ሕልምታት ብዛዕባ ዝመጽእ ኣቐዲሞም ክነግሩና ይኽእሉ ድዮም፧
ወዲ ሰብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ብዛዕባ ሕልምታት ብዙሕ ክግደስ ጸኑሑ ኢዩ።፤ ግብጻውያን ብዛዕባ ናይ ሕልምታት ትርጕም ዝምልከት ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣዳልዮም ኢዮም: ባቢሎናውያን ከኣ ናይ ሕልምታቶም ተርጐምቲ ነይሮምዎም ኢዮም። ግሪኻውያን: ሕሙማት ሰባት ኣብ ሕልምታቶም ንጥዕና ዝምልከት መምርሒታት ምእንቲ ክረኽቡ ኣብ ቅዱስ ቦታታት ናይ ኣስክለፒዩስ እተባህለ ኣምላኽ ናይ ምድቃስ ልምዲ ነበሮም። ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና: ኣርቴሞዶረስ: ናይ ሕልሚ ምልክታት ትርጕም ዝሐዘ መጽሓፍ ኣዳለወ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም እተሓትሙ ተመሳሰልቲ መጻሕፍቲ እውን ኣብቲ ናቱ መጽሓፍ እተመስረቱ ኢዮም። ክሳዕ እዚ ግዜና ሕልምታት ንምትርጓም ጻዕርታት ተገይሩ ኢዩ: ግናኸ ብሓቂዶ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ፍጻመታት ጥልቂ ምስትውዓል ይህቡ ኢዮም፧
ሕልምታት ብዛዕባ ዝመጽእ ትርጕም ክህቡ እንተ ድኣ ኰይኖም: ናይ ዝለዓለ ሓይሊ ጽልዋ ክህልዎም ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ነዚ ሓይሊ እዚ ከም ዝሃበ ዝሕብር ብዙሕ ኣብነታት ኣሎና። ንኣገልገልቱ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ነቶም ዘየምልኽዎ ሰባት እውን ከይተረፈ: ትንቢታዊ ሕልምታት ሂቡዎም ኢዩ። አዮብ 33:14-16 እኳ “ኣምላኽ . . . ብሕልሚ: ብናይ ለይቲ ራእይ: ንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ: [ይዛረብ] . . . ሽዑ ንእዝኒ ሰብ [ይኸፍት] ኢያ እትብል።
ኣምላኽ እዚ ነገር እዚ ኣብቲ ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘበንና ልዕሊ 1, 700 ዓመታት ይገብር ኣብ መዓልትታት ዮሴፍ ዝነብር ዝነበረ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ከም ዝፍጸም ገይሩ ኢዩ። ሕልሚ ፈርኦን ኣብ ዘፍጥረት 41:1-7 ከምኡውን ካብ ቍጽሪ 25 ክሳዕ 32 ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ዮሴፍ ከኣ እቲ ሕልሚ “ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን” ሸውዓተ ዓመታት ከም ዝመጻ እሞ: ደድሕሪአን ከኣ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ከም ዝስዕባ ኣቐዲሙ ዝዛረብ ምዃኑ ይትርጕሞ። ዮሴፍ ከኣ ንፈርኦን: “ኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርአዮ” ብምባል ገለጸሉ። (ዘፍጥረት 41:28) እቲ ሕልሚ ናይቲ ብሓቂ እተፈጸመ ነገር ትንቢታዊ መግለጺ እዩ ነይሩ።
እቲ ናይ ባቢሎናውያን ምርኡይ ንጉስ ዝነበረ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ነበሮ። ነቡካድነጻር ሓደ ክዝክሮ ዘይከኣለ ኣዝዩ ዘጨነቕ ሕልሚ ሓለመ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ሕልሙን ትርጕሙን ክነግርዎ ንጠንቈልቱ ጸውዖም። እዚ ንሳቶም ክምልሽሉ ዘይክእሉ ሕቶ ኢዩ ነይሩ።—ዳንኤል 2:1-11
ነቲ ንጉስ ዝሓልም ዝገበሮ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ: ነቲ ሕልምን ትርጕሙን ክገልጽ ንነብዪ ዳንኤል ኣኽኢልዎ ኢዩ። ዳንኤል 2:19 “ሸዑ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉ” ትብለና። ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ሕልሚ እዚ ንኣምላኽ ኢዩ ክብሪ ሂብዎ:-“ነዛ ንጉስ ዚሐተላ ዘሎ ምስጢርስ እቶም ጠቢባንን ጠንቘልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽእሉን እዮም: ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ: ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ።”—ዳንኤል 2-27, 28
ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ንህዝቡ ብሕልምታት ገይሩ መምርሒታት ሂቡዎም ኢዩ: ኣብ ካልእ ግዜያት ድማ ብዛዕባ መለኮታዊ ስምረት መረጋገጺ ሂቡዎም: ወይ ከኣ ብኸመይ ይሕግዞም ከም ዝነበረ ንኽርድኡ ደጊፍዎም ኢዩ። ኣብ ናይ ያእቆብ ኵነታት እንተድኣ ርኢና: ኣምላኽ ብሕልሚ ገይሩ ስምረቱ ገሊጹሉ ኢዩ።—ዘፍጥረት 48-3, 4
እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ዮሴፍ: ማርያም ጥንስቲ ምዃና ምስ ፈለጠ: ኽፈትሓ ወሰነ። ጸኒሑ ከምኡ ንኸይገብር ብሕልሚ መምርሒታት ተቐበለ። ማቴዎስ 1:20 ከምዚ ትብል:-“ንሱ እዚ ኺሓስብ ከሎ: እንሆ: መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ: ከምዚ ኢሉ፣ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት: እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ: ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።” ጸኒሑ ኸኣ ብሕልሚ መጠንቀቕታ ተቐበለ:-“መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፣ . . . ተንስእ: ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም። . . . በሎ።”—ማቴዎስ 2:13
ካብ ኣምላኽ ዘይኰኑ ሕልምታት
ሕልሚ ምትርጓም ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዘይነበሩ ሰባት ልሙድ ምንባሩ: ብሓፈሻ ሕልምታት ብዛዕባ ዝመጽእ ዝነግሩ ዘተኣማምኑ ገለጽቲ ገይርካ ክውሰዱ ከም ዘይከኣሉ ይሕብረና። ኣብ መዓልትታት እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ኤርምያስ: ሓሰውቲ ነብያት “ሐሊመ: ሐሊመ” ይብሉ ነበሩ። (ኤርምያስ 23:25) ድሌቶም ድማ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ይዛረብ ከም ዘሎ ገይሮም ነቶም ህዝቢ ንምትላል ኢዩ ነይሩ። ኤርምያስ ብዛዕባ እዞም ሓለምቲ እዚኣቶም: “እግዚኣብሄር: ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል: ከምዚ ይብል አሎ፣ እቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ ነብያትን ጠንቈልትን ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ: . . . እሞ: ብኣታቶም ኣይትጠበሩ: በቲ እተሕልምዎ ሕልምኹምውን [“ዝሓልምዎ ሕልምታቶምውን:” ትሓዓ] ኣይትተአመኑ: ይብል እግዚኣብሄር” ኢሉ ንኽዛረብ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ።—ኤርምያስ 29:8, 9
እዞም ነብያት ሓሶት እዚኣቶም: ‘ጠንቈልቲ’ ስለ ዝነበሩ: እቲ ሕልምታቶም ነቶም ህዝቢ ንምትላል ብዝብል ዕላማ ጽልዋ ናይቶም እኩያት መናፍስቲ ሓይልታት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ዘካርያስ 10:2 ተገሊጹ ዘሎ እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ኢዩ ዝሕብር:-“እቶም ጣኦታት ቤት ከንቱ ይዛረቡ: እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ሓሶት ይርእዩ: ሕልሚ ሓሶት ይነግሩ: ብኸንቱውን የጸናንዑ።”
ከምቶም ኣብ ግዜ ኤርምያስን ዘካርያስን ዝነበሩ ሓሰውቲ ነብያት ዝገብርዎ ዝነበሩ: ድያብሎስ እቲ ቀንዲ መታለሊ: ንመራሕቲ ሃይማኖት ብሓሶት ተላዒሎም ኣምላኽ ብራእያትን ሕልምታትን ገይሩ ይዛረበና ኢዩ ንኽብሉ ንኣሽሓት ዓመታት ክጥቀመሎም ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ: ይሁዳ: ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣመልኪቱ: ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈሎም:-“ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ: ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም: ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ: ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ: ስሉዅ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።” እዞም ሰባት አዚኣቶም: “ኣብ ሕልሚ ዝጠሓሉ” (ትሓዓ) ከም ዝበሃሉ እውን ገለጸ።—ይሁዳ 4, 8
ነቲ ዝበሃል መርምሮ
ሓደ ሰብ: ኣምላኽ ብሕልሚ ገይሩ ከም እተዛረቦ ወይ ከኣ ብዛዕባ ዝመጽእ ዝሓለሞ ሕልምታቱ ሓቂ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ ይኸውን: ይኹን እምበር እዚ ንኽትኣምኖን ተዓሚትካ ንኽትስዕቦን እኹል ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ። ነቲ ኣብ ዘዳግም 13:1-3, 5 ዘሎ ንእስራኤላውያን እተጻሕፈሎም መምርሒታት ኣስተብህለሉ:-“ኣብ ማእከልካ ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኤ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ: እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ: ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣምልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም: እንተ በለካ: . . . ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ። . . . እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት።” ኣምላኽ ተኣማንነት ህዝቡ ንምፍታን ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብሓሶት ክዛረቡ ኣፍቂዱሎም ኢዩ።
