ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/12 ገጽ 14-19
  • የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ጸሎት ሓይሊ
  • ምዉቕ ፍቕራዊ ሕውነት
  • ሓይሊ ቃል ኣምላኽ
  • እቶም “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ዝዀኑ ሽማግለታት
  • ተስፋ ኣይትቝረጽ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ንየሆዋን ሓይሉን ድለዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/12 ገጽ 14-19

የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ

“እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ።”​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠31

1, 2. የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ እንታይ ኢዩ ዝህቦም: ሕጂኸ እንታይ ኢና ክንርኢ፧

ንስሪ ካብቶም ኣዝዮም ሓያላት ኣዕዋፍ ሰማይ ኢዮም። ኣኽናፎም ከየንገብገቡ ንነዊሕ ርሕቀት ክንሳፈፉ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ካብ ክልተ ሜትሮ ንላዕሊ ክዝርጋሕ ዝኽእል ኣኽናፍ ዘለዎ: “ናይ ኣዕዋፍ ንጉስ:” ወርቃዊ ንስሪ: “ካብ ኵሎም ንስሪ ኣዝዩ ዝምስጥ ኢዩ፣ ልዕሊ ኩርባታትን ለሴታትን ይድይብ: ኣብ ልዕሊ ገሊኦም ናይ ኣኽራናት ጫፍ ድማ ንሰዓታት ይንሳፈፍ: ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ጸሊም ነቝጣ ክሳዕ ዝመስል: ንላዕሊ ይውንጨፍ።”​—⁠ዘ ኣውዳቦን ሶሳይቲ ኤንሳይክሎፐድያ ኦቭ ኖርዝ ኣመሪካን በርድስ።

2 ነዚ ናይ ንስሪ ናይ ምንፋር ክእለት ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[የሆዋ] ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን: ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ: እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” (ኢሳይያስ 40:​29-31) ከምቲ ዘይደክም ዝመስል ኣኽናፍ ናይ ዝንሳፈፍ ንስሪ ገይሩ ብምዕጣቕ: የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ ምእንቲ ክቕጽሉ ሓይሊ ከም ዝህቦም ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ገለ ካብቲ ንዝደኸሙ ሓይሊ ንምሃብ ዝገበሮ ምድላዋት ርአ።

ናይ ጸሎት ሓይሊ

3, 4. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ኣተባቢዕዎም፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎትና ክምልሽ ከሎ እንታይ ክገብር ኢና እንጽበዮ፧

3 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” መዓዶም። (ሉቃስ 18:⁠1) ናይ ህይወት ጸቕጥታት ዝዕብልል ምስ ዝመስል ልብና ንየሆዋ ምፍሳስ ብሓቂ ንሓይልና ከሐድሶን ተስፋ ምቝራጽ ከነርሕቕን ክሕግዘና ይኽእል ድዩ፧ እወ: እንተዀነ ግን ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞም ዝግብኣና ገለ ነገራት ኣለዉ።

4 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ጸሎትና ንምምላሽ ክገብረልና እንጽብዮ ነገር ርዱኣት ክንከውን ኣሎና። ሓንቲ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝወደቐት ክርስትያን ጸኒሓ ከምዚ በለት:- “ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ሕማማት: የሆዋ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜያት ተኣምራት ኣይገብርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ እቲ እንኽእሎ ደረጃ ክንቃለስን ክንፍወስን ይሕግዘና ኢዩ።” ጸሎታ ስለምንታይ ፍልልይ ከም ዝገብር ክትገልጽ ከላ ድማ “መንፈስ የሆዋ ንምርካብ ኣብ መዓልቲ ናይ 24 ሰዓታት ኣጋጣሚ ነይሩኒ ኢዩ” ብምባል ወሰኸት። ስለዚ: የሆዋ ካብቲ ዝጸቕጠና ናይ ህይወት ጸቕጥታት ኣየዕቍበናን ኢዩ: ይኹን እምበር ‘ንዝልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም ኢዩ።’ (ሉቃስ 11:13፣ መዝሙር 88:​1-3) እቲ መንፈስ እቲ ንዝዀነ ዝጓነፈና ፈተና ወይ ጸቕጢ ክንጋጠሞ የኽእለና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብታ ኣዝያ ቐሪባ ዘላ ሓደስ ዓለም ንዅሉ ኣጨናቒ ግድላት ክሳዕ እትጸርጎ ምእንቲ ክንጽመም በቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክመልኣና ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

