“ቤት ዳዊት” ሓቂ ድዩ ወይስ ልቢ ወለድ፧
ዳዊት: እቲ ሙዚቀኛ: ገጣሚ: ወተሃደር: ነብዪ: ከምኡውን ንጉስ ዝነበረ መንእሰይ ጓሳ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ተፈላጥነት ዘለዎ ኢዩ። ስሙ 1,138 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ፣ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ ዳዊት ስርወ-ንግስነት ዘመልክት “ቤት ዳዊት” ዝብል መግለጺ ድማ 25 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። (1 ሳሙኤል 20:16) ንጉስ ዳዊትን ስርወ-ንግስነቱን ልቢ ወለድ ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ናይ ኵዕታ መሬት መጽናዕቲ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ገሊላ ኣብ ቴል ዳን እተረኽበ ናይ ኵዕታ መሬት ውጽኢት ንናይ ዳዊትን መንግስቱን ታሪኽ ሓቅነት ዝድግፍ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ኣብ ናይ 1993 ክረምቲ ብፕሮፌሰር ኣቭራም ቢራን ዝምራሕ ሓደ ናይ ኵዕታ መሬት መጽናዕቲ ዘካይድ ጕጅለ ነቲ ካብ ደጌታት ጥንታዊት ዳን ወጻኢ ዘሎ ቦታ ከጽሪ ጀመረ። ሓደ በእማን እተጣጥሐ ኣደባባይ ከኣ ረኸቡ። ንሓደ ካብቲ መሬት ውጥም ኢሉ ዝነበረ ጸሊም እምኒ ብቐሊሉ ኣውጽእዎ። ናብቲ ብርሃን ኣቢሎም ምስ ገልበጥዎ ድማ ኣብቲ እምኒ እተቐርጸ ጽሑፍ ብንጹር ተራእየ። ፕሮፌሰር ቢራን “ኦ: እተቐርጸ ጽሑፍ ረኺብና!” በለ።
ፕሮፌሰር ቢራንን ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ናይ እብራይስጢ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ዝዀነ መሳርሕቱ ዮሴፍ ናቨህን ቀልጢፎም ብዛዕባ እቲ እተቐርጸ ጽሑፍ ስነ-ፍልጠታዊ ጸብጻብ ኣቕረቡ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ብምምርኳስ: ኣብ ናይ 1994 መጋቢት/ሚያዝያ ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂ ረቪው (እንግሊዝኛ) መጽሔት ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ከምዚ ትብል:- “(ብዛዕባ ታይም መጽሔት ከየልዓልና) ብዅዕታ መሬት እተረኽበ ነገር ኣብ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ቀዳማይ ገጽ ክጸሓፍ ልሙድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ሰሜናዊ ገሊላ: ኣብ እግሪ ከረን ሄርሞን ብሸነኽ ዓይኒ ማይ ሩባ ዮርዳኖስ ዝርከብ ውቁብ ኵርባ ቴል ዳን እተረኽበ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ወጺኡ ኢዩ።
“ኣብቲ ቦታ እቲ ኣቭራም ቢራንን ብጾቱ ጕጅለ ኵዓቲ መሬትን ኣብ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ: ብዛዕባ ‘ቤት ዳዊት’ ከምኡውን ‘ንጉስ እስራኤል’ ዝገልጽ ታሪኻዊ እተቐርጸ ጽሑፍ ረኸቡ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ኣብ ናይ ጥንቲ እተቐርጸ ጸሑፋት እታ ዳዊት እትብል ስም ክትርከብ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኢዩ። እቲ ጽሑፍ ዝሕብሮ ብዛዕባ ‘ዳዊት’ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ቤት ዳዊት: ስርወ-ንግስነት ናይቲ ዝዓበየ እስራኤላዊ ንጉስ እውን ከይተረፈ ምዃኑ ዝያዳ ታሪኻዊ ዝግብሮ ኢዩ።
“‘ንጉስ እስራኤል’ ዝብል ስያመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ነገስት ብተደጋጋሚ ይርከብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ: እስራኤል ኣብ ሰሜቲክ ጸሑፍ ክትጥቀስ እዚ ናይ መጀመርታ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ልዕሊ ዅሉ ዘረጋግጾ ነገር እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ: ከምቲ ገለ ምሁራት ኣቈናጸብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብልዎ ዘይኰነስ: እስራኤልን ይሁዳን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣገደስቲ መንግስታት ከም ዝነበራ ዘርኢ ኢዩ።”
እቲ ኣወሃህባ ዕለት ኣብ ቅርጺ ናይቲ ፊደላት: ነቲ ኣብ ጥቓ እቲ ስባር እምኒ እተረኽበ ዕትሮ ኣብ ምምርማር: ከምኡውን ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ እተመስረተ ኢዩ። እዚ ሰለስቲኡ ኣገባባት እዚ ናብ ሓደ እዋን ማለት: ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: ድሕሪ ንጉስ ዳዊት ዳርጋ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ጸኒሑ ዘመልክት ኢዩ። ምሁራት: እቲ ጽሑፍ ክፍሊ ናይቲ በቲ ሶርያዊ ጸላኢ ናይ ክልቲኡ “ንጉስ እስራኤል” ከምኡውን “[ንጉስ] ቤት ዳዊት” ኣብ ዳን እተተኽለ ሓወልቲ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። እቶም ነቲ ፍሉጥ ናይ ህቦብላ ኣምላኽ ዝነበረ ሃዳድ ዘምልኹ ዝነበሩ ሶርያውያን: ብወገን ምብራቕ እስራኤል ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም።
ኣብ ናይ 1994 ክረምቲ ናይዚ ሓወልቲ እዚ ካልእ ስብርባራት ተረኽበ። ፕሮፌሰር ቢራን ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ኣብዘን ክልተ ስብርባራት እዚኣተን ስም እቲ ናይ ሶርያውያን ኣምላኽ ሃዳድ: ከምኡውን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ሶርያውያንን ውግእ ከም እተገብረ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣሎ።”
እቲ ብ1993 እተረኽበ ቀንዲ ስብርባር ኣጸቢቖም ዘይርኣዩ ብጥንታዊ ናይ እብራይስጢ ኣጸሓሕፋ እተጻሕፉ 13 መስመራት ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ንዘሎ ቃላት ንምፍልላይ: ነጥብታት ይዝውተር ነበረ። ይኹን እምበር: እታ “ቤት ዳዊት” እትብል: ኣብ ክንዲ “በየተ” (ቤት) ነጥቢ: ድሕሪኡ “ደወደ” እትጽሓፍ “በየተደወደ” (ካብ እብራይስጢ ብቐጥታ ብናይ ግእዝ ፊደላት እተጻሕፈ ኢዩ) ብምባል ብሓንቲ ቃል ኢያ ተጽሒፋ።
ናይ ቋንቋ ፈላጥ ፕሮፌሰር ኣንሰን ሬኔ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ዮሴፍ ኔቨህን ኣቭራም ቢራንን ነቲ ጽሑፍ ብዝርዝር ኣይገለጽዎን: ዘይገለጽሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት ኣንበብቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣቃውማ ምሉእ ሓሳባት ኣብ መንጎ ክልተ ክፍልታት: ብፍላይ ድማ ናይ ብሕቲ ስም ምስ ዝኸውን: ዘሎ መፈላለዪ ቃል ብዙሕ ግዜ ከም ዘይግበሮ ይፈለጡ ኢዮም ኢሎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ‘ቤት ዳዊት’ ዝብል ኣጸዋውዓ ድማ: ኣብ መፋርቕ ናይ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብርግጽ ፖለቲካውን ጂኦግራፍያውን ናይ ብሕቲ ስም ኢዩ ነይሩ።”
ካልእ ብመጽናዕቲ ኵዕታ መሬት እተረኽበ መረጋገጺ
እዚ ድሕሪ ምርካቡ: እቲ ናይ ሜሳ ሓወልቲ (እምኒ ሞኣብ እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ክኢላ ዝዀነ ፕሮፌሰር ኣንድረ ላሜር: እዚውን “ንቤት ዳዊት” ከም ዘመልክት ጸብጻብ ሃበ።# እቲ ብ1868 እተረኽበ ናይ ሜሳ ሓወልቲ ምስቲ ኣብ ዳን ቴል እተረኽበ ሓወልቲ ብዙሕ ምምስሳል ኣለዎ። ክልቲኣቶም ናብ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዘመልክቱ: ሓደ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም: ብመጠን ተመሳሰልቲ: ከምኡውን ዳርጋ ብተመሳሳሊ ዝዀነ ሴማዊ ቋንቋ እተጻሕፉ ኢዮም።
ብዛዕባ እቲ እተገብረ ጽገና ናይቲ ዝዓነወ ክፍሊ ናይ ሜሳ ሓወልቲ: ፕሮፌሰር ላሜር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ቴል ዳን ስብርባር ቅድሚ ምርካቡ ክልተ ዓመት ይገብር: ናይ ሜሳ ሓወልቲ ን‘ቤት ዳዊት’ ዘመልክት ሓሳባት ከም ዝሓዘ ደምዲመ ነይረ። . . . እዚ ‘ንቤት ዳዊት’ ከም ዘመልክት እተዋህበ ምኽንያት ኣይተስተባህለሉን: እዚ ድማ ምናልባት እቲ ናይ ሜሳ ሓወልቲ ሓደ ግቡእ ዝዀነ ኣዲትዮ ፕሪንከፕዝ [ቀዳማይ ሕታም] ፈጺሙ ስለ ዘይነበሮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ ሜሳ ሓወልቲ ካብ ዝርከብ ድሕሪ 125 ዓመታት: ሕጂ ንዕኡ ኢየ ዘዳሉ ዘሎኹ።”
ከምዚ ዝበለ ናይ ኵዕታ መሬት መጽናዕቲ ሓበሬታ ኣገዳሲ ኢዩ: ምኽንያቱ ሓደ መልኣኽ: የሱስ ባዕሉ: ደቀ መዛሙርቱ: ከምኡውን ሰባት ብሓፈሻ ንናይ ዳዊት ታሪኽ ሓቅነት ኣረጋጊጾም ኢዮም። (ማቴዎስ 1:1፣ 12:3፣ 21:9፣ ሉቃስ 1:32፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:29) ብመጽናዕቲ ኵዕታ መሬት እተረኽበ ነገራት ብርግጽ ንሱን መንግስቱን: “ቤት ዳዊት:” ልቢ ወለድ ዘይኰነስ ብሓቂ ከም ዝነበሩ የረጋግጽ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
እቲ ናይ ሜሳ ሓወልቲ ንናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ኣንበብቲ ፍሉጥ ኢዩ። (ናይ 15 ሚያዝያ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 30-1 ርአ።) ኣብቲ ናይ ፓሪስ: ሉቭኸ ቤተ-መዘክር ንኽርአ ተዘርጊሑ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሰሜናዊ ገሊላ: ኣብ ከተማ ዳን: ብ1993 እተረኽበ ናይ ቴል ዳን ስብርባር*
* እቲ ስእሊ ኣብ ናይ እስራኤል ናይ ምርምር መጽሔት ኣብ ዘሎ ስእሊ እተመርኰሰ ኢዩ