ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/10 ገጽ 3-4
  • ክንሓልም ይግብኣና ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክንሓልም ይግብኣና ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሕልምታት ዓለም
  • ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሕልምታት
    ንቕሑ!—2014
  • ሕልምታት ብዛዕባ ዝመጽእ ኣቐዲሞም ክነግሩና ይኽእሉ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ከመይ ገይረ እየ እኹል ድቃስ ክረከብ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/10 ገጽ 3-4

ክንሓልም ይግብኣና ኢዩ

ትሓልምዶ ኢኻ፧ ዋላ’ኳ ኣይንሓልምን ኢና ንብል እንተዀንና: ክንድቅስ ከሎና ኵልና ንሓልም ስለ ዝዀንና ከም እትሓልም ገይርና እንተ ወሰድናዮ እውን ጌጋ የብሉን። ካብ ኵሉ ሕልምታት ልዕሊ 95 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ከም ዘይዝከር ተገሚቱ ኣሎ። ካብቲ ዝሓለምካዮ ሕልምታት ነየኖት ትዝክር፧ መብዛሕትኡ ግዜ እንዝክሮም እቶም ቀቅድሚ ምብርባርና ዝሓለምናዮም ሕልምታት ምዃኖም ርጉጽ ኢዩ።

ናይ ሕልሚ ተመራመርቲ: ድቃስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሒደት ሰዓታት ዝዓመቘ ምዃኑ: ድሕርዚ ኸኣ ብቐሊሉ እናተበራበርካ ዝቕጽል መስርሕ ከም ዝዀነ ብመጽናዕቲ ረኺቦምዎ ኢዮም። ሕልሚ ዘጋጥም ብፍላይ ኣብ እዋን እቲ ቅልጡፍ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ ዘለዎ እዋናት ድቃስ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ቅልጡፍ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ ዘይብሉ እዋናት ድቃስ እናተበራረየ ዝመጽእ ኢዩ። እዚ ካብቲ ቅልጡፍ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ ዘለዎ ድቃስ ናብቲ ቅልጡፍ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ ዘይብሉ ድቃስ ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ዑደት ክሳዕ 90 ደቓይቕ ዝኸውን ይጸንሕ: እዚ ዑደት እዚ ድማ ምስቲ ቀቅድሚ ምብርባርና ዘጋጥም ሓዊስካ: ኣብ እዋን ለይቲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ግዜ ይደጋገም።

ኣብ እዋን ድቃስ ሓንጐልካ ብዙሕ ዝዓዮ ዕዮ የብሉን ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ። ሓንጐል ብጀካ እቶም ምስ ኣቓልቦን ምዝካርን እተተሓሓዙ ኣብ ናይ ሓንጐል ሱር ዝርከቡ ኒውሮንስ አተባህሉ መትንታት: ካብቲ ንቑሓት ዝዀንናሉ ግዜ ኣብ እዋን ሕልሚ ዝያዳ ንጡፍ ምዃኑ ተረኺቡ ኣሎ። ኒውሮንስ ኣብ ኣዋን እቲ ቅልጡፍ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ ዘለዎ እዋን ድቃስ ዘዕርፉ ኢዮም ዝመስሉ። ብሓፈሻ ግን እቶም ኣብ ሓንጐል ዘለዉ ናይ መትኒ ዋህዮታት ኣብ ውሽጦም ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ዋህዮታት ርክብ ኣለዎም።

ሓንጐልና ብገምጋም ኣብ ሓንቲ ካልኢት ካብ ሚእቲ ክሳዕ ክልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ግዜ ምልክታት ዝህቡ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ ዘገርም ምትሕልላኽ ዘለዎም ክፍሊ ኣካላትና ኢዩ። ሓንጐል ወድሰብ ካብ ቍጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዝበዝሕ ንጥረ-ነገራት ሒዙ ኣሎ። ገሊኦም ተመራመርቲ ካብ 20 ክሳዕ ልዕሊ 50 ቢልዮን ዝዀኑ ንጥረ-ነገራት ሒዙ ከም ዘሎ ይግምቱ። ኣዝዩ እተሓላለኸ ምዃኑ ድማ ነቲ እቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዳዊት ብዛዕባ ናይ ወድሰብ ኣካላት ዝበሎ ዘረጋግጽ ኢዩ:- “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ።”​—⁠መዝሙር 139:⁠14

ናይ ሕልምታት ዓለም

ኣብቲ ንቑሓት እንዀነሉ ሰዓታት: እቶም ሓሙሽተ ህዋሳትና ብቐጻሊ ናብ ሓንጐልና መልእኽትን ምስልታትን የመሓላልፉ ኢዮም: ኣብ እዋን ድቃስ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ሓንጐል ብዘይ ሓገዝ ናይቶም ሓሙሽተ ህዋሳት ባዕሉ ምስልታት ይስእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እቲ ኣብ ሕልምታት እንርእዮን እንገብሮን ተግባራት ሓድሓደ ግዜ ልክዕ ከምቲ ከይደቀስካ ብሓሳብ ክትህውትት ከሎኻ እትገብሮ ኢዩ። እዚ ድማ ከም እኒ ንላዕሊ ምንፋር ወይ ከኣ ካብ ጸድፊ ወዲቕካ ከይተጐዳእካ ምድሓን ዝኣመሰሉ ኣንጻር ናይ ተፈጥሮ ሕግታት ዝዀኑ ነገራት ክንገብር የኽእለና። እቲ ግዜ ሕውስውስ ይብል እሞ: ሕሉፍ ነገር ከም ናይ ሕጂ ኰይኑ ይረኣየካ። ወይ ከኣ ክንሃድም ምስ እንደሊ ምንቅስቓሳትና ክንቈጻጸሮ እንኽእል ኣይንመስልን​—⁠ኣእጋርና ምላሽ ክህብ ኣይደልን። ንቑሓት ኣብ እንዀነሉ እዋናት ዘጋጥመና ሓያል ስምዒትን ተመኵሮታትን ንሕልምታትና ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ዘስካሕክሕ ናይ ውግእ ጭካነ ዘጋጠሞም ብዙሓት ሰባት: ብቐሊሉ ክርስዕዎ ኣይክእሉን ኢዮም: ገሊኦም ከኣ ነቲ ሓደ ገበነኛ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ዘሕደረሎም ስምዒት ክርስዕዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ከምዚ ዝበለ: ነቒሕና ከሎና ዘጋጥም ዝውህኽ ተመኵሮታት: ኣብ ሕልምታትና ብምቕልቃል ከም እንብህርር ክገብረና ይኽእል ኢዩ። እቲ ክንድቅስ ከሎና ኣብ ኣእምሮና ዝጸንሕ ልሙድ ነገራት ኣብ ሕልምታትና ክርአ ይኽእል ኢዩ።

ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ግድል ክንፈትሕ ክንፍትን ከሎና: እቲ ፍታሕ ኣብ ግዜ ድቃስ ክመጻልና ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ኵሉ ዓይነት ድቃስ ሕልሚ ዝሓዘ ከም ዘይኰነ ከንጸባርቕ ይኽእል። ገለ ክፋሉ ምስ ምሕሳብ እተተሓሓዘ እዩ።

ሓደ ብዛዕባ ሕልምታትን ሓንጐልናን ዝገልጽ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ድቃስ እቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣገባብ ዕዮ ኣእምሮ: ምሕላም ዘይኰነስ መሕሳብ እዩ። ኣብ ግዜ ድቃስ ዝህሉ ሓሳብ: ዙየሎ ነገር ከም ዘሎ ኰይኑ ብዝስምዓካ ስምዒታት ዝስነ ኣይኰነን: ዘይግብራዊ ነገር እውን ኣይኰነን። ልሙድ ነገር ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ነቲ ትማሊ እተራእየን ጽባሕ ድማ ዝርአን ፍጻመታት ዝምልከት ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ተራን ዘይተማህዘን ተደጋጋምን ኢዩ።”

ገለ ሰባት እቲ ናይ ሕልምታቶም ትሕዝቶ ንዓኣቶም ፍሉይ መልእኽቲ ዘለዎ ኰይኑ ይስምዖም። ነቲ ሕልምታት ምእንቲ ከተርጕምዎ ኸኣ: ምስ ተበራበሩ ክምዝግብዎ ኢሎም ኣብ ጥቓ ዓራቶም ናይ መዘኻኸሪ ወረቐት የቐምጡ። ኣን ፋራዳይ ኣብታ ዘ ድሪም ገይም (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፋ: ነቲ ናይ ሕልሚ ምልክታት ትርጕም ንምሃብ ዝፍትን መጻሕፍቲ ዝህቦ ጥቕሚ ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ ከምዚ በለት:- “ኣብ ባህላዊ ወይ ኣብ ገለ ዘመናዊ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክልሰ-ሓሳብ እተመስረቱ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ: እቲ ናይ ሕልምታት ቀንዲ ኣርእስትን ምልክታቱን እትምልከተሉ ብዛዕባ ሕልሚ ዝገልጽ መጻሕፍቲ ኣይጠቅምን ኢዩ።”

ሕልምታት ብመሰረቱ ካብ ሓንጐል ከም ዝምንጩ ስለ ዝመስል: ፍሉይ መልእኽቲ የመሓላልፋልና ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ኣይኰነን። ሓንጐል ጥዑይ ኰይኑ ንኽቕጽል ዝሕግዝ ንቡር ተግባር ገይርና ክንርእዮ ይግብኣና።

ይኹን እምበር እቶም ብዛዕባ ዘመዶም ወይ ዓርኮም ክመውት ምዃኑ ሓሊሞም ከም ዝነበሩ እሞ ንጽባሒቱ ኸኣ እቲ ሰብ ሙማቱ ዝዛረቡ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እዝስ ሕልምታት ብዛዕባ ዝመጽእ ኣቐዲሞም ክነግሩ ከም ዝኽእሉ ዝሕብርዶ ኣይኰነን፧ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብድሕሪ ትንቢታዊ ሕልምታት ዘሎ ነገር እንታይ ምዃኑ ክንምርምር ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