5. (ሀ) ጸሎትና ኣስላጢ ምእንቲ ክኸውን: እንታይ ክልተ ነገራት ኢዮም ኣድለይቲ ዝዀኑ፧ (ለ) ምስ ድኻም ስጋ ንቃለስ እንተድኣ ኣሊና: ከመይ ገይርና ኢና ክንጽሊ እንኽእል፧ (ሐ) ብዘይምሕላልን ፈሊና ብምጥቃስን እነቕርቦ ጸሎትና ንየሆዋ እንታይ ኢዩ ዝገልጸሉ፧

5 እንተዀነ ግን: ጸሎትና ኣስላጢ ምእንቲ ክኸውን: ኣዘውቲርና እንገብሮን ፈሊና እንጠቅስን ክንከውን ኣሎና። (ሮሜ 12:12) ንኣብነት: ምስ ናይ ስጋ ድኻም ብምቅላስካ ትስልኪ እንተድኣ ኣሊኻ: ብፍላይ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ድኽመት እቲኣ ምእንቲ ከይትምብርከኽ: ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽሕግዘካ ንየሆዋ ለምኖ። ብተመሳሳሊ ኸኣ ምሉእ መዓልትን ነፍሲ ወከፍ ምሸት ቅድሚ ምድቃስካን ጸሊ። ዕንቅፋት እንተድኣ ኣሎካ ድማ: ይቕረ ክብለልካ ንየሆዋ ለምኖ: ይኹን እምበር: ናብቲ ደግሲ እንታይ ከም ዝመርሓካን ንመጻኢ ድማ ካብቲ ኵነታት እቲ ንኽትርሕቕ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን እውን ንገሮ። ከምዚ ዝበለ ዘይሕለልን ፈሊኻ ብምጥቃስን ዝግበር ጸሎት ነቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ኣብቲ ቃልሲ ምእንቲ ክትዕወት ዘሎካ ናይ ባህግኻ ቅንዕና ክገልጸሉ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 65:2፣ ሉቃስ 11:​5-13

6. ሽሕ’ኳ ክንጽሊ ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰመዓና: የሆዋ ጸሎትና ክሰምዖ ብግቡእ እንጽበ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ እቶም ዝሰልከዮም ክጽልዩ ዘይበቕዑ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ከምኡ እተሰምዓ ክርስትያን ሰበይቲ ዳሕራይ ከምዚ በለት:- “ንገዛእ ርእስና ባዕልና ንፈርዳ ስለ ዘሎና እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ: ይኹን እምበር ምፍራድ ንኣና ኣይምልከትን ኢዩ።” ብርግጽ: ‘ኣምላኽ ኢዩ ፈራዲ።’ (መዝሙር 50:⁠6) መጽሓፍ ቅዱስ ሽሕ’ኳ “ልብና እንተ ነቐፈና: ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 3:​20) ንገዛእ ርእስና ክንጽሊ ከም ዘይንበቅዕ ገይርና ክንፈርድ ከሎና: የሆዋ ግን ብዛዕባና ከምኡ ከም ዘይስምዖ ምፍላጥሲ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ንሱ ነቲ ከም ዘይንበቅዕ ኰይኑ ከም ዝስምዓና ዝገብር ኣብ ናብራና ዘሎ ኵነታት ሓዊስካ: ብዛዕባና ‘ኵሉ ዝፈልጥ’ ኢዩ። (መዝሙር 103:​10-14) ምሕረቱን ዓሚቝ ምርድኡን ካብ “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ንዝመጽእ ጸሎት ክሰምዕ የለዓዕሎ ኢዩ። (መዝሙር 51:17) ንሱ ንገዛእ ርእሱ ነቲ “ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዓጹ” ሰብ እናዀነነስ: ከመይ ኢሉ ኢዩ እሞ ሓገዝ ደሊና እነቕርቦ ኣውያት ምስማዕ ክኣቢ ዝኽእል፧​—⁠ምሳሌ 21:⁠13

