ዓመታዊ ኣኼባ 5 ጥቕምቲ 1996
ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ 5 ጥቅምቲ 1996 ኣብቲ ኣብ ኒው ጀርሲ: ጀርሲ ሲቲ 2932 ኬነዲ ቡልቫርድ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ክግበር ኢዩ። እቶም ኣባላት ጥራይ ዝገብርዎ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ሰዓት 9:15 ቅ.ቀ. ክግበር ኢዩ: ስዒቡ ሰዓት 10:00 ቅ.ቀ. ድማ ጠቐላላዊ ዓመታዊ ኣኼባ ክግበር ኢዩ።
ኣባላት ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነ ይኹን ናይ ኣድራሻታት ለውጢ ዝገበርዎ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ: እቲ ናይ ምልክታ ደብዳበን ናይ መምረጺ ወረቐትን ኣብ ሓምለ ምእንቲ ክበጽሖም ነቲ ጸሓፊ ሕጂ ከፍልጥዎ ይግባእ።
እቲ ነቶም ኣባላት ምስቲ ናይ ዓመታዊ ኣኼባ ምልክታ ዝስደደሎም ናይ መምረጺ ወረቐት: ነቲ ናይ ማሕበር ጸሓፊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደንጐየ ቅድሚ 1 ነሓሰ ምእንቲ ክበጽሖ ክምለስ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ክህሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምጥቃስ ነቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ቀልጢፉ ብምምላእ ክመልሶ ኣለዎ። እቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ብኣካል መን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝርከብ ንምውሳን ዝጠቅም ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።
እቲ ፕሮግራም ብምሉኡ: ነቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ኣኼባን ጸብጻብን ሓዊስካ: ሰዓት 1:00 ድ.ቀ. ወይ ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሑ ክውዳእ ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ። ናይ ድሕሪ ቀትሪ ፕሮግራም ኣይክህሉን ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ዘሎና ውሱን ቦታ: ምእታው ብወረቐት ጥራይ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ምስ ካልኦት ኣደራሻት ብቴሌፎን ናይ ምትሕልላፍ መደብ ኣይክህሉን ኢዩ።