‘እቲ ኣዝዩ ውሑድ ብርቱዕ ህዝቢ’ ክኸውን ከሎ ረኣኹ
ብዊልያም ዲንመን እተዘንተወ
እቲ ዓመት 1936፣ እቲ ቦታ ድማ ሰይለም: ኦሪገን: ሕ.መ.ኣ. ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ ዝካፈል ነይረ። “እቶም ብዙሓት ሰብ ኣበይ ኣለዉ፧ ” ዝብል ሕቶ ተሓተ። (ራእይ 7:9 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ) ኣብታ ጉባኤ ሓድሽ ሰብ ኣነ ጥራይ ስለ ዝነበርኩ ኵላቶም ናባይ እናኣመልከቱ “ኣብዚ እንሃለ!” በሉ።
ኣብ መፋርቕ ናይ 1930ታት: ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዝነበሮም ሰባት ብተዛማዲ ሒደት ኢዮም ነይሮም። (መዝሙር 37:29፣ ሉቃስ 23:43) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ነገራት ሃንደበት ተለወጠ። ኣብቲ ኣብ ሰይለም: ኦሪገን ዝነበረ ኣኼባ ከም ዝርከብ ዝገበረኒ ፍጻመታት ግን ክነግረኩም።
ኣቦይ ናይ ዘ ጎልደን ኤጅ: ቀደም ናይ ንቕሑ! መጽሔት ስም ዝነበረ: ኵንትራት ነበሮ። ኮተቴ ከሎኹ: ምንባቡ ባህ የብለኒ ነበረ: ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ሒዙ ከም ዘሎ ኸኣ ኣመንኩ። ስለዚ ሓደ መዓልቲ በቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ ሓንቲ ጎልደን ኤጅ ዝነበረ ናይ ኣድራሻ ኩፖን ገይረ ለኣኽኩ። እቲ ኣንባቢ በታ ኩፖን ገይሩ 20 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ: ሓደ መጽሓፍ: ከምኡውን ስም ናይታ ዝቐረበት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይረክብ። ነቲ ጽሑፋት ምስ ተቐበልኩዎ ካብ ቤት ናብ ቤት ከድኩ: ንዅሉ እቲ ንኣሽቱ መጻሕፍትን ነታ መጽሓፍን ድማ ዓደልክዎ።
ኣብቲ እዋን እቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበረለይ ሰብ ኣይነበረን። አረ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ፈጺመ ተዛሪበ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ። ሕጂ ግን ኣድራሻ ናይቲ ዝቐረበ ኣደራሽ መንግስቲ ብምሓዝ: ኣኼባ ንምክፋል ናብ ሰይለም: ኦሪገን 40 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ተጓዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ኢየ: ወዲ 18 ዓመት ጥራይ ከሎኹ ሓደ ካብቶም “ብዙሓት ሰብ” ኢኻ ተባሂለ እተጸዋዕኩ።
ብሓቂ ክርአ ኸሎ ንኣገልግሎት ዝኸውን ምሉእ ምድላው እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ምስ ጉባኤ ሰይለም ኰይነ ስብከት ጀመርኩ። ኣብቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ናይ ምስክርነት ዕዮ ሰለስተ መሰረታዊ ነጥብታት ክውስኽ ምትብባዕ ተዋህበኒ። ቀዳማይ: የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ካልኣይ: የሱስ ክርስቶስ ንሱ ዝሸሞ ንጉስ ምዃኑ፣ ሳልሳይ ድማ: እታ መንግስቲ ናይ ዓለም እንኮ ተስፋ ምዃና ምንጋር ነበረ። ኣነ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ከብጽሖ ጸዓርኩ።
ምስቶም ኣብ ሰይለም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽልተ ዓመታት ምስ ሓበርኩ: 3 ሚያዝያ 1938 ተጠመቕኩ። እቶም ኣብ ሰይለም ዝነበሩ ኣሕዋት ሓያሎ ካብቶም “ብዙሓት ሰብ” ዝዀንና ሰባት ክንጥመቕ ብምርኣዮም ተሓጒሶም ኢዮም። ለካቲት 1939 ፓይነር: ወይ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀንኩ። ኣብ ታሕሳስ ናይታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ዘድልየሉ ዝነበረ ኣሪዞና ክኸይድ ንዝቐረበለይ ዕድመ ተቐበልኩዎ።
ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኣብ ኣሪዞና
