ውሉድካ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ይግብኦ ድዩ፧
ኣብ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር ዘላ ንእሽቶ ከተማ ትነብር ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰቦ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዉ ሓያለይ ውሉዳት ኣለዉኻ: ዕድሚኦም 12 ዓመት ምስ ኰነ ግን ናብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክሓልፉ ኢዮም። ኣብቲ ከባቢኻ: ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ብተማሃሮ እተጨቓጨቓን ሕጽረት መሳለጥያታት ዘለወንን ብቑዓት ዝዀኑ እኹላት መማህራን ዘይብለንን ኢየን። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብሰንኪ ኣድማታት ንሰሙናትን ንኣዋርሕን ይዕጸዋ።
ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኣብታ ዓባይ ከተማ ዘላ ሓንቲ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ እትገልጽ ማራኺት ብሮሹር ይህበካ። ስእልታት ናይቶም ኣብ እኹል መሳለጥያታት ዘለዎ መምሃሪ ክፍልታት: ላባራቶሪታት: ከምኡውን ኣብ ኣብያተ ንባብ ኰይኖም ዘጽንዑ ሕጕሳትን ጽቡቕ እተኸድኑን ተማሃሮ ትርኢ። እቶም ተማሃሮ ኮምፕዩተራት ይጥቀሙ: ኣብ ጽሩይን ማራኽን መደቀሲ ክፍልታት ከኣ የዕርፉ። ዕላማ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከኣ ተማሃሮ “ከም ዓቕሞም እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ ንኽቐስሙ” ምሕጋዞም ከም ዝዀነ ኣብታ ብሮሹር ተንብብ። ብተወሳኺ ድማ “ኵሎም ተማሃሮ ነቲ ምስ ኣብ ሓንቲ ስርዓት: ኣደብ: ንወለድን ሽማግለታትን ክብሪ ምርኣይ: ምትሕግጋዝ: ምጽዋር: ሕያውነት: ተኣማንነትን ንጽህናን ትዅረት ዝግበረላ ስድራቤት ዝመሳሰል ጠባይ ከርእዩ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ” ዝብል ተንብብ።
ኣብቲ ስእሊ ናይቲ ብሮሹር ከኣ ሓደ ፍሽኽ ዝብል መንእሰይ “ወለደይ ኣብቲ ዝበለጸ ቤት ትምህርቲ ስለ ዘእተዉኒ ኣብ ህይወተይ ዓቢ መሰል ኢዮም ሂቦምኒ” ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ። ሓንቲ ጓል ድማ ከምዚ ትብል:- “ቤት ትምህርቲ ዘነቓቕሕን ዘሐጕስን ኢዩ። ኣብዚ ምምሃር ከኣ ምቹእ ኢዩ።” ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ንወድኻ ወይ ንጓልካ መእተኻዮምዶ፧
ትምህርትን መንፈሳውነትን
ኵሎም ሓለይቲ ወለዲ ንደቆም ኣብ ህይወቶም ድልዱል መሰረት ክስርትሎም ኢዮም ዝደልዩ: ነቲ ሸቶ እቲ ንምውቃዕ ግን ጽቡቕን ሚዛናውን ትምህርቲ ኣድላዪ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዓለማዊ ትምህርቲ: ንመጻኢ ግዜ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ይኸፍት: መንእሰያት ከኣ ንገዛእ ርእሶምን ንናይ መጻኢ ስድራቤቶምን ክኣልዩ ዝኽእሉ በጽሕታት ንኽዀኑ ብምልምማድ ይሕግዝ።
‘ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ትምህርትን ምስኡ ኸኣ ገለ ናይ ስነ-ምግባር መምርሕን ዝህብ እንተድኣ ዀይኑ: ስለምንታይ ዘይጥቀመሉ፧’ ኢልካ ተሓስብ ትኸውን። ክርስትያን ወለዲ ነዚ ሕቶ እዚ ክምልሱ ከለዉ ነቲ ኣውራ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ—ናይ ደቆም መንፈሳዊ ድሕንነት—ብጸሎት ክሓስብሉ ኣለዎም። የሱስ ክርስቶስ “ንሰብ: ብዘላ ዓለም ረቢሑ: ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ: እንታይ ይጠቕሞ፧” ብምባል ሓተተ። (ማርቆስ 8:36) ብሓቂ: በዚ ዝመጸ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን። ስለዚ እምበኣር: ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምእታዎም እዚ ጕዳይ እዚ ነቲ ኣብ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋኦም ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው ክሓስብሉ ይግባእ።
