“ኣብ ክንዲ ወርቂ: ኣልማዝ ረኸብኩ”
ብሚካሊስ ካሚናሪስ እተዘንተወ
ኣብታ ወርቂ ክደሊ ኢለ ዝኸድኩላ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ኣሕለፍኩ: ሓደ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ነገር ሒዘ ናብ ዓደይ ተመለስኩ። ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘጥረኽዎን ከካፍሎ ድማ ዝደሊ ዘለኹን ሃብቲ እስከ ከዘንትወልኩም።
ኣብታ ኣብ ባሕሪ ኣዮንያን እትርከብ ሴፋሎንያ እትበሃል ናይ ግሪኽ ደሴት ብ1904 ኢየ ተወሊደ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሑ ክልቲኦም ወለደይ ሞቱ: ዘኽታም ኰይነ ኸኣ ዓበኹ። ሓገዝ ክረክብ ሃረር እብል: ወርትግ ድማ ናብ ኣምላኽ እጽሊ ነበርኩ። ኣብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ስርዓታዊ ኰይነ እካፈል እኳ እንተ ነበርኩ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ምሉእ ብምሉእ ደንቈሮ ኢየ ነይረ። ምጽንናዕ ድማ ኣይረኸብኩን።
ብ1929 ክስደድን ዝሓሸ ህይወት ከናድን ወሰንኩ። ነታ ባድም ዝዀነት ደሴተይ ሓዲገ ኸኣ ብዓዲ እንግሊዝ ኣቢለ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመርከብ ተጓዓዝኩ። ኣብ ባሕሪ 17 መዓልቲ ድሕሪ ምግባረይ ኬፕ ታውን: ደቡብ ኣፍሪቃ በጻሕኩ: ኣብኡ ድማ ከይደንጐኹ ብሓደ ወዲ ዓደይ ስራሕ ተቘጸርኩ። ይኹን እምበር: ብስጋዊ ሃብቲ እውን ምጽንናዕ ኣይረኸብኩን።
ኣዝዩ ክቡር ነገር
ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ መጺኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ብቛንቋ ግሪኽ ከበርክተለይ ከሎ: ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ክልተ ዓመት ገይረ ነበርኩ። ምስቲ ዘበርከተለይ ጽሑፍ ዌር ኣር ዘ ደድ፧ ከምኡውን ኦፕረሽን: ዌን ዊል ኢት አንድ፧ ዝብላ ናይ እንግሊዝኛ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ እውን ነይረን ኢየን። ነቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ብምዝካር እውን ከይተረፈ ነቲ ጽሑፋት ከንብቦ ከለኹ ዝነበረኒ ህንጥዮት ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክሮ። ሓደ መዓልቲ ንሓደ መሳርሕተይ ከምዚ በልክዎ:- “ነቲ ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ዝደልዮ ዝነበርኩ ነገር ረኺበዮ ኢየ። ናብ ኣፍሪቃ ወርቂ ደልየ ኢየ መጺአ: ኣብ ክንዲ ወርቂ ግን ካብኡ ዝበለጸ ኣልማዝ ኢየ ረኺበ።”
ኣምላኽ: የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎን መንግስቱ ድሮ ኣብ ሰማያት ቆይማ ከም ዘላን ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ከም ዘሎናን ምስ ፈለጥኩ ብዙሕ ኢየ ተሓጒሰ። (መዝሙር 83:18፣ ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9,10፣ 24:3-12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ራእይ 12:7-12) መንግስቲ የሆዋ ንዅሉ ዓሌት ወድሰብ መወዳእታ ዘይብሉ በረኸት ከተምጽኣሉ ምዃና ምፍላጥ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰኒ ዝነበረ! እቲ ካልእ ዝመሰጠኒ ነገር ድማ እዚ ክቡር ሓቅታት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ይስበኽ ምንባሩ ኢዩ።—ኢሳይያስ 9:6,7፣ 11:6-9፣ ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 21:3,4
ኣድራሻ ናይቲ ኣብ ኬፕ ታውን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒመ ተወሳኺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ረኸብኩ። ብፍላይ ናይ ብሕተይ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካበይ ተሓጐስኩ። እቲ ዘንበብክዎ ዘበለ ኸኣ ንኽምስክር ደረኸኒ። ናብቶም ኣብ ዓደይ: ከተማ ሊክሱሪዮን: ዝርከቡ ኣዝማደይን ኣዕሩኸይን ፈለጥተይን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብምልኣኽ ድማ ክምስክር ጀመርኩ። ካብቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ኸኣ: ሓደ ሰብ ንየሆዋ ምእንቲ ከሐጕስ ህይወቱ ናብኡ ክውፊ ከም ዘለዎ በብቑሩብ እናተረድኣኒ መጸ። ቀልጢፈ ድማ ብጸሎት ከምኡ ገበርኩ።
ሓደ እዋን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ተኻፈልኩ: እንግሊዝኛ ኣይፈልጥን ስለ ዝነበርኩ ግን ሓንቲ ቃል እኳ ኣይተረድኣትንን። ብዙሓት ግሪኻውያን ኣብ ወደብ ኤልሳቤጥ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ምስ ፈለጥኩ ናብኡ ተጓዓዝኩ: ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ መሰኻኽር ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን። በዚ ኸኣ: ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ምእንቲ ክኸውን ናብ ግሪኽ ክምለስ ወሰንኩ። ‘ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ከፊለ ናብ ግሪኽ ክምለስ ኣሎኒ’ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ክዛረባ ትዝ ይብለኒ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ግሪኽ
ኣብ ጽድያ 1934 ኣብታ ድዊሊዮ እትበሃል ናይ ኢጣልያ መርከብ ተሰቐልኩ። ኣብ ማኽሴይ: ፈረንሳ በጻሕኩ: ኣብኡ 10 መዓልትታት ምስ ጸናሕኩ ድማ በታ ፓትሪስ እትበሃል ናይ ገያሾ መርከብ ገይረ ናብ ግሪኽ ተበገስኩ። ኣብ ባሕሪ ከሎና እታ መርከብ መካኒካዊ ሽግር ኣጋጠማ እሞ: በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እተን ህይወት ዘድሕና ጀላቡ ናብቲ ባሕሪ ክወርዳ ትእዛዝ ተወህበ። ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ከፊለ ግሪኽ ንምብጻሕ ዝነበረኒ ሓሳባት ከኣ ትዝ በለኒ። ይኹን እምበር: ጸኒሓ ሓንቲ ናይ ኢጣልያ ታግቦት መጸት እሞ: ናብ ናፖሊ: ኢጣልያ ጐቲታ ወሰደትና። ኣብ መወዳእታ ድማ ፒራየውስ: ግሪኽ በጻሕና።
ካብኡ ድማ ናብታ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምብጻሕ ዝገበርኩላ ከተማ ኣቴንስ ኣምራሕኩ። ምስቲ ናይ ጨንፈር ተዓዛቢ ዝዀነ ኣታናስዮስ ካራናስዮስ ክዛራረብ ከሎኹ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዕዮ ስብከት ክዋሃበኒ ሓተትኩ። ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ድማ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ቀንዲ መሬት ግሪኽ እትርከብ ፔሎፖኒሶስ ከድኩ። እዚ ምሉእ ኣውራጃ እዚ ኸኣ ናይ ብሕተይ ዞባ ኽኸውን ተዋህበኒ!
ካብ ከተማ ናብ ከተማ: ካብ ገጠር ናብ ገጠር: ካብ ናይ ሕርሻ ቦታ ናብ ናይ ሕርሻ ቦታ: ካብ ምሕድግ ዝበለ ገዛ ናብ ምሕድግ ዝበለ ገዛ ብምኻድ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ብኣዝዩ ውዕዉዕ ስምዒት ጀመርክዎ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ሚካኤል ትሪንዳፊሎፑሎስ ሓበረኒ: ንሱ ድማ ኣብ ሓጋይ ናይ 1935 ኣጠመቐኒ—እዚ ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓደ ዓመት ድሕሪ ምግባረይ ማለት ኢዩ! ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣይርከብን ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብእግርና ንኸይድ ነበርና። ናይ ኣቕሽሽቲ ተቓውሞ ዓቢ ጸገም ኰነና: ንሳቶም ንዓና ደው ንምባል ዘይገብርዎ ነገር ኣይነበሮምን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ብዙሕ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ኣጋጠመና። ይኹን እምበር: እቲ መዐንቀፊታት ብዘየገድስ እቲ ምስክርነት ተዋሂቡ ኢዩ: ስም የሆዋ ድማ ኣብ ኵሉ ቦታ ተፈሊጡ ኢዩ።
ንተጻራርነት ምጽማም
ሓደ ንግሆ ኣብቲ ኣኽራን ዝመልኦ ኣውራጃ ኣካድያ ክሰብኽ ከለኹ: ኣብታ ማጉልያና እትበሃል ቁሸት በጻሕኩ። ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ድሕሪ ምምስካረይ: ደወል ቤተ ክርስትያን ክድወል ሰማዕኩ: ንዓይ ይድወል ከም ዘሎ ኸኣ ሽዑ ንሽዑ ተገንዘብኩ! ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ ኸኣ ዘናዕቡ ሰባት ተኣከቡ። ነታ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳይ ቀልጢፈ ዓጸኽዋ: ናብ የሆዋ ድማ ብህዱእ ድምጺ ጸለኹ። እቲ ቐሺ ምስቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ጭፍራ ቈልዑ ኰይኑ ትኽ ኢሉ ናባይ ኣምረሐ። “እቲ እንደልዮ ዘሎና ንሱ ኢዩ! ንሱ ኢዩ!” እናበለ ክጭድር ጀመረ።
እቶም ቈልዑ ከም ዘይመሉቕ ገይሮም ከበቡኒ: እቲ ቐሺ ድማ ናባይ መጺኡ: ‘ምናልባት ዝረኸስኩ ከይከውን’ ብኣእዳዉ ክትንክፈኒ ከም ዘይደሊ እናተዛረበ በቲ ገዚፍ ከብዱ ክደፍኣኒ ጀመረ። “በልዎ! በልዎ!” ኢሉ ኸኣ ጨደረ። ኣብታ እዋን እቲኣ ግን ሓደ ፖሊስ ተቐለቀለ እሞ ንኽልቴና ናብ መደበር ፖሊስ ወሰደና። እቲ ቐሺ ናዕቢ ስለ ዘለዓዓለ ተኸሰሰ እሞ: 300 ድራክማ መቕጻዕትን ናይ ቤት ፍርዲ ወጻኢታትን ከፈለ። ኣነ ድማ ናጻ ተለቐቕኩ።
ኣብ ሓደ ሓድሽ ከባቢ ምስ በጻሕና: ንንጥፈትና ሕምብርቲ እትዀነና ሓንቲ ዓባይ ከተማ ንመርጽ እሞ: ካብኡ ድማ ብእግሪ ኣብ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ርሕቀት ዝርከብ ኵሉ ዞባ ንሽፍኖ ነበርና። እዚ ክበሃል ከሎ ብሓፈሽኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ ኣቝሻት ብምብጻሕ ንግሆ ገና ጸልማት ከሎ ዝወጻእና ምሸት ድሕሪ ምጽልማቱ ንገዛ ንምለስ ነበርና። ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ኣቝሻት ድሕሪ ምሽፋንና: ኣብታ ሕምብርቲ ከተማ ንሰብኽ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ካልእ ከባቢ ንኸይድ። ኣቕሽሽቲ ነቲ ህዝቢ ኣንጻርና ስለ ዘለዓዓልዎ መብዛሕትኡ ግዜ ንእሰር ነበርና። ኣብ ማእከላይ ግሪኽ እትርከብ ዞባ ፓርናሱስ: ንኣዋርሕ ዝኸውን ብፖሊስ እድለ ነበርኩ። ይኹን እምበር: ፈጺሞም ኣይሓዙንን።
ሓደ መዓልቲ ሓው ትሪንያፊሎፑሎስን ኣነን ኴንና ኣብ ኣውራጃ ቦኤሽያ እትርከብ ሙሪኪ እትበሃል ቂሸት ንሰብኽ ነበርና። ነታ ዓዲ ኣብ ክልተ መቐልናያ እሞ: ኣነ ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ ኣብቲ ዓቐብ ኣብ ዝርከብ ገዛውቲ ምዕያይ ጀመርኩ። ሃንደበት ኣብ ታሕቲ ድምጺ ሰማዕኩ። ክወርድ ከለኹ ‘ሓው ትሪንያፊሎፑሎስ ይህረም ኣሎ’ ኢለ ሓሰብኩ። እቶም ሰብ ዓዲ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ሻሂ ተኣኪቦም ነበሩ: ሓደ ቐሺ ኸኣ ልክዕ ከም ዝረሰነ ዝራብዕ ናብዝን ናብትን ጸፋዕፋዕ ይብል ነበረ። “እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ዘርኢ እቲ ተመን’ ኢሎምና” ብምባል ይጭድር ነበረ።
እቲ ቐሺ ድሮ ኣብ ርእሲ ሓው ትሪንያፊሎፑሎስ ምርኵስ ሰይሩ ነበረ: ብገጹ ኸኣ ደም ይፈስስ ነበረ። ነቲ ደም ድሕሪ ምድራዘይ: ከነምልጥ ከኣልና። ከተማ ቴቤስ ክሳዕ እንበጽሕ ሰለስተ ሰዓት ብእግሪ ተጓዓዝና። ኣብኡ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ናይ ጥዕና ማእከል ከኣ እቲ ቍስሊ ተሓከመ። ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ናብ ፖሊስ ኣመልከትና: ክሲ ድማ ተኸፍተ። ይኹን እምበር: እቲ ቐሺ ምስኣቶም ምትእስሳር ስለ ዝነበሮ ኣብ መወዳእታ ናጻ ኰነ።
ኣብ ከተማ ሉከስ እናገልገልና ከሎና ሰዓብቲ ናይ ሓደ ካብቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ናይቲ ከባቢ “ሓዙና” እሞ ናብቲ ናይታ ዓዲ ቤት ሻሂ ወሰዱና: በቲ ኣብኡ ዝጸንሓና ዘይወግዓዊ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ድማ ተኸሰስና። እቲ ፖለቲካዊ መራሕን ብጾቱን ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ደጋጊሞም ብብድዐ ብምዝራብን ኣእዳዎም ዓሚዀም ብምፍርራህን ኣብ ልዕሌና ኣጕባዕብዑ። ኵሎም ሰኺሮም ኢዮም ነይሮም። እቲ ምፍርራሆም ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ጸሓይ እትዓርብ ቀጸለ: ንሕና ግን ኣይተረበሽናን ገለ በደል ከም ዘይብልናውን ብፍሽኽታ ንነግሮም: የሆዋ ኣምላኽ ክሕግዘና ድማ ቀስ ኢልና ንጽሊ ነበርና።
ዓይኒ ምስ ሓዘ ግን ክልተ ፖሊስ ኣናገፉና። ናብ መደበር ፖሊስ ወሰዱና ጽቡቕ ገይሮም ድማ ሓዙና። እቲ ፖለቲካዊ መራሒ ነቲ ዝገበሮ ቅኑዕ ከምስል: ንጽባሒቱ መጸ እሞ: ኣንጻር ንጉስ ግሪኽ ፕሮፖጋንዳ ከም ዝነዛሕና ገይሩ ኸኣ ከሰሰና። ስለዚ እቲ ፖሊስ ንተወሳኺ መርመራ ብኽልተ ሰባት ኣሰንዩ ናብ ከተማ ላምያ ሰደደና። ንሸውዓተ መዓልትታት ከኣ ተኣሰርና: ድሕሪኡ ድማ ብመቝሕ ተኣሲርና ናብ ከተማ ላሪሳ ኣብ ፍርዲ ቀረብና።
እቶም ምምጻእና ኣቐዲሙ እተነግሮም ኣብ ላሪሳ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋትና ይጽበዩና ነበሩ። እቲ ዘርኣዩና ዓቢ ፍቕሪ ነቶም ሓለውቲ ጽቡቕ ምስክርነት ኢዩ ሂብዎም። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነን ቅድም ከኣ ሌውተናንት ኮሎኔል ዝነበረ ጠበቓና: ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ናብቲ ቤት ፍርዲ መጺኡ ነቲ ጕዳይና ምስ ተኻትዓሉ: እቲ ኣንጻርና ተላዒሉ ዝነበረ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ተኸሽሐ እሞ: ናጻ ድማ ዀንና።
እቲ ሓፈሻዊ ዓወት ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ተቓውሞ ዝያዳ ኣግደዶ። ብ1938 ከምኡውን ብ1939 ኣገዲድካ ሃይማኖት ምልዋጥ ዝኽልክል ሕግታት ወጸ እሞ: ኣነን ሚካኤልን ነዚ ጕዳይ እዚ ዝምልከት ኣዝዩ ብዙሕ ክስታት ኣጋጠመና። ብድሕሪኡ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንጥፈትና ኣቓልቦ ምእንቲ ከይግበረሉ ተፈላሊና ክንዓዪ መኸረና። ብጻይ ዘይምህላው ኣጸጋሚ ኰይኑ ረኸብክዎ። ኣብ የሆዋ ብምውካል ግን ንኣውራጃታት ኣቲካ: ቦኤሽያ: ቲዮተስ: ኤውቦያ: ኤይቶልያ: ኣካርናንያ: ዩረታንያ: ከምኡውን ንኣውራጃ ፔሎፖኒሰስ ብእግረይ ሸፊነዮ ኢየ።
ኣብቲ እዋን እቲ ዝሓገዛኒ እተን “ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ: ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ። እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ: ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ: ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን: ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቝመኒ” ዝብላ ብዛዕባ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር ዝገልጻ ጽቡቓት ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኢየን ነይረን።—መዝሙር 18:29, 32, 33
ብ1940 ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ግሪኽ ውግእ ኣወጀት: ቁሩብ ከይጸንሑ ኸኣ ሰራዊት ጀርመን ነታ ሃገር ወረርዋ። ወተሃደራዊ ሕጊ ተኣወጀ: ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጻሕፍቲ ድማ ተኣገደ። እቲ ግዜ እቲ ኣብ ግሪኽ ንዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሸጋሪ እዋናት ኢዩ ነይሩ፣ ይኹን እምበር: ቍጽሮም ብዘገርም መገዲ ኢዩ ዓብዩ: እዚ ኸኣ ብ1940 ካብ ዝነበረ 178 ቍጽሪ መሰኻኽር: ኣብ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ብ1945 ናብ 1,770 ደየበ!
ኣብ ቤትኤል ምግልጋል
ብ1945 ኣብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ተጸዋዕኩ። እቲ “ቤት ኣምላኽ” ዝትርጕሙ ቤትኤል: ሽዑ ኣብ ጐደና ሎምባርዶ ኣብ ብኽራይ እተረኽበ ገዛ ኢዩ ነይሩ። ኣብያተ ጽሕፈት ኣብቲ ታሕተዋይ ደርቢ ክኸውን ከሎ: እቲ ቤት ማሕተም ድማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት ነበረ። እቲ ቤት ማሕተም ሓንቲ ንእሽቶ ሓታሚትን ቈራጺት መኪናን ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። መጀመርታ እቲ ክፍሊ ሕትመት ክልተ ሰራሕተኛታት ጥራይ ነበርዎ: ዳሕራይ ግን ኣብቲ ዕዮ ንምሕጋዝ ካልኦት ወለንተኛታት ካብ ኣባይቶም እናተመላለሱ ክሰርሑ ጀመሩ።
ምስቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒውዮርክ: ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብ1945 እንደገና ርክብ ተጀመረ: ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ኣብ ግሪኽ ስርዓታዊ ብዝዀነ መገዲ ግምቢ ዘብዐኛ እንደገና ምሕታም ጀመርና። ድሕርዚ ድማ ብ1947: ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ናብ ጐደና 16 ቴኔዱ ኣግዓዝናዮ: እቲ ቤት ማሕተም ግን ኣብ ጐደና ሎምባርዱ ጸንሐ። ዳሕራይ እቲ ቤት ማሕተም ናብ ገለ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ናይ ሓደ ምስክር ፋብሪካ ገዓዘ። ስለዚ ንግዚኡ ዝኸውን ናብ ሰለስተ ቦታታት ካብትን ናብትን ንመላለስ ነበርና።
ካብቲ ኣብ ጐደና ቴኔዱ ዝርከብ መንበሪ ኣባይትና ኣንጊህና ክንብገስን ናብቲ ቤት ማሕተም ክንከይድን ይዝከረኒ። ኣብኡ ክሳዕ ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ምስ ሰራሕና: ናብቲ እቲ ዝሓተመናዮ ወረቓቕቲ ዝውሰደሉ ጐደና ሎምባርዱ እኸይድ ነበርኩ። ኣብኡ እዚ ወረቓቕቲ እዚ መጽሔት ንኽኸውን ብኢድ ይዕጸፍን ይስፈን ይቝረጽን ነበረ። ድሕሪኡ ነቲ እተወድአ መጽሔታት ናብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ንወስዶ: ናብቲ ሳልሳይ ደርቢ ተሰኪምና ነብጽሖ: ነቶም ሰራሕተኛታት በብናቱ ክሰርዕዎ ንሕግዞም: ንኽልኣኽ ከኣ ቴምብር ነልግበሉ ነበርና።
ብ1954 ኣብ ግሪኽ ቍጽሪ ናይ መሰኻኽር ናብ ልዕሊ 4,000 ደየበ: ተወሳኺ መሳለጥያታት ከኣ ተደልየ። ስለዚ ኸኣ: ኣብ ማእከል ከተማ ኣቴንስ ጐደና ካርታሊ ናብ ዝርከብ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ቤትኤል ገዐዝና። ብ1958 ናይ ክሽነ ሓላፍነት ክወስድ ተሓተትኩ እሞ: ክሳዕ 1983 ድማ ሓላፍነተይ ነበረ። ኣብ መንጎ ግን ብ1959 ነታ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እምንቲ ደጋፊት ብጸይቲ ኰይና እተረኽበት ኤለፍተርያ ተመርዓኹ።
እንደገና ንተጻራርነት ምጽማም
ብ1967 ሓደ ወተሃደራዊ ጕጅለ ስልጣን ሓዘ እንደገና ኸኣ ኣብ ዕዮ ስብከትና ቀይድታት ተገብረ። ይኹን እምበር: ቅድም ነቲ ኣብ ንጥፈታትና ዝነበረ እገዳታት ንኽንዋጽኣሉ ተመክሮ ስለ ዝነበረና: ቀልጢፍና ምትዕርራያት ገበርና ዕዮና ኸኣ ብሕቡእ ብዓወት ቀጸልና።
ኣኼባታትና ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ንገብርን ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎት ድማ ንጥንቀቕ ነበርና። እንተዀነ ግን: ኣሕዋትና ኵሉ ግዜ ይእሰሩ ነበሩ: ናይ ቤት ፍርዲ ጕዳያት ድማ በዝሐ። ነቲ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት እታ ሃገር ዝለዓል ክስታት ንምክትታል ጠበቓታትና ኵሉ ግዜ ኣብ መገሻታት ኢዮም ነይሮም። ምጽራር እኳ እንተነበረ መብዛሕትኦም ካብቶም መሰኻኽር ብፍላይ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብቲ ናይ ስብከት ንጥፈቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ቀጸሉ።
ወትሩ ቀዳም ወይ ሰንበት ናይታ መዓልቲ ስብከትና ምስ ተወድአ ካብ ጕጅለታትና መን ኣይተመልሰን ንምፍላጥ ቍጽጽር ይግበር ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ: እቶም ዘይተመልሱ ኣብቲ ቐረባ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ይጸንሑ ነበሩ። ኮቦርታን መግብን ንወስደሎም: ነተባብዖም ከኣ ነበርና። ንጠበቓታትና እውን ነፍልጦም: ንሳቶም ድማ ኣብ ክንዲ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋት ንኽማጐቱ ኣብ ቅድሚ ኣኽባር ሕጊ ሰኑይ ይቐርቡ ነበሩ። ምእንቲ ሓቂ ንሳቐ ብምንባርና ነዚ ኵነታት እዚ ብሓጐስ ንገጥሞ ነበርና!
ኣብ እዋን እቲ እገዳ ኣብ ቤትኤል ዝግበር ዝነበረ ናይ ሕትመት ስራሕና ተኸልከለ። ስለዚ ኸኣ: እቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣቴንስ ዝርከብ ዝነበረ ኣነን ኤለፍተርያን እንነብረሉ ዝነበርና ገዛ ሓውሲ ቤት ማሕተም ኰነ። ኤለፍተርያ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽሕፈት ማኪና ተጠቒማ ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ትጽሕፍ ነበረት። ዓሰርተ ወረቓቕቲ ብካርታ ካርቦን ገይራ ብሓንሳብ ናብታ ናይ ጽሕፈት ማኪና ተእትዎ እሞ: ኣብ ዓሰርቲኡ ወረቓቕቲ ምእንቲ ክጽሓፍ ብሓይሊ ክትወቅዕ የድልያ ነበረ። ኣነ ኸአ ነቲ ወረቓቕቲ በብገጹ ኣኪበ እሰፍዮ ነበርኩ። እዚ ስራሕ እዚ ምሸት ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ይቕጽል ነበረ። ሓደ ኣብ ትሕቴና ኣብ ዝነበረት ኣፓርትማ ዝቕመጥ ዝነበረ ፖሊስ: ፈጺሙ ዘይጠርጠረሉ ምኽንያት ክሳዕ ሕጂ ይገርመና።
በቲ ዝቕጽል ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ምሕጓስ
ብ1974 ኣብ ግሪኽ እንደገና ደሞክራሲ ኰነ: ዕዮ ስብከትና እውን እንደገና ዝያዳ ግልጺ ብዝዀነ መገዲ ቀጸለ። ምስናይእዚ ግን: ኣብ እዋን እተን ኣብ ልዕሊ ዕዮና ቀይድታት ዝነበረለን ሸውዓተ ዓመታት: ብድምር ልዕሊ 17,000 ኣወጅቲ መንግስቲ ብምብጻሕ: ዘደንቕ ወሰኽ ናይ ልዕሊ 6,000 ዝዀኑ ሓደስቲ መሰኻኽር ኣሐጒሱና ኢዩ።
ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ምሕታም ንጥፈትና እውን ኣብቲ ናይ ጨንፈር ህንጻታት እንደገና ጀመርና። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እቲ ኣብ ጐደና ካርታሊ ዘሎ ናይ ቤትኤል መሳለጥያታት ኣዝዩ ነኣሰ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣቴንስ ኣብ ዝርከብ ማሩሲ እተባህለ ቦታ 1 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ተዓደገ። 27 መደቀሲ ክፍልታት: ፋብሪካ: ኣብያተ ጽሕፈት: ከምኡውን ካልእ መሳለጥያታት ዝሓዘ ህንጻ ቤትኤል ተሰርሐ። ኣብ ጥቅምቲ 1979 ከኣ ተወፈየ።
ድሕሪዚ እውን ከይተረፈ ዝያዳ ቦታ ኣድለየና። ስለዚ ድማ ካብ ኣቴንስ ንሰሜን 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ 22 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ተዓደገ። እቲ ቦታ ኤሊዮና ኣብ ዝብሃል ከባቢ ገጠር ኣብ ጥቓ ሓደ ጎቦ ኰይኑ እምባታትን ማይ ዘለዎም ሽንጭሮታትን ብብዝሒ ዝርከበሉ ኢዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ እውን ነፍሲ ወከፉ ሸሞንተ ኣባላት ቤትኤል ክሕዝ ዝኽእል 22 ኣባይቲ ዝሓዘ ካልእ ሰፊሕ ህንጻ ኣብ 22 ሚያዝያ 1991 ወፊና ኢና።
ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ድሕሪ ምሕላፈይ ገና ሕጂ እውን ከይተረፈ ምሉእ ጥዕና ስለ ዘሎኒ ተባሪኸ ኢየ። እቲ ዘሐጕስ ድማ ኣብ ‘እርግናይ እፈሪ [“እብርትዕ” NW ]’ ኣለኹ። (መዝሙር 92:14) ነቲ ወሰኽ ቍጽሪ ናይቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቱ በዒንተይ ንኽርኢ ብህይወት ምጽንሐይ ብፍላይ ንየሆዋ ብዙሕ ኢየ ዘመስግኖ። ነብዪ ኢሳይያስ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ወሰኽ “ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትዉልኪ . . . ደጌታትኪ ዅሉ ጊዜ ኽፉት ኪኸውን: ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪብሉ ነበረ።—ኢሳይያስ 60:11
ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽኡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ማሕበር የሆዋ ክውሕዙን ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዲሕኖም ናብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ክኣትዉ ከም ዘለዎም ክማሃሩን ምርኣይስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘደንቕ ኢዩ! (2 ጴጥሮስ 3:13) እዛ ዓለም እዚኣ ከተቕርቦ ካብ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝበልጾ ከም ዘየለ ብምሉእ ሓቅነት ክዛረብ እኽእል ኢየ። እወ: ናይ ወርቂ መዛግብ ዘይኰነስ: ካብ መጠን ንላዕሊ ሃብታም ዝገበረኒ መንፈሳዊ ኣልማዝ ኢየ ረኺበ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ሚካሊስ ካሚናሪስ ምስ ኤለፍተርያ ካሚናሪስ
(የማን) ኣብ ጐደና ሎምባርዱ ዝነበረ ስራሕ ሕትመት