ጥሮታ ናብ ቲኦክራሲያዊ ዕዮ ዝመርሕ ክፉት ደገ ድዩ፧
ጥሮታ—ንብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ጸቕጥን ሕርቃንን ደገ ዝዓጽወሎም ኢዩ። ብዙሓት ሰባት በቲ ዘሰልቹን ዘበሳጩን ተደጋጋሚ ስራሕ ላሕ ምስ በሉ: ጥሮታ ወጺኦም ቅሳነትን ብሕታዊ ናጽነትን ክረኽቡ ኢዮም ብተስፋ ዝጽበዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ደገ ናብ ምስልቻውን ናብ ምሕላልን ኢዩ ዝመርሕ። ምዝንጋዕን ንመሕለፍ ግዜ ዝዕየ ዕዮን ከም ስራሕ ገይሩ ኣየዕግበካን ኢዩ።
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ጥሮታ “ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ” ክኸፍተሎም ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:9 ትሓዓ) እርጋን ግድላትን ዓቕሚ ምስኣንን ዘምጽእ እኳ እንተዀነ: ገለ ሽምግል ዝበሉ ሰባት ብሓገዝ የሆዋ እቲ ንዕኡ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ክውስኽሉ ከም ዝኽእሉ ብተመክሮ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከቡ ገለ ሽምግል ዝበሉ ክርስትያናት ዘሕለፍዎ ተመክሮ ርአ። ኣብቲ ናይ 1995 ናይ ኣገልግሎት ዓመት: ካብቶም ልዕሊ 1,223 ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ) እቶም 269 ዕድሜኦም 50 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ። ካብዚኣቶም እቶም 81 ድማ ዕድሚኦም 65 ወይ ዝያዳ ኢዩ።
ገሊኦም ነቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ከለዉ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ትሑዝ መደብ ብምስዓብ ጥራይ: ፓይነራት ክዀኑ ክኢሎም ኢዮም። (ምስ ፊልጲ 3:16 ኣረኣእዮ።) ሓደ ካርል ዝበሃል ጥሮታ ዝወጸ ክርስትያን ከምዚ ኢሉ ይዝክር:- “ኣብ ዓለማዊ ስርሐይ ክሰርሕ ከሎኹ: ስራሕ 7:30 ናይ ንግሆ ኢየ ዝጅምር ነይረ። ጥሮታይ ምስ ወጻእኩ: ሰዓታተይ ከምቲ ኣብ ስራሕ ከሎኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ ገይረ ክጥቀመሉ ወሰንኩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ ኣብ መደበር መገዲ ባቡር ኰይነ ናይ መጽሔት ምስክርነት ብምግባር እጅምር።”
ጥንቁቕ መደብ ምግባር እውን ናይ ዓወት መፍትሕ ኢዩ። (ምሳሌ 21:5) ንኣብነት: ገሊኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ርእሶም ክኢሎም ንምቕጻል ምእንቲ ክሕግዞም እኹል ገንዘብ ከዋህልሉ ክኢሎም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ንብሕታዊ ወጻኢታቶም ከጕድሉን ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ክሰርሑን ወሲኖም ኢዮም። ንቲኦዶርን ኣንን ርኣዮም። ካብ እተመርዓውሉ ግዜ ሒዞም ፓይነራት ኢዮም ነይሮም: ድሓር ግን እቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ካብ ፓይነር ከም ዘቋርጹ ገበሮም። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ፓይነር መንፈሶም ቀጺሉ ኢዩ! እተን ኣዋልዶም እናዓበያ ክኸዳ ከለዋ ኸኣ ፓይነር ንምዃን ወትሩ ይተባብዓ ነበራ። ብዝያዳ ኸኣ: ቲኦዶርን ኣንን መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ሰናይ ኣብነት ሰሪዖም ኢዮም። እተን ኣዋልድ ምስ ዓበያ: ቲኦዶርን ኦንን ንግራት ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ ዓለማዊ ስርሖም ክንክይሉ ጀመሩ።
እተን ኣዋልዶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን ካብ ገዛ ምስ ወጻ: ኣን ነቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ጀመረቶ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ንቲኦዶር ስራሕ ከቋርጾ ኣተባብዓቶ። “ክልቴና ፓይነራት ክንከውን ንኽእል ኢና” በለቶ። ቲኦዶር ነቲ ወሃብ ስርሑ ድልየቱ ገለጸሉ። ሓለቓኡ “ነቲ ኣብ ላዕሊ [ኣብ ሰማይ] ዘሎ ሓለቓኻ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክትሰርሓሉ ኢኻ እትደሊ” ብምባል ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ብምሃብ ክሕግዞ ምዃኑ ምስ ነገሮ ደንጽይዎ ኢዩ። ሕጂ ቲኦዶርን ኣንን ሓቢሮም ነቲ ናይ ፓይነር ዕዮ የስተማቕርዎ ኣለዉ።
ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ኵነታት ንኸሰንፉ ናይ ፓይነር ዕዮ ጀሚሮምዎ ኢዮም። ሽምግል ዝበሉ ሰብኣይን ሰበይትን እቲ ሃንደበታዊ ሞት ናይ ጓሎምን ጓልጓሎምን: ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ግዜ ከመይ ገይሮም ከም ዘሕልፍዎ ከቢድ ሓሳብ ኣምጽኣሎም። (መክብብ 7:2) ብሓሳብ ተዋሒጦም ኣብ ክንዲ ዝተርፉ ግን ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርዎ: ሕጂ ነዚ ዕዮ እዚ ንልዕሊ ሾሞንተ ዓመታት ኣስተማቒሮምዎ ኣለዉ!