ናይ ካልኦት ተማሃሮ ጽልዋ
ገለ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዘደንቕ ስርዓተ ትምህርቲ ክህልወን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ስነ-ምግባራዊ ብቕዓታት ናይቶም ኣብቲ ትምህርቲ ዝማሃሩን ምናልባት እውን ናይቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብያተ ትምህርቲ ዘካይዱ ሰባትንከ ከመይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዓይነት ናይቶም ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብብዝሒ ዝህልዉ ሰባት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: . . . መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ: . . . እዮም እሞ: ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ምንቍልቋል: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከይነብሩ ብድሆ የቕርበሎም ኣሎ። እቶም ንገዝኦም እናተመላለሱ ዝማሃሩ ተማሃሮ እኳ ከይተረፉ እቲ ምስ ዓለማውያን መማህርቶም ዝገብርዎ ውሱን ርክብ ኣብ መንፈሳውነቶም ሓያል ኣሉታዊ ጽልዋ ክገብረሎም ከም ዝኽእል ይግንዘብዎ ኢዮም። ነዚ ጽልዋ እዚ ምቅዋም ነቶም ካብ ወለዶም መዓልቲ መዓልቲ ስምዒታውን መንፈሳውን ሓገዝ: ምኽሪ: ከምኡውን ምትብባዕ ዝረኽቡ መሰኻኽር ቈልዑ እውን ከይተረፈ ዓቢ ቃልሲ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ።
ኵነታት ናይቶም ካብ ኣባይቶም ርሒቖም ኣብ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣትዮም ዘለዉ ቈልዑ ደኣ ከመይ ክኸውን ኢዩ፧ ካብቲ ናይ ፈቃራት ወለዲ ስርዓታዊ መንፈሳዊ ሓገዝ እተጠልዩን እተነፍጉን ኢዮም። ንመዓልቲ 24 ሰዓታት ምስቶም መማህርቶም ስለ ዘሕልፉዎ: ነቶም ብዙሓት ንምምሳል ዘሎ ጸቕጢ ካብቲ ነቶም ኣብ ገዝኦም ዝነብሩ ተማሃሮ ክህልዎም ዝኽእል ንላዕሊ ኣብቲ ዕሸል ዝዀነ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ሓያል ጽልዋ ይገብር ኢዩ። ሓደ መንእሰይ ተማሃራይ “ብስነ-ምግባራዊ መገዲ: ሓደ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ተማሃራይ ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ንሓደጋ ተቓሊዑ ኢዩ ዝነብር ዘሎ” በለ።
ጳውሎስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ክርስትያን ወለዲ: ደቆም ምስቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ተማሃሮ ዘየቋርጽ ሕብረት ምግባሮም ብመንፈስ ኣይክጕድኡን ኢዮም ኢሎም ብምሕሳብ ክታለሉ ኣይግብኦምን ኢዩ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ: ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ቈልዑ ክርስትያናዊ ስርዓታት ስምዒት ዘይህቦምን ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበሮም ሞሳ ድማ ከጥፍኡን ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ገለ ግዝያት ወለዲ ደቆም ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ክሳዕ ዝወጹ እዚ ኣይርኣዮምን ኢዩ። ድሕሪኡ ንነገራት ከተዐርዮም ከኣ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኢዩ።
ተመክሮ ናይ ክለመንት ነዚ ዘርኢ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ተመክሮኡ የዘንቱ:- “ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምእታወይ: ንሓቂ ፍቕሪ ነይሩኒ: ምስ ኣሕዋት ከኣ ናብ ግራት ኣገልግሎት እኸይድ ነበርኩ። ኣብ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን ምስታፍ ኣዝዩ የሐጕሰኒ ነበረ። ወዲ 14 ዓመት ኰይነ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተኹ ግን: ምሉእ ብምሉእ ንሓቂ ሓደግክዎ። ኣብተን ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፍክወን ሓሙሽተ ዓመታት: ኣኼባታት ተኻፊለ ኣይፈልጥን። ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ከኣ: ኣብ ሓሽሽ ምውሳድን ሽጋራ ምትካኽን መስተን ተጸመድኩ።”