በቲ ዘይርአ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ቀንዲ መታለሊ ምእንቲ ከይንዕሾ: ነቶም ብሕልሚ ተገሊጹልና ዝብሉ ሰባት ተዓሚትና ኣብ ክንዲ እንኣምኖም: ጥበባዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቲ ዝብልዎ ምምርማር የድልየና። (ራአይ 12:9) ግናኸ ብኸመይ ኢዮም ብሓቂ ክምርመሩ ዝኽእሉ፧
እቲ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ: ብመለኮታዊ መገዲ እተዋህበና ናብ ሓቂ ዘብጽሓና መምርሒ ኢዩ። ብዛዕብኡ የሱስ ክርስቶስ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) ስለ ዝዀነ እኳ: ኣብ 1 ዮሃንስ 4“1 “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ዝብል ምዕዶ ተዋሂቡና ኣሎ። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ክረአአ ከሎ: እቲ ዝብልዎ ነገራትን ፍልስፍናኦምን ተግባራቶምን ምስኡ ዝጻረር ኢዩ። ነቲ ሓቂ ዘበለ ንምውሳን ቃል ኣምላኽ ብዓል ስልጣን ኢዩ።
እቲ ፍሉይ ፍልጠት ኣሎኒ ዝብል ሓላሚ: ጥንቍልና ወይ ከኣ ካልእ ምስ ተግባራት ሓተታ-መናፍስቲ እተተሓሓዘ ነገራት ይጥቀም ድዩ፧ ከምኡ ዝብል እንተድኣ ኰይኑ ብቓል ኣምላኽ እተዀነነ ኢዩ። “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ ወይ ተራጋሚ: መናፍስቲ ዚጥይቕ: ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ: ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ።”—ዘዳግም 18:10-12
ኣብ ውሽጡ ነፍሲ ከም ዘላቶ ዝዛረብ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ብግልጺ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ዝብል ቃል ኣምላኽ ይጻረር ኣሎ። (ህዝቅኤል 18:4) ንገዛእ ርእሱ ልዕል ዘብል ወይ ከኣ ሰባት ከም ዝስዕብዎ ዝገብር ድዩ፧ ማቴዎስ 23:12 “ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር . . . እዩ” ብምባል ተጠንቅቕ። ግብሪ ሃዋርያት 20:30 ከኣ ንክርስትያናት “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ብምባል ተጠንቅቖም።
ናይ ዓመጽ ተግባራት ይድግፍ ድዩ፧ ያእቆብ 3:17, 18 ትኹንኖ ኢያ: “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።” ኣብ ዓለም ፖለቲካዊ ስልጣን ወይ ከኣ ጸብለልትነት ክህልዎ ይደሊ ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ “ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ብምባል ኣትሪሩ ይኹንኖ ኢዩ። በዚ ኸምዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓሶት ዘበለ የቃልዖ።
ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሞት ናይ ኣባል ስድራቤቱ ወይ ከኣ ዓርኩ ኣቐዲሙ ሓሊሙ እንተድኣ ነይሩ: ምናልባት ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ ስለ ዝግደስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰብ ልክዕ ኣብቲ እቲ ሕልሚ እተሓልመሉ ለይቲ ሙማቱ ጥራይ: እቲ ሕልሚ ትንቢታዊ ኢዩ ኢልካ ንኽትዛረበሉ መረጋገጺ ኣይከውንን ኢዩ። ኸመዚ ዝዓይነቶም ሕልምታት ሓቅነት ዘለዎም መሲሎም ዝረኣዩ እኳ እንተዀኑ: ሓቂ ኰይኖም ዘይተረኽቡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኸኣ ኣለዉ።
ሽሕ’ኳ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ሕልምታት ትንቢታዊ ፍጻመታት ንኽገልጹን እቲ እተጻሕፈ ቃሉ እናተዳለወ ከሎ ኸኣ መምርሒ ንኽህቡን እንተ ተጠቕመሎም: ሎሚ ከምኡ ክገብር ኣየድልዮን ኢዩ። እቲ እተጻሕፈ ቃሉ ኵሉ ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ንወድሰብ ዘድልዮ መምርሒታት ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ: እቲ ትንቢታቱ ድማ ኣብቲ ብድሕሪ ሽሕ ዓመት ዝግበር መጻኢ ፍጻመታትውን ዘተኰረ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ስለዚ እምበኣር ሕልምታትና: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዝፍጸም ነገራት ዝሕብር ናይ ኣምላኽ መግለጺታት ዘይኰነስ: ሓንጎልና ነቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ንኽዕቅብ ዘኽእልዎ ኣድለይቲ ተግባራት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ናይ ፈርኦን ሕልሚ ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝነበሮ ዝገለጸ: ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢና ብርሃን የብርህ ኢዩ