ኣብ ኣሪዞና እቲ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ኢዩ ነይሩ: ንዓና ዝምልከት ብዙሕ ጌጋ ምርዳእ ስለ ዝነበረ ድማ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኲናት ምስ ኣተወት: ብዙሕ መስጐጕቲ ኣሕለፍና። ንኣብነት: ብ1942 ኣብ ከተማ ስታፎርድ: ኣሪዞና: ብጕጅለ ኣመንቲ ሞርሞን ኣንጻርና ናዕቢ ክለዓዓል ምዃኑ ጽንጽንታ ተሰምዐ። እቲ ፓይነር መገላግልተይን ኣነን ኣጋጣሚ ዀይኑ ምስ ሓደ ብኣኽብሮት ዝርእየናን “ናይ ሞርሞን ሚስዮናውያን ከም መሰኻኽር ንጡፋት ነይሮም እንተ ዝዀኑ ናይ ሞርሞን ቤተ-ክርስትያን ኣበይ ምበጽሐት ነይራ” ኢሉ ዝዛረብ ዝነበረን: ናይ ሞርሞን ኣቡን ጐረባብቲ ኢና ነይርና። ስለዚ እቲ ኣቡን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዓና ብምድጋፍ “ኣንጻር እቶም መንእሰያት መሰኻኽር ናዕቢ ክለዓል ምዃኑ ጽንጽንታ ሰሚዐ ኣለኹ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ጐረባብተይ ኢዮም: ናዕቢ እንተድኣ ተላዒሉ ድማ: ልክዕ ናብቲ ሓጹር ኣቢሉ ዝቐንዐ ግንጽል ክተክል ኢየ። እቲ ግንጽል ከኣ ናብቶም መሰኻኽር ዘይኰነስ ናብቶም መናዓብቲ ኢዩ ኸቃንዕ። ስለዚ ናዕቢ ከተልዕሉ እንተድኣ ደሊኹም እንታይ ከም ዝመጸኩም ፍለጡ” ብምባል ተዛረበ። እቲ ናዕቢ ድማ ፈሸለ።
ኣብተን ኣብ ኣሪዞና ዝጸናሕኩለን ሰለስተ ዓመታት: ብዙሕ ግዜ ንተሓዝ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ንኣቱ ነበርና። ሓደ እዋን 30 መዓልትታት ተኣሰርኩ። ምስቲ ኣብ ኣገልግሎትና ብፖሊስ ዝወርደና ዝነበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ንምቅላስ: ሓንቲ በራሪት ጋንታ ኢልና እንጽውዓ ዝነበርና ጕጅለ ኣቘምና። እቲ ኣብ ሓላፍነት ዝነበረ ሓው “ልክዕ ከም ስምና ክንከውን ኢዩ ዘሎና። ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተ ወይ ሰዓት ሽዱሽተ ንጅምር: ሓንቲ ትራክት ወይ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ንሓድግ: ድሕሪኡ ቀልጢፍና ካብቲ ቦታ ነልግስ” ብምባል ነገረና። እታ “በራሪት ጋንታና” ንስፍሕ ዝበለ ዞባ ኣሪዞና ዳርጋ ሸፊናቶ ኢያ። ይኹን እምበር: ኣብ መወዳእታ እታ ጋንታ ኣቋረጸት: ምኽንያቱ ከምኡ ዓይነት ናይ ስብከት ኣገባብ ነቶም ተገደስቲ ሓገዝ ንምሃብ ኣየኽእለናን ኢዩ ነይሩ።
ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ፍሉይ ኣገልግሎትን
ታሕሳስ 1942: ናብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምስረት ዝነበረ ሓድሽ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ንምእታው ናይ ዕደመ ደብዳበ ካብ እተቐበሉ ሓያሎ ፓይነራት ሓደ ነበርኩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፈለማ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኮለጅ ጊልዓድ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ጸኒሑ እቲ ስም ናብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተቐየረ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዳርጋ 4,800 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኣብ ከተማ ኣይዚካ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ።
ኣብ ኦሪገን ሓጺር ምብጻሕ ድሕሪ ምግባርና: ጥሪ 1943 ሓያሎ ካብቶም ፓይነራት ብሓንቲ ኣውቶቡስ ናይ ኩባንያ ግረይሃውንድ ገይርና ነቲ ሙቐት ምድረ በዳ ኣሪዞና ሓዲግናዮ ከድና። ድሕሪ ሓያሎ መዓልትታት ቦታና በጻሕና: ኣንጻር ናይቲ ዝለመድናዮ ሙቐት ድማ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኒው ዮርክ በረድ ረኸብና። እቲ ቤት ትምህርቲ 1 ለካቲት 1943 ተኸፍተ: ሽዑ ድማ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ፕረዚደንት ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ኣብ መኽፈቲ ዝርርቡ ነቶም ሓደ ሚእቲ ተማሃሮ ከምዚ በሎም:- “ዕላማ ናይዚ ኮለጅ እዚ ብቑዓት ኣገልገልቲ ንምዃን ከም እትዕጠቑ ንምግባር ኣይኰነን። ድሮ ኣገልገልቲ ኢኹም ኣብቲ ኣገልግሎት ድማ ንብዙሕ ዓመታት ንጡፋት ኴንኩም ዝዓየኹም ኢኹም። . . . እቲ ኣብዚ ኮለጅ እዚ እተጽንዕዎ ትምህርቲ ኣብቲ እትኸድዎ ዞባታት ዝያዳ ብቑዓት ኣገልገልቲ ኽትኰኑ ንምድላውኩም ተባሂሉ ብፍሉይ ዕላማ ዝቐረበ ኢዩ።”
