ኣብቲ ናይ ኣረማውያን መሰረት ምህናጽ
ካብ መንጎ እቶም በጻሕቲ ሃገር ናብ ሮማ: ኢጣልያ: ከይዶም ዝበጽሕዎ ሓያሎ ዝማርኽ ቅርስታት እቲ ፓንቶን ዝበሃል ንዅሎም ኣማልኽቲ እተወፈየ ቤተ መቕደስ ኢዩ። እዚ ብዓቢ ውሕልነት እተሃንጸ ውጽኢት ናይ ሮሜ ስነ-ህንጻ ሓደ ካብቶም ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበርዎ ኰይኖም ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ ሒደት ድልዱላት ህንጻታት ኢዩ። እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ዳርጋ ብ27 ቅ.ኣ.ዘ. ብኣግሪጳ ቈመ: ብ120 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ እንደገና ብሃድርያን ተሃንጸ። ሓደ ካብቲ ነዚ ህንጻ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ እቲ 43 ሜትሮ ዝኸውን ሰንጣቒት ናይቲ ዓቢ ጕልላት ኢዩ። ካብኡ ዝዓቢ ስፍሓት ከኣ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን እዚ ጥራይ ኢዩ ተሰሪሑ። እዚ ፓንቶን ዝበሃል ቤተ መቕደስ ካብ መጀመርትኡ ናይ ኣረማውያን ኢዩ ነይሩ: እታ ፓንቶን እትብል መበቈላ ግሪኽ ዝዀነት ቃል ድማ “ቦታ ኵሎም ኣማልኽቲ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ሎሚ እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ገና ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕሰብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘገርም ለውጢ ክግበር እተኻእለ ብኸመይ ኢዩ፧
ብ609 ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ቦኒፋስ ራብዓይ ነዚ ንነዊሕ ግዜ ሰብ ዘይተጠቕመሉ ቤተ መቕደስ እዚ ከም ናይ “ክርስትያን” ቤተ-ክርስትያን ገይሮም እንደገና ወፈይዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ናይ ሳንታ ማሪያ ሮቱንዳ ቤተ-ክርስትያን ዝብል ስም ተዋህቦ። ብመሰረት እታ ኣብታ ላ ቺቪልታ ካቶሊካ እትበሃል ናይ ጣልያን ጀስዊት መጽሔት ብ1900 ዝወጸት ዓንቀጽ: ቦናፋስ ሓሲቦምዎ ዝነበሩ ፍሉይ ኣጠቓቕማ ናይዚ ቤተ መቕደስ እዚ “ቅድም ቀዳድም ነታ ድንግል ወላዲት ኣምላኽ: ድሕሪኡ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ክርስትና ዝሞቱ ሰማእታት ወይ ንዅሎም ቅዱሳት ብሓባር ንምኽባር” ኢዩ ነይሩ። እቲ ሳንታ ማሪያ ኣድ ማርቲረስ ወይ ድማ ከም መተካእታ ሳንታ ማሪያ ሮቱንዳ ዝብል ብናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ፓንቶን እተዋህበ ኣስማት ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ዕላማ ኢዩ ዘንጸባርቕ።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 14:8-15 ኣረኣእዮ።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከምዚ ብምባል ትቕጽል:- ነቲ ፓንቶን ናብቲ እተሓስበሉ ሓድሽ ጥቕሚ ንምቕያር “ኣዝዩ ሒደት ነገር ምግባር ጥራይ ኢዩ ኣድልዩ። ጳጳስ ቦናፋስ ነቲ ድሮ በቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ክኢላ ወቓዕ ሙዚቃ ከምኡውን ናይ ኣረማውያን ኣብያተ-መቕደስ ንክርስትያናዊ ኣምልኾ ንምጥቃም ብምቕያር ኣብነት ዝዀኑ ቅዱስ ግሪጎሪ ዓቢ [ጳጳስ ግሪጎሪ ቀዳማይ] እተመስረተ ቀሊልን ሕያውነት ዝመልኦን መምርሒ ኢዮም ስዒቦም።” እዚ መምርሒታት እዚ እንታይ ዝብል ኢዩ ነይሩ፧
