መወዳእታ ከም ዝቐረበ ምስ ዝፈልጥ ተስፋ ኣይቈርጽን ኢዩ። ኣካላቱ ኣብ ናይ መወዳእታ ምጽማሙ—ደኺሙ: ረሲኑ: ከምኡውን ነቒጹ—ይህሉ ይኸውን: ይኹን እምበር: ናብ መጨረሽታ ኣዝዩ ስለ ዝቐረበስ ጕያ ደው ዘብለሉ ግዜ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ: ንሕና ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ናይ ዓስቢ ህይወት ቅድድም ኢና ዘሎና: ናብቲ ናይ መጨረሽታ መስመር ድማ ኣዚና ቀሪብና ኢና። ሕጂ ጕያና እነቋርጸሉ ግዜ ኣይኰነን!—ምስ 1 ቈረንቶስ 9:24፣ ፊልጲ 2:16፣ 3:13, 14 ኣረኣእዮ።
19 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ኵነታት ኣጋጢምዎም ኢዩ። ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ጸሓፈሎም። ግዜ ይጐዪ ኢዩ ነይሩ—እቲ እኩይ “ወለዶ:” ከሓዲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ: ዳርጋ ኣብ “ምሕላፉ” ኢዩ ነይሩ። ብፍላይ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ንቑሓትን እሙናትን ክዀኑ ነበሮም፣ ብዝዓስከሩ ሰራዊት ተኸቢባ ምስ ዝርእዩ: ካብታ ከተማ ክሃድሙ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 21:20-24, 32) ሽዑ እምበኣር: እቲ ‘ኣይትድከሙ ነፍሳትኩም ድማ ኣይተሓለላ’ ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ: እዋናዊ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 12:3) ኣብዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ክልተ ንጹራት ግስታት ኢዩ ተጠቒሙ:- ‘ምድካም’ (ካʹምኖ) ከምኡውን ‘ምሕላል’ (ኢ·ክልይʹኦ ·ማይ)። ብመሰረት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝበሎ: እዘን ናይ ግሪኽ ቃላት እዚኣተን “ብዛዕባ እቶም ነታ ናይ መወዳእታ መስመር ድሕሪ ምሕላፎም ዝዛነዩን ዝወድቁን ጐየይቲ ንምግላጽ ኣሪስቶትል እተጠቕመለን ኢየን ነይረን። እቶም [ንመልእኽቲ ጳውሎስ] ዘንበቡ ጌና ኣብ ቅድድም ኢዮም ነይሮም። ቕድሚ ምውዳኡ ተስፋ ክቘርጹ የብሎምን። ካብ ምስልካይ እተላዕለ ድማ ዕውልውል ክብሎምን ክወድቁን ክፈቕዱ የብሎምን። እንደገና ኣብ ቅድሚ ሽግር ዘይምሕላል ዝሓትት ኢዩ።”
20. ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ሎሚ ንኣና እዋናዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ሎሚ ንኣና ክሳዕ ክንደይ እዋናዊ ኰን ኢዩ! ኣብ ቅድሚ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጥታት: ከምቲ ኣብራኹ ወለል ኢልዎ ዝደኸመ ተቓዳዳማይ ዝስምዓና እዋናት ይህሉ ይኸውን። ይኹን እምበር: ናብቲ ናይ መወዳእታ መስመር ኣዚና ስለ ዝቐረብና: ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን! (2 ዜና መዋእል 29:11) ተጻራሪና: እቲ “ዚጓዝም ኣንበሳ” ተስፋ ክንቈርጽ ኢዩ ዝደልየና። ዝምስገን ግን: የሆዋ “ንድኹም ሓይሊ” ዝህብ ምድላዋት ገይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:29) እዚኣቶም እንታይ ምዃኖምን ንሕና ድማ ብኸመይ ክንጥቀመሎም ከም እንኽእልን ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክዝረበሉ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ንኣብነት: ገሊኣቶም ከም ንሕማቕ ጠባይ: ወይ ንግብረ-ሕቡእ ናይ ምስናፍ ግድል ዝኣመሰለ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ኣመላት ንምቍጽጻር ይቃለሱ ይዀኑ።—ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ: ናይ 22 ግንቦት 1988 ገጽ 19-21 (እንግሊዝኛ)፣ 8 ሕዳር 1981 ገጽ 16-20 (እንግሊዝኛ) ንቕሑ!፣ ከምኡውን መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት—ተግባራዊ መልስታት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 198-211 ርአ።
መልስኻ እንታይ ኢዩ፧
◻ ካልኦት ምስ ዘጕህዩና ወይ ዝጐድኡና ተስፋ ምቝራጽ ከነርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ብዛዕባ ናይ ገበን ስምዒት ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ኢዩ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ክሕልወና ዝኽእል፧
◻ የሆዋ ካባና እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧
◻ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ምስልካይ ምእንቲ ከርሕቑ: ብኸመይ ኢያ ትሕትና ክትሕግዞም እትኽእል፧
◻ እቲ ኣብ እብራውያን 12:3 ዘሎ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ: ሎሚ ንኣና እዋናዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