ውሱን ዓለማዊ ትምህርቲ ስለ ዝነበረኒ: ኣብቲ ፈለማ ጊልዓድ ኣፍሪሑኒ ነበረ። እቶም መምህራን ግን ኵነታተይ ይርድኡ ነበሩ: ነቲ ትምህርቲ ድማ ኣዝየ ተሓጐስኩሉ። ክፍልና ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወድአ ጽዑቕ ልምምድ ድሕሪ ምውሳዳ ተመረቐት። ድሕሪኡ ገሌና ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተለኣኽና: ኣብኡ ድማ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዄንና ኣብቲ ናይ መገሻ ዕዮ ንምግልጋል ምእንቲ ኽንዳሎ ተወሳኺ ልምምድ ተዋሃብና። መጀመርታ እተመደብክሉ ቦታ ሰሜንን ደቡብን ካሮላይን ነበረ።
ኣብቲ እዋን እቲ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዳርጋ ካብ መገሻ ኣየዕርፍን ኢዩ ነይሩ። ምስ ንእሽቶ ጉባኤ ሓንቲ መዓልቲ ንገብር: ዕብይ ዝበለት እንተድኣ ዀይና ድማ ኽልተ መዓልቲ ንጸንሕ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ መብዛሕትአን ጉባኤታት ንኣሽቱ ኢየን ነይረን። ስለዚ ምሉእ መዓልቲ: ኣሕዋት ክበጽሕን ሕቶታት ክምልስን: መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ትሑዝ ድሕሪ ምዃን: ናብታ እትቕጽል ጉባኤ ንምኻድ ንጽባሒቱ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተ ኣቢለ እትስእ። ኣብ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዕዮ ዳርጋ ንዓመት ዝኸውን ኣገልገልኩ: ድሕሪኡ ድማ ኣብ ተነሰ ከምኡውን ኒው ዮርክ ንገለ እዋን ፓይነር ብምዃን ኣገልገልኩ።
ጕዕዞ ናብ ኩባ ድሕሪኡ ድማ ናብ ፖርቶ ሪኮ
ግንቦት 1945: ምስ ሓያለይ ካልኦት ኣሕዋት ብምዃን ናብታ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዓደይ ወጻኢ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ክዓዪ እተመደብኩላ ኩባ ተላኣኽኩ! እታ ኣብ ሃቫና: ርእሲ ኸተማ ኩባ ዝበጻሕናላ ምሸት ናይ መጽሔት ምዕዳል ዕዮ ክንገብር ኣምሰና። ክሳዕ እታ ኣብ ሳንታ ክላራ ገዛ ዝረኸብናላ እዋን ድማ ኣብ ሃቫና ጸናሕና። መግብን ክራይን ሓዊስካ: ንዅሉ ዘድልየና ወጻኢታት መሸፈኒ ዝኸውን ንነፍሲ ወከፍና ዝዋሃባና ዝነበራ ወርሓዊ ገንዘብ 25 ዶላር ጥራይ ኢየን ነይረን። ካብቲ ብቐሊሉ ክንረኽቦ ዝኸኣልና ነገራት ዓራውትን ካልእ ኣቕሑን ሰራሕና: ናይ ሜለ ካሴታታት ድማ ከም ተመዛዚታት ንጥቀመሉ ነበርና።
ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ኣብ ናይ ወረዳ ዕዮ ተመደብኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኩባ ብምልእታ ሓንቲ ወረዳ ኢያ ነይራ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ መሓውሩ ነዊሕን ብእግሩ ምኻድ ባህ ዝብሎን ስለ ዝነበረ: እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ማዕሪኡ ምእንቲ ክኸዱ ብዘይ ምግናን ደድሕሪኡ ዘብዘብ ይብሉ ነበሩ። ንዓይ እውን ከምኡ ኢዩ ዝኸውን ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ: ነቲ ዝገብሮ ምብጻሕ ዝኸውን ኵሉ ነገራት መዲቦም ጸንሑ። ኵላቶም ብሓንሳእ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ዝኸዱ ኣብ ጕጅለታት ተመቓቒሎም በብተራ ምሳይ የገልግሉ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ጕጅለ ናብ ርሑቕ ዞባ ትወስደኒ፣ ንጽባሒቱ ድማ ካልእ ጕጅለ ልክዕ ናብ ከምኡ ዝበለ ካልእ ርሑቕ ዞባ ትወስደኒ: ከምኡ እናበለ ኸኣ ይቕጽል። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምብጽሐይ ሓይለይ ተጸንቀቐ: ግናኸ ተሓጒሰሉ ኢየ። ምስታ ጉባኤ እቲኣ ዘሕለፍኩዎ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ።