ምዉቕ ፍቕራዊ ሕውነት

7. (ሀ) ሓይልና ንኽሕደስ ምእንቲ ክሕግዘና የሆዋ ዝገበሮ ካልእ ምድላው እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ሕውነትና እንታይ ምፍላጥ ኢዩ ዘበራትዕ ክኸውን ዝኽእል፧

7 ሓይልና ንምሕዳስ ምእንቲ ክሕግዘና የሆዋ ዝገበረልና ካልእ ምድላው ድማ ክርስትያናዊ ሕውነ⁠ትና ኢዩ። ክፍሊ ናይቲ ዓለምለኻዊ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ስድራቤት ክትከውንስ ከመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኰን ኢዩ! (1 ጴጥሮስ 2:17) ናይ ናብራ ጸቕጥታት ምስ ዝኸብደና ምዉቕ ፍቕራዊ ሕውነትና ሓይልና ንኸነሐድስ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ኣጨነቕቲ ዝዀኑ ጸገማት ኣብ ምግጣም በይንና ከም ዘይኰንና ምፍላጥ ንርእሱ ዘበራትዕ ኢዩ። ካብ መንጎ ኣሕዋትናን ኣሕትናን: ተመሳሳሊ ጸቕጥታት ወይ ፈተናታት እተጋጠሙን ምስቲ ናትና ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ስምዒታት ዘሕለፉን ብርግጽ ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠9) እቲ እነሕልፎ ዘሎና ሓድሽ ከም ዘይኰነን ስምዒታትና ድማ ልሙድ ምዃኑን ምፍላጥ ዘጸናንዕ ኢዩ።

8. (ሀ) ኣብ ሕውነትና ብዙሕ ኣድላዪ ደገፍን ምጽንናዕን ክንረክብ ከም እንኽእል ዘርእየና እንታይ ኣብነታት ኢዩ፧ (ለ) ብ“ናይ ሓቂ ብጻይ” ብብሕትኻ በየናይ መገድታት ተደጊፍካ ወይ ተጸናኒዕ⁠ካ፧

8 ኣብቲ ምዉቕ ፍቕራዊ ሕውነት ክንጕሂ ከሎና ኣድላዪ ዝዀነ ብዙሕ ደገፍን ምጽንናዕን ክህቡና ዝኽእሉ ‘ናይ ሓቂ ብጾት:’ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 17:17 ትሓዓ ) መብዛሕትኡ ግዜ: ገለ ናይ ሕያውነት ቃላትን ናይ ምስትውዓል ተግባራትን ኢዩ ዝሓትት። ምስ ዋጋ ዘይብልካ ናይ ምዃን ስምዒታት እተቓለሰት ክርስትያን “ነቲ ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ንኸሰንፎ ምእንቲ ክሕግዘኒ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ኣወንታዊ ነገራት ዝዛረቡኒ ብጾት ነይሮምኒ ኢዮም” ብምባል ትዝክር። (ምሳሌ 15:23) ሓንቲ ሓፍቲ ንእሽቶ ጓላ ድሕሪ ሙማታ: ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ብፍላይ ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝጠቅስ ናይታ መንግስቲ መዝሙራት ክትዝምር ኣብ መጀመርታ ኣጸጋሚ ኰይኑ ረኸበቶ። ንሳ “ሓደ ግዜ ኣብቲ ስግር መተሓላለፊ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሓፍቲ ክነብዕ ረአየትኒ። ናባይ መጸት እሞ ብኢዳ ሓቚፋ ነቲ ዝተረፈ መዝሙር ምሳይ ኰይና ዘመረቶ። ንኣሕዋትን ኣሓትን ምሉእ ፍቕሪ ተሰማዓኒ: ሓገዝ እንረኽበሉ ኣብኡ: ኣብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ: ምዃኑ ብምግንዛብ ድማ: ኣኼባታት ብምርካብና ኣዝየ ተሓጐስኩ” ብምባል ትዝክር።