ናይ መማህራን ጽልዋ
ኣብ ዝዀነ ይኹን ቤት ትምህርቲ ንቦታ ናይ ስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ዝጥቀምሉ ብስነ-ምግባር ብልሽዋት ዝዀኑ መማህራን ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ መማህራን ጨካናትን ተረርትን ክዀኑ ከለዉ: ካልኦት ከኣ ንተማሃሮኦም ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጹ ኢዮም። ኣብ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ከምዚኦም ዝበሉ መማህራን ተግባራት ንዝምልከቶ ከይተነግረሉ ዝሓልፍ ኢዩ ዝመስል።
ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም መማህራን ቈልዑ ኣፍረይቲ ኣባላት ናይ ሕብረተሰብ ንኽዀኑን ምስታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ንምውህሃድን ንምስምማዕን ብቕንዕና ከለማምድዎም ይፍትኑ ኢዮም። ኣብዚ ግን ንመሰኻኽር ቈልዑ ካልእ ግድል የጋጥሞም ኢዩ። ናይ ዓለም ስርዓታት ምስቲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣይቃዶን ኢዩ። መማህራን ንተማሃሮ ምስ እዛ ዓለም እዚኣ ክወሃሃዱ ዘተባብዕዎም እኳ እንተ ዀኑ: የሱስ ግን ንሰዓብቱ ክዛረበሎም ከሎ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ።—ዮሃንስ 17:16
ቈልዑ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓቦም ግድላት እንተ ተላዕለኸ እንታይ ይኹን፧ እቶም ቈልዑ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩን ኣብ ገዝኦም ድማ ዝነብሩን እንተድኣ ዀይኖም: ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ጕዳያት ምስ ወለዶም ክመያየጥሉ ይኽእሉ ኢዮም። ወለዲ ኸኣ ብወገኖም ንደቆም መምርሒ ክህብዎም: ምናልባት እውን ነቲ መምህር ክዛረብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ግድላትን ዘይምርድዳእን መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ኢዩ ዝፍታሕ።
ኣብ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ግን እዚ ፍልይ ዝበለ ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብያተ ትምህርቲ ዝማሃሩ ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻር መማህራን ኢዮም ዘለዉ። ቈልዑ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንምሕላው እንተድኣ ቘሪጾም: ነዚ ብዘይ እቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝግበር ሓገዝ ናይ ወለዲ ክገብርዎ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ: ቈልዑ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ይመላለሱ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ግን: ኣይመላለሱን ኢዮም። ቈልዓ ምስ ድሌት ናይቲ መምህር ከም ዝሰማማዕ ፍሉጥ ኢዩ።
ቅዩድ ምንቅስቓስ
ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምተን ተማሃሮ ኣብ ዝዀነ ግዜ ንኽወጹን ንኽኣትዉን ናጽነት ዝህባ ዩኒቨርስቲታት ዘይኰናስ: ንምንቅስቓስ ቈልዑ ዝቕይዳ ኢየን። መብዛሕትአን ካብዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚኣተን ተማሃሮ ብዘይካ ሰንበት ካብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ክወጹ ኣይፈቕዳሎምን ኢየን: ገሊአን እሞ ኸኣ ሰንበት እውን ከይተረፈ ኣይፈቕዳን ኢየን። ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እትመሃር ኤሩ ዝስማ ጓል 11 ዓመት ተማሃሪት ኣብ ከምዚ ትብል:- “ሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ይትረፍ ናብ ግራት ኣገልግሎት ንኣኼባታት ክንከይድ እውን ፈጺሞም ኣይፈቕዱልናን ኢዮም። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ንኣመንቲ ካቶሊክን ምስልምናን ጥራይ ዝኸውን ናይ ኣምልኾ ተግባራት ኢዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ንሓዲኡ ክመርጽ ኣለዎ: እንተ ዘይኰይኑ ብመማህራንን ብተማሃሮን ብርቱዕ ምጽራር ከጋጥሞ ኢዩ። ተማሃሮ: ሃገራዊ መዝሙርን ናይ ቤተ-ክርስትያን ማህሌታትን ክዝምሩ እውን ይግደዱ ኢዮም።”
ወለዲ ንደቆም ኣብ ከምዚ ዝበለ ቤት ትምህርቲ ከመዝግብዎም ከለዉ: ናብቶም መንእሰያት ደቆም እንታይ መልእኽቲ ኢዮም ዘመሓላልፉ ዘለዉ፧ እቲ መልእኽቲ: ዓለማዊ ትምህርቲ ንኣምልኾ ካብ ምእካብን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ካብ ምክፋልን ንላዕሊ—ንኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና ካብ ምሕላው ንላዕሊ እውን ከይተረፈ—ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14; 28:19, 20፣ 2 ቈረንቶስ 6:14-18፣ እብራውያን 10:24, 25
ኣብ ገለ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝማሃሩ መሰኻኽር: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓንሳብ ኰይኖም ከጽንዑ ይምድቡ ኢዮም: ይኹን እምበር እዚ እውን ከይተረፈ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጸጋሚ ኢዩ። ጓል 16 ዓመት ዝዀነት ብለሲን ዝስማ መንእሰይ: ብዛዕባ እቲ እትማሃረሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከምዚ ትብል:- “እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክጽልዩ ይእከቡ ኢዮም። እቶም መሰኻኽር ዝዀንና ናይ ገዛእ ርእስና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክንገብር ክንልምኖም ንፍትን: እቶም ቅድሜና ኣብኡ ዝማሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ግን ሃይማኖትና ተቐባልነት ከም ዘይረኸበት ይነግሩና ነበሩ። ድሕርዚ ምስኦም ክንጽሊ ከገድዱና ይፍትኑ። እንተ ኣቢናዮም ከኣ: ይቐጽዑና። ናብ መማህራን ምጥራዕ ድማ ነቲ ጕዳይ መሊሱ ኢዩ ዘግድዶ። እዚ ዘይበሃል ጸርፊ ይጸርፉና: ነቶም ቅድሜና ኣብኡ ዝማሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ኸኣ ክቐጽዑና ይነግርዎም።”
ፍሉይ ምዃን
ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩ ተማሃሮ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ብግልጺ ክፍለጡ ከለዉ: እዚ ንረብሕኦም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ: ኣብቲ ንእምነት ናይቶም መሰኻኽር ዝጻረር ግድነታዊ ናይ ሓሶት ዝዀነ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ንኸይሳተፉ ይንሕፍዎም ይዀኑ። መማህርቶም ከኣ ኣብቲ ዘይጥዑይ ንጥፈታትን ዘረባን ከም ዝሓብርዎም ንኽገብሩ ካብ ምፍታን ክቝጠቡ ይኽእሉ ይዀኑ። ንመማህርቶምን መምህራንን ንምምስካር ድማ ማዕጾ ይኸፍት ይኸውን። ብተወሳኺ ድማ: ብክርስትያናዊ ስርዓታት ዝነብሩ ተማሃሮ ብጸይቂ ተግባር ከም ዘይጥርጠሩ ፍሉጥ ኢዩ: ሓድሓድ ግዜ ኸኣ ብመምህራንን መማህርቶምን ብኽብሪ ኢዮም ዝረኣዩ።
ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ነገራት ኵሉ ግዜ ኣይኰነን ዘጋጥም። ፍሉይ ምዃን: ንሓደ መንእሰይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣደዳ ናይቲ ካብ ተማሃሮን መምህራንን ዝመጽእ መስጐግትን ላግጽን ኢዩ ዝገብሮ። ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝማሃር ዪንካ እተባህለ 15 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ተፈሊጥካ: ዒላማ ኢኻ ትኸውን። መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ኣቕዋምና ስለ ዝፈልጡ: ንኸፈንጥሩና መጻወድያ የዳልዉልና።”
ናይ ወለዲ ሓላፍነት
ንቘልዑ ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ ንኽዀኑ ናይ ምቕራጽ ዕማም ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ክርከቦ ዝኽእል መምህር: ቤት ትምህርቲ: ወይ ኮለጅ የለን። ከምኡ ምግባር ስርሖም ወይ ሓላፍነቶም ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ: ወለዲ ነቲ ናይ ደቆም መንፈሳዊ ድሌታት ባዕሎም ክሓልዩ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝእዝዝ። ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶም ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:4) ወለዲ ደቆም ኣብቲ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ ክትበጽሕ ዝፍቀደሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እንተድኣ ኣልዮም: ነዚ መለኮታዊ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ይኽእሉ፧
ኵነታት ኣዝዩ ኢዩ ዝፋላለ: ክርስትያን ወለዲ ግን ምስቲ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ዝብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መግለጺ ተሰማሚዖም ክኸዱ ኢዮም ዝደልዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8
ኣማራጺታት ኣለዉዶ፧
ወለዲ: ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ወይ ውሑድ መሳለጥያ ዘለዎ ናይቲ ካባቢ ቤት ትምህርቲ ዝብሉ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ዘለዎም እንተ መሰሎምከ እንታይ ክገብሩ ምኸኣሉ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘለዉ ገለ ወለዲ: ኣብ ርእሲ እቲ ደቆም ኣብቲ ናይ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዝማሃርዎ: ተወሳኺ ትምህርቲ ብብሕቲ የዳልዉሎም ኢዮም። ካልኦት ወለዲ ድማ ንደቆም ባዕሎም ንኽምህርዎም ግዜ ይምድቡ ኢዮም።
ገለ ገለ ግዝያት ወለዲ ደቆም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝኣትዉሉ ዕድመ ቅድሚ ምብጽሖም ኣቐዲሞም ውጥን ብምውጻእ ንሽግራት ይኣልይዎም ኢዮም። ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉኻ ወይ ቈልዑ ከተዕቢ እትምድብ ዘሎኻ እንተድኣ ዄንካ: ኣብቲ ከባቢኻ እኹል መሳለጥያታት ዘሎዎ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እንተድኣ ኣልዩ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ዘየልዩ: ናብ ሓደ ዝቐረበ ቤት ትምህርቲ ዘለዎ ከባቢ ምግዓዝ ይከኣል ኢዩ።
ወለዲ ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጥዎ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ቘልዓ ፍቕሪ የሆዋ ንምስራጽ ክእለትን ትዕግስትን ኣዝዩ ብዙሕ ግዜን ዝሓትት ኢዩ። ከምዚ ምግባር: እቲ ቘልዓ ኣብ ቤቱ ኸሎ እኳ ዘሸግር ካብ ኰነ: እቲ ቘልዓ ካብ ቤቱ ርሒቑ ዝነብር እንተ ዀይኑ ድኣ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸጋሚ ክኸውን ኢዩ! ኣብቲ ጕዳይ ናይቲ ቘልዓ ዘለኣለማዊ ህይወት እቱው ስለ ዝዀነ: ወለዲ እቲ ንእሽቶ ውላዶም ንኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ምርካቦም ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ዝበልጽ እንተድኣ ዀይኑን ዘይኰይኑን ንምፍላጥ ኣርዚኖምን ብጸሎትን ክውስኑ ኣለዎም። ነቲ ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ጥቕምታት ኢልካ ንናይ ሓደ ቘልዓ መንፈሳዊ ረብሓታት ምስዋእስ: ኣየ ከመይ ዝበለ ኣርሒቕካ ዘይምጥማት ኰን ኢዩ! እዚ ከምቲ ንሓንቲ በቲ ሃልሃልታ ሞኽ ኢላ ምጥፍኣ ዘይተርፍ ሕስርቲ ስልማት ንምድሓን ኢልካ ናብ ሓደ ዝቃጸል ዘሎ ገዛ ጐይኻ ምእታው ኢዩ።
ቃል ኣምላኽ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) ንሓደ ኵነታት ዳሕራይ ካብ እትእርሞ: ከሎ ገና ክትከላኸሎ ይሓይሽ። ንገዛእ ርእስኻ ‘ውሉደይ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ይግብኦ ድዩ፧’ ኢልካ እንተድኣ ሓቲትካ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ክትሓስብ ጥበባዊ ምዀነ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]
መንእሰያት መሰኻኽር ብዛዕባ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝብልዎ
“ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መሰኻኽር ቈልዑ: ካብ መንፈሳዊ ሕብረት እተጠልዩ ኢዮም። ኣዝዩ ሕማቕ ከባቢ: ጌጋ ንምግባር ከኣ ብዙሕ ጸቕጢ ዘለዎ ኢዩ።”—ሮቲሚ: ካብ ወዲ 11 ክሳዕ ወዲ 14 ዓመት ዝኸውን ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እተማህረ።
“ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክፋል ብፍላይ ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ። ሰንበት ጥራይ ኢየ ክካፈል ዝኽእል ነይረ: ከምኡ ንምግባር ከኣ እቶም ተማሃሮ ናብ ቤተ-ክርስትያን ንምእታው ክስርዑ ከለዉ ክመሉቝ ነበረኒ። ፈጺመ ሕጕስቲ ኣይነበርኩን: ከመይሲ ኣብ ገዛ ከለኹ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እካፈልን ቀዳመ ሰናብቲ ኸኣ ንግራት ኣገልግሎት እኸይድን ኢየ ነይረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሃንጽ ተመክሮ ኣይረኸብኩን። ካብ ብዙሕ ረብሓታት ተጠልየ ኢየ።”—ኤስተር: ኣብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ናይ ቤተ-ክርስትያን ቅዳሴታት ብዘይ ምክፋላ ብተደጋጋሚ ብመማህራን እትህረም ዝነበረት።
“ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ንመማህርትኻ ምምስካር ቀሊል ኣይነበረን። ፍሉይ ምዃንውን ቀሊል ኣይነበረን። ነተን ብዙሓት ክመስል ከኣ እደሊ ነበርኩ። ንኣኼባታት ክኸይድን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክጽመድን ዝኽእል ነይረ እንተ ዝኸውን: ምናልባት ተባዕ ምዀንኩ ነይረ። ነዚ ግን ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ጥራይ ኢየ ክገብሮ ዝኽእል ነይረ: እዚ ድማ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ነዳዲ ዘይተመልአ ፋኑስ እንተድኣ ኣልዩካ: እቲ ብርሃን ጭልምልም እናበለ ይኸይድ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ እቲ ኵነታት ልክዕ ከምኡ ኢዩ ነይሩ።”—ላራ: ካብ ጓል 11 ክሳዕ ጓል 16 ዓመት እትኸውን ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እተማህረት።
“ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣይክማሃርን ኢየ: ኵሉ ኣኼባታት ክካፈል: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፍ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ዕለት ጥቕሲ ከንብብ ብምኽኣለይ ሕጕስቲ ኢየ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምጽናሕ ገለ ረብሓታት እኳ እንተለዎ: ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ዝምድና ንላዕሊ ዘገድስ ግን የለን።”—ናኦሚ: ንኣቦኣ ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ንኸወጽኣ ዘእመነቶ።