ዛንታ 12
ሰባት ነዊሕ ግምቢ ይሰርሑ
ሓያለይ ዓመታት ሓለፈ። ደቂ ኖህ ብዙሓት ደቂ ወለዱ። ደቆም ከኣ ዓበዩ እሞ ንሶምውን ወለዱ። ብዙሕ ከይጸንሐ ሰባት ኣብ ምድሪ በዝሑ።
ሓደ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ኒምሮድ እተባህለ ወዲ ወዱ ንኖህ ኢዩ ነይሩ። ንሰባትን እንስሳታትን ዝሃድን እኩይ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኒምሮድ ንኻልኦት ሰባት ምእንቲ ክገዝእ እውን ንገዛእ ርእሱ ንጉስ ገበራ። ኣምላኽ ንኒምሮድ ኣይፈተዎን።
ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት ሓደ ቋንቋ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም። ኒምሮድ ምእንቲ ክገዝኦም: ኵሎም ኣብ ሓደ ቦታ ክዀኑ ደለየ። ስለዚ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧ ነቶም ሰባት ከተማን ነዊሕ ግምብን ክሰርሑ ነገሮም። ኣብዚ ስእሊ ሕጡብ ክሰርሑ ከለዉ ርኣዮም።
የሆዋ ኣምላኽ በዚ ህንጻ እዚ ኣይተሓጐሰን። ኣምላኽ ሰባት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክነብሩ ኢዩ ዝደልዮም። እቶም ሰባት ግን ‘ክላ ግዳ! ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝበጽሕ ግምብን ንስራሕ። ስምና ኸኣ ነጸውዕ’ በሉ። እቶም ሰባት ንርእሶም እምበር ንኣምላኽ ከኽብሩ ኣይደለዩን።
ስለዚ ኣምላኽ ነቶም ሰባት ግምቢ ምስራሕ ጠጠው ከም ዘብሉ ገበሮም። ከመይ ገይሩ ከም ዝገበሮ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ቋንቋ ጥራይ: ብሃንደበት እተፈላለየ ቋንቋታት ከም ዝዛረቡ ብምግባር ኢዩ ገይርዎ። እቶም ሃነጽቲ ንሓድሕዶም ምርድዳእ ሰኣኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢያ ከተምኦም ባቤል: ወይ ከኣ ባቢሎን እተባህለት: ትርጕሙ ኸኣ “ፋሕፋሕ” ማለት ኢዩ።
ድሕርዚ እቶም ሰባት ካብ ባቤል ኣርሒቖም ክኸዱ ጀመሩ። እቶም ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ ጕጅለ ሰባት ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ምድሪ ብሓደ ክነብሩ ከዱ።