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትጸንሕ ብሓቂ ቈራጽነት ዝሓትት ኢዩ። ንኣብነት ኤርነስትን ሰበይቱ ሪክን ደቆም ርእሶም ክኢሎም ካብ ገዛ ምስ ወጹ ብኡንብኡ ናይ ፓይነር ዕዮ ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ቅድም ናይ ንግዲ መሻርኽቱ ዝነበረ: ሓደ ብዙሕ ትርፊ ዝርከቦ ስራሕ ኣቕረበሉ። ኤርነስት “ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረና ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣስራሒ ኢዩ ዘሎና: ንዕኡ ምግልጋል ከነቋርጽ ከኣ ኣይንደልን ኢና” ኢሉ መለሰሉ! ኤርነስትን ሰበይቱን ኣብቲ ናይ የሆዋ “ስራሕ” ስለ ዝጸንሑ: ካልእ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ተኸፍተሎም። ኣብቲ ናይ ወረዳ ዕዮ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣገልገሉ: ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ ፓይነራት ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ነቲ ርእስኻ ምስዋእ ዝሓትት መገዶም ይጠዓሱሉ ድዮም፧ ገለ ግዜ ይገብር እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ፍቓድ የሆዋ እንተድኣ ኰይኑ ኣብዚ ውሽጢ ሰለሰተ ወርሒ ነቲ 50 ዓመት ዝገበረ መርዓና: መብዛሕትኡ ግዜ ወርቃዊ ዝኽረ ዓመት ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ክንዝክር ተስፋ ንገብር። እንተዀነ ግን እቲ ናይ ሓቂ ወርቃዊ ዓመታትና ዝጀመረሉ ግዜ እቲ ፓይነራት ምዃን ዝጀመርናሉ ኢዩ ኢልና ኣፍና መሊእና ንዛረብ ኢና።”
ብዙሓት ሰባት እቲ ናብ ተወሳኺ ዕዮ ዝመርሕ ደገ ናብ ተወሳኺ ሓጐስ እውን ዝመርሕ ምዃኑ ካብ ተመክሮ ረኺቦምዎ ኢዮም! ሓደ 65 ዓመት ምስ በጽሐ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናይ ፓይነር ዕዮ ዝጀመረ ሓው “ኣብ ህይወተይ ከምቲ ፓይነር ኰይነ ዘሕለፍክዎ ዓሰርተ ዓመታት ገይረ: በረኸት ዝዓሰሎ እዋናት ዘሕለፍክሉ ግዜ ኣይፍለጠንን ክብል እኽእል ኢየ” በለ። ንልዕሊ ሾብዓተ ዓመታት ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ይብሉ:- “ከምዚ ናትና ዕድመን ኵነታትን ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትንሲ እንታይ ካልእ ዝዓይዎ ዕዮ ክህልዎም ይኽእል፧ ኣብ ዞባና መብዛሕትኡ ግዜ ከማና ዝኣመሰሉ ሰባት ንርኢ ኢና—መቺእዎም ኣብ ቤት ኮፍ ይብሉ: ይሮግዱ: ይኣርጉ: ኣካላቶም ድማ ይእሰር። እቲ ኣገልግሎት ብኣእምሮን ብኣካልን ጥዑያት ኴንና ክንቅጽል ኣኽኢሉና ኢዩ። ኵሉ ሳዕ ብሓንሳብ ኣሎና። ብዙሕ ንስሕቕ: ህይወት ድማ ነስተማቕሮ ኣሎና።”
ኵነታቶም ፓይነር ንምዃን ዘፍቅደሎም ኵሎም ኣረጋውያን ከም ዘይኰኑ ርግጽ ኢዩ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም: ነቲ ዓቕሞም ብዝፈቐዶ መጠን ዝገብርዎ ኣገልግሎት የሆዋ ብሞሳ ከም ዝቕበሎ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ምስ ማርቆስ 12:41-44 ኣረኣእዮ።) ንኣብነት ሓንቲ ብኣካል ዝደኸመት ሓብቲ ኣብ መእለዪ ስፍራ ኣተወት። ይኹን እምበር: እቲ ናብ ዕዮ ዝመርሕ ደገ ጌና ተኸፊቱላ ኢዩ ዘሎ! ሓደ ዶክተር ግዜኣ ብኸመይ ከም እተሕልፎ ሓተታ። ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ኵሉ ሳዕ ግዜ ከም ዝሓጽረኒ ነገርክዎ። ነዚ ዘረባ እዚ ክርድኦ ኣይከኣለን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት መዓልትታተይ ብዘዕግብ ንጥፈታት ዝመልአ ምዃኑ ገለጽኩሉ። ኣይጽምወንን ኢዩ: ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ነቶም ጸምይዎም ዘሎ ሰባት እደልዮም እሞ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣዳልይሎም ዘሎ ነገራት ክነግሮም ከኣ እፍትን።” ከምዚ ብምባል ድማ ትድምድም:- “ሓደ ሰብ ካብ ሓንቲ ዳርጋ ጓል 80 ዓመት ዝዀነት ሰብ ብዙሕ ክጽበ ኣይክእልን ኢዩ። ንብዙሓት ናብ የሆዋ ምምርሖም ምእንቲ ክኽእልሲ ጸልዩለይ።”
ኣብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ዲኻ ዘሎኻ፧ ካብ ስራሕ ዘዕርፈካ ደገ ኣዝዩ ፈታኒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ግናኸ መንፈሳዊ በረኸት ዘምጽኣልካ ደገ ኣይኰነን። ንዅነታትካ ብጸሎት ሕሰበሉ። ምናልባት በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎ ናብ ዝዓበየ ዕዮ ዝመርሕ ደገ ክትኣቱ ትኽእል ትኸውን።”
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ጥሮታ ናብቲ ኣብ ኣገልገሎት ዘሎ ቀጻሊ ዕዮ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