ኣስማቶም ተፈላጥነት ኣይረኸበን
መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማት ናይቶም ግምቢ ባቤል ዝሃነጹ ነውራማት ሰባት ኣይጠቅስን ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ድማ: ክላ ግዳ: ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ: ከተማን ርእሱ ሰማይ ዚጥንቍር ግምብን ንስራሕ: ስምና ኸኣ ነጸውዕ: በሉ።”—ዘፍጥረት 11:4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ንሳቶም እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ እዚ ፍጻመ እዚ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ገለ 200 ዓመታት ጸኒሑ ዝዀነ ኢዩ። ሽዑ እቲ ዳርጋ 800 ዓመት ገይሩ ዝነበረ ኖህ ምስቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዘርኡ ይቕመጥ ነበረ። ኵላቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ: ኣብቲ ኖህን ደቁን ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝሰፈሩሉ ከባቢ ድማ ብሓደ ሓቢሮም ዝቕመጡ ኢዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 11:1) ድሕሪ ገለ እዋን: ክፋል ናይዚ ዓቢ ህዝቢ እዚ ንምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ: “ኣብ ምድሪ ሲንኣር [ድማ] ጐልጐል ረኸቡ።”—ዘፍጥረት 11:2
ምሉእ ፍሽለት
ኣብዚ ጐልጐል እዚ እዩ እቲ ጕጅለ ኣንጻር ኣምላኽ ክዓሉ ዝወሰነ። ብኸመይ፧ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣውያን ጽምዲ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ብምባል ክእዝዞም ከሎ: ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28) እዚ ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ንኖህን ደቁን እንደገና ተነጊርዎም ኢዩ። ኣምላኽ ከምዚ ብምባል መምርሒ ሃቦም:- “ን[ስኻ]ትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን: ኣብ ምድሪ ሰስኑ: ኣብኣ ድማ ተባዝሑ።” (ዘፍጥረት 9:7) እቶም ሰባት ‘ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይብሉ’ ኣንጻር እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ብምኻድ ከተማ ሃነጹ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ስምና ከነጸውዕ’ ዝብል ዕላማ ብምሓዝ ግምቢ ክሃንጹ እውን ጀመሩ። ኣንጻር እቲ እተጸበይዎ ግን: ነቲ ግምቢ ሃኒጾም ኣይወድእዎን። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዶም ምእንቲ ከይረዳድኡ የሆዋ ንቛንቋኦም ከም ዝሓናፈጾ ኢዩ ዝሕብር። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ “እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም: ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ” ኢዩ ዝብል።—ዘፍጥረት 11:7, 8
እዚ ፈተነ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምፍሻሉ ዘጕልሕ: ኣስማት ናይቶም ሃነጽቲ ፈጺሙ ‘ዘይምጽውዑ’ ወይ ዘይተወርየ ምዃኑ ኢዩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ኣስማቶም ኣይፍለጥን: ካብ ሰብኣዊ ታሪኽ ድማ ተሓኺኹ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ወዲ ወዱ ንኖህ ዝዀነ ኒምሮድከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ናይዚ ኣንጻር ኣምላኽ እተኻየደ ዕልዋ መራሒዶ ኸይነበረ፧ ስሙኸ ኣጸቢቑ እተፈልጠዶ ኣይኰነን፧