9, 10. (ሀ) ንምዉቕ ፍቕራዊ ሕውነትና ከነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ናይ ሓቂ ሕብረት ብፍላይ ዝደሊ መን ኢዩ፧ (ሐ) ነቶም ምትብባዕ ዝደልዩ ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

9 ርግጽ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍና ነቲ ናይ ክርስትያን ምዉቕ ፍቕራዊ ሕውነት ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ። ስለዚ: ንዅላቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምእንቲ ኽሓቍፍ ኣልባብና ‘ክገፍሕ’ ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 6:13) ነቶም ዝሰልከዩ: ፍቕሪ ሕውነት ናብኣቶም ከም ዝዘሓለ ክስምዖምስ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! እንተዀነ ግን: ገለ ክርስትያናት ጽምዋን ከም እተገለሉን ኰይኑ ከም እተሰምዖም ተዛሪቦም ኢዮም። ሓንቲ በዓል ቤታ ንሓቂ ዝጻረር ሓብቲ “መን ኢዩ እሞ ሃናጺ ዕርክነት: ምትብባዕ: ከምኡውን ፍቕራዊ ሕብረት ዘይብህግን ዘይደልን፧ በጃኻትኩም ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እንደልዮም ኣዘክሩልና!” ኢላ ተማሕጸነት። እወ: ብፍላይ እቶም ኵነታት ናብራ ዝጸቐጦም​—⁠ምስ ዘይኣምኑ ናይ መርዓ ብጾት ዘለዉ: ንጽል ወለዲ ዝዀኑ: ብምኽንያት ሕማም ናይ ጥዕና ግድላት ዘለዎም: ኣረጋውያን: ከምኡውን ካልኦት​—⁠ጥዑይ ሕብረት ይደልዩ ኢዮም። ገሌና ብዛዕባ እዚ ክንዘኻኸር የድልየና ድዩ፧

10 ምእንቲ ክንሕግዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ፍቕርና ኣብ ምግላጽ ነስፍሕ። ግሽነት ክንቅበል ከሎና: ነቶም ምትብባዕ ዘድልዮም ኣይንረስዓዮም። (ሉቃስ 14:​12-14፣ እብራውያን 13:⁠2) እቲ ኵነታቶም ዕድመ ክቕበሉ ይኽልክሎም ኢዩ ኢልና ኣብ ክንዲ እንግምት: ስለምንታይ ብዝዀነ መገዲ ዘይንዕድሞም፧ ድሕርዚ ይወስኑ ንሕደጎም። ክቕበሉ እውን እንተ ዘይከኣሉ: ካልኦት ብዛዕባኦም ከም ዝሓስቡ ምፍላጦም ብርግጽ ከተባብዖም ኢዩ። ሓይሎም ምእንቲ ክሕደስ ዘድልዮም ንሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