ብ1950 ኣብ ኩባ ልዕሊ 7,000 ዝዀኑ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነበርና: እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝነበረ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ዳርጋ ተመሳሳሊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓምለ ናይታ ዓመት እቲኣ: ኣብቲ ናይ ቲኦክራሲ ወሰኽ ዘርእስቱ ኣብ ያንኪ ስታዲዩም: ኒው ዮርክ: እተኻየደ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልኩ። ድሕሪኡ: ናብ ፖርቶ ሪኮ ክኸይድ ሓድሽ መደብ ናይ ሚስዮናዊ ዕዮ ተዋህበኒ። ካብቶም ናይ ጊልዓድ መበል 12 ክፍሊ ዝወድኡ ሓደስቲ ሚስዮናውያን: ምሳይ ሓቢረን ናብ ፖርቶ ሪኮ ብነፋሪት እተጓዕዛ ኢስተል ዊክሊን ዜልማ ዊክሊን ነበራ።
ሾመንተ ዓመታት ጸኒሕና ኢስተልን ኣነን ኣብ በይመን: ፖርቶ ሪኮ: ኣብ እዋን ናይ ወረዳ ዕዮ ዕረፍትና ኣብ መድረኽ ሕጽር ዝበለ ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት ገበርና። ቅድሚ መርዓናን ድሕሪኡን ኣብ ናይ ወረዳ ዕዮ ኢየ ዘገልግል ነይረ። ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝኸውን ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዝጸናሕናሉ እዋን: ኢስተልን ኣነን ዓቢ ወሰኽ—500 ካብ ዘይመልኡ ኣስፋሕቲ ናብ ልዕሊ 2,000 ክዓብዩ—ርኢና ኢና። ብዙሓት ሰባት ናብ ወፈያን ጥምቀትን ክበጽሑ ሓጊዝና: ብርክት ዝበላ ሓደስቲ ጉባኤታት ኣብ ምምስራት ከኣ ተኻፊልና ኢና።
ታሕሳስ 1960: ካብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸ ሚልተን ሄንሽል ንፖርቶ ሪኮ በጽሓ: ምስቶም ሚስዮናውያን ድማ ተዘራረበ። ኣብ ካልእ ቦታ ክምደቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ገለ ሚስዮናውያን እንተ ኣልዮም ከኣ ሓተተ። ካብቶም ወለንተኛታት ዝዀኑ ድማ ኢስተልን ኣነን ነበርና።
ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ዝነበረት ቤትና
እቲ እተመደብናሉ ሓድሽ ቦታ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ነበረ: 1 ሰነ 1961 ክንነቅል ድማ መደብና። 30 ግንቦት እቲ ናይ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ውልቀ-መላኺ: ራፋየል ትሩጂሎ ተቐትለ: ናብታ ሃገር ዝግበር ናይ ነፈርቲ ጕዕዞ ድማ ተሰረዘ። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ናይ ነፈርቲ ጕዕዞ ተጀመረ: ከምቲ ዝመደብናዮ ድማ 1 ሰነ ናብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ክንከይድ ከኣልና።
ኣብኡ ምስ በጻሕና እታ ሃገር ኣብ ናዕቢ ኢያ ነይራ: ብመጠኑ ድማ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ነበረ። ሰውራ ኸይካየድ ስግኣት ነበረ: ወተሃደራት ድማ ኣብ ጽርግያ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፍትሽዎ ነበሩ። ኣብ ብዙሕ መፈተሺ ነቝጣታት ደው ንብል ነበርና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደው ዝበልናላ እዋን ድማ ኣቑሑትና ይፍተሽ ነበረ። ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ: ኣብ ባልጃና ዝነበረ ኵሉ ነገር በብሓደ ተፈተሸ። ምስ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ሌላና ከምዚ ይመስል ነበረ።