ኒምሮድ—ነውራም ዓለወኛ
ኒምሮድ ናይቲ ዕልዋ መራሒ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዘፍጥረት ምዕራፍ 10 “ኣብ ቅድሚ [“ኣንጻር:” NW ] እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ” ብምባል ኢያ እትዛረበሉ። (ዘፍጥረት 10:9) ቅዱሳት ጽሑፋት “ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ” እውን ይብሎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 10:8) ኒምሮድ ተዋጋኢ: ዓመጸኛ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ ገዛእ ርእሱ ንጉስ ብምሻም ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ገዛኢ ዀነ። ኒምሮድ ሃናጺ እውን ነይሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባቤል ሓዊስካ ሾሞንተ ኸተማታት ከም ዝሃነጸ ይዛረበሉ ኢዩ።—ዘፍጥረት 10:10-12
ስለዚ ኒምሮድ—ናይ ኣምላኽ ተጻራሪ: ንጉስ ባቤል: ከምኡውን ሃናጺ ኸተማታት—ኣብ ምህናጽ ግምቢ ባቤል ምክፋሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስሙኸ ድኣ እሞ ኣየጸውዐን ድዩ፧ ነቲ ኒምሮድ ዝብል ስም ኣመልኪቱ: ብዛዕባ ምብራቓዊ ክፍለ-ዓለም ዘጽንዕ: ኢ. ኤፍ. ሲ. ሮዘንሙለር “እቲ ንኒምሮድ እተዋህበ ስም ካብታ ብመሰረት ናይ እብራይስጢ ትርጕም [ማ·ራድ ʹ ] ‘ዓለወ’ ‘ከድዐ’ እትብል ቃል ዝመጸት ኢያ” ኢሉ ጸሓፈ። ሮዘንሙለር: ቀጺሉ “ምብራቓውያን ብዙሕ ግዜ ንውሩያት ደቂ ዓዶም ምስ ሞቱ ብዝዋሃቦም ኣስማት ናይ ምጽዋዕ ልምዲ ኣለዎም: በዚ ኸኣ ኢዩ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ኣስማትን እተገብረ ነገራትን ዘገርም ምስምማዕ ዝርአ” ብምባል ይገልጽ።
ሓያለይ ምሁራት እቲ ኒምሮድ ዝብል ስም ክውለድ ከሎ እተዋህቦ ስም ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለዎም። ኣብ ክንድኡ: ደሓር እቲ ዓለወኛ ጠባዩ ምስ ተጋህደ ንኽሰማማዕ ተባሂሉ እተዋህቦ ስም ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ንኣብነት: ሲ. ኤፍ. ከይል ከምዚ ይብል:- “እታ ካብ [ማ·ራድ ʹ ] ‘ክንዓሉ ኢና:’ ዝብል ቃል ዝመጸት ኒምሮድ እትብል ስም ንርእሳ: ንገለ ኣንጻር ኣምላኽ እተገብረ ተቓውሞ ኢያ እትሕብር። ምስ ጠባዩ ኣዝያ እትሰማማዕ ስለ ዝዀነት በቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ኢያ ክትዋሃቦ እትኽእል: በዚ ኸኣ መጸውዒ ስሙ ኰነት።” ከይል: ኣብ እግረ-ጽሑፍ ካብቲ ጃኮብ ፔሪዞኒዩስ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ዝጸሓፎ ጠቒሱ ከምዚ ይብል:- “እዚ [ኒምሮድ] እተባህለ ሰብኣይ: ጭፍራ ብጾት ዝነበርዎ ጨካን ሃዳናይ ምንባሩ: ነቶም ዝተረፉ ካልኦት ንዕልዋ ምእንቲ ከለዓዕሎም ኵሉ ግዜ ነታ ቃል ‘ኒምሮድ: ኒምሮድ:’ ማለት ‘ንዕሎ! ንዕሎ!’ እናበለ ብተደጋጋሚ የድህያ ከም ዝነበረ ኢየ ዝኣምን። ስለዚ: ኣብቲ ደሓር ዝመጸ እዋን ብኻልኦት ሰባት: ብሙሴ እውን ከይተረፈ: ልክዕ ከም መጸውዒ ስሙ በታ ቓል እቲኣ ተጸውዐ።”
ኒምሮድ ስሙ ከም ዘየጸውዐ ንጹር ኢዩ። እቲ ክውለድ ከሎ እተዋህቦ ስም ከም ዘይፍለጥ ግሁድ ኢዩ። ልክዕ ከም ኣስማት ናይቶም መሪሕነቱ ዝሰዓቡ ሰባት ካብ መዝገብ ታሪኽ ተሓኺኹ ኢዩ። ስሙ ዘጸውዖ ሓድጊ እውን ከይተረፈ ኣይገደፈን። ኣብ ክንዲ ክብርን ዝናን: ነውሪ ኢዩ ተሰኪሙ። እቲ ኒምሮድ ዝብል ስም ንየሆዋ ኣምላኽ ብዕሽነት እተቓወሞ ነውራም ዓለወኛ ምንባሩ ንዘለኣለም ዘፍልጦ ኢዩ።