11. እቶም እተጸቕጡ በየናይ መገድታት ኢዩ ሓገዝ ዘድልዮም፧

11 እቶም እተጸቕጡ ሰባት ብኻልእ መገድታት ሓገዝ ይደልዩ ይዀኑ። ንኣብነት: ሓንቲ ንጽል ሓብቲ: ሓደ ብሱል ሓው ነቲ ኣቦ ዘይብሉ ወዳ ክግደሰሉ ትደሊ ትኸውን። (ያእቆብ 1:27) ከቢድ ናይ ጥዕና ግድል ዘለዎ ሓው ወይ ሓብቲ ኣብ ሸመታ ወይ ናይ ገዛ ዋኒን ሓገዝ ይደሊ ይኸውን። ሓደ ኣረጊት: ዕርክነት ሃንቀው ይብል ወይ ድማ ንግራት ኣገልግሎት ክኸይድ ሓገዝ ይደሊ ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ቀጻሊ ምስ ዘድሊ: ‘ንሓቅነት ፍቕርና ዝፍትን’ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 8:⁠8 ትሓዓ ) ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ብምዃኑ: ካብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ክንዲ እንርሕቕ: ነቲ ናይ ካልኦት ድሌት ስምዒት ዘሎናን መልሲ እንህብን ብምዃን ነቲ ናይ ክርስትያን ፍቕሪ ፈተና ንሕለፎ።

ሓይሊ ቃል ኣምላኽ

12. ቃል ኣምላኽ ሓይልና ንምሕዳስ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

12 ምብላዕ ዘቋረጸ ሰብ ቀልጢፉ ብርታዔኡ ወይ ሓይሉ የጥፍእ። ብመሰረት እዚ ኸኣ: የሆዋ ከቐጽለና ዝኽእል ሓይሊ ዝህበሉ ካልእ መገዲ: ብመንፈስ ጽቡቕ ከም እተመገብና ብምርግጋጽ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:​13, 14) ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ ዝህበና፧ ልዕሊ ዅሉ: ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:4፣ ምስ እብራውያን 4:12 ኣረኣእዮ።) ሓይልና ንምሕዳስ ብኸመይ ክጠቕመና ይኽእል፧ እቲ ዘጋጥመና ጸቕጥታትን ግድላትን ንሓይልና ከድክሞ ምስ ዝጅምር: ብዛዕባ ናይቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ስምዒታትን ሓቀኛ ናይ ህይወት ቃልስን ብምንባብ ሓይሊ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሽሕ’ኳ ናይ ንጽህና ብሉጻት ኣብነታት እንተዀኑ: ‘ከም ናትና ስምዒት ዝነበሮም’ ሰባት ኢዮም። (ያእቆብ 5:17 ትሓዓ ፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:15) ከም ናትና ዝመስል ፈተናታትን ጸቕጥታትን ተጋጢሞም ኢዮም። ገለ ኣብነታት ርአ።

13. ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ምስ ናትና ኣዝዩ ዝመሳሰል ስምዒታትን ተመኵሮታትን ከም ዝነበሮም ዘርኢ ከመይ ዝበለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኢዩ፧

13 ኣብርሃም እቲ ርእሲ ኣቦታት: ሽሕ’ኳ ኣብ ትንሳኤ እምነት እንተ ነበሮ ብሞት በዓልቲ ቤቱ ዓሚቝ ሓዘን ተሰሚዕዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 23:2፣ ምስ እብራውያን 11:​8-10, 17-19 ኣረኣእዮ።) እቲ እተናስሐ ዳዊት ሓጢኣቱ ንየሆዋ ከገልግል ከም ዘይበቅዕ ዀይኑ ከም ዝስምዖ ገይርዎ ኢዩ። (መዝሙር 51:11) ሙሴ ክእለት ከም ዘይብሉ ይስምዖ ነበረ። (ዘጸኣት 4:10) ኤጳፍሮዲጦስ ከቢድ ሕማም ነቲ ኣብ “ዕዮ ክርስቶስ” ዝነበሮ ንጥፈት ክድርቶ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ተጨኒቑ ኢዩ። (ፊልጲ 2:​25-30) ጳውሎስ ምስ ድኻም ስጋ ክቃለስ ነበሮ። (ሮሜ 7:​21-25) ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዝነበራ ክልተ ቅቡኣት ኣሓት: ኤዎድያን ስንጥኬን ንኽሰማምዓ ገለ ጸገም ከም ዝነበረን ፍሉጥ ኢዩ። (ፊልጲ 1:1፣ 4:​2, 3) እዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ከም ናትና ስምዒታትን ተመኵሮታትን ከም ዝነበሮም: ጌና ግን ተስፋ ከም ዘይቘረጹ ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘተባብዕ ኢዩ! የሆዋ እውን ኣይገደፎምን።