ብ601 ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ግሪጎሪ ነቲ ናብታ ኣረማዊት ዝነበረት ብሪጣንያ ንኽኸይድ ነቒሉ ዝነበረ ሚስዮናዊ ዝለኣኹዋ ደብዳበ ከምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ሃቡ:- “እቲ ኣብዛ እተጠቕሰት ሃገር ዘሎ ናይ ጣኦት ኣብያተ-መቕደስ ክፈርስ የብሉን፣ ኣብ ክንድኡስ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ጣኦት ጥራይ ኢዩ ክፈርስ ዘለዎ። . . . እዚ እተጠቕሰ ኣብያተ-መቕደስ ብጽቡቕ እተሃንጸ እንተድኣ ዀይኑ: ካብ ኣምልኾ ኣጋንንቲ ናብ ኣገልግሎት እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክቕየር ኣድላዪ ኢዩ።” እቲ ናይ ግሪጎሪ ሓሳባት: ኣረማውያን ነቲ ናይ ቅድም ኣብያተ-መቕደሶም ከይፈረሰ ምስ ዝርእይዎ: ናብኡ ምኻድ ከዘውትሩ ዝያዳ ክድረኹ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ነበረ። እቶም ጳጳስ: ኣረማውያን “ሓያሎ ኣብዑር ሓሪዶም ንኣጋንንቲ መስዋእቲ የቕርቡ [እኳ ነበሩ: ሕጂ ግን] ነቲ ንድያብሎስ ዝስውእዎ እንስሳታት ሓዲጐም ንኣምላኽ ንምውዳስን እንስሳታት ሓሪዶም ክበልዑ” ተስፋ ንገብር ኢሎም ጸሓፉ።
ናይ ሮማ ካቶሊክ እውን ነቲ ንቕዱሳት “ክርስትያናት” እተወፈየ ኣብያተ-ክርስትያን ምስቲ ናይ ቀደም ኣብያተ- መቕደስ ከም ዝቀራረብ ገይራ ብምምስራት ንናይ ኣረማውያን ኣምልኾ “ተቓዊማቶ” ኢያ። እቲ ናይ ጥንቲ በዓላት ተኣታተወ እሞ “ክርስትያናዊ” ትርጕም ድማ ተዋህቦ። ብቓላት ናይ መጽሔት ላ ቺቪልታ ካቶሊካ ከምዚ ብምባል ክግለጽ ይከኣል ኢዩ:- “ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ምሁራት: ገሊኡ ባህልታትን ሃይማኖታዊ በዓላትን ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ገሊኡ ናይ ኣረማውያን ልምድታትን መገድታትን ኣዝዩ ከም ዝቀራረብ ይፈልጥዎ ኢዮም። እቲ ልምድታት በቶም ሰባት ኣዝዩ ፍቱው: እቲ ባህልታት ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ: ቀንዲ ክፍሊ ህይወት ናይቶም ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ዝነበሩ ህዝብን ውልቀ-ሰባትን ድማ ነበረ። እታ ሕያወይትን ጥበበኛን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነዚ ክትምሕዎ ከም ዝነበራ ኣይኣመነትን፣ እኳ ድኣስ: ክርስትያናዊ መልክዕ ብምሃብ ከምኡውን ሓድሽ መዓርግን ሓድሽ ህይወትን ሂባ ክብ ብምባል: እቲ ሓፋሽ ህዝብን ምሁር ኣካልን ከየዕገርገረ ምእንቲ ክትዕወት ሓያል ግን ጥንቁቕ ሜላ ተጠቕመት።”
ልደት ሓደ ካብቲ ካብ ናይ ኣረማውያን በዓል ዝወሰደቶ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣብነት ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: 25 ታሕሳስ እቶም ናይ ጥንቲ ሮማውያን ደዪስ ናታሊስ ሶሊስ ኢንዊክተ ማለት “ናይታ ዘይትጠፍእ ጸሓይ ልደት” ዘብዕሉላ መዓልቲ ነበረት።
ስለዚ ኸኣ እታ ቤተ-ክርስትያን ንኣልባብ እቶም ኣረማውያን ክትትንክፍ ብምብሃግ: ንሓቂ ኣይሰዓበትን። ነቲ “ብሓፋሽ ህዝቢ ፍቱው ዝዀነ” ናይ ኣረማውያን እምነታትን ልምድታትን ብምቕባል: እተፈላለየ እምነት ምትሕውዋስ ምኽኑይ ገበረቶ። እዚ ድማ ካብ ትምህርትታት ሓቀኛ ክርስትና ኣዝያ ዝረሓቐት እተሓናፈጸትን ከሓዲትን ቤተ- ክርስትያን ኣምጽአ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቅድም ናይ ሮማውያን “ናይ ኵሎም ኣማልኽቲ” ቤተ መቕደስ ዝነበረ ፓንቶን ንማርያም ከምኡውን ንዅሎም “ቅዱሳት” እተወፈየ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ብምዃኑ ኣዝዩ ዝገርም ነገር ኣይኰነን።
ይኹን እምበር: ‘ንኣምልኾ ኣጋንንቲ ናብ ኣገልግሎት እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ’ ንምልዋጥ ነቲ ሓደ ቤተ መቕደስ እተወፈየሉ ዕላማ ወይ ድማ ስም ናይቲ በዓል ጥራይ ምቕያር እኹል ከም ዘይኰነ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧” ኢሉ ሓተተ። ቀጺሉውን “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ኣቦ ድማ እዀነኩም: ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም: ይብል እቲ ዅሉ ዚከአሎ ጐይታ” በለ።—2 ቈረንቶስ 6:16-18