ጡረታ ንዝያዳ ንጥፈታት መገዲ ዝኸፍት ድዩ፧
1 ብዙሓት ጻዕራማት ሰራሕተኛታት ካብቲ ኻብ ድኻምን ጸቕጥን ዝመልኦ ዓለማዊ ስርሖም ዘዕርፎም ጡረታ ዝወጹሉ እዋን ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም። እቶም ጡረታ ዝወጹ ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ኵሉ ነገር ይጽልኦም: ይስልክዮም: ነብሶም እውን ይወድቕ። ሓደ ሰብ ዕላማ ዘለዎ ዕዮ እንተ ዘይሒዙ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኽጭነቕ እዩ ዝጅምር። ሓንቲ ኣብ ብራዚል እትሕተም ጋዜጣ ጡረታ ዝወጹ ሰራሕተኛታት ካብ ‘ዕግበት ምስኣን: ሓራቕ ምዃን: ናይ ድሕንነት ስምዒት ዘይምህላው: መንነትካ ምጥፋእ’ ኣትሒዙ ኽሳዕ ‘ናይ መንፈስ ጭንቀትን ትርጕም ህይወት ምስኣንን’ ዘብጽሕ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ምግላጾም ሓበረት።
2 ብኣንጻሩ ግና: ብዙሓት ክርስትያናት ነዚ ኣብ ህይወቶም ዝበጽሕዎ ሓድሽ ምዕራፍ: መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ንምዝያድ መገዲ ኸም ዝኸፍተሎም ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ሓደ ወዲ 65 ዓመት ድሕሪ ምዃኑ ኽልተ ሰሙን ጸኒሑ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ዝጀመረ ሓው “ኣብ ህይወተይ ከምቲ ፓይነር ኰይነ ዘሕለፍክዎ ዓሰርተ ዓመት ገይረ: በረኸት ዝዓሰሎ እዋናት ዘሕለፍክሉ ግዜ ኣይፍለጠንን” በለ። ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ከኣ “እቲ ናይ ሓቂ ወርቃዊ ዓመታትና ዝጀመረሉ ግዜ እቲ ፓይነራት ምዃን ዝጀመርናሉ እዩ” በሉ። እወ: ብዙሓት ሰባት ጡረታ ምስ ወጹ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕን ካብ የሆዋ ብዙሕ በረኸት ንምርካብን ብሉጽ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም እዩ።
3 ትሑዝን ኣፍራዪን ኩን:- መብዛሕትኦም ሕጂ ጡረታ ዝወጹ ሰባት ከምዚ ሕጂ ዘሎ ምቾት ዘለዎ ናብራ ኣብ ዘይብሉ እዋን እዮም ዓብዮም: ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ከኣ ጻዕራማት ክዀኑ እዮም ተማሂሮም። ከም ናይ መንእሰይ ዝበለ ሓይሊ እኳ እንተ ዘይብሎም: ዛጊት ግን ንጡፋት ሰራሕተኛታት እዮም። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝመሓደር ዞባ 22 ሚእታዊት ካብቶም ፓይነራት: ማለት 20,000 ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ 60 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦም እዮም። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ እዚኣቶም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዓብዪ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ። ተመክሮኦምን እቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያቶምን ነተን ዘገልግሉለን ጉባኤታት የበልጽገን እዩ።—ያእ. 3:17, 18
4 ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ትሑዝ ምዃን ንዝሓሸ ጥዕናን ኣነባብራን ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ሓንቲ ጡረታ ምስ ወጸት ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ዝጀመረት 84 ዝዕድሚኣ ሓብቲ “ተገዳስነት ንዘለዎም ብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምርሐይ ኣእምሮይ ንቑሕ ኰይኑ ንክቕጽል ሓጊዙኒ። ማኪና ስለ ዘይብለይ: ብእግረይ ብዙሕ እየ ዝመላለስ። እዚ ኸኣ ጥዕና ንኽህልወኒ የኽእለኒ” በለት። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ፓይነራት ድማ ከምዚ በሉ:- “እቲ ኣገልግሎት ብኣእምሮን ብኣካልን ጥዑያት ኴንና ኽንቅጽል ኣኽኢሉና እዩ። ኵሉ ሳዕ ብሓንሳብ ኣለና። ብዙሕ ንስሕቕ: ህይወት ድማ ነስተማቕሮ ኣለና።”
5 ኣብቲ ሰበኽቲ ዘድልዩሉ ምግልጋል:- ገሊኣቶም ጡረታ ዝወጹ እሞ ናብ ካልእ ቦታ ንኽግዕዙ ዘኽእል እኹል ገንዘብ ዘለዎም ክርስትያናት: ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዘድልዩሉ ቦታ ግዒዞም የገልግሉ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣገልግሎቶም ብምስፋሕ ኣብ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኸገልግሉ ኽኢሎም እዮም። እዞም ቀናኣት ኣስፋሕቲ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል: ንርእሶምውን ካብኡ ኽካፈሉ ኢሎም እዮም ዝገብርዎ ዘለዉ።’—1 ቈረ. 9:23
6 ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር: ክልተ ደቆም ድሕሪ ምዕባዮም: ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ። ንእተወሰነ ዓመታት ፓይነራት ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል: ቋንቋ ቻይና ኽመሃሩ ጀመሩ። ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድሚኦም ዝርከቡ ዀይኖም እታ ዘገልግሉላ ዝነበሩ ብቛንቋ ቻይና ዝቘመት ጕጅለ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጉባኤ ዀይና ብምርኣዮም ተሓጒሶም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳርሲ ከመይ ዝበሉ በረኸት ኰን እዮም ዝዀኑ!
7 ካብ ኣገልግሎት ጡረታ ኣይውጻእን እዩ:- ብዙሓት ሰባት ውዒሎም ሓዲሮም ካብ ዓለማዊ ስርሖም ጡረታ ዝወጹ እኳ እንተዀኑ: ክርስትያናት ግን ካብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ጡረታ ኣይወጹን እዮም። ኵላቶም “ኽሳዕ መወዳእታ” እሙናት ኰይኖም ክቕጽሉ ኣለዎም። (ማቴ. 24:13, 14) ልክዕ እዩ: ገሊኣቶም ዕድመ ምስ ደፍኡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከም ቀደሞም ክገብሩ ኣይክእሉን ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብምሉእ ልቦም እታ ዓቕሞም ክገብሩ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! የሆዋ ግብሮምን ንስሙ ዘርኣይዎ ፍቕርን ከም ዘይርስዖ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸሎም።—ሉቃ. 21:1-4፣ እብ. 6:10
8 ጡረታ ኽትወጽእ ቀሪብካ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ንኽትጥቀመሉ ንምንታይ ብጸሎት ዘይትሓስበሉ፧ ጡረታ ምውጻእካ ምስቲ የሆዋ ዝህበካ ሓገዝ ተደሚሩ ንዕኡ ኽብሪ: ንዓኻውን ብዙሕ በረኸት ንኸተምጽእ ኣብ ዘኽእለካ ተወሳኺ ንጥፈታት ንኽትሳተፍ መገዲ ክኸፍተልካ ይኽእል ይኸውን።—መዝ. 148:12, 13