14. (ሀ) የሆዋ ካብ ቃሉ ብርታዐ ንምርካብ ምእንቲ ክሕግዘና እንታይ መሳርሒ ኢዩ እተጠቕመ፧ (ለ) ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ንማሕበራዊ: ናይ ስድራቤት: ከምኡውን ንስምዒታዊ ጕዳያት ዝምልከት ዓንቀጻት ዘውጽኡ ስለምንታይ ኢዮም፧

14 ካብ ቃሉ ብርታዐ ንኽንረክብ ምእንቲ ክሕግዘና: የሆዋ ነቲ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ስሩዕ ‘ምግቢ በብጊዜኡ’ ምእንቲ ክህበና ይጥቀመሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ እሙን ባርያ እዚ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምጥባቕን ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ሰብ እንኮ ተስፋ መጠን ንምእዋጅን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ንነዊሕ ግዜ ተጠቒምሎም ኢዩ። እዞም መጽሔታት እዚኣቶም: ብፍላይ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ንገለ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ዘጋጥሞም ንማሕበራዊ: ናይ ስድራቤት: ከምኡውን ንስምዒታዊ ጸገማት ዝምልከቱ እዋናውያን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዓንቀጻት ኣውጺኦም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ሓበሬታ እተሓትመ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧ ብርግጽ ነቶም ከምዚ ዝበለ ጸገማት ዘሕልፉ ዘለዉ ሰባት ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐን ምትብባዕን ምእንቲ ክረኽቡ ንምሕጋዞም ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበሉ ዓንቀጻት ገለ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኸመይ ይሓልፍዎ ከም ዘለዉ ንጹር ምርዳእ ንኽህልወና እውን ይሕግዙ ኢዮም። ስለዚ ነቲ “ነተን [እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ተዛረብወን ትሓዓ ]: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንዅላቶም ተዐገስዎም” ዝብል ናይ ጳውሎስ ቃላት ንኸነቕልበሉ ብዝሓሸ ንዕጠቕ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠14

እቶም “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ዝዀኑ ሽማግለታት

15. ኢሳይያስ ብዛዕባ እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ እንታይ ኢዩ እተነበየ: እዚኸ ከመይ ዝበለ ሓላፍነት ኢዩ ኣብ ልዕሊኦም ዘሰክም፧

15 የሆዋ ምስ ዝስልክየና ምእንቲ ክሕግዘና ኢሉ ካልእ ነገር​—⁠ናይ ጉባኤ ሽማግለታት​—⁠እውን ኣዳሊዉልና ኣሎ። ብዛዕባ እዚኣቶም ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 32:​1, 2) ሽማግለታት እምበኣር: ነቲ የሆዋ ብዛዕባኦም ኣቐዲሙ እተዛረቦ ክበቕዕዎ ሓላፍነት ኣለዎም። ንሳቶም ንኻልኦት ምንጪ ምጽንናዕን ዕረፍትን ‘ምዃኖም ከርእዩ ኣለዎም:’ ከምኡውን ‘ጾር [ወይ “ኣሸጋሪ ነገራት”፣ ቃል ብቓሉ: “ከቢድ ነገራት”] ሓድሕዶም ክጾሩ’ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም። (ገላትያ 6:​2: ትሓዓ  እግረ-ጽሑፍ) ነዚ ብኸመይ ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ፧

16. ሽማግለታት ንሓደ ክጽሊ ብቑዕ ከም ዘይኰነ ዝስምዖ ሰብ ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

16 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ሓድሓደ ግዜ ሓደ ዝሰልከዮ ሰብ ክጽሊ ብቑዕ ከም ዘይኰነ ይስምዖ ይኸውን። ሽማግለታት እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ምስቲ ሰብ ኰይኖምን ምእንትኡን ክጽልዩ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 5:14) ንሱ ወይ ንሳ ብየሆዋን ብኻልኦትን ክሳዕ ክንደይ ይፍቀር ምዃኑ ወይ ትፍቀር ምዃና ንኽርድኡ ምእንቲ ክሕግዞም: እቲ ሰብ እናሰምዓካ: ንየሆዋ ብቐሊሉ ምሕታት ብርግጽ ዘጸናንዕ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ናይ ሓደ ሽማገለ ምዉቕን ልባውን ጸሎት ምስማዕ ንተኣማንነት ናይ ሓደ ዝጐሃየ ሰብ ከበርትዖ ይኽእል ኢዩ። ንሱ ወይ ንሳ እቶም ሽማግለታት ኣብ ክንድኦም ብምዃን ዝጸለይዎ የሆዋ ክሰምዖም ምዃኑ ተኣማንነት ከም ዘለዎም እንተድኣ ተረዲኡ ወይ ተረዲኣ: ኣብቲ ተኣማንነት እቲ ክካፈሉ ይኽእሉ።

17. ሽማግለታት ዝድንግጹ ሰማዕቲ ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ያእቆብ 1:19 ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ ይኹን’ ትብል። ንዝሰልከዩ ሰባት ሓይሎም ክሕደሱ ንምሕጋዞም ሽማግለታት ብድንጋጽ ዝሰምዑ ክዀኑ ኣለዎም። ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ኣባላት ጉባኤ: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክፍትሑ ምስ ዘይከኣሉ ግድላት ወይ ጸቕጥታት ይቃለሱ ይህልዉ። እቲ ዝደልይዎ እምበኣር: ነቲ ግድሎም “ዘደቅስ” መፍትሒ ዘይኰነስ: ሓደ ጥንቁቕ ሰማዒ​—⁠ከመይ ክስምዖም ከም ዘለዎ ዝነግሮም ዘይኰነስ ፍርዲ ከይሃበ ዝሰምዕ ሰብ​—⁠ኢዮም ዝደልዩ።​—⁠ሉቃስ 6:37፣ ሮሜ 14:⁠13

18, 19. (ሀ) ንምስማዕ ቅልጡፍ ምዃን ንሓደ ሽማግለ ንጾር ናይቶም ዝሰልከዩ ዝኸበደ ካብ ምግባር ክቝጥቦ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሽማግለታት “ናይ ብጻይነት ስምዒት” ምስ ዘርእዩ እንታይ የፍሪ፧

18 ሽማግለታት ንምስማዕ ቅልጡፋት ብምዃን: ከይተፈለጠካ ንጾር ናይ ሓደ ዝሰልከዮ ሰብ ዝያዳ ከይተኽብደሉ ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ገለ ኣኼባታት እንተ ኣብኰሩ ወይ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት እንተ ዘሓሉ: ንሱ ወይ ንሳ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ንኽዓዩ ወይ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ንክዀኑ ዝምልከት ምኽሪ ድዩ ብሓቂ ዘድልዮም፧ ምናልባት ከምኡ ይኸውን። ይኹን እምበር: ናይቲ ኵነታት ምሉእ ፍልጠት ኣሎካ ድዩ፧ እናበርትዐ ዝኸይድ ናይ ጥዕና ግድላት ኣሎ ድዩ፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ተለዊጡ ድዩ፧ ዝጸቕጦ ወይ ዝጸቕጣ ካልእ ኵነታት ወይ ጸቕጥታት ኣሎ ድዩ፧ እቲ ሰብ ዝያዳ ክገብር ብዘይ ምኽኣሉ ድሮ ኣዝዩ ናይ ገበን ስምዒት ከም እተሰምዖ ዘክር።

19 እምበኣር: ነቲ ሓው ወይ ነታ ሓብቲ ብኸመይ ክትሕግዞም ምኸኣልካ፧ መደምደምታ ቅድሚ ምግባርካን ምኽሪ ቅድሚ ምሃብካን: ጽን በል! (ምሳሌ 18:13) ምስትውዓል ዘለዎ ሕቶታት ገይርካ ኣብ ልቢ ናይቲ ሰብ ዘሎ ስምዒታት ‘ቅድሓዮ።’ (ምሳሌ 20:⁠5) ነዞም ስምዒታት እዚኣቶም ዕሽሽ ኣይትበሎም​—⁠ኣስተውዕለሎም። እቲ ዝሰልከየ ሰብ የሆዋ ከም ዝሓልየልናን ሓድሓደ ግዜ ድማ ኵነታትና ይድርተና ምዃኑ ከም ዝርዳእን ክረጋገጸሉ ይደሊ ይኸውን። (1 ጴጥሮስ 5:⁠7) ሽማግለታት ከምዚ ዝበለ “ናይ ብጻይነት ስምዒት” ምስ ዘርእዩ: እቶም ዝሰልከዩ ሰባት ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ ክረኽቡ ኢዮም።’ (1 ጴጥሮስ 3:8 ትሓዓ ፣ ማቴዎስ 11:​28-30) ከምዚ ዝበለ ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ: ዝያዳ ክገብሩ ምዝራብ ኣየድልዮምን ኢዩ፣ ኣልባቦም ኵሉ እቲ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ክገብርዎ ዝኽእሉ ንምግባር ክድርኾም ኢዩ።​—⁠ምስ 2 ቈረንቶስ 8:12፣ 9:⁠7 ኣረኣእዮ።

20. ኣብዚ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ወለዶ ኣዝዩ ቐሪብሉ ዘሎ: እንታይ ንኽንገብር ኢና ክንቈርጽ ዘሎና፧

20 ካብ ኵሉ ሰብኣዊ ታሪኽ ብሓቂ ኣብቲ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ናብ መወዳእታ ኣዚና እናቐረብና ብዝኸድና መጠን እቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ናይ ህይወት ጸቕጥታት ድማ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ። ድያብሎስ ከም ሓደ ዝሃድን ኣንበሳ ኰይኑ: ክንስልክን ተስፋ ክንቈርጽን ብምጽባይ ከም መስኪን ግዳይ ገይሩ ክብለጸልና ኢዩ ዝደሊ። የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ብምሃቡስ ክሳዕ ክንደይ ኰን መመስገንቲ ክንከውን ኢና እንኽእል! ልክዕ ከም ናይ ሓደ ዝንሳፈፍ ንስሪ ገዘፍቲ ኣኽናፍ ይህበና ከም ዘሎ ብምሕሳብ: ነቲ ከም እንቕጽል ዝገብረና ሓይሊ ምእንቲ ክህበና ዝገበሮ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ። ምስ ምቕራብ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ: ኣብቲ ነታ ዓስቢ​—⁠ናይ ዘለኣለም ህይወት​—⁠ክንረክብ ኢልና እንገብሮ ቅድድምና ሕጂ ጕያና እነቋርጸሉ ግዜ ኣይኰነን።​—⁠እብራውያን 12:⁠1

መልስኻ እንታይ ኢዩ፧

◻ የሆዋ ጸሎትና ክምልሸልና ከሎ እንታይ ክገብር ኢና እንጽበዮ፧

◻ ካብ ክርስትያናዊ ሕውነትና ብኸመይ ኢና ብርታዐ ክንረክብ እንኽእል፧

◻ ቃል ኣምላኽ ሓይልና ንምሕዳስ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ሽማግለታት ነቶም ዝሰልከዩ ሓይሎም ንምሕዳስ ምእንቲ ክሕግዝዎም እንታይ ክገብሩ ምኸኣሉ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ግሽነት ክንቅበል ከሎና: ነቶም ምትብባዕ ዘድልዮም ኣይንረስዓዮም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ነቶም ዝሰልከዩ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፍቀሩ ንኽርድኡ ክሕግዞም ንየሆዋ ክሓትዎ ይኽእሉ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