ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 12
  • ሰባት ነዊሕ ግምቢ ይሰርሑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ነዊሕ ግምቢ ይሰርሑ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣስማቶም ተፈላጥነት ኣይረኸበን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ግምቢ ባቤል
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ቋንቋታትና ኻብ “ግምቢ ባቤል” ድዩ መጺኡ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 12

ዛንታ 12

ሰባት ነዊሕ ግምቢ ይሰርሑ

ሓያለይ ዓመታት ሓለፈ። ደቂ ኖህ ብዙሓት ደቂ ወለዱ። ደቆም ከኣ ዓበዩ እሞ ንሶምውን ወለዱ። ብዙሕ ከይጸንሐ ሰባት ኣብ ምድሪ በዝሑ።

ሓደ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ኒምሮድ እተባህለ ወዲ ወዱ ንኖህ ኢዩ ነይሩ። ንሰባትን እንስሳታትን ዝሃድን እኩይ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኒምሮድ ንኻልኦት ሰባት ምእንቲ ክገዝእ እውን ንገዛእ ርእሱ ንጉስ ገበራ። ኣምላኽ ንኒምሮድ ኣይፈተዎን።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት ሓደ ቋንቋ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም። ኒምሮድ ምእንቲ ክገዝኦም: ኵሎም ኣብ ሓደ ቦታ ክዀኑ ደለየ። ስለዚ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧ ነቶም ሰባት ከተማን ነዊሕ ግምብን ክሰርሑ ነገሮም። ኣብዚ ስእሊ ሕጡብ ክሰርሑ ከለዉ ርኣዮም።

የሆዋ ኣምላኽ በዚ ህንጻ እዚ ኣይተሓጐሰን። ኣምላኽ ሰባት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክነብሩ ኢዩ ዝደልዮም። እቶም ሰባት ግን ‘ክላ ግዳ! ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝበጽሕ ግምብን ንስራሕ። ስምና ኸኣ ነጸውዕ’ በሉ። እቶም ሰባት ንርእሶም እምበር ንኣምላኽ ከኽብሩ ኣይደለዩን።

ስለዚ ኣምላኽ ነቶም ሰባት ግምቢ ምስራሕ ጠጠው ከም ዘብሉ ገበሮም። ከመይ ገይሩ ከም ዝገበሮ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ቋንቋ ጥራይ: ብሃንደበት እተፈላለየ ቋንቋታት ከም ዝዛረቡ ብምግባር ኢዩ ገይርዎ። እቶም ሃነጽቲ ንሓድሕዶም ምርድዳእ ሰኣኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢያ ከተምኦም ባቤል: ወይ ከኣ ባቢሎን እተባህለት: ትርጕሙ ኸኣ “ፋሕፋሕ” ማለት ኢዩ።

ድሕርዚ እቶም ሰባት ካብ ባቤል ኣርሒቖም ክኸዱ ጀመሩ። እቶም ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ ጕጅለ ሰባት ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ምድሪ ብሓደ ክነ​ብሩ ከዱ።

ዘፍጥረት 10:⁠1, 8⁠-​10፣ 11:⁠1⁠-​9

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