ናብታ ናይ መጀመርታ መደብና ዝዀነት ከተማ ላ ሮማና ቅድሚ ምኻድና ንሓያለይ ሰሙናት ኣብታ ርእሲ ኸተማ: ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ ጸናሕና። ኣብ እዋን ምልካዊ ስርዓት ትሩጂሎ: እቲ ህዝቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኮሚኒስትን እቶም ዝኸፍኡ ዓይነት ሰባትን ከም ዝዀኑ ኢዩ ተነጊርዎ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እቶም መሰኻኽር ብርቱዕ መስጐጕቲ ይወርዶም ነበረ። በብቑሩብ ግን: ነቲ ዝነበረ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ከነጥፍኦ ከኣልና።
ኣብ ላ ሮማና ንሓጺር እዋን ምስ ዓየና: እንደገና ኣብቲ ናይ ወረዳ ዕዮ ከነገልግል ጀመርና። ድሕርዚ ብ1964 ኣብ ከተማ ሳንቲያጎ ሚስዮናውያን ብምዃን ተመደብና። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ሰውራ ተላዕለ: እታ ሃገር ድማ እንደገና ኣብ ህውከት ኣተወት። ኣብ እዋን ግርጭት ናብታ በቲ ኣብኣ ዝግበር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ፍልጥቲ ዝነበረት ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ደ ማኮሪስ ተቐየርና። እንተዀነ ግን: ብዘይ ዕንቅፋት ናጻ ዄንና ሰበኽና። ፖለቲካዊ ናዕቢ እኳ እንተ ነበረ: ሓንቲ ጉባኤ መስሪትና ኢና። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት: ናብታ ሕጂ ኣብ ሳንቲያጎ ዘላ ቤትና እንደገና ቅድሚ ምምዳብና ካልእ ተወሳኺ ናይ መደብ ለውጥታት ነበረና።
ኣብቲ ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ብርግጽ በረኸት የሆዋ ርኢና ኢና። ብ1961 ኣብቲ ቦታ ኽንበጽሕ ከሎና: ዳርጋ 600 ዝዀኑ ኣሕዋትን 20 ኣቢለን ዝዀና ጉባኤታትን ነበራ። ሕጂ ግን ካብ 300 ኣብ ዝበዝሓ ጉባኤታት ብምዃን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ ዳርጋ 20,000 ዝዀኑ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ካብቲ ኣብ ናይ 1997 ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝነበረ 81,277 ዝበጽሕ ቍጽሪ ተኣከብቲ ክርአ ኸም ዝከኣል: ዓቢ ናይ ወሰኽ ተስፋ ኢዩ ዘሎ። ካብ ቍጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ ዳርጋ ሰለስተን ፈረቓን ግዜ ዝዓቢ ኢዩ!
ሕጂ ብርቱዕ ህዝቢ
ኵነታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ቀጻሊ ዝለዋወጥ እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰብክዎ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይልወጥን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:31) የሆዋ ገና ኣምላኽ ኢዩ: ክርስቶስ ገና ንጉስ ኢዩ: እታ መንግስቲ ድማ ናይ ዓለም እንኮ ተስፋ ምዃና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ግሁድ ኢዩ።
ምስናይዚ ድማ: ካብቲ ገለ 60 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ኣብ ሰይለም: ኦሪገን ኣኼባ እተኻፈልክሉ ግዜ ኣትሒዙ: ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዘደንቕ ለውጥታት ተራእዩ ኢዩ። እቶም ብዙሓት ሰብ: ወይ ዓቢ ጭፍራ: ቍጽሮም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ብምብጽሑ ብሓቂ ዓብዮም ኢዮም። እዚ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ህዝቡ እተዛረቦ ኢዩ:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።”—ኢሳይያስ 60:22
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዳርጋ 60 ዓመታት እኳ እንተ ገበርኩ: ኣብቲ ናይ ሚስዮናዊ ዕዮ ምስባኽን ምምሃርን ብምቕጻል ሓጐስ ክረክብ ድልየተይ ኢዩ። ኣብቲ ዕዮ እቲ ምክፋልን ‘እቲ ኣዝዩ ውሑድ ብርቱዕ ህዝቢ’ ክኸውን ከሎ ምርኣይን ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ምስ በዓልቲ ቤተይ: ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