ዓመታዊ ኣኼባ
5 ጥቕምቲ 1996
ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ 5 ጥቅምቲ 1996 ኣብቲ ኣብ ኒው ጀርሲ: ጀርሲ ሲቲ 2932 ኬነዲ ቡልቫርድ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ክግበር ኢዩ። እቶም ኣባላት ጥራይ ዝገብርዎ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ሰዓት 9:15 ቅ.ቀ. ክግበር ኢዩ: ስዒቡ ሰዓት 10:00 ቅ.ቀ. ድማ ጠቐላላዊ ዓመታዊ ኣኼባ ክግበር ኢዩ።
ኣባላት ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነ ይኹን ናይ ኣድራሻታት ለውጢ ዝገበርዎ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ: እቲ ናይ ምልክታ ደብዳበን ናይ መምረጺ ወረቐትን ኣብ ሓምለ ምእንቲ ክበጽሖም ነቲ ጻሓፊ ሕጂ ከፍልጥዎ ይግባእ።
እቲ ምስቲ ናይ ዓመታዊ ኣኼባ ምልክታ ዝስደድ ናይ መምረጺ ወረቐት ነቲ ናይ ማሕበር ጸሓፊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደንጐየ ቅድሚ 1 ነሓሰ ምእንቲ ክበጽሖ ክምለስ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ክህሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምጥቃስ ነቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ቀልጢፉ ክመልኦን ክመልሶን ኣለዎ። እቲ ናይ መምረጺ ወረቐት ብኣካል መን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝርከብ ንምውሳን ዝጠቅም ስለ ዝዀነ: ነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።
እቲ ፕሮግራም ብምሉኡ: ነቲ ወግዓዊ ናይ ንግዲ ኣኼባን ጸብጻብን ሓዊስካ: 1:00 ድ.ቀ. ወይ ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሑ ክውዳእ ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ። ናይ ድሕሪ ቀትሪ ፕሮግራም ኣይክህሉን ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ዘሎና ውሱን ቦታ: ምእታው ብወረቐት ጥራይ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ምስ ካልኦት ኣደራሻት ብቴሌፎን ናይ ምትሕልላፍ መደብ ኣይክህሉን